S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዘመን ምሕረትኩም ፍለጡ (መበል 31 ሰንበት: ቊ.፴፩/31, 2025 | 2017 ግዕዝ

ኢየሱስ ናብ ኸተማ ቐረበ፡ ምስ ረኣያ ኸኣ ከም ኢሉ ኣልቀሰላ’- “ኣየ ንስኺ! በዛ መዓልቲዚኣ (ነቲ) ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር ፈሊጥክዮ እንተ ትዀኒ (መን ምሃበ)!! ሕጂ ግና ካብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ። ጸላእትኺ ቀጽሪ ቐጺሮም ዚኸብቡኺ መዓልቲ ኽትመጽእሞ፡ በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪዮም። ዘመን ምሕረትኪ ሰኣን ምፍላጥክስ ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ምስ ሓመድ ኪጽምብሩኺ፡ (ኬፍርሱኺ) እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒውን ኣይኪሓድጉልክንዮምሉቃ 1941-44 .

እንሆ ዕለት ሻምናይ nብት ናይ ዓብይ ጾምን፡ በዓለ ሆሳእናንዩ። ንዅላትና ርሑስ በዓለ ሆሳእና ይግበረልና!! ዕለተ ሆሳእና፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪዚኣ ብደረጃ ህዝቢ ኽብሪ ዝረኸበላ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን እንኮ መዓልቲያ። እዛ ኽብርቲ ዕለትዚኣ ቕዱሳን ነብያት መንፈስ ቅዱስ ገሊጹሎም ትንቢት ዝተነበዩላ ፍልይቲ መዓልቲያ። ነብዪ ዘካርያስ ነዛ ዕለትዚኣ ኣመልኪቱ፦ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሓጐሲ፡ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፡ ዕልል በሊ። እንሆ ንጉስኪ፡ ንሱ ጻድቕ፡ መድሓንን ትሑትንዩ፡ ኣብ ኣድጊ፡ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ” ብምባል ተነብዩ ነበረ (ዘካ 99) እቲ ናይ ዕለት ምስባክ ናይ መዝሙረ ዳዊትውን፡ ብዛዕባ ዕለተ ሆሳእና ዝተነግረ ትንቢታዊ መዝሙር (መዝ 1822-27)ሆሳእናዚብል ቃል ናይ እብራይስጢ ቃልዩ። ብትግርኛ ምስ ዚትርጐም ድማኣድሕን ኰታማለትዩ። እዚ ትምቢታዊ መዝሙር ብዛዕባኡ ዝተዘርበ ምዃኑ፡ ጐይታና ኣብ ብምኽንያት ሆሳእና ፈሪሳውያን ኪጻብእዎን ኪምጕትዎን ከለው ኣብ ዝሃቦ መልሲ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ማቴ 2142-44 2338,39) ብዛዕባቶም ንኽብሩ ብጭድርታ ዚዝምሩ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ተናደዱ፡እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዖዶ ኣለኻ፧ መምህርን ደቀ መዛሙርትኻ ግንሓዮምበልዎ (ማቴ 216 ሉቃ 1939) ጐይታና ድማ ነቲ ብዛዕባኡ ኣብ መዝ 82 ዝተነግረ ትንቢት ብምጥቃስ፡

እወ፡ (ነቲ) ‘ካብ ኣፍ ቈልዑን ህጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻዚብል (ትንቢትሲ) እኳዶ ኣየንበብኩምዎን፧” ብምባል ጠቐሰሎም (ማቴ 2116) እምበኣር እዚ ኽቡር በዓልዚ፡ እቲ ቅድሚ ኣማኢትን ኣሽሓትን ዓመታት ብመንፈስ ቅዱስ ዝተነግረ ዅሉ ትንቢታት ኣብ ባይታ ብግብሪ ዝተፈጸመሉ ፍሉይ መዓልቲዩ። እዚ ንጐይታና ዝተዋህበ ንጉሳዊ ኽብሪዚ፡ ኣብ ኣብ ልዕሊ ጐይታና ዚወርድ ዝነበረ ተቓውሞ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሓሉ ስቕለቱን ሞቱን ኣብ ድርኵዂት ትግባረ ዝበጽሓሉ ቕንያት ዝነበረ። እንተ ዀነ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ዝተዓጥቀሉ ጒዳይ ስለ ዝነበረ፡ ንምዕንቃፉ ዝተገብረ ዅሉ ሰይጣናዊ ሃቐናታት ከይተዓወተ ተረፈ። ብደቀ መዛሙርቱ ዝጀመረ ምስጋናን ክብርን ናብ ምልእቲ ከተማ ልሒሙ፡ ከተማ ኢየሩሳሌም ብሆታን ጭድርታን ተናወጸት፡ እዚ ትርኢት ነቶም ቀንዲ ተቓወምቱ ፈሪሳውያን ንሓድሕዶም፡ “(ተቓዊምኩም) ሓንቲ ኸም ዘይተሰልጡ ትርእዩ ኣለኹም። እንሆ ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎተበሃሂሎም ቅብጸቶም ኪእመኑ ገበሮም (ዮሃ 1219)

