S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ናይ ሎሚ ሰንበት (ነሓሰ 27, 2017) ዝንበበልና ናይ ወንጌል ክፍሊ ካብቲ ጐይታ ነቶም ሰብዓ ልኡካት ወንጌል ክሰብኩ ልኢኽዎም ምስ ተመልሱ፡ ካብ ዝነበሮም ዝርርብ ዝተወስደ እዩ። ኣብዚ ክፍሊ እዚ፡ እቶም ኣርድእቲ ነቲ ዝሃቦም ሓይልን ስልጣንን ተጠቂሞም ነቲ ናይ ወንጌል ዕዮ ብግቡእ ፈጺሞም ብሓጐስ ከም ዝተመልሱ ኢና እንዕዘብ። ጸብጻብ ልእኮኦም ክነግርዎ ምስ መጹ ድማ፡ እቲ ኣብ ልቦም ዓቢ ቦታ ሒዙ፡ ንልቦም ባህታ መሊእዎ ዝነበረ ነገር፡ኣጋንንቲ ከይተረፈ ብስምካ ይግዝኡና ኣለዉብምባል ገለጽሉ። እንተዀነ ጐይታ ጠመተ ኣዒንቶም ካብዚ ነገር ኣልዒሎም ናብቲ ዝዓበየ ነገር ምእቲ ክገብሩግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ፡ ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም፡ በዚ ኣይትተሐጐሱ።ብምባል መለሰሎም። ንሎሚ እምበኣር ካብዚ ክፍሊ ገለ መንፈሳዊ ንህይወትና ዝኸውን ሓቅታት ክነስተብህል ኢና።

እዚ ግዜ እዚ፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ደዲሕሪኡ ብምስዓብ፡ ነቲ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ዝነበረ ቃል ጸጋ ክምገቡ ዝጸንሑ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ዝረኣይዎን ዝጠዓምዎን ምክፋል ዝላመድሉ ግዜ ምብጽሑ እዩ ዘመልኽት። ምእንቲ ክደጋገፉ በብኽልተ ጌሩ ናብ ቅድሚኡ ናብ ዘለዋ ዓድታት ለኣኾም። ወንጌል መንግስቲ ክርስቶስ ድማ ሰበኹ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ሰብ ብንስሓ ዝኣትዋ፡ ሰማያዊት መንግስቲ እያ። ስለዝዀነ ድማ “ተነስሑን ተመለሱን” እናበሉ ክሰብኩ ጀመሩ። እቲ እክሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። እቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ክልእኸሉ ለምንዎ በሎም። ንርእሶም ድማ፡ ዓየይቲ ዀይኖም ክለኣኹ ርእሶም ኣደለዉ። ከም ኣብ ኵሉ ናይ ወንጌል ስብከት ባህርይ፡ ዝንሳሕን ዘይንሳሕን ክህሉ ባህርያዊ እዩ እሞ፡ ኩራዜንን ቤት ሳይዳን ዝተባህላ ከተማታት ኣይተነሰሓን። ጐይታ ድማ ወይልኽን እናበለ ክወቐሰን ጀመረ። ኣበሰኤን ካብ ኣበሳ ጢሮስን ሲዶናን ከም ዝበዝሐ ድማ ነገረን። ምኽንያቱ፡ እቲ ኣባታተን ዝተገብረ ዓብዪ ሓይሊ፡ ነቲ ተሓታትነተን ከም ዘብዝሖ እዩ ዘመልኽት። እቶም ሕጂ ዝተላእኩለን ደቀ መዛሙርቲ፡ ብስልጣንን ሓይልን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እዮም ወንጌል ዝሰበኹሎም። እዚ ሓይልን ስልጣንን፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ከይተረፈ ዘገረመ እዩ ዝነበረ። እቶም ኣተግበርቲ እቲ ሓይልን ስልጣንን ዝነበሩ ኣርድእቲ እናዳተገረሙ፡ እዘን ቁሸታት ግና ንንስሓ ዝኸምውን ምግራም ተሳእንን። እቲ ብነብያት ንዝተዋህበ መጠንቐቕታ ብዘይምስማዕ ንዝሰዓበ ዝይምእዛዝ ግቡእ መቕጻዕቱ ካብ ዝቕበል፡ እቲ በቲ ወራሲ ኵሉ ዝዀነ ሓደ ወዱ ንእግዚኣብሄር፡ ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተሰብከ ወንጌል ዝግበር ዘይምእዛዝ እንታይ ዝበለ ወይልኪ ዘብል ወዮ ከም ዘስዕብ ምግማቱ ኣይከብድን እዩ (እብ 1፡1-2፣ 2፡1-4)።

