S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሰንበት እዚ ንበዓል ጥምቀት ጐይታና ዝምልከት መልእኽቲ እነመሓላልፈሉ መዓልቲ እዩ። ጐይታና ከም ኵሉ ሰብ ምስ ዓበየ፡ ንእስራኤል ክገሃድ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ናይ ንስሓ ጥም ክሰብኽ ጀመረ። ስለዚ ጥምቀት ክርስቶስ ምስ ሕብረት ኣቦን መንፈ ቅዱስን ንህዝቡ ዝተጋህደሉ (ዝተገልጸሉ) ፍጻሜ እዩ።

ሎሚ ንኹሉ ህዝቢ ዝኸውን መድሓኒ ንሱ ከኣ ክርስቶስ ጐይታ ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ ተሓጐሱ።     ሉቃ 211

መእተዊ፣- ልደትን ቅንያቱን

እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ከም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኪድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ።እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ።” (ዮሃ 107,9,11)

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ስብከት ዘቕዳሴ፡ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒኢሎም ዲያቆናትና የዚሙልና፡ ኣብ ቅዳሴ ዚንበብ ኵሉ ንባባት ሓዲሽ ኪዳን ድማ፡ ክርስቶስ መድሓኒና ብርሃን ምዃኑ፡ ንሕናውን ከምኡ ኽንበርህ ከም ዚግብኣና ዚገልጹልና እዮም። ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ ነቲ ብርሃን ዓለም ዝዀነ እግዚኣብሄር ወልድ፡ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንሰብኮ ኸም ዚግብኣና፡ወልደ መድህን ንሰብክኢሎም ብመዝሙሮም መልእኽቶም የመሓላልፉልና ኣለዉ።

እቲ ወንጌልና ስዉር እንተ ዀነ ኸአ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ እዩ እተሰወረ። እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ።” “2ቈረ 43,4)

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ስብከት ዘቕዳሴ፡ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒኢሎም ዲያቆናትና የዚሙልና፡ ኣብ ቅዳሴ ዚንበብ ኵሉ ንባባት ሓዲሽ ኪዳን ድማ፡ ክርስቶስ መድሓኒና ብርሃን ምዃኑ፡ ንሕናውን ከምኡ ኽንበርህ ከም ዚግብኣና ዚገልጹልና እዮም። ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ ነቲ ብርሃን ዓለም ዝዀነ እግዚኣብሄር ወልድ፡ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንሰብኮ ኸም ዚግብኣና፡ወልደ መድህ ንሰብክኢሎም ብመዝሙሮም መልእኽቶም የመሓላልፉልና ኣለዉ።

እዚ ኣቲናዮ ዘሎና ቅንያት ጾመ፡ ጾመ ነብያት ይብሃል። ክሳብ ልደት ጐይታና ድማ ይቕጽል። እዚ ናይ ጾም እዋን፡ ከምቲ ኵሎም ነብያትን ነገስታትን ምውላድ ናይቲ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ዝተጸበዩን ዚናፈቑን፡ ንሕናውን ኣብዚ ትጽቢት እዚ እንሳተፈሉ ናይ ጾም ግዜ እዩ።

ናይዚ ዕለት እዚ ንባብ ወንጌል፡ ብዛዕባ ክልተ መስተንክር ዝዀኑ ተኣምራት ናይ ኣምላኽናን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶ ዜዘንትው እዩ። እቲ ቐዳማይ ማዕበል ናይ ምህዳእ ተኣምር፡ መድሃኔ ዓለም ክርስቶስ፡ጐይታ ሕገ ተፈጥሮ ምዃኑ ኼመልክተና ኸሎ፡ እቲ ኻልኣይ ተኣምር ከኣመላኽ ኣጋንንቲምዃኑ ዜመልክተና እዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዋላ እኳ ብዕልወት ካብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዝወጹን ንእግዚኣብሄርን ሰዓብቱን ዚጻረሩ  እንተ ዀኑ፡ ገና ኻብ ምልክን ቍጽጽርን ናይ እግዚኣብሄር ወጻኢ ኸም ዘይዀኑ ዘርእየና ተኣምር እዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div