እዚ መዓልቲ ነቲ ህዝቢ ደኣ መዓልቲ ሓጐስን መዝሙርን ይንበርምበር፡ ንጐይታና ግና መዓልቲ መልቀስን ቍጥዓን ዝነበረ። ናብ ኸተማ ምስ ቀረበ ህልዊ ውድቀታን ናይ መጻኢ ጥፍኣታን ስለ ዝተራእዮ፡ ነቲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ሰፊሩ ዘሎ መልቀስ ኣልቀሰላ። ናብ ውሽጢ ናይ` ኸተማን ናብ ቤት መቕደስን ምስ ኣተወ ድማ፡ ብቕንኣት ቤቱ ኪቝጣዕ ዚገብሮ ትርኢት ረኣየ። እቲ ንኽብሪ ኣምላኽ ዝተሃንጸ ቕዱስ ቤት መቕደስ ዕዳጋ ኸብትን ጤለ በጊዕን ርግብታትን፡ ናይ ሸርፊ ቦታን ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ንበይኑ ዀይኑ ብዘይ ሓጋዚ ነቲ ዕዳጋ በተኖ፡ ካብ ቀጽሪ ቤት መቕደስ ሰጕጉ ድማ ቤቱ ኣጽረየ። እቶም ንኺጻብእዎ ኻብ ከባቢኡ ዘይርሕቁ ጸላእቱ፡ በየናይ ስልጣን ነዚ ይገብር ከም ዘሎን፡ እንታይ ትእምርቱ ኸም ዜርእዮምን ምስ ሓተትዎ፡

“(ንስኻትኩም) ነዛ ቤት መቕደስዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ” ብምባል፡ ኣብ እትስዕብ ሰሙን (ሰሙነ ሕማማት) ብግብሪ ዚፍጸም ትእምርቲ ነገሮም (ዮሃ 213-22) በዚ መልሱ እቲ ሽዑ ተሃኒጹ ዝነበረ ግኡዝ ህንጻ ቤት መቕደስ፡ ናይ ህያው ቤት መቕደስ ዝዀነ ስጋኡ ጽላሎት ከም ዝዀነ፡ ነዚ ስጋኡን ንሳቶም ሰቒሎም ምስ ቀተልዎ፡ ንሱ ድማ ድሕሪ ሳልስቲ ኬተንስኦ ምዃኑ፡ ነቲ ምስጢር ገለጸሎም። ነዚ ምስጢር ግና ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ፡ ንሳቶም ከኣ ድሕሪ ትንሳኤኡዮም ዘስተውዓልዎ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መቕደስና ከም ዚኸውን ብነብያት ተገሊጹ (ኢሳ 813-15) ናይ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዘለኣለማዊ መቕደስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑውን ኣብ ራእ 2122 ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ።

ኣብ ዕለተ ሆሳእና ኣብ ነግህ ኣብ ጊዜ ዑደተ ቤተ መቅደስን (ማቴ 2029-34 ማር 1046-52 ሉቃ 1835-43 ማቴ 926-38) ከምኡ ድማ ኣብ ምዕዋድን ዚዝመሩ መዝሙራትን ዚንበቡ ክፍልታት ቅዱስ ወንጌልን ብዙሓትዮም (ማቴ 211-18 ማር 111-13 ሉቃ 1928-48 ዮሃ 1212-19) ኣብ ዕለት ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ድማባርኮ ያዕቆብዘርእስቱዩ። እዚ መዝሙር ነቲ ኣብ ዘፍ 4910-12 ዘሎ ኣቦና ያእቆብ ብዛዕባ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዛረቦ ትንቢታ ምርቃ መሰረት ገይሩ ዝተደርሰዩ። ናይ ዕለት ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ድማ ካብ ናይ ሉቃ 1928-48 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዝተወስደዩ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስዘመን ምሕረትኢሉ ዝሰመዮ ነየናይ ዘመንዩ፧ ንምሕረትከ ዘመን ኣለዎ ድዩ፧ እግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜዶይኰነን ዚምሕር፧ ብርግጽ ከም ኵሉ ኻልእ ነገር፡ ኣብ እግዚኣብሄር ንምሕረትውን ጊዜን ዘመንን ኣለዎ (መክ 31-8,17) ነቲ ምሕረተኛ ባህርይ ናይ እግዚኣብሄር ግን ናይ ጊዜ ደረት የብሉን። ስለ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄርምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብርዚብለና (መዝ 1181-4,29) እቲ ምሕረት ዜድልዮ ውልቀ ሰብን ህዝብን ግን ንዘለኣለም ኣይነብርንዩ። ናይ ዕድመ፡ ናይ ህላወ ደረት ኣለዎ። ዕድመ ህላወኡ ጥራሕ ዘይኰነ ዓይነትን መጠንን ናይ ኣበሳኡውን፡ ነቲ ናይ ምሕረት ዘመኑ ይድርቶዩ። ናይ እግዚኣብሄር ምሕረት ግን ዘለኣለማዊዩ። ቅድሚ ምስራት ዓለም ማዕረ ህላዌኡ ምስኡ ዝነበረ፡ ድሕሪ ሕልፈት ዓለምውን ንዘለኣለም ምስኡ ዚነብርዩ። እግዚኣብሄር ምሕረቱ ዚኸልኣና፡ ምሕረት ተወዲእዎ ስለ ዝሰኣነ ዘይኰነስ፡ ንሕና ነቲ ኽቡር ምሕረቱ ኽሳዕ ዘይንበቅዕ፡ ክሳዕ ክንድኡ ብሓጢኣት ርእስና ስለ ዘሕሰርናዩ።

