S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅድሚ ሞትን ድሕሪ ሞትን ዘሎ ህይወት ከመይ ይመስል?

ወዲ ሰብ ካብ ኣቡኡን ኣዲኡን ምስ ተወልደ ክግበረሉ ዘለዎ ኣተዓባብያን ምንክብኻብን ኵሉ ዝፈልጦን (ዝርድኦን) እዩ ኵሉ ዝድልዮ ነገራት

እንዳ ተገብረሉ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ በጽሐ ክሳብ ኣካለ መጠን ዝኸውን ተማሂሩ ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሒ ትምህርቲ ምስ በጽሐን ከምኡውን ምስ ከባቢኡን ምስ ዓለምን ዘለዎ ርክብን ፍልጠትን ንኽዓቢ ልዑል ጻዕሪ ክገብር ይግባእ ማዕረ ማዕሪኡ ክኸይድ ዘለዎ ነግራትውን ንእግዚኣብሔር ምፍራሕ ኣብ እምነቱ ዓሚቑ ዝሰረቱ እምነት ክህልዎን ከምእውን ምስኡ ዝኸይድ ኣገዳሲ ነገር ንወለድኻ ምኽባርን ብዝለዓለ ከኣ ፍቅሮም ክህልወካ ይግባእ ፍቅሪ ኣምላኽን ፍቅሪ ወለድን ምስ ኵሉ ሰብን ፍቅሪ ክህልወካ ኣለዎ።

ከምቲ 1ቆሮ 13/ ዝሎ ብፍላይ ከኣ13 እምነትን ተስፋን ፍቅርን ምስ በለ ካብ ኵለን ግን ፍቅሪ ትዓቢ ከብል ከሎስ ናይ ፍቅሪ ኣገዳስነት ክሳዕ ክንድይ ዓብይ እዩ ኵሉ ብዘይ ፍቅሪ ዝግበር ቅቡል ኣይኮነን ኵሉ ነገር ጌርካ ፍቅሪግን ካብ ዘይትህልወካ ምንም ዝጠቕመካ ነገር የብሉን ስለስቲኡ ኣዝዩ ዓብይ ኣርእስቲ እንድዩ።

ንኣምላኽ ከተምልኮን ክትእዘዞን ከተፍቅሮን ይግባእ ምክንያቱ ኣምላኽ ፍቅሪ እዩ እዚ ግን ንሐውኻ ቅድም ምፍቃር ይግባእ ንእትርእዮ ሓውካ ከየፍቀርካ ንኣምላኽ የፍቅሮ እየ ክትብል ኣይከኣልን እዩ ንወለድኻ ከኣ ከተኽብሮን ክትእዘዞምን ይግብኣኻ እዚ ብምግባራካ ንቲ ብድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ንኽትወርስ ብቑዕ ይገብረካ ኣብ ኦሪት ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር ኣብ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ክነውሕ ይብል ስለዚ ብዘይ ውልውል ክንፍጽሞ ይግባእ ኣብዚ ዓለም ጽቡቕ ታሪኽ ክህልወካ ብጣዕሚ ጽቡቕ እዩ ካብ ሞት ዝተርፍ ዋላ ሓደ የልቦን ዓቢ ይኹን ንእሽቶይ ሕሱር ይኹን ክቡር ሃብታም ይኹን ድኻ ቀሺ ይኹን ንጉሥ ጳጳስ ይኹን ፓትርያሪክ ሕሙም ይኹን ጥዑይ ምሁር ይኹን (መሃምን) ዘይተማህረ ሓረስታይ ይኹን ሸቃላይ ነጋዳይ ይኹን ተመሃራይ ኣብ ዓዲ ይሃሉ ኣብ ስደት ካብ ሞት ዝተርፍ (ዝምልጥ) የልቦን ሞት ማለት ከኣ ካብዚ ዓለም እዚ ሥጋኻን ነፍስኻን ብሞት ዝፈላለይሉ እዩ ወይ ዝሐልፈሉ እቲ ናይ ምድሪ ህይወትካ ዝውድኣሉ ማለት እዩ እቲ ሞት ግን ክልተ ዓይነት ሞት ኣሎ ሞት ሥጋን ሞት ንፍስን ከኣ ይብሃል እቲ ቀዳማይ ሞት ሥጋ ካብዚ ዓለም ክትሓልፍ ከሎኻ እቲ ካልኣይ ሞት ከኣ ብነፍሲ ክትመውት ከሎኻ እዩ ንሱ ኣብ ኃጢኣት ምውዳቕ እዩ ወይ ድማ እቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ምስኣን እዩ ንሱ ዝከፍኣ ሞት እዩ ኣቲ ብሥጋ ሞት ዕረፍቲ እዩ ዝበሃል።

ቅድሚ ኵሉ ሞት ከመይ ኢሉ ናብ ደቂ ሰብ መጽኣ ንዝብ ሕቶ?

