ሕሊና ማለት እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብመለኮታዊ ጥበቡ ጌሩ ኣብ ሕይወትና ዘቐመጦ: ሕማቕ ስርሓትን ዘይሕጋዊ ነገራትን ክንፍጽም ከሎና ኣንጻርና ኮይኑ ዝቃወመናን ናብ ኣምላኽ ዝጠርዕን ድምጺ ውሽጣዊ ነፍስና እዩ። ኣምላኽ ክፈጥረና ከሎ ጽሩይ ኣእምሮን ዘይተበላሸወ ሕይወትን ሂቡ፡ ብቕንዕና ሠናይ ክንገብርን ሠናይ ድማ ክንረክብን ኢሉ ፈጠረና። ንሕና ግና ዓመታት እንዳወሰኽና ክንዓቢ ከሎና ብተንኮል ሰይጣን ተታሊልና ብዙሕ ጌጋታት ብምፍጻም ንፈጣሪና ነሕዝኖ ኢና። ስለዝኾነ ድማ እዩ ብዙሕ ግዜ ዘይግባእ ስራሕ እንተ ገበርና ሚዛን ሕሊናና ዝነቕፈናን፡ ውሽጣዊ ልብና ከኣ ጣዕሳ ዝስምዓናን።1 ጴጥ 3፡16.
መምህር ዓምደብርሃን ሞይቶም ዝብል መርድእ ይስማዕ ኣሎ። ንዓይ ብውልቂ ዝስመዓኒ ሓዘን ወሰን የብሉን። ከመይሲ ብቐረባ ካብ ዝፈልጥዎም ሓደ ስለ ዝኾንኩ እየ። ነታ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንና’ውን እዚ ናቶም ሞት ዓቢይ ማህሰይቲ እዩ።
ታሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ እንተ ኣንበብና ኩሎም ኣቦታትና መንፈሳዊ ሓላፍነት ምእንቲ ከይስከሙ ካብ ሽመትን ሥልጣንን ይሃድሙን ይእሰሩን ከም ዝነበሩ ተጻሒፉ ንረኽቦ። እዚ ካብ ‘’እቲ ካባኻትኩም ጎይታ ክኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊኹም ይኹን’’ ዝብል ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወርሰ መገዲ ትሕትናን ቅድስናን እዩ። ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ግና መገዲ ትሕትና ተሪፉስ ንሓቂ ብሓሶት ንሕጊ ብዓመጽ ንፍቕሪ ብጽልኢ ክትክኡ ዝጓየዩ ብህርፋን ስልጣንን ስስዐ ገንዘብን ዝታለሉ ሰባት ስለ ዝበዝሑ ጥልመትን ዕንወትን ኣብ ኵሉ ይስማዕ ኣሎ። ብድምጺ ንምስማዕ አብዚ ጠውቕ
ቃለ መሕትት ምስ ናይ ቲኦሎጂ ምሁር ኣባ ሽኖዳ ማህር
ኣዳለውቲ ተመሃሮ ስነ-መለኮት “ደቂቀ እንጦንዮስ”
ቪድዮ ናይዚ ቃለ-መሕትት'ዚ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ.
መእተዊ:- መነኮስ ኣባ ሽኖዳ ማህር፡ ንልዕሊ 40 ዓመት ፕሮፌሰር ናይ ኦክስፎርድ ዪኑቨርሲቲ ኮይኖም ስነ-መለኮት ዝምሃሩ ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ካብቶም ዝልዓሉ ናይ
“ፓትርያርክ ኣብዛ ምድሪ ብመንፈሳውን ሕጋውን መገዲ፣ እምነት ክሕሉ፣ ምእመናን ኪጓሲ ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኮይኑ ዝተሾመ መራሒ እዩ"። (መንፈሳዊ ፍትሒ: ኣንቀጽ 4)። እዚ ሃዋርያዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