በዘን ከተማታት እኳ እንተዘይተሓጐሰ፡ በቶም ንጥበቡ ተቐቢሎም ዘጽደቕዎ ደቁ ግን ከም ዝተሓጐሰ እዩ ገሊጹ። እቶም ሰብዓ ልኡኻት ዕውት ተልእኾ ፈጺሞም ተመሊሶም ጸብጻብ ምስ ሃብዎ፡ በቲ ኣቦ ኣብኣቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዝገለጾ ዓብይ ጥበብ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ኣብዚ ክፍሊ እዚ ጐይታ ኣሓጒስዎ ዘሎ፡ እቲ ኣምላኽ ነቶም ሕጻናት ዝሃቦ ምግላጽ እዩ። ካብቶም ብልህታትን ኣስተውዓልትን ምዃኖም ብርእሶም ዝእመኑ ሰባት እቲ ሰማያዊ ምግላጽ ስውርን ሕቡእን እዩ። ተሰዊርዎም ዘሎ፡ ኣምላኽ ምእንቲ ከይረኽብዎ ሓቢእዎ ዘይኰነስ፡ ንሳቶም ብዓይኒ ምስትውዓሎምን ብልሃቶምን ርእዮም ከም ናይ ሕጻናት ጌሮም ስለ ዝነዓቕዎ እዩ (ግብ 26፡24-25)። እንተዀነ ግን እቶም ነደቕቲ ዝነዓቕዎ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰይኑ እዩ (1ጴጥ 2፡7፣ መዝ 118፡22)። እቶም ሕጻናት ግን ነቲ በዞም ብልህታት ዝበሃሉ ሰባት ዝተናዕቀ ነገር ረኺቦም ተቐቢሎምዎ። ቃል ኣእምሮን ብልሃትን ኰይኑ ከኣ ረኸብዎ። እዞም ሕጻናት ዝበሃሉ ዘለዉ ግን ብዕድመ ቆልዑ ንምባል ኣይኰነን። ከምቶም ሕጂ ዝተወልዱ ሕጻናት ኮይኖም ነቲ መንፈሳዊ ጸባ ንዝብህጉ ኣመንቲ ምዃኖ ንምሕባር እዩ (1ጴጥ 2፡2-3)። ጐይታ ኩልና ከም ሕጻናት ወይ ቆልዑ ክንከውን፡ እንተዘይኴንና ንመንግስቲ ኣምላኽ ክንርእያ ከም ዘይንኽእል ምዒዱና እዩ (ማቴ 18፡1-10)። እዞም ምግላጽ ተዋሂብዎም ዘሎ ሰባት እቶም ደቀ መዛሙርቲ እዮም (ማቴ 13፡11፣ 1ቈረ 1፡26-29፣ 1ቈረ 14፡20)።

ኣምላኽ ብጸግኡ ዝግልገል ኣምላኽ እዩ። ገለ ከም ዝጨንቖ ኢድ ሰብ ኣይተገልግሎን እያ (ግብ 17፡25)። ስለዚ ክልእኮም ከሎ ኵሉ ኣማሊኡ እዩ ሰዲድዎም። ብዛዕባ ንስጋ ዘድልዮም ከይሓልዩ፡ ኣብታ ሰላሞም እትቅበል ቤት ኽዕንገሉ ምድላዉ ጥራይ ዘይዀነ፡ ከናፍሮም ዝመልሶ እንታይ ከም ዝኸውን ከይሓልዩውን ከይተረፈ፡ መንፈስ ቅዱስ ቃላት ከቐብሎም ምዃና፡ ንቃላቶም ድማ ብዝስዕብ ተኣምራን ከጽንዕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ሰደዶም። ቅድሚ ሕጂ ከምኡ ዝበለ ስልጣን ሰብ ኣብ ልዕሊ መናፍስቲ ጸልማት ክጥቐም ተራእዩ ብዘይልጥ፡ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዘግዝኦም ስልጣን ሃቦም። እቲ ናይ ስልጣኖም ምንጪ ዝነበረ ድማ እቲ ልዕሊ ኵሉ ኣስማት ክዕል ዝበለ፡ ብርኪ ዘበለ ዝሰግደሉ፡ ልሳን ዘበለ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ዝእመነሉ ናይ ክርስቶስ ስም ምንባሩ “ብስምካ ኣጋንንቲ ይግዝኡና ኣለዉ” ብምባል ገልጹ (ፊሊ 2፡9-11)። ነዞም ኣርድእቲ እዚኣቶም፡ ልዕሊ ኵሉ ዘሐጕሶም ነገር ድማ እዚ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ መናፍስቲ ጸልማት ክሙከርዎ ዝጀመሩ ፍሉይ ስልጣን እዩ ዝነበረ። ብርግጽ ድማ ዘሐጉስ ነገር እዩ። ምኽንያቱ ብሰሪ እታ ኣብ ገነት ኤደን ዝተፈጸመት ቦኽሪ ኣበሳ፡ ሰይጣን ብሓጢኣት ክመልኮምን ክገዝኦምን እዩ ጸኒሑ። ንርእሶን ሓራ ወጺኦም፡ ነቲ ሓያል እሲሮም ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቱ ዓጽዪዎም ዝነበረ እሱራት ዘናግፍሉ ምስጢር ምርካቦም ከምይ ዘየሐጉስ (ማቴዎስ 12:29)። እቲ ንዘበናት ዝጸንሐ ታሪኽ ተለዊጡ፡ ፍሉይን ፍቱንን መሳርሑ ረኪቦም - ስም ኢየሱስ ክርስቶስ።