ክምለስ ከሎ እቲ ቀዳማይ ፍጥረት ኣዳም ትእዛዝ እግዚኣሔር ምስ ኣፍረሰ ሕጉ ምስ ጠሐሰ ከምቲ ኣብ ዘፍ 2117-18 ዘሎ ሰብ ብግብሩ ሞት ኣምጽኣ ማለት ንኽመውት ተፈርዶ እዚ ፍርዲ እዚ ግን ኣቀዲሙ ተነጊርዎ ዝነበረ እዩ እምበር ምስ በልዔ ኣይኮነን ተፈሪድዎ ጥበብ ሰሎሞን 1112-14 ኣብ ህይወትካ ብእትገብሮ ጌጋ ሞት ኣይትዓድም ብተግባር ኣእዳውካውን ጥፍኣትካ ኣይትዓድም ንሞት ኣምላኽ ኣይፈጠሮን ብሞት ህያዋንውን ባህ ኣይብሎን እዩ እግዚኣብሔርሲ ፍጥረት ኵሉ ኮይኑ ክነብር እዩ ዝፈጠሮ ኵሉ ድማ ጥዕና ዝመልኦን ሠናይን እዩ ኃጢኣተኛታት ሰባት ግና ብግብሮም ንሞት ጸውዕዎን ደለይዎን  ንፈታዊኦም ከም ዝምነይዎ ንሞት ተመነይዎ ምስ ሞት ቃል ኪዳን ተኣታተዉ ይብል።

እምበዓር ንሕጊ እግዚኣብሔር ምጥሐስን ካብ ትእዛዙ ምውጻእን ሥቃያት እዩ ዘምጽኣልካ ካብዚ ዘሎናሉ ዓለም ምስ እትውሰድ ከኣ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ንኸይትቀውም ይኽልክለካ ማለት ገጽ ኣምላኽ ንምርእይ ኣትኽእልን ጥራይ ዘይኮነ ካብኡ ትርሕቅ (ያኣትትዎ ለኃጥእ ከመ ኢይርኣይ ስብሐተ እግዚኣብሔር) ንኃጢኣተኛ ክብሪ እግዚኣብሔር ንኸይርኢ የርሕቅዎ ይብል መዝ

ሞት ብኸመይ ናብ ደቂ ሰባት መጸኣ? ሞትን ኃጢኣትንከ እንታዩ ፍልልዩ?

