S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ቀዳማይ ሰሙን ናይዚ ወርሒ (1 - 8 መስከረም ግእዝ) ዮሃንስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዝተነበልና ናይ ወንጌል ክፍሊ ድማ ነቲ ዮሃንስ መጥምቕ ዝመስከሮ ምስክርነት ዝምልከት እዩ። ኻብዚ ተበጊስና ድማ ንኣገልግሎት ዮሃንስን ኣገዳስነቱ ኣብ ህይወትና ኣስፊሕና ክንመሃር ኢና።

ኣይሁድ ናይ ዮሃንስ መጥምቕ ዕዉት ተልእኾ ምስ ረኣዩ፡ እቶም ህዝቢ፡ ነቶም ኣብ ቀራናታት መገዲ ጸሎቶም ዘንውሑ፡ ብብሉጽ ክዳንውንቲ ዘጌጹን ኣብ ኣደባባይ ዝሰፈሮምን መራሕቲ ገዲፎም፡ ናብ ሓደ ዘብህግ ትርኢት ዘይነበሮ እሞ ከኣ ኣብ በረኻ ዝማሕደሩ ሰብ ክጐዩ ምስ ጀመሩ: ብዛዕባ መንነት ዮሃንስ ዓብይ ሕቶ ኣልዓሉ። ባዕሎምእከለ እዩክብሉ ስለ ዘይከኣሉ ከኣ ካብ ኣፉ ክሰምዑ፡ ዝሓትዎ ሰባት ለኣኹሉ። እታ ሕቶ ኣዝያ ረቃቕን ሓያልን እያ።ንስኻ መን ኢኻ፧እትብል ሕቶ እያ። ዮሃንስ ብብዙሕ ዓይነት ኣረኣእያ ንርእሱ ክርኢ ይኽእል እዩ። በቲ ዝዓምሞ ዘሎ ዕዮን ብዝስዕቦ ዘሎ ህዝብን ኣንጻር እንድሕር ንርእሱ ገምጊምዋ፡ ምናልባት ብዛዕባ ርእሱ ጌጋ ርድኢት ክነብሮ ይኽእል ነይሩ ይኸውን። ንሳቶም ክርስቶስ ከም ዝዀነ ክነግሮም ይጽበዩ ነበሩ። ንሱ ግን ከም ዘይኰነ ተኣመነ። ስለዚ እታ ሕቶ ንክርስቶስ ንክኽሕድ ዝተሓተታ ሕቶ ምንባራ ንርዳእ። ንክርስቶስ ዝወሃብ ክብሪ ኽረክብ ክብልኣነ እየ ክርስቶስኢሉ ክኽሕድን ንገዛእ ርእሱ መገዲ ክጸርግን ኣይፈተነን።

እታ ዝሰዓበት ሕቶኤልያስ ዲኻ፧ትብል ነበረት። ነብዪ ኤልያስ ከም ዝለኣኸሎም እግዚኣብሄር ብነብያት ኣተስፍዩ ነበረ (ሚል 45-6) ከምቲ ገብርኤል መልኣኽን ክርስቶስን ዝመስከሩሉ ከኣ፡ ብሓቂ እቲ ክመጽእ ዘለዎ ኤልያስ (ብመንፈስ) ንሱ ነበረ (ሉቃ 117 ማቴ 1114 ማቴ 1710-13) ዮሃንስ ከኣኣይኰንኩንኢሉ መለሰ። ንሱ በቲ ኤልያስ ለቢስዎ ዝነበረ መንፈስ ደኣ እዩ መጺኡ እምበር፡ እቲ ናይ ቀደም ኤልያስ ዳግም ብስጋ ተወሊዱ ኣይመጸን። ከም ናይ ኤልያስ ዝዓይነቱ ተልእኾን ህይወትን ደኣ እዩ ሒዙ መጺኡ እምበር ንሱስ ኤልያስ ዘይኰነ ዮሃንስ ነበረ።እቲ ነብዪ ዲኻ፧ኢሎም ከኣ ኣስዒቦም ሓተትዎ። ኣብዚ እቶም ሓተትቲ ብዛዕባ እቲ ዝሓትዎ ሕቶ ርድኢት ከም ዘይብሎም ንርዳእ። ምኽንያቱእቲ ነብዪተባሂሉ ዘሎ ክርስቶስ ንርእሱ እዩ። ሙሴከምዚ ከማይ ዝበለ ነብዪ ከተንስኣልኩም እዩኢልዎም ስለ ዝነበረ እዮም፡ እዚ ሕቶ እዚ ዝሓተቱ። ግን እቲ ነብዪ ተባሂሉ ዝተነግረሉ ክርስቶስ ምዃኑ ከኣ ተጋሂዱ እዩ (ዘዳ 1815 ግብ 321-24)

