መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ፡ ኣሜን።
ብሩኽ በዓል ቅዱስ ዮሓንስን ሠናይ ምጅማር ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና እንናበለ፥ እዚ ዘመነ-ዮሓንስ ናይ ሰላም፥ ቅሳነት፥ ፍቕርን ስኒትን፥ ፍትሕን ሥርዓትን ዝነግሠሉ ክኾነልና ንልዑል እግዚኣብሔር ይልምን።
እግዚኣብሔር እንቋዕ ልጓመ ጾም ፈትሓልና።
ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ ኢዩ። ሓጢኣትና ኪሰርየልና ናብ ፍቁር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምሕረት ለምንልና።
እግዚኣብሔር ንቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ብጥዕና ይሓልወልና፥
እግዚኣብሔር ሃገርናን ቤተ ክርስቲያንናን ይባርኽ።
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት።
ፍርሃት እግዚኣብሔር ኣብ ኣገልግሎት - ብቀሺ ኢሳይያስ የዕብዮ
ቃል ኪዳን - ምስጢረ ተክሊል ባህርያት ሰብኣይን ሰበይትን - ብዲያቆን ብርሃነ ስዩም
ኣጽናፋዊት ቤተክርስቲያን (ኣቅሌሥያ) - ብዲያቆን ዑቕበ ዘመደ
መእተዊ
መበል 21 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፥ ካብ 25-28 ሓምለ 2019 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ኣትላንታ፥ ክፍለ ክዝኣት ጆርጂያ፣ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪክ ተጋቢኡ፡፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶን ጉዳይ ቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፥ ብዕምቆት ድኅሪ ምዝታይ ነዚ ዚስዕብ መግለጺ የውጽእ።
ብዕለት 17 ሓምለ 2019 ኣ.ፈ (፲ ሓምለ ፳፻፲፩ ዓ. ም ግእዝ) ብስም "ሲኖዶስ" ካብ ኣሥመራ ዝተዘርግሐ ዘይመንፈሳዊ መግለጺ፥ ንብዙሓት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ዘሕዘነ ጉዳይ እዩ። ሕጋዊ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሎሚዶ ጽባሕ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ይምለሱ ኢሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሃረርታን ጸሎትን እንናተጸበዮም ከሎ፥ እቲ ብፖለቲከኛታት ተጎቲቱ ዝኸይድ ጉባኤ ጳጳሳት ዘስደምም ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ ምውጽኡ፥ መምዘኒ ሕጊ-ኣልቦ ጉዕዞኡ ዘነጽር ዳግማይ ነቲ ጸሊም ታሪኹ ዝድርዕ ገበን እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት 5 መነኮሳት ገዳም ደብረ ቢዘን ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተኣሲሮም ከምዝተወስዱ ካብ ኣቦታት መነኮሳት ገዳም ደብረ ቢዘን ኣረጋጊጽና ኣሎና። እዚ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ገዳማውያን ኣቦታት ርኡይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን መቐጸልታ ዕንወት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ብምዃኑ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብኣጽንዖት ይኹንኖ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
2019 |
|
ወርሒ | Month |
ፈነወ ራድዮ ተዋህዶ - Radio Tewahdo |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