ኣብ ዘፍ 2/ 17-18) ወዲ ሰብ ብግብሩ ሞት ኣምጽኣ ክፍጠር ከሎ ክቡርን ገዛኢ ኵሉን ገይሩ ፈጠሮ ሕጊ ከኣ ሰርዓሉ ካብታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም በለስ ንኸይበልዕ ኣጠንቐቆ ምስ ዝበልዕውን ሞት ከምዝመውት ነግርዎ ነይሩ እዩ ኣዳም ግና ካብ ናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝን ምኽርን ናይ ሠይጣን ምኽሪ ስለ ዝሰምዐ ካብቲ ዘይተፈቅደሉ ዕፀ በለስ በልዐ ዲያብሎስ በታ ንሱ ካብ ሥልጣኑ ዝወረደላ እዩ ፈቲንዎ ኣምላክነት ስለ ዝተመየ ካብ ክብሩ ተዋሪዱ ካብ ሥልጣኑ ተሳዒሩ እምበዓር ብታ ንሱ ካብ ሥልጣኑ ዝወረደላ ኣምላኽ ናይ ምዃን ኣብታ ኣይትብልዕዋ ዝበለኩምእንድሕሪ በሊዕኩም ማዕሪኡ ክትኮኑኢኹም ስለ ዝበሎም እዩ ኣቦና ኣዳምውን ኣምላኽነት ሰለዝደለየ እዩ በሊዕዋ ምስ በልዐ ግን ኣምላኽ ምዃን ተሪፉ እቲ ዘነበሮ ክብሪውን ኣጥፊኡ ካብ ክብሩ ተዋረደ ካብ ሥልጣኑ ወረደ ካብ ገነትውን ተባረረ ኣብ ምድሪ ፍዳ ወረደ መርየት ኢኻሞ ናብ መርየት ክትምለስ ኢካ ተባህለ ንሞት ከኣ ብጸይቱ ገበራ ኣብ ሞትን ኃጢኣትን ብሐደ ግዜ ወደቐ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ግን ንኣዳም ኣብቲ ግዜ እቲ ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ ኢሉ ኣናደዮ ምኽናቱ ኣብይ ከምዘሎ ጠፊእዎ ዘይኮነስ ኣነ ገዛኢ ኵሉ ገይረ ፈአጠርኩኻ ንስኻ ግን ግዙእ ኮንካ ኣዛዚ ገይረ ፈጥርኩኻ ንስኻግን ተኣዛዚ ኮንኻ ክቡር ገይረ ፈጠርኩኻ ንስኻ ግን ሕሱርን ነውራምን ኮንኻ ኣነ ብልብሲ ብርሃን ገይረ ፈጠርኩኻ ንስኻ ግን ዕሩቕ ኮንኻ ኣነ ብዘይፍርሐት ክትነብር ፈጠርኩኻ ንስኻ ግን ካብ ገጽ ፈጣሪኻ ተሓባእካ ኣነ ብዘይ ጻዕርን ድኻምን ከም እነብር ገይረ ፈጠርኩኻ ንስኻ ግን ካብ ዘይተፈቕደልካ ኦም በለስ በላዕኻ ፍጥረትኻ መርየት እዩሞ ናብ መርየት ተመለስ ማለት ሞት ሙት ሞት ብሥጋ ክትመውት ብነፍሲ ኢሉ ፈረዶ። ንሞት ኣምላኽ ኣይፈ ጠሮን ብሞት ህያዋንውን ባህ ኣይብሎን እዩ ዝፈጠሮ ፍጥረት ኵሉ ድማ ጥዕናን ሠናይን እዩ ሣጢኣተኛታት ሰባት ግን ብግብሮም ንሞት ጸውዕዎን ደለይዎን ጥበበ ሰሎሞን 1/12-14)

ነፍሲ ውከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዝፍተን ሽዑ ትምኒት ምስ ጠነሰት ንኃጢኣት ትወልዳ ኃጢአት ምስ ተፈጸመት ድማ ንሞት ትወልዳ ኣቱም ኣሕዋተይ ኣይትስሐቱ (ያዕ1/14) እምበዓር ኣብዚኣ ፈተነ ሰብ ካብ ትምኒቱ ዝወልዶ ደኣ እምበር እግዚኣብሔርሲ ባዕሉ ኣይፍትንን እዩ ኣዳም ኣምላክነት ምስ ተመነየ ኣብ ከቢድ ኃጢኣት ወዲቑ ሎሚውን ኣብ ዝመንና ብድልየት ሥልጣንን ብዘይ ናትካ ምምናይን ክንድይ ሰባት እዮም ኣብ ፈተና ዝወድቑ

እቲ ቀዳማይ ኣብ ፈተና ዝወደቀ ቃኤል እንተ ርኢና ቀኒኡ ንሐዉ ኣቤል ክቐትሎ ከሎ ኢና ነንብብ (ዘፍ 4/15) ሞትውን ብቕትለት ከም ዝትጀመረ ኢና ርኢና ዘሎና ኣብ ንእስነቱ ሐዉ ቃኤል ቀተሎ ካብዚ ዕለትን ሰዓትን ንደሓር ሞት ኣብ ደቂ ሰባት ጀመረ ሞትውን ዝውረስ ኮነ ብሰሪ ሓደ ሰብ ኣዳም ኃጢኣት ናብ ዓለም ኣተወብምኽንያት ኃጢኣትውንሞትመጸ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ተመሐላለፈ (ሮሜ 5/12) ዓስቢ ኃጢኣት ሞት እዩ