ጐይታና ብዛዕባ ኢየሩሳሌም እናልቀሰ ዝተዛረበሉዘመን ምሕረት እቲ ብልደቱ ዝጀመረ ቕድሚ ዅሉ ድማ ንህዝቢ እስራኤል ዝተገልጸ ናይ ምሕረት ዘመንዩ። እግዚኣብሄር ወልድ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ኻብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ፍጹም ሰብ ዝዀነሉ ዕላማ፡ ንሕና ኻብ ማእለያ ዘይብሉ ሓጢኣትናን ሳዕቤኑን ዘለኣለማዊ ምሕረት ምእንቲ ኽንረክብዩ። ዕለተ ልደቱ ድማ፡ እዚ ዘለኣለማዊ ምሕረቱ ብወግዒ ዝጀመረሉ መዓልቲዩ። እዚ ሓቂ ኸኣ ገና ጐይታና ምስ ተጸንሰ ብኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያምን ብኻህን ዘካርያስን ተገሊጹልናዩ። ብስራት ቅዱስ ገብርኤል ሰሚዓ ናብ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ከደት፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ምስጢረ ስጋዌ ድሮ ኣብኣ ኸም ዝተፈጸመ፡ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይብዚብል ቃል ብልሳን ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ኣረጋገጸላ (ሉቃ 143)  ንሳውን በቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተደረኸ ጸሎት ምስጋናኣ፡ከም ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን (ዝተስፈዎ) ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ።” ብምባል ንቤት እስራኤል ኰነ ነቲ ብእምነት ውሉድ ኣብርሃም ኪኸውን ዝበቕዐ ዅሉ፡ ዘመን ምሕረት ከም ዝመጻሉ ተኣመነት (ሉቃ 154,55) ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ ምስ ተወልደ ድማ ኣቦኡ ካህን ዘካርያስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ፦ ንህዝቡ (ህዝቢ እስራኤል) ስለ ዝበጽሖምን ዝተበጀዎምን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ከም ብኣፍ ናይቶም ካብ ጥንቲ ዝነበረ ቕዱሳት ነብያት እተዛረቦ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ቐርኒ ምድሓን (ሓይሊ ምድሓን) ኣተንስኣልና። . . . ምስ ኣቦታትና ምሕረት ኪገብር፡ ነቲ ቕዱስ ኪዳኑ (ዘከሮ) እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሓለሉ ማሕላ (ሃበና) . . .  ኣታ ህጻን፡ ንስኻ ድማ ንህዝቡ ብሕደገት ሓጢኣቶም ፍልጠት ምድሓን ክትህቦም፡ መገዱ ኸተቕንዕ ቀቅድሚ ጐይታ ኽትከይድ ኢኻሞ፡ነብዪ (ናይ) ልዑልክትበሃል ኢኻ። ነእጋርና ናብ መገዲ ሰላም ኬቕንዕ፡ ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ድመ ሞትን ተቐሚጦም ዘለው (ሓጥኣን) ኬብርህ፡ ስለ ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽና፡ ብእኡ (ብክርስቶስ) ካብ ላዕሊ በርቂ ጸሓይ ኪበጽሓናዩ።” ብምባል ብስራትን ትንቢትን ተዛረበ (ሉቃ 168-79) ካህን ዘካርያስ፡ ምሕረት ኣምላኽ ብክርስቶስ ከም በርቂ ጸሓይ ካብ ላዕሊ ካብ ሰማይ ኪበጽሓና ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ስለ እቲ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪዚኣ ኻብ ዝተገልጸሉ ዕለት ጀሚሩ ኽሳዕ ዳግም ምጽኣት ዘሎ ጊዜ፡ ዘመን ምሕረትዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ነቲዓመተ ዓለምተባሂሉ ዚጽዋዕ ዝነበረ ዘመን፡ ካብ ጐይታና ዝተወልደላ ዕለት ንደሓር ዘሎ ዘመን፡ዓመተ ምሕረትኢላ ብምጽዋዕ፡ ኣብዘመን ምሕረትንነብር ከም ዘለና ተኣመነትን ኣወጃትን።

