S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሳብዓይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ ብስያሜ ቤተ ክርስትያን ኒቆዲሞስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ኒቆዲሞስ እዚ እቲ ብስውር ወደ መዝሙር ጐይታ ዝነበረ ሓለቃ ኣይሁድ ፈሪሳዊ እዩ። ነቲ ጐይታ ምስኡ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ዝገለጾ ምስጢር ሰማያዊ ልደት እነስተንትነሉ ሰሙን ድማ እዩ።

እዚ ሳድሳይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 26) ገብር ኄር ይስመ። እዚ ክፍሊ፡ ካብቲ ብዛዕባ እቶም መኽሊት ተቀቢሎም ከሽርፉ ዝወጹ ባሮት፡ ጐይትኦም ምስ ተመልሰ ብዛዕባ እቲ ዝሃቦም መኽሊት ከም ዝተጸባጸቦም ዝምህር ክፍሊ ወንጌል ዝተወስደ እዩ።

እዚ ሓሙሻይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 19) ደብረ ዘይት ይስመ። ጐይታና ኢየሱሰ ዝበዝሐ ትምህርቱ ኣብ ከረን ደይቡ እዩ ዝመሃሮ። ኣብ መጀመሪ ስብከቱ ኣንቐጸ ብጹኣን ተባሂሉ ዝፍለጥ (ማቴ 5-7)። ካብቲ ናይ መወዳእታ ትምህርታት፡ ማለት

እዛ ራብዐይቲ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 12, 2017) መጻጒዕ ተባሂላ ትስመ። መበገሲ ሓሳቡ ካብቲ ወንጌላዊ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ምዕራፍ 5 ኣስፊርዎ ዘሎ ምሕዋይ ናይቲ 38 ዓመት ዝተደነስ ሰብኣይ እዩ። ናይ ኣስተንትኖና ኣርእስቲ ነዚ ሰሙን ድማ፡ እታ ጐይታ መግለጺ ክብሩ ንኽትከውን ክሓድራ ዝብሃጋ፡ ዘጽረያ፡ ዝቐደሳ ህይወትና፡ ድሕርቲ ኵሉ ዝተገብረክላ ዓብዪ ስራሕ ኣምላኽ፡ ደጊማ ከይትብድል ክትጥንቀቕ ትምዓድ ዝብል እዩ። 

እዛ ሳልሰይቲ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 5, 2017) ምዅራብ ተባሂላ ትስመ። መሰረተ ሓሳቡ ድማ ካብቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብቅንኣት ቤቱ ተበሊዑ፡ ነቲ ኣብ ቤተ መቅደስ ዝጸንሖ ዘይንቡር ነገር፡ ከዐሪ ዝተራእየሉ ታሪኽ ዘዘንቱ ክፍሊ ወንጌል እዩ ዝብገስ።

ኣብ ዓለም፡ ንፍቕሪ ዘይተደርፈሉን ዘይተጻሕፈሉን ዘመን የለን፡ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኣብዚ ምዕቡል ግዜ ከኣሞ፡ ብዝረቐቐ ኣገባብ፡ ብደርፍታትን መጻሕፍትን ፊልምታትን፡ ፍቕሪ ፍቕሪ ክብሃል፡ ካብ ምስማዕ ኣእዛና ኣየዕረፈን።

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝርኣናዮ፡ እቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዕኡ ዝተረድኦ ሰብ (ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ፍቅሪ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቡ ዝፈሰስ) ጥራይ እዩ እቲ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ ምፍቓር ከፍቕር ዝኽእል ኢልና ኔርና። ንሎሚ እንመሃሮ ድማ እቲ ኣምላኽ ብሕያውነቱ  ንዝገበረሉ ምሕረት ዝጥዓመ ሰብ ጥራይ እዩ ንቃል ኣምላኽ ብባህጊ ክበልዕን ክሰትዮ ዝርከብ ዝብል ክኸውን እዩ። እዚ ማለት ድማ ሕያውነት እግዚኣብሔር ዘይጥዓመ ሰብ ንቃለ እግዚኣብሔር ክናፍቖን ክብህጎን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ጠንቂ ዘይምህላው ወይ

መእተዊ፥ እዚ (ለካቲት 19, 2017)፡ ጾመ ኣርብዓ ዝኣትዋሉ ቀዳማይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ እዩ። ጾመ ኣርብዓ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ቤተ ክርስትያንና ናይ ጾም እዋን እዩ። በብሰሙኑ ድማ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምውራዱ ክሳብ ትንሳኤኡ ዝሓለፎ ህይወት ብምስትንታን እንዝክረሉ፡ ኣብቲ ናቱ ስራሕ ሓቢርና ምህላውና ርእስና እንምርምረሉ ክቡር ግዜ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና ሕጽር ዝበለ ትምህርቲ ጾምን፡ ናይዛ ሰንበት ኣርእስቲዘወረደዝብል ምውራድ ወልድ ዋህድን፡ ዕላማ ምስጋዉን ክንርኢ ኢና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div