ስለዚ ንሞትሲ ኃጢኣት እያ ወሊዳታ ንደቂ ሰባት ናብ ሞት ከተብጽሐና ዝኸኣለት ሞት ስለ ዝኮነት መድኀኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንድኅነትና ክብል ናብ ሞትን ስቕለትን በጽሐ ንሞት ብሞቱ ቀተሎ ሙስና መቃብር ኣጥፍኣልና ካብ ሙታን ብምትንሥኡ ከኣ ድኅሪ ሞት ከም እንትንሥእ ትንሣኤ ኣበሰረና ምስ ተንሣእና ከኣ ናይ ዘዓለም ህይወት ከም ዝሎ ነገረና ተስፋ ትንሣኤ ሙታን ንኣምን እንዳበልና ንጽሊ።

ድሕሪ ሞት ዘሎ ናይ ዘለዓለም ህይወት። ይመስል?

1 እቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ዅነኔ የብሎምን ሮሜ 8/1)

2 ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽኻዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ኪፈልጡን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዚኣ እያ ዮሐ 17/ 3)

3 ኢየሱስ ትንሣኤን ህይወትን ኣነ እየ እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳ ብህይወት ኪነብር እዩ ዮሐ 11/25)

4 ክሳዕ ሞት እሙን ኩን ኣነውን ኣኽሊል ህይወት (ዓወት) ክህበካ እየ ራእ 2/ 10)

እቶም ሕጂ ዘለዉ ሽሕ እኳ ከም ሰብ ብሥጋ እንተ ተፈርዱ ብምንፈስ ከም ኣምላክ ኮይኖም ብህይወት ምእንቲ ክነብሩ ወንጌል ተሰብከሎም እዚ ጥቅሲ እዚ ከም ዝሎን ፍርዲውን ክህልው ግድን እዩ እሞ ብህይወት ከለዉ ቅድሚ ሞት ብትምህርቲ ወንጌል ተቐሪጾም ብሃይማኖት ተሃኒጾም ብምግባር ጽኒዖም ኣብታ ትመጽእ ዓለም ብህይወት ንዘለኣለም ብደስታን ብሕጎስን ክነብሩ እዮም ማለይ እዩ። 1ይጴጥ 4/6)

ብሐቂ ብሐቂ እብለኩም ኣሎኩ እቲ ንቃለይ ዚሰምዕ በቲ ዝለኣኽኒውን ዝኣምን ናይ ዘለዓለም ህይወት ኣላቶ ንሱ ካብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገር እምበር ናብ ፍርዲ ኣይክበጽሕን እዩ እቶም ምውታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዝሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ ንሳ ከኣ ሕጂ እያ እቶም ዝሰምዕዎ ዘበሉ ድማ ብህይወት ከም ዝነብሩ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ ከምቲ ነቦ ናይ ባዕሉ ህይወት ዘለዎ ወልድውን ናይ ባዕሉ ህይወት ክህልዎ ኀቦ ወዲ ሰብ ስለ ዝኮነ ድማ ኺፈርድ ሥልጣን ኀቦ እቶም ኣብ መቃብር ዘለዉ ኵላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ እሞ በዚ ኣይትገረሙ ሽዑ እቶም ሠናይ ዝግበሩ ናብ ትንሣኤ ህይወት እቶም ክፋእ ዝገበሩ ድማ ናብ ትንሣኤ ኵነኔ ኺከዱ እዮም ዮሐ 5/24)

እምበኣር ድሕሪ ፍርዲ  ብመንገዲ እግዚኣብሔር ንዝማላለስ ናይ ዘለዓለመ ዓለም ህይወት ዋግኦም ከም ዝቅበሉ ኣቶም ድምጹ ዘይ ሰምዑ ብመንገዱ ዘይተማላለሱን ግን ፍርዶም ክቕበሉ እዮም ስሙ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ ዘበለ ናብቲ ቀላይ ሓዊ ተደርበየ ዝብል ፍርዲ ይበጽሖም እዚ ድማ ግደ እቶም ፈርሓትንከሓድትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግዲኦም ሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይን እዩ እዚ ከኣ እቲ ካልኣይ ሞት እዩ እሞ ካብዚ ካልኣይ ሞት ንምድኃን ካብ ኵሉ ሕማቕ ተገባርን ሥራሕን ክንርሕቕ እዩ ዝግብኣና።