እንተ ዀነ ንምሕረት ወሃቢ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ተቐባሊውን የድልዮዩ። ነቲ እግዚኣብሄር ፈትዩ ዝሃበካ ምሕረት፡ ፈቲኻ እንተ ተቐበልካዮ፡ ናይ ብሓቂ ምሕረት ይዀነልካ። እንተ ተሓሰምካዮ ግና እቲ ምሕረት ናብ ቍጥዓ ይልወጥ። ንህዝቢ እስራኤል ድማ ከምኡ በጺሕዎም። እቲ ብክርስቶስ ዝተዋህቦም ናይ ምሕረት በርቂ ጸሓይ ንሰብዓ ዓመት ዚኣክል ምስ ነጸግዎ፡ ብጀነራል ቲቶስ (ጥጦስ) ዘመን ቍጥዓን መዓትን ተሰርዓሎም። ጐይታ ድማ ብዛዕባ መዓት ዘልቀሰሎም።

እዚ ዘመን ምሕረት ኣብ ውልቀ ሰብን ኣብ ህዝብን ዓለምን ብኸመይ ዚገሃድን ዚግለጽን፧ ናይ ውልቀ ሰብ ህይወትን፡ ናይ ሓደ ውልቀ-ህዝቢ ህይወትን ናይ ምሉእ ህዝቢ ዓለም ህይወትን፡ ብጊዜ ዀነ ብኻልእ ኵሉ ረቛሒታት ኣዝዩ ዝተፈላለየዩ። ስለ ንምሕረት ብዚምልከት፡ ብሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ኽንርእዮ ኣይከኣልንዩ። እቲ ኻብ ልደቱ ኽሳዕ ካልኣይ ምጽኣቱ ዘሎ ዘመን ምሕረት ንምልእቲ ዓለምምበር፡ ንሓደ ውልቀ ሰብ ወይ ንሓደ ውልቀ ህዝቢ ጥራሕ ዚምልከት ኣይኰነን። ንሓደ ውልቀ ሰብ ዚምደብ ዘመን ምሕረት ክንዲ መጠን ዕድሚኡን ክንዲ መጠን ኣበሳኡምበር፡ ክንዲ ንምልእቲ ዓለም ዝተዋህበ ኣዝዩ ሰፊሕ ዘመን ምሕረት ኣይኰነን። ሓደ ሰብ፡ ኣብ ዓለምዚኣ እንተ ነውሓ ናይ 70 ወይ 80 ዓመታት ዕድመ ጥራሕ ዚህልዎ። ስለ እቲ ቕድሚ ምውላዱ ዝነበረ ዘመን ምሕረትን ድሕሪ ሞቱ ዘሎ ዘመን ምሕረትን ንእኡ ኣይንታዩንዩ። ነቲ ብህይወት እናነበረ ኸሎ ዘርከበሉ ዘመን ምሕረት ጥራሕ ኺጥቀመሉ ዚኽእል። ንውልቀ ሰባት ጥራሕ ዘይኰነ ንውልቀ-ህዝብታትውን ዚነብሩሉ ዕድመ ኣለዎም ታሪኽ ዓለም ኰነ መጽሓፍ ቅዱስና ኸም ዜረጋገጾ፡ ህዝብታት ይጸንቱን ይጠፍኡንዮም። እዚ ኸኣ ብስልጣን ኣምላኽ ዚውስንዩ። ንኣብነት ከንኣናውያን መስፈር ሓጢኣቶም መሊኡ ስለ ዝፈሰሰ፡ ኪጸንቱን ካብ ብኣምላኽ ዝተዋህቦም ሃገር ኪንቀሉን ተፈርዶም (ዘፍ 1516 ዘዳ 94,5) ሰዶምን ጎሞራን ኣማሌቃውያን ካልኦት ህዝብታትንውን ከም ውልቀ ህዝቢ ኻብ ገጽ ምድሪ ኺጠፍኡ መስፈር ዓመጻኦም ዝመልኡን ዘመን ምሕረቶም ዝወድኡን ህዝብታት ኣለው (ዘፍ 1820 1913 2ጴጥ 26 1ሳሙ 153) ብደረጃ ዓለም ህዝቢ ዓለም ብማይ ኣይሂ ዝጠፍኣሉን፡ ሽሞንተ ኣባላት ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ጥራሕ ዝተረፉሉ ጊዜውን ኣሎ (ዘፍ 613 718-23 2ጴጥ 25 ሉቃ 1726,27)

