“ነፍሰይ ደሃይ መለኸትን ሕማም ውግእን ትሰምዕ ኣላ እሞ፥ ትም ኣይብልን።” ኤርምያስ 4:19
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።
ክቡራት ኣገልገልቲ ካህናትን ድያቆናትን ኩላትኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን።
ኣምላኽ ረዲእና፡ መመዝገቢ መሕተት (ፎርም) ናይ 2ይ ክፍለ-ዓመት ዓመተ-ትምህርቲ 2025 ንሰደልኩም ኣሎና። ምዝገባ ካብ ሰንበት 13 ክሳብ ቀዳም 26 ሚያዝያ 2025 ዓም ክካየድ እንኮሎ፡ ትምህርቲ ድማ 04 ግንቦት 2025 ዓም ክጅምር እዩ።
መላግቦ መመዝገቢ፥ https://forms.gle/JtiC9rbo38FJu6c38
ክፍሊ ጉዳያት ተምሃሮ
ኮለጅ ስነመለኮት ተዋሕዶ
መልሲ ነቲ ኣብ ኣሥመራ ብዝነብሩ ጳጳሳት ኤርትራ ዝተዋህበ ውሳኔ፡
“እስከ ትበጽሕ ለሞት ተበአስ በእንተ ጽድቅ፥ ወእግዚኣብሔር አምላክከ ይትበአስ በእንቲአከ።”|“ምእንቲ ሓቂ [ጽድቂ] ክሳብ ሞት ተቓለስ፥ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ድማ ምእንታኻ ክቃለስ እዩ።”ሲራክ 4:28፡፡
ሒደት ጳጳሳትን ልኡኻት መንግሥትን ዝመሃዝዎ፥ ካብ ጥሪ ፲፱፻፺፯ |January 2005 ዓ. ምሕረት፥ ዝጀመረ ግህሰት ቤተ ክርስቲያን፥ ካብ ምእሳር ካህናት፥ መነኮሳት ሕሉፍ ሓሊፉ ክሳብ ሞት ሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ስደት ምእመናንን ካህናትን፥ ዝበጽሐን ዝበጽሕ ዘሎ መከራን፥ ካብ ዓይኒ ኩሉ ሕዝቢ ዝተሰወረ ኣይኮነን። እዚ ኩነታት ካብ ዝጀመረሉ፥ ዓገብ ክንብልን፥ ብዝከኣለና ኣብ ስደት ዘሎ ሕዝብና ከነጸናንዕን ክንጓስን ጸኒሕና ኢና፡፡
መግለጺ ፋልማይ ውሁድ ዓመታዊ ጉባኤ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤ/ክ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ናይ ሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ቅድስና ተኸቲለን ኣብ ትሕቲ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን፥ ብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያናት ብ29 ሚያዝያ 2023 ብመሪሕነት ክልቴኦም ብፁኣን ጳጳሳት፡ ሓያለ ጳጳሳት ናይ ኣሓት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ብመስዋእቲ ቅዳሴ ዝተዛዘመ ውህደት ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ዓብዪ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ድሕሪዚ ታሪኻዊ ዕለት፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ (ሕብራት ሃገራት ኣመሪካን ካናዳን) ሕጉ ኣጽፊፉ፡ ውሁድ ምምሕዳር ተኺሉ፡ ክሳብ ሕጂ መሠረት ኣብ ምንጻፍ እዩ ጸኒሑ፡ ብኣብዝሓ ሸነኹውን ብጽቡቕን ተስፋ ብዝህብን መንፈሳዊ ጎደና ይጉዓዝ ኣሎ።
ብምኽንያት መበል 10 ዓመት ዝኽሪ ናይቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብ ገማግም ደሴት ላምፐዱሳ ህልቂት ዘጋጠሞም ዜጋታትና፡ ንሰንበት 8 ጥቅምቲ 2023፡ ኣብ ኩለን ቤተ ክርስቲያንናትና ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ዝካየደሉ ዕለት እዩ። በዚ መሰረት፡ ስለቶም፡
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