ዮሃንስ ነዞም ኣጥቢቖም ዝሓተትዎ ሰባት፡ ብዛዕባ መንነቱ ዜገርም ነገር ተዛሪብዎም። ንሱ ከኣድምጺ እየበሎም። “‘መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑዝብል ድምጺ እየበሎም እምበር፡ ኣነነብዪ ወይ ሃዋርያ ወይ ሓደ ካልእ ነገር እየኣይበለን። ክሳዕ ክንድዚ ብዛዕባ ርእሱ ኣትሒቱ ዝሓስብ ሰብ ነበረ። ስለዚ ከኣ ከም ሓደ ኣካል ዘይኰነ፡ ከም ናይ ሓደ ካልእ ኣካል (ኣምላኽ) “ድምጺ እየበለ (ኢሳ 403) እቲ ርእሱ ዘትሕት ክልዕል፡ ርእሱ ዘንእስ ክዓቢ ኣምላኻዊ ሕጊ እዩ እሞ፡ ከም ውጽኢት ናይዚ ሕሉፍ ትሕትና፡ ካብ ኣንስቲ ካብ እተወልዱ ሰባት ኲሎም (ብዘይካ ክርስቶስ) ክሳዕ ዚዓቢ፡ ኣምላኽ ክሳዕ ክንድዚ ኣልዓሎ (ሉቃ 115 ማቴ 1111) እዚ ዝዓይነቱ ምስክርነት ኪቕበል ዚበቅዕ ሰብ፡ ክንድዚ ርእሱ ኣትሒቱ ምርኣይ ኣዝዩ ዜሐጒስ እዩ። ክርስቶስ፡ ከም መልኣኽ ጌሩ እዩ ዝጠቕሶ (ማቴ 1110) ፈሪሳውያን እቲ ዝነገሮም መንነቱ ስለ ዘየዕገቦምንምንታይ ደኣ ተጠምቕ ኣሎኻ፧ኢሎም ሓተትዎ። ምኽንያቱ ንሳቶም ኣብ ርእስኻ ምልዓል ስለ ዝኣምኑ፡ ርእስኻ ናይ ምትሓት ቋንቋ ኣይርድኦምን እዩ። ስለዚ ከኣ ጋኔን ከም ዘለዎ ጌሮም እምበር፡ ኣምላኽ ከም ዘለዎ ክርእዩዎ ኣይኰነሎምን እዩ (ማቴ 1118)