ንሓደ ውልቀ ሰብውን ብመጠን ዕድሚኡን ብመጠን ብዝሕን ክብደትን ናይ ኣበሳኡ ዚድረተሉ ናይ ውልቀ ዘመን ምሕረት ኣለዎ። ናይ ገሊኡ ሰብ፡ ዘመን ምሕረቱ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ዚጸንሓሉ ኣሎ። እዚ ዘመን ሓጢኣቱ ብኣምላኽ ሸለል ዚበሃለሉ ዘመን ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ነቲ ሓደን እንኮን ወዱ ንሞት ኣሕሊፉ ኽሳዕ ዚህብ ደኣ ዋጋ ይኸፍለሉምበር፡ ንሓጢኣት ፈጺሙ ሸለል ኣይብሎንዩ። ነቲ ሓጥእ ግን ካብ ሓጢኣቱ ብንስሓ ኺምለስ ዕድልን ጊዜን ይህቦ ማለትዩ። ዘመን ምሕረት ዚበሃል ድማ እዚ ብንስሓ ኻብ ሓጢኣትና ምሕረት ኽንረኽበሉ ዝተሰርዓልና ዘመን ማለትዩ። ስለ እቲ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ዘመን ምሕረቱ ዝተናውሓሉ ሰብ፡ እቲ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ መስፈር ዓመጻኡ ዘይመልአ፡ ንስሓ ናይ ምእታውን ምሕረት (ሕድገት ሓጢኣት) ናይ ምርካብን ዕድሉ ዘይተዓጽወ ወይ ዘየብቅዐዩ። ነዛ ዕድሉዚኣ ኸይተጠቕመላ ዕለተ ሞቱ እንተርኪባቶ፡ እዚ ሰብዘመን ምሕረቱ ዘይፈለጠወዲ ጥፍኣት ኰይኑ ይተርፍ።

ገና ብህይወቶም ከለው ዘመን ምሕረቶም ዚጽንቅቑ ሰባት ከም ዘለው ድማ ኣይንዘንግዕ። ብብዝሕን ብኽብደትን ናይ ዚፍጽምዎ ኣበሳ፡ ነቲ መስፈር ሓጢኣቶም ቅጽጽ ኢሉ ኸም ዜንጀርብብ ወይ ከም ዚፈስስ ይገብርዎሞ፡ እግዚኣብሄር በቲ ፍትሓዊ ፍርዱ ነቲ ንስሓ ናይ ምእታውን ምሕረት ናይ ምርካብን ዕድሎም ኸም ዜኽትም ይገብሮ። ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ክልተ ምድራዊ ዕጫ ኣለዎም። እቲ ቐዳማይ ብፍርዲ ኣምላኽ ይቕዘፉ ምድራዊ ዕድሚኦምን ዘመን ምሕረቶምን ኣብ ሓደ ጊዜ ይውዳእ። ናይ ፍርዲ ግብራዊ ኣብነት፡ ሃናንያን ሰጲራን፡ ኣካን፡ ወዘተ ምጥቃስ ይከኣል (ግብ 51-11 እያ 715) እቶም ካልኣይ ዓይነት ከኣ ዘመን ምሕረቶም ካብ ምድራዊ ዕድሚኦም ዚሓጽር ሰባትዮም። ዘመን ምሕረቶም ወዲኦም ክነሶም፡ ኣብ ምድሪዚኣ ብህይወት ኪጸንሑ ዝተፈቕደሎምዮም። እዞም ዚጸንሑ ካብቶም ዚቕዘፉ ዝሓሹዮም ማለት ግን ኣይኰነን። ንስሓን ምሕረትን ዘይርከቦ ዕድመሞ፡ ብምንታይ ኻብ ሞት ኪሓይሽ፧ ናይ ዝዓይነቱ ህይወት ርኡይ ኣብነትና ኸኣ፡ ንጉስ ሳኢልዩ። ብህይወት ከሎ፡ ገናውን ኣብ ንጉሳዊ ስልጣን ከሎ ዘመን ምሕረቱ ወዲኡ ከመይ ከም ዝተሳቐየን መወዳእታኡ ብኸመይ ብኽፉእ ከም ዝጠፍአን፡ ንመለበሚ ንምህሮ ኪዀነልናን መጽሓፍ ቅዱስ ግሩም ገይሩ ተሪኹልና ኣሎ (1ሳሙ 1523-30 1614 284-7) ሊቀ ካህናት ኤሊ ምስ ደቁውን ከምኡ ነበሩ (1ሳሙ 313,14) ኣብ ሓድሽ ኪዳንውን ንመንፈስ ቅዱስ ንዝጸረፉ፡ ካብ ጸጋ ንዝወደቑ፡ ፍልጠት ሓቂ ድሕሪ ምርካብ ፈትዮም ሓጢኣት ንዝገበሩ ንድሕሪት ንዝተመልሱ ናቶም ዘመን ንስሓን ምሕረትን ከም ዜብቅዕ ብተደጋጋሚ ተገሊጹልና ኣሎ (ማቴ 1231,32 እብ 64-6 1026-29 2ጴጥ 220-22 1ዮሃ 516,17)