ክቡራት ደቅናን ኣሕዋትናን ኣብ ወንጌለ ዮሐንስ ከም ዝሰማዕናዮ ሓደ ናይ ዘለዓለም ህይወት ብድሕሪ ሞት ከም ዘሎ እዩ ዝምህረና ዘሎ እቲ ካልኣይ ግን ድሕሪ ሞት ፍዳን ፍርድን ናይ ዘለዓለም ስቃይን ከም ዘሎ ኢና ተማሂርና ዘሎና እዚ ኣብ መንጎ ህይወትን ሞትን ዘሎ ፍልልይ ክነስተውዕሎ ዘሎና ጉዳይ እዩ ጽድቅን ኃጢኣትን ማለት እዩ ክልተ መንገዲ ጥራይ እየን ዘለዋ እሞ ካብ ሞት ህይወት ካብ ኃጢኣት ጽድቂ ክንመርጽ ይግባእ ካልእ መብርሂ ዝይዘራእካዮ ስለ ዘይዕጸድ እቲ ዝዘርእን እቲዝዓጽድን ብሓባር ምእንቲ ክሕጐሱ እቲ ዝዓጽድ ዓስቡ ማለት ጻማ ሥርሑ ንዘለዓለም ዝኽውን ህይወት ከኣ ይእክብ።

ወኣመ ይመጽእ ወልደ እጓለእመሕያው በስሐቲሁ ወኵሎሙ መላእክቲሁ ምስሌሁ።

ክርስቶስ መድኀኒና በቲ ዝለበሶ ሥጋ ብክበበ ትሥብእት ብግርማ መለኮት ኣብ መንበር ክብሪ ተቐሚጡ ምስ ቅዱሳን መላኽቲ ከም ዝመጽእ እዩ ዝሕብረና ዘሎ ኣብ ምንብር ክብሩ ምስተቀመጠ ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ ንሱ ከኣ ጓሳ ንኣጣል ካብ ኣባጊዕ ከም ዝፈላልየን ነንሕድሕዶም ይፈላልዮም ነቶም ብኣባጊዕ ዝተመሰሉ ጻድቃን ኣብ የማኑ ነቶም ከም ኣጣል ዝተመሰሉ ኃጥኣን ከኣ ኣብ ጸጋሙ የቁሞም በዘን ዝስዕባ ቃላት ከኣ ንዑ ናባይ ኪዱ ካባይ ኢሉ የሰናብቶም 1, ጠምየ ዝብላዕኩምኒ 2, ጸሚኣ ዘስተኩምኒ ,ዓሪቐ ዝኸደንኩምኒ 4, ጋሻ ኮይነ ኣብ ቤትኩም ዘሕደርኩምኒ 5,ተኣሲረ ዘፍታሕኩምኒ 6, ሓሚመ ዝበጻሕኩምኒ ይብሎም ንሶም ከኣ መኣስ ርኢናካ ጠሚኻ ጸሚእካ ዓሪቕካ ገሽካ ሐሚምካ ተኣሲርካ ኣገልጊናካ ኢሎም ይምልሱ እቲ ንኣሕዋትኩም ዝገበርኩምዎ ንዓይ ኢኩም ዝገበርኩምዎ እሞ ኣብቲ ንዘዓለም ብህይወት እነብርሉ ቅድሚ ፍጥረት ዓለም ዝተዳለወ ርትኩም እተዉ ዝብል ዋግኦም ይህቦም።