ዮሃንስንምንታይ ተጠምቕ ኣሎኻ፧ንዝብል ሕቶ መልሲ ሃቦም። ብዛዕባ ጥምቀት ናቱ ኣይኰነን ዘርዚሩሎም። ብዛዕባ ዕቤት ናይቲ ዝመጽእ ክርስቶስ ነገሮም። ቀዳማይ ነጥቢ፡ እቲ ከጠምቕ ዘለዎ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ ከም ዘሎ፡ ግናኸ ንሳቶም ከም ዘይፈልጥዎ ነገሮም። ክርስቶስ ብኣገልግሎት ደኣ እዩ ዘይተጋህደ እምበር፡ ኣብቲ እዋን እቲ ብኣካል ኣብኡ ነበረ። እቲ ካልኣይ ነጥቢ ከኣ ንክርስቶስ ብጊዜ ኣንጻር ክገልጾ ጀመረ።ቅድመይ ነይሩ ክነሱ ግናኸ ብድሕረይ ዝመጸ እዩበሎም። ክርስቶስ ብኣምላኽነቱ ኣቐዲሙ ዝነበረ ግናኸ ብስጋ ድሕሪ ዮሃንስ ዝተገልጸ እዩ። ጐይታ ባዕሉውንእቲ ቀዳማይን ዳሕራይንንሱ ባዕሉ ምዃኑ መስኪሩ እዩ (ራእ 117-18 ራእ 28) እቲ ሳልሳይ ነጥቢ ከኣ ዕቤት ናይቲ ዝመጽእ እዩ። ዮሃንስ እቲ ካብ ነብያት ዝዓበየ ነብዪ፡ ሰራኽ ሳእኒ ናይ ክርስቶስ ክፈትሕ ዘይበቅዕ ካብ ኮነ፡ ክርስቶስ ማዕረ ክንደይ ዓብይ ምዃኑ ምርዳእ ኣየሸግርን እዩ። ነቲ ሳእኒ እዚ ዝኸውን መገዲ ጸሪጉ ከብቅዕ ግን ነተን ነቲ ንሱ ዝጸረጎ መገዲ ዝረግጻ ኣእጋር ዝወድያኦ ሳእኒ ክፈትሕን ክጸውርንኣይበቅዕንእየ ምባሉ፡ እቲ ሕሉፍ ትሕትናኡ እዩ ዘየርእየና። ግን ናይ ብሓቂ፡ ንምጻር ሳእኒ ድዩ ዘይበቕዐ፧ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 3 ምዕራፍ ዝተመሃርናዮ፡ ወንጌል ንምጻር ከም ዘይበቕዐ እዩ ዝገልጽ ዘሎ። ምኽንያቱ ወንጌል ከም ኣሳእን እዩ ዝምሰል (ኤፌ 615)

ጽባሕ እቲ ዮሃንስ ምስ ልኡኻት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዝተዘራረበሉ መዓልቲ፡ ክርስቶስ ናብ ዮሃንስ መጸ። እዚ ዝረኣየ ዮሃንስ ብዛዕባ ክርስቶስ ዜገርም ምስክርነት ሃበ። ከም ሰብ ብስጋ ክመጽእ እናረኣዮ ክነሱ፡ ግን ከም ገንሸል ገይሩ ገለጾ። እቲ ገንሸልነቱ ከኣ ናይ ምድሪ ዘይኰነስ ናይ ኣምላኽ ገንሸል ነበረ። ስለዚ ከኣ እዩ ሓጢኣት ናይ ዂሉ ዓለም ክጸውር ዚበቕዔ። ገንሸል ምድሪ ግና ሓንቲ ሓጢኣት ናይ ሓደ ሰብ እኳ ከርሕቕ ብቑዕ ኣይነበረን። ክርስቶስ ግን ኣበርን ርኽሰት ዜብሉ ክቡር ደም ዝሐዘ ገንሸል ነበረ (ዘፍ 228 ኢሳ 537 ኤር 1119 1ጴጥ 119 ራእ 56 ራእ 138) ጐይታ ከም ገንሸል ኰይኑ ዝተገልጸ፡ እቲ ብዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ድዑል፡ ድቤላ ወይ ከኣ ዝራብዕ ክርሕቕ ዘይከኣለ፡ ኣዝዩ ዝጠብቀና ሓጢኣት መታን ከርሕቐልና እዩ። ሓጢኣት፡ ብዝዀነ ይኹን ንርእሱ ብሓጢኣት ብዝተለኸፈ ፍጡር ክርሕቕ ኣይክእልን። ስለዚ ሓጢኣት ዂሉ ዓለም ኬርሕቕ፡ ክርስቶስ ብስጋ ግናኸ ብዘይ ሓጢኣት ተገልጸ (ኢሳ 5311 ቲቶ 35 ቲቶ 214) ክርስቶስ ዋላ ደኣ ብስጋ ድሕሪ ዮሃንስ መጥምቕ ይገለጽ እምበር ከም ቃልን ከም ኣምላኽን መጠን ቅድሚ ዮሃንስ ጥራይ ዘይኰነ ቅድሚ ዂሉ ነገር ነበረ (ዮሃ 11,15,17) ህልውና ክርስቶስ ብጊዜ ዝልካዕ ኣይኰነን። ስለዚ ከኣ እዩቀዳማይን ዳሕራይንወይ ከኣኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየኢሉ ብዛዕባ ርእሱ ዝገለጸ (ራእ 18,17-18)