ዘመን ምሕረትና ከም ዝተወድአን ከም ዘይተወድአን ክንፈልጥ ንኽእል ዲና፧ እዚ ፍልጠት መለኮታዊምበር ሰብኣዊ ፍልጠት ኣይኰነን። ዘመን ምሕረትካ ምፍላጥን ጐይታ ዚመጻሉ ጊዜ ምፍላጥን ንደቂ ሰባት ኣይተዋህበን። ብርግጽ ንመንፈስ ቅዱስ ጸሪፍካ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዘይርከብ ጐይታ ኣግሂዱ ስለ ዘፍለጠና፡ እቲ ነዚ ኣበሳ ዝፈጸመ ሰብ ዘመን ምሕረቱ ኸም ዝወድአ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና (ማቴ 1231,32) ኣብ ራእይ ዮሃንስ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ኸቢድ መዓት እናኸዓወሎም ከሎ ኣብ ክንዲ ዚንስሑን ንኣምላኽ ክብሪ ኣብ ክንዲ ዚህቡን ንኣምላኽ ከም ዝጸረፍዎ ተጻሒፉልና ኣሎ (ራእ 168-11,21 920,21) እዞም ህዝብታትዚኣቶም ዘመን ንስሓኦምን ዘመን ምሕረቶምን ከም ዝወድኡ ከቶ ዘየጠራጥርዩ። ብኣንጻሩ ኸኣ መዓት ኣምላኽ ምስ ወረዶም ንእኡ ተዓዚቦም ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኾም ንኣምላኽ ሰማይ ብንስሃ ኽብሪ ዝሃቡ ሰባት ከም ዝነበሩ ኣብ ራእ 1113 ተገሊጹልና ኣሎ። ስለ ብዛዕባ ርእስና ዀነ ብዛዕባ ኻልኦትኣብ ዕለትወይኣብ ዓመተ ምሕረት ዘመን ምሕረቱ ኣብቂዑኽንብል እንተ ዘይከኣልናኳ፡ ክንግምቶ ዘይከኣል ግን ኣይኰነን። ምጽኣት ጐይታ መዓስ ከም ዚኸውን ፈሊና ኽንፈልጥ እንተ ዘይከኣልናኳ፡ እቲ ጊዜ ኸም ዝቐረበ እነለልየሉ ምልክታት ግን ተዋሂቡናዩ። ንዘመን ምሕረትውን መለለዪ ምልክታት ከም ዘለዎ ርዱእዩ። እቲ ዝዓበየ ምልክቱ ድማ ጸሎታውን ግብራውን ንስሓዩ። ንስሓ ዘመን ምሕረትና ኬስፍሕን ኬንውሕን ዝተሰርዓልና መለኮታዊ ምስጢርዩ። ሓቀኛን ጊዜኡ ዝሓለወን ንስሓ ዜዘውትር ሰብ፡ ምድራዊ ናይ ምሕረት ዘመኑ ዜንውሕን ዜውሕስን ብልሂ ክርስትያንዩ። ንስሓ ናይ መንፈሳዊ ህይወት ዝለዓለ መለክዒዩ። ብዛዕባ ሓጢኣቱ ሕልናኡ ዚነቕፎ፡ ቍስሊ ልቡ ዚፍለጦ ሰብ፡ መንፈሱ ህያው ዝዀነ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብኡ ሓዲሩ፡ ብዛዕባ ሓጢኣቱ ደጋጊሙ ዚረትዖ ሰብዩ። እዚ ጸጋ ናይ ብሓቂ እንተልዩና፡ ዘመን ምሕረትና ኸም ዘይተወድአ፡ እኳ ደኣ ዘይተተንከፈ ምሉእ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ግሁድ ኣበሳ ደጋጊምና እናፈጸምና፡ ይትረፍ ክንንሳሕ ኣብ ሕልናና ንማለቱ ሕርኽርኽ ዘይብለና፡ ብኣንጻሩ ደኣ በቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ናይ ዓወትን ጅግንነትን ስምዒትን ዚዕብልለና ነውርዮን ንጀሃረሉን እንተ ዄንና ግን ንዘመን ምሕረትና ነሕጽሮ ኸም ዘለና መግለጺ ዘየድልዮ ርዱእ ሓቂዩ። ንኣብነት ንዝበደለካ ሰብ ይቕረ ዘይምባል ምሕረት ዘይምግባር፡ ንዘመን ምሕረትና ኣብ ዘይጊዚኡ ዚቘጽዮ ዓሻ ተግባርዩ። ምሕረት ዘይገበረ ፈጺሙ ምሕረት ከም ዘይረክብ ቅዱስ ወንጌል ብኣጽንዖትን ደጋጊሙን ገሊጹልና (ማቴ 5:7; 6:14; 25:40; ሉቃ 6:38.) ቂምታን ጽልእን ዘመን ምሕረትካ ዜሕጽር ሕሱም መርዚዩ። ንበዳሊካ ትቐጽዕ ዘለካ እናመሰለካ፡ ገዛእ ርእስካ እትቐዝፈሉን እተጥፍኣሉን፡ ርእሰ ቕትለታዊ ምርጫዩ። ስለ ብቓል ኣምላክን ብረድኤት መንፈስ ቅዱስን ርግእ ኢልና ርእስና እንተ መርሚርና፡ ዘመን ምሕረትና ኣብ ከመይ ኵነታት ከም ዘሎ ኽንርዳእ ኣይኬጸግመናንዩ። ሓጢኣት ዘይበትከልና ድኹማት ፍጥረት ከም ምዃንና መጠን መዓልታዊ ኸምንሓጥእ ንፈልጥ ኢና። ብጸሎት ኰነ ብግብሪ ሓቀኛ ንስሓ ኻብ ንኣትው ክንደይ ከም ዝገበርና ድማ ንዘክር። ንሓጥእ ከም ዘለና እናፈለጥና ዘይምንሳሕና፡ ኵሉ ቓልስናን ሓይልናን ኣብ ምሕጻር ዘመን ምሕረትና ነውዕሎ ኸም ዘለና ዜረጋግጸልናዩ። ስለዘመን ምሕረተይ መዓስ ኰን ይውዳእ፧ ወይ ክሳዕ መዓስ ኰን ይጸንሓለይ ይኸውን፧እናበልና ሰንፈላል ካብ ንኸውን፡ ኣካይዳና ኣጸቢቕና ህይወትና ኣጽፊፍና ብጽድቅን ብቕድስናን ብምንባር፡ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘይወድቕ ዘመን ምሕረት ብርግጹነት ከነውሕስ ዜሕሸና።