ጐይታ፡ በዚ ንሳቶም ዝረኸብዎ ምስጢር ስልጣን ኣምላኽ ሕጉስ እዃ እንተ ነበረ፡ ንልቦም ግና ካብዚ ሕልፍ ናብ ዝበለ ናብቲ ምንጪ መሰረታዊ ሓጐሶም ክኸውን ዘለዎ ሰመያዊ ርስቶም ከቕንዖ ከሎ ንዕዘብ። እቲ ምንጪ መሰረታዊ ሓጐሶም፡ ኣስማቶም ኣብ ሰማይ ኣብ መጽሓፍ ህይወት፡ ኣብ መጽሓፍ እቲ ገንሸል ምጽሓፉ ክኸውን ከም ዘለዎም ነገሮም። ኣምላኽ ንሰብ ዝሃቦ መሰረታዊ ምንጪ ሓጐስ እምበኣር ናይታ ኣምላኽ ዘዳለው ሰማያዊት መንግስቲ ወራሲ ምኻኑ ዘረጋግጽ ስሙ ኣብ መዛግብቲ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ምስፋሩ እዩ። እዚ መጽሓፍ ህይወት ተባሂሉ ተገሊጹ ዘሎ መጽሓፍ፡ ኣስማት ናይቶም ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ሰባት መዝጊቡ ዘሎ መጽሓፍ እዩ። ዝዀነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ክድርበ እዩ (ራእ 20፡12, 15፣ 21፡27)። ብሓንቲ እትንሳሕ ነፍሲ ኣብ ሰማይ ዓቢ ሓጐስ ከም ዝኸውን ቃል ኣምላኽ ይምህረና እዩ (ሉቃ 15:10)። እዚ ንኣምላኽን መላኣኽትን ኣብ ሰማይ ዘሐጉስ ጉዳይ፡ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዝምዝገብ ስም ምህላዉ እዩ ዘመልኽት። በቲ ሓደ ኣንጻር ድማ ንኣምላኽ ገዲፉ ኣብ ሓጢኣት ክነብር ናብ ድሕሪት ዝተመልሰ፡ ነቲ ንንስሓ ዝወሃቦ ዕድል ዘባኽን ሰብ፡ ስሙ ካብ መጽሓፍ ህይወት ከም ዝፍሓቕ ጐይታ ኣጠንቒቑ እዩ (ራእ 3:5፣ 2፡5)። ስለዚ መንግስቲ ኣምላኽ ሰብ ብንስሓ ናባኣ ኣትዩ ብናይ ንስሓ ህይወት ከኣ ኣብኣ ዝነብረላ ህይወት እያ።