ዮሃንስ መጥምቕ ንክርስቶስ ከም ዘይፈልጦ ተዛሪቡ። ዮሃንስ ንክርስቶስ ክፈልጦ ዝኸኣለ እግዚኣብሄር ኣቦ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝገለጸሉ እዩ። ክርስቶስ መጺኡ እንታይ ከም ዝገብር ወይከኣ ብዛዕባ ዘለዎ ዕቤት ግን ብመንፈስ ቅዱስ ተረዲኡ ነበረ። ከምቲ ቃሉ ዝነግረና መንፈስ ቅዱስ ንጐይታ ከኽብሮን ንኣናውን ብዛዕባ ጐይታ ክገልጸልናን እዩ ወሪዱ (ዮሃ 1612-14) ብዘይ እዚ መንፈስ እዚ ክግለጸልና ዝኽእል ሓቂ የለን። ስለዚ ክርስቶስ ጊዜኡ ኣኺሉ ክጥመቕ ምስመጸ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ክርስቶስ ኣየናይ ከም ዝዀነ ብመንፈስ ቅዱስ ሓበሮ። እግዚኣብሄር ኣቦ ብመንፈሱ ገይሩ እንተዘይምሂሩናን ንወዲ ኣቦ ክገልጾ እንተዘይፈትዩን ባዕልና ክንፈልጦን ናብኡ ክንመጽእን ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ ኣቦ ጥራይ እዩ ንወዲ ዝፈልጦ። ኲሉ ምግላጽ ከኣ ካብኡ እዩ (ማቴ 1127 ዮሃ 1015 ዮሃ 1725-26 ዮሃ 644-45 ገላ 11,16 ሮሜ 119 1ቈረ 210 ኤፌ 35) እቲ መንፈስ ቅዱስ ክወርድ ከሎ ብኣምሳል ርግቢ እዩ ወሪዱ። ከምኡውን ብማይ፡ ብሓዊ፡ ብንፋስ፡ ብቅብኣት፡ ብዝናም፡ ብድምጺ፡ ብማሕተም ይምሰል እዩ (ዮሃ 738-39 ማቴ 311 ዮሃ 38 1ዮሃ 227 መዝ 726 ህዝ 4326-27 ኢሳ 68 ኤፌ 430 ራእ 72) እዚ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ዝወረደ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ምልኪ ንኪህቦ ዘይኰነስ ኣብ ዕዮኡ ንኽሓብሮን ኬኽብሮን እዩ። ምኽንያቱ ጐይታ ብባህርዩ ካብ ሓጢኣት ነጻ እዩ። ዮሃንስ ከኣ ብዓይኑ ምስ ረኣየ ብዛዕባ ክርስቶስ ኣበርቲዑ ክምስክር ጀመረ። ኣብዚ ምድራዊ ዓለም፡ እቲ ርእዩ ዚመስከረ እዩ ንሰማዕቱ ኬእምን ዚኽእል (ሉቃ 12,20 ዮሃ 323 ዮሃ 1527 ግብ 121-22 ግብ 2214-15 ግብ 419-20  1ዮሃ 11-2 2ጴጥ 116) ሃዋርያት ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ስለ ዝመስከሩ፡ እዚ ወንጌል እዚ ናብ ዘመንና ክበጽሕ ኪኢሉ ኣሎ።