ንዘመን ምሕረትና ብኸመይ ኢና ኽንፈልጦን ከም ዚግባእ ክንጥቀመሉን ንኽእል፧ ናይ ደቂ ሰባት መንፈሳዊ ፍልጠት ኣብ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተዋህበና ቃል ኣምላኽ ዚምስረት፡ ቃል ኣምላኽ ዘይፈልጥ ሰብ ብዛዕባ ኣምላኹ፡ ብዛዕባ ዓለምዚኣን ብዛዕባ ዚገዝኣ ድያብሎስን ኰነ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ መንፈሳዊ ሃለዋት ዋላ ሓንቲ ዚፈልጦ ነገር ኣይህልወንዩ። ስለ ኸኣ እግዚኣብሄር ቃሉ ኣብ ሓደ መጽሓፍ ተጠሪዙ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፍና ኺበጽሕ፡ ንእኡ ዚምህሩና ሰበኽትን መምህራንን ናይ ወንጌል ኪህልውና ዝገበረ።  ንቓሉ ኸነንብቦን ከነፍቅሮን ክንእዘዞን ድማ ሓገገልና። ደጋጊሙ ድማህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእእናበለ ኣጠንቀቐና (ኢሳ 513 ሆሴ 46) ነቲ መለኮታዊ ቓል ብዓቕሚ ስጋዊ ኣእምሮ ኽንርድኦ ስለ ዚኸብደና ድማ፡ ነቲ ዜብርሃልናን ዜስተምህረናን ጽቡቕ መንፈሱ ኣባና ኣሕደሮ (ነህ 920 ዮሃ 1426 1613,14 1ዮሃ 217) እግዚኣብሄር ነዚ ኵሉ ድሕሪ ምግባሩ ዚተርፍ ነገር እንተልዩ፡ እቲ ናትና ግደ ጥራሕዩ። ቅዱስ ዳዊት፡ምሕላው ቃልካ (ናተይ ግደ)’ኸም ዝበለ፡ ነዚ ቓል ኣንቢብና፡ ኣስተንቲንና መርሚርና፡ ኣጽኒዕና ብእኡ መንፈሳዊ ሚዛንና ኽንቃንይን ከነጥዕይን ናትና ሓላፍነት (መዝ 11957) ገለ ነገር ክንገብር፡ ክንዛረብ ወይ ክንሓስብ ዚድርኸና ዅነታት ኪፍጠር ከሎ፡ብዛዕባ ዅነታት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ክገብር፡ እንታይ ክዛረብ ዚእዝዘኒ፧ እዚ ሕጂ ኽገብሮ ዝሓስብ ዘለኹ ንዘመን ምሕረተይ ዜንውሕ ድዩ ዜሕጽር፧ ነዚ ዅነታት ብኸመይ ንኽብሪ ኣምላኽን ንመንፈሳዊ ረብሓይን ክጥቀመሉ ዝኽእል፧ብዚብል ኣማእዛኒ ሕቶታት ተመሪሕና ኽንዋሳእ ይግብኣና። ብዛዕባ ዝተኸስተ ዅሉ ዅነታት፡ ከም እንስሳ ብደመ ነፍሲ ደስ ከም ዝበለና ብዛዕባ ሳዕቤኑ ኸይሓሰብና ግብረ መልሲ ንህብ እንተ ዄንና ግን፡ ነቲ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ዝሰርዓልና ዘመን ምሕረት ንጥፍኣትና ንጻወተሉ ኣለና ማለትዩ። ኣብ ምድሪዚኣ ብህይወት ከለና ዜጋጥመና ዅሉ ዅነታት፡ ምስ ዘመን ምሕረትና ቐጥታዊ ዝምድና ኸም ዘለዎ ፈጺምና ኣይንረስ። ኣብ ሓደ መዓልቲ እንሓስቦ ሓሳባት እንዛረቦ ቓላት፡ እንገብሮ ተግባራት ክንቈጽሮ እንተ ንፍትን ፈጺምና ኣይምኸኣልናን። ካብ እግዚኣብሄር ግን ሓንቲ ኣይተምልጥንያ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ እንተ ብእወታ እንተ ብኣሉታ ኣብ ናይ ምሕረት ዘመንና ኣዝዩ ልዑል ዝዀነን ዘለኣለማውን ተጽዕኖ ኣለዎ። ስለ እታ ኽንሓስብ፡ ክንዛረብ፡ ወይ ክንገብር ከለና ብዜርብሓና ኣገባብ ብልዑል ጥንቃቐ እንተ ዘይገበርናዮ፡ ኣብ ዚስዕብ መዓልታት ከነቕንዖ ዘሎ ተኽእሎ ከም ዓይኒ መርፍእ ክሳዕ ዚኸውን እናጸበበ ዚኸይድ። ንዘመን ምሕረቱ ብዕዉት ኣገባብ ኬመሓድሮ ዚኽእል፡ እቲ ንዝረኸቦ ዕድመን ዕድልን ብዓይኒ ዘመን ምሕረቱ ዚጥምቶ ሰብ ጥራሕዩ።