እቲ መሰረታዊ ምንጪ ሓጐስና፡ ስምና ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ምጽሓፉ ምፍላጥና ካብ ዀነ፡ ኣስማትና ኣብቲ መጽሓፍ ተጻሒፉ ምህላዉ ብከመይ ኢና ክንፈልጥ እንኽእል፧ ብመሰረቱኸ ክንፈልጥ ንኽእል ዲና፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ምምላስ ቀሊል እዩ። ብዘይትፈልጦ ነገር ክትሕጐስ ከም ዘይክኣል ርእሰ ግሉጽ ዝዀነ ሓቂ እዩ። ጐይታ ኣስማትኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተጻሕፈ ተሓጐሱ ክብለና ከሎ፡ ብዘይንፈልጦ ወይውን ክንፈልጦ ብዘይንኽእል ነገር ክንሕጐስ ይሓተና ከም ዘየለ ግሉጽ እዩ። ብትኽኽል ድማ እቲ ኣስማቶም ኣብ ሰማይ ምስፋሩ ከም ውሁብን ርዱእን ነገር ወሲዱ እዩ ዝዛረቦም ዘሎ። ኣምላኽ ኵሉ ሰብ ክድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ክበጽሕ ዝፈቱ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ምሳና ጭርጭር ኣይጻወትን እዩ። ነቲ ብልቢ ተጣዒሱ ናብኡ ዝተመልሰ፡ ዓስቡ ከየጣፈአ ናብኡ ዝቅበል፡ ብሓጢኣት ዝረስሐ ክዳውንቱ ኣውጺኡ ናይ ጽድቂ ልብሲ ዘልብስ፡ መንፈሱ ብምሃብ ድማ ውሉዱ ዝገብር ኣምላኽ እዩ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 3፡19-20 ነዚ መስርሕ ጽቡቅ ጌሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ምምላስ ናብ ኣምላኽ ዘጠቓልሎ ነገራ፥ ሓጢኣትካ ይድምሰሰልካ፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሔር ዘመን ዕረፍቲ ይመጸልካ፡ እቲ ንዓካ ዝተሓርየ ክርስቶስ ድማ ይስደደልካ። ብንስሓ ሓጢኣትና ምስ ተደምሰስ፡ ክርስቶስ ብመንፈሱ ኣብ ልብና ይነግስ። ንህይወትና ቤተ መቕደሱ ይገብሮ። እዚ ማለት ማሕተሙ ዘሎና ናቱ ንብረት ንኸውን ኣሎና ማለት እዩ። ከምቲ ኣብ ሮሜ 8፡9 ተገሊጹ ዘሎ ናይ ክርስቶስ ምዃንና ዘረጋግጽ ድማ መንፈስ ክርስቶስ ዘሎና ምዃንና እዩ። እቶም መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሎም ንሳቶም ናይ ኣምላኽ ኣይዀኑን። ኣምላኽ ድማ ነቶም ናቱ ይፈልጦም እዩ። እቲ ዘሐጉስ ድማ ኣብ ሰማይ፡ ኣብ መዝገብ ህይወት ዘይተመዝገበ፡ ንኣምላኽ ኣብ ምድሪ ካብኡ ካብ መንፈስ ዝተወልደ ንብረት ዘይብሉ ምዃኑ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ምስ መንፈስና ኰይኑ ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ይምስኽረልና እንተ ኣልዩ፡ ኣስማትና ኣብ መጽሓፍ ህይወት ናይቲ ገንሸል ኣብ ሰማያት ተጻሒፉ ከም ዘሎ ርግጸኛታት ክንከውን ይግብኣና (ሮሜ 8፡15-17)። ምኽንያቱ ወሉድ ኰይኑ ዘይወርስ የልቦን፡ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተረኽበ ድማ ኣይወርስን። ስለዚ ውሉድ ኣምላኽ ምዃን ማለትን ስምካ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ምጽሓፍን ሓደ እዩ።

ስለዚ ሎሚ ልዕሊ ኵሉ፡ ከሐጕሰና ዝግብኦ ነገር እዚ ይኹን - በታ ጐይታ ንፍጥረት ኵሉ ዝፈርደላ ግዜ፡ እቲ መጽሓፍ ምስ ተገንጸለ፡ ስምና ብዘይሃስስ ቀለም ተጻሒፉ ክርኸብ ምዃኑ ምፍላጥና። እዚ ስም እዚ ኣብቲ ዝተጻሕፈሉ መዝገብ ዝነብር ድማ፡ ካብቲ ካብ ኣቦታትና (ኣዳም) ዝወረስናዩ ከንቱ ንብረት፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ክቡር ደመ ምድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተሓጺብና ዝጀመርናዩ ሰማያዊ ጉዕዞ፡ ጽድቂ ክርስቶስ ለቢስና፡ ኣስኣሰሩ ክንስዕብ ከሎና ኣዩ (1ጴጥ 1፡18-19፣ 2፡21)።

ኣምላኽ ይደግፈና። ኣሜን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ, መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥     ሰንበት ነሓሰ 27, 2017     ነሓሰ 21, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 77፡17-18

ቃለ ወሃቡ ደመናት ኣሕፃከ ይወፅኡ። ቃለ ነጐድጓድከ በሠረገላት። ኣስተርኣየ መባርቅቲሁ ለዓለም።


ደበናታት ብርቱዕ ማያት ኣፍሰሰ፣ ጠፈር ድምጹ ኣስምዔ፣ ፍላጻታትካውን ተወረወረ። ድምጺ ነጐድጓድካ ኣብ ህቦብላ ነበረ፣ መባርቕ ንዓለም ኣብርሃ፣ ምድሪ ተናወጸት ኣንቀጥቀጠትውን

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ተሰ 2፡1-13

ዲያቆን

ወንጌል፡  ሉቃ 10፡17-25

1ጴጥ 2፡1-13

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘወልደ ነጐድጓድ (ኃቤከ)

ግሃ 20፡1-13

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div