ከምኡ ድማ ናብ ጸጋሙ ንዘለዉ ብቃል ወቐሳ ጠምየ ዘብላዕኩምኒ ጸሚኣ ዘየስተኩምኒ ዓሪቐ ዘይከደንኩምኒ ጋሻ ኮይነ ዘየሕደርኩምኒ ሓሚመ ዘይበጻሕኩምኒ ተኣሲረ (ዘይጠየቕኩሚ) ዘይሐተትኩምኒ ይብሎም ንሶምውን መዓ ርኢናካ ጠሚኻ ጸሚእካ ዓሪቕካ ገሽካ ሐሚምካ ተኣሲርካ ዘየገልገልናካ ይብልዎ ንሱ ድማ ነቶም ኣሕዋትኩ ስለ ዘይገበርኩምሎም ናዓይ ኣይገርኩለይን ኪዱ ካባይ ርሐቑ ንሠይጣንን ንመላእክቱ ኣብ ዝተዳለወ ገሃነም እሳት ኢሉ ይፈርዶም ፍድኦም ከኣ ይቕበሉ ኣብቲ ካልእይ ሞት ኣብ ስቃይ ይነብሩ እቲ ኣብሞንጎ ጻድቃንን ኃጥኣንን ዝሎ ፍልልይ እዚ እዩ ስለዚ ካብዚ ፍርዲ እዚ ምእንቲ ክንድኅን ጽጉማት ኣሕዋትናን ወገናትናን ኢደ እግሪ ንዘይብሎም ዝሰንከሉን ክንሕግዞም ክንተሓባበሮምን እዩ ዝምህረና ዘሎ።

መጠቓለሊ

ኣብዚ መጠቓለሊ ክብሎ ደልየ ዘሎኩ ክልተ ዓለም ከም ዘሎና ክፍለጥ ከሎ ማለት ዓለምና ክልተ እዩ ንብል ኣሎና እቲ ሓደ ኣብዛ ንሓጻር እዋን ንነብረላ ሓላፊት ዓለም ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይን ንባርን ንብሎ ድማ እቲ ብድሕሪ ሞት ንነብሮ ህይወት ማለት እዩ እምበዓር ኣብዚ ንሓጺር እዋን ንነብረሉውን እንተኮነ እቲናብራ ኣብ ክልተ እዩ ዝምቀል ጽቡቕን ሕማቕን ሃብታምን ድኻን ጥዑይን ሕሙምን ምሁርን ዘይተማረን (ደንቆን) ወይ መሃይምን ህርኩትን ሃካይን ጽጉብን ጥሙይን ገዛእን ተገዛእን ወተእዮም ዝነብሩላ እዚ ማለት ከኣ ሰብ ምስ ተወልደ ክሳዕ ተማሂሩ ዝውድእ ብዙሕ ጻዕርን ድኻምን እዩ ዘለዎ ትምህርቱ ወዲኡ ኣብ ስራሕ ምስዝወፍር ፍረ ጻማኡ ይረክብ ነቲ ዝረኸቦ ፍረ ጻምኡ ግን ከምቲ ዝግብኦ ግብሪ ንጉሥ ምድራውን ክኸፍል ናይ ግድን እዩ እንተ ዘይ ከፊሉ ግን ምስ ወለዱ ይሕተት ከምኡ ከኣ ሰማያውን ግብሪ ክኸፍል ኣለዎ እተዘይ ከፌሉ እታ ሰማያዊት ህይወት ክረኽባ ኣይኽእልን ጥራይ ዘይኮነ ክርእያውን ፍጹም ኣይከኣልን እዩ ተማእዚዙ ዝኸይድ ሰብ እንተ ኮይኑ እንተ ሞተውን ካብዚ ዘለናዮ ዓለም ደኣይግዕዝ እምበር ብህይወት ከም ዝነብር ኣብ ትንሣኤ ህይወት ይትንሥእ ከምቲ ልዕል ኢልና ዝበልናዮ እቲ ክንገብሮ ዝግብኣና ነቶም ስኡናትን ሽጉራትናን ወገናትና ከምኡውን ኢደ እግሪ ንዘይብሎም ሕሙማት ስንኩላትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣዝማድናን ካልኦትውን ስኡናት ሰባት ምስ እንርኢ ካብቲ ዘሎና ከነካፍሎምን ክንሕግዞምን ንረድኦምን እዩ ዝነግረና ዘሎ።

ጠበበኛን መስተውዓሊ ኹን ሃብታም ክትከውን ኢልካ ግን ኣይትጽዓር ምኽንያቱ ሃብቲ ይውዳእ እዩ ፍልጠት ግን ካባኻ ዝወስዶ የልቦን ምሳኻ እያ ትነብር እሞ ፍልጠትን ምስትውዓልን ሠናይ ሥራሕን ካባና ዘይውሰድ ሃብቲ እዩሞ ብግቡእ ክንጥቀመሉን ክንዕቅቦን ይግባእ

ኣምላኽ ምስ ኩልና ይኹን ኣሜን።

Posted July 5, 2009 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div