እምበኣር ነቲ ኸም ውልቀ ሰባት ተሰሪዑልና ዘሎ ዘመን ምሕረትና ብኸመይ ነመሓድሮ ኸም ዘለና ብጥንቃቐ ርእስና ንመርምር። እዚ ሓጺርን ምድራውን ዘመን ምሕረትና፡ ዘለኣለማዊ ምሕረት ከም ዚወልደልናን ዜውሕሰልናን ጌርና ንነብሮን ነመሓድሮን ከም ዘለና ነረጋግጽ። ምኽንያቱ ነዚ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ዝሰርዓልና ዘመን ምሕረት እነርእዮ ኣታሕዛ፡ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ወይ ከኣ ዘለኣለማዊ ስቓይ ኪወልደልናዩ። ጐይታና ኸም ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ዘልቀሶ ብዛዕባና ኸየልቅስ ብመንፈሳዊ ልቦና ንንበር። በዚ ሓጺር ምድራዊ ዘመን ምሕረት፡ ዘይውዳእ ዘለኣለማዊ ምሕረት ከምንቕበል ነረጋግጽ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

13 ሚያዝያ 2025 | ሚያዝያ 5, 2016 ግዕዝ (መበል 31 ሰንበት: ቊ.፴፩/31)

ምስባክ

መዝ. ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፮-፳፯ “ቡሩክ ዘይመጽእ ብስመ እግዚአብሔር። ባርክናክሙ እምቤተ እግዚአብሔር። እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ።”

“እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ’ዩ፡ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ’ዩ፡ ንሱውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።”

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 9፡11-ፍጻመ

ዲያቆን

1ጴጥ 4፡1-11

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 28፡17-23

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 5፡15-29

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘጎርጎርዮስ መዝሙር፦ ወእንዘ ሰሙን

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div