ዮሃንስ ርእዩ ዝመስከረሉ ከኣክርስቶስምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስወዲ ኣምላኽምዃኑውን እዩ። እምኒ መኣዝን ናይ እምነት ክርስትና ከኣ እዚ ሓቂ እዚ እዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ዋላኳ ኣረሜን እንተዀነ፡ ክርስቶስ ክፉእ ሰብ ምንባሩ ዝዛረብ የለን። ከም ንፉዕ፡ መስተውዓሊ፡ ናይ ፍልስፍና ሰብ ጌሮም ይርድእዎ። ክርስትያን ግን ኪንየው እቲ ወዲ ሰብ ምዃኑ ሓሊፉ፡ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ኬስተውዕል ዝኽእል እዩ። ፈሪሳውያንውን ስለቲ ርእሱ ወዲ ኣምላኽ ምግባሩ ደኣ እምበር ብግብሩ ከም ዘይጸልእዎ ተኣሚኖም እዮም (ዮሃ 1033) ጐይታ ንሃዋርያትንወዲ ሰብ መን ትብልዎኢሉ ምስ ሓተቶም፡ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽዝብል መልሲ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ንጴጥሮስ ከውሒ ከም ዘስመዮን መፍትሕ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኢዱ ከም ዘጨበጦን ንርኢ። ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምፍላጥ ብሰማያዊ ምግላጽ ደኣ እምበር ብናይ ስጋ ምስትውዓል ዝብጻሕ ኣይኰነን (ማቴ 1613-20 ማቴ 1125 1ቈረ 210) ብተወሳኺ ዮሃንስ፡ ጐይታ ኢየሱስ ንሱ እቲ መርዓዊ ምዃኑ መስኪሩ እዩ (ዮሃ 3:29) ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህረና ድማ እታ መርዓቱ ድማ እቲ ናይ ኣመንቱ ሕብረት ዝዀነት ቅድስቲ ቤት ክርስትያን እያ። ከም ኩሎም እሙናት ኣዕሩኽ መርዓውቲ ድማ እታ መርዓት ንመርዓዊኣ ብዅሉ ንጽህና ክትሓብሮ ምእንቲ፡ ዮሃንስውን ንኵሎም ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዝነበሩ ሰባት (ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ከይተረፈ) ንክርስቶስ ኣረከቦም (2ቈረ 11:2) ሕላገቱ፡ እቲ መለለዪ ናይ ኵሎም ናይ ሓቂ ናይ ኣምላኽ ኣገልገቲ ዝኹነኣነ ኣይኰንኩን ንሱ እዩኢሉ እናመስከረ ንሰባት ንክርስቶስ ዘጠምት ምጥማት እዩ ኔሩ። እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ብሉጽ መንፈስ ኣብ ልዕሌና ይኹን። ኣሜን።  

ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥   ሰንበት መስከረም 17, 2017           መስከረም 7, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 85፡10-11

ሣህል ወርትዕ ተራከባ። ጽድቅ ውሰላም ተሰዓማ። ርትዕሰ እምድር ሠረጸት።

ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፣ ጽድቅን ሰላምን ተሳዓዐማ። ሓቂ ኻብ ምድሪ ኽትበቊል፣ ጸድቂውን ካብ ሰማይ ክትጥምት እያ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ቈረ 11፡17-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል፡  ዮሃ 1፡15-38

ያእ 2፡1-14

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘኣትናቴዎስ።

ግሃ 18፡24-ፍጻሜ

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div