S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጐይታና ደጊሙ፡ ካብ ምግፋፍ ዓሳ ናብ ምግፋፍ ሰብ ምስ መለሶም፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብስሙ ረቝሑ ኣዝዩ በዳሂ ሕቶ ሓተቶ። ነቲ ሕቶ ብውክልና ናይ ኵላቶም፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ፈልዩ እንተ ኣቕረበሉ እኳ፡ ንዅላቶም ኣብኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርትን፡ ብድሕሪኦም ንዝመጹ ዅላቶም ወለዶታትን ዚምልከት እዩ ዝነበረ። በእምሮና፡እዚ ሕቶ ንጴጥሮስ ጥራይ ዝተሓትተ ሕቶ እዩኢልና ዘይንሓስብ እኳ እንተ ዀንና፡ ብግብሪ ግና መዓልታውን ምሉእ ዕድሜናን ኸም ዘይምልከተና ጌርና ኸም እንርእዮ ኣሉ ኺበሃል ዘይከኣል ሓቂ እዩ።

እዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ ኣብ ምድሪ ገሊላ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ዝተፈጸመ ኣስተርእዮ (ግልጸት) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እቲ ኽሳዕ እዚ እዋን ብእኩባቶም ክልተ ሳዕ ዝተራእዮም፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ዝነበረ። በቲ፡ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየዝበሎም መሰረት ናብ ዓዶም ተመሊሶም ነበሩ።

ጐይታና፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ብፍርሃት ተዋሒጦም፡ ነቲ ዝነበሩሉ ገዛ ኣጽንዖም ሸጒሮም ይነብሩ ኸም ዘለው ምስ ረኣየ፡ ካብዚ ሳቓዪ ፍርሃትን ዘይምእማንን ምእንቲ ኼናግፎም ኪረኣዮም ወሰነ። ከምቲ ዝነበሮም ፍርሃትን ምጥርጣርን፡ ኣብ ኣፍደገ ማዕጾ ደዉ ኢሉ ብምዅሕኳሕ ኪኸፍትዎ እንተ ዚሓትቶም ኪኸፍትዎ ምተጸገሙ ነይሮም።

እዚ ናይዚ ዕለት ወንጌል ንባብ፡ ብዛዕባ  ኤማሁስ ገጾም ዚኸዱ ዝነበሩ ኽልተ ደቀ መዛሙርትን ጐይታን መድሃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበርዎ ዝርርብ ዚገልጽ እዩ። ካብዞም ክልተ እቲ ሓደ ቀለዮጳ እዩ ዚበሃል። ናብ ኣማሁስ ገጾም ዚኸዱ ዘለዉ ድማ ምስክርነት ናይተን መላእኽቲ ዝተራእይወን ቅዱሳን ኣንስትን፡ ናይቶም ናብ መቓብር ከይዶም ስጋ ክርስቶስ ዝሳኣኑ ክልተ ሃዋርያትን ድሕሪ ምስምዖም እዩ። ነቲ ክርስቶስ ዝነገሮም ቃል ምዝካር፡ ነቲ ናይ ትንሳኤኡ ምስክር ድማ ምእማን ሓዲጎም ኪዘራረቡን ኪመራመሩን ዝመረጹ ሰባት ነበሩ።

እዚ ዳግማይ ትንሳኤኢልና ነብዕሎ ዘሎና መዓልቲ እቶም ደቂ መዛሙርቱ ብሓደ ኣብ ሓንቲ ገዛ ተኣኪቦም ከለዉ ንመጀመርታ ጊዜ ዝተጋህደሉ መዓልቲ ንምዝካር ዝዓለመ በዓል እዩ። ቅድሚ ንኣታቶም ምርኣዩ፡ ንሒደት ቅዱሳት ኣንስትን ንሰብ ኤማሁስን ተራእይዎም እዩ። እተን ኣንስቲ መጺአን ከም ዝረኣያኦ ምስ ነገራኦም፡ እቲ ዘረባ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ፈጺሞም ኣይኣመንወንን ነበሩ። ጐይታ ድማ ነዚ ዘይምእማኖም እዚ ምእንቲ ኺፍውስ፡ ንዅሎም ኪረኣዮም መረጸ። ምኽንያቱ ናይ ትንሳኤኡ ምስክር ኰይኖም ንምልእቲ ዓለም ዚሰብክዋ ንሳቶም እዮም።

ማርያም መግደላዊት ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ ሓንቲ ዀይና፡ ካብተን ንጐይታና ናብ ዝኸዶ ዅሉ ዝሰዓባኦ ቅዱሳት ኣንስቲ ነበረት። ጐይታ ነቶም ኣብኣ ዝሓደሩ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ኣውጺኡ ምሕረት ዝሃባ ፈዋሲኣ ስለ ዝነበረ ኣዝያ ተፈቅሮ ነበረት (ሉቃ 8፡2-3)። እንተ ዀነ፡ ነቲ እተፍቅሮ ጐይታ፡ እቲ ሕሱም ሞት ካብኣ ፈልዩ ስለ ዝወሰዶ ናብ ዓሚቚ ሓዘን ኣተወት። እቲ ቕድሚ ሞቱ ኺግበረሉ ዚግባእ ኵሉ ተማሊኡ ዘይተገብረሉ ዀይኑ ስለ ዝተሰምዓ፡ ገና ጸልማት ከሎ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት።

እንሆ፡ ድሕሪ ሾብዓተ ሰናብትን ሳምንትን ናይ ጾም፡ ናብዚ “ሆሳእና” ዝተሰምየ ሓያሎ ትንቢታት ዝተፈጸመሉ፡ ናብ ሕማማት ዜስግረና በዓል በጽሒና ኣሎና። እዚ ናይ ሆሳእና ዕለት’ዚ ጽምብል ደኣ ይመስል እምበር ናይ ምህለላን ምሕጽንታን መዓልቲ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ፡ “ሆሳእና” ዚብል ናይ እብራይስጢ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ ድማ “ኣድሕን” ማለት እዩ። እዚ ቃል ትንቢት እዚ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ብኣፍ ነብዪ ዳዊት፡ “ ዎ እግዚኣብሄር ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣሰልጥን (ኣዐውት) ኰታ። እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡” ተባሂሉ ዝተነግረ እዩ (መዝ 118፡25-26)።

እዚ ሻብዓይ ሰንበትን ሳምንትን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓብይ ጾም፡ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያንኒቆዲሞስተባሂሉ ዝስመይ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ካልኣይን ዓብይን ልደትና ክንሓስብን ክንምርምርን ዝተሰርዓልና እዩ። ብርግጽ እቲ ቐዳማይ ልደትና እቲ ካብ ኣብራኽ ወለድና ዝተወለድናዮ ስጋዊ ልደት እዩ። በቲ ካብ ምዕራባውያን ዝተወርሰ ባህሊ ዳርጋ ዅሉ ሰብ ነቲ ስጋዊ ልደቱ ዓመት መጸ ብብዙሕ ወጻኢታት ኬኽብር ዚረኣይ። ነቲ ዝዓበየን ንዘለኣለማዊ ዕጫኡ ዚውስንን ካልኣይ ልደቱ ዚዝክር ግና ዳርጋ የልቦን ኪብሃል ዚከኣል እዩ። እቲ ቐዳማይ ልደትና ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ናይ ምንባር ዕድል ኪፈጥረልና ኸሎ፡ እቲ ኻልኣይ ልደት ግና ኣብታ ዘለኣለማዊት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምንባር ረብሓን ክብርን እዩ ዜውርሰና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div