“ኢየሱስ ናብ’ታ ኸተማ ቐረበ፡ ምስ ረኣያ ኸኣ ከም’ዚ ኢሉ ኣልቀሰላ’- “ኣየ ንስኺ! በዛ መዓልቲ’ዚኣ (ነቲ) ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር ፈሊጥክዮ እንተ ትዀኒ (መን ምሃበ)!! ሕጂ ግና ካብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ። ጸላእትኺ ቀጽሪ ቐጺሮም ዚኸብቡኺ መዓልቲ ኽትመጽእ’ያ’ሞ፡ በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ’ዮም። ዘመን ምሕረትኪ ሰኣን ምፍላጥክስ ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ምስ ሓመድ ኪጽምብሩኺ፡ (ኬፍርሱኺ) እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ’ውን ኣይኪሓድጉልክን’ዮም” ሉቃ 19፡41-44 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሻምናይ ሰnብት ናይ’ዚ ዓብይ ጾምን፡ በዓለ ሆሳእናን’ዩ። ንዅላትና ርሑስ በዓለ ሆሳእና ይግበረልና!! ዕለተ ሆሳእና፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብደረጃ ህዝቢ ኽብሪ ዝረኸበላ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን እንኮ መዓልቲ’ያ። እዛ ኽብርቲ ዕለት’ዚኣ ቕዱሳን ነብያት መንፈስ ቅዱስ ገሊጹሎም ትንቢት ዝተነበዩላ ፍልይቲ መዓልቲ’ያ። ነብዪ ዘካርያስ ነዛ ዕለት’ዚኣ ኣመልኪቱ፦ “ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሓጐሲ፡ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፡ ዕልል በሊ። እንሆ ንጉስኪ፡ ንሱ ጻድቕ፡ መድሓንን ትሑትን’ዩ፡ ኣብ ኣድጊ፡ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ” ብምባል ተነብዩ ነበረ (ዘካ 9፡9)። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክ ናይ መዝሙረ ዳዊት’ውን፡ ብዛዕባ’ዚ ዕለተ ሆሳእና ዝተነግረ ትንቢታዊ መዝሙር’ዩ (መዝ 1፡8፡22-27)። “ሆሳእና” ዚብል ቃል ናይ እብራይስጢ ቃል’ዩ። ብትግርኛ ምስ ዚትርጐም ድማ “ኣድሕን ኰታ” ማለት’ዩ። እዚ ትምቢታዊ መዝሙር’ዚ ብዛዕባኡ ዝተዘርበ ምዃኑ፡ ጐይታና ኣብ’ቲ ብምኽንያት ሆሳእና ፈሪሳውያን ኪጻብእዎን ኪምጕትዎን ከለው ኣብ ዝሃቦ መልሲ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ማቴ 21፡42-44 23፡38,39)። ብዛዕባ’ቶም ንኽብሩ ብጭድርታ ዚዝምሩ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ተናደዱ፡ “እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዖዶ ኣለኻ፧ መምህርን ደቀ መዛሙርትኻ ግንሓዮም” በልዎ (ማቴ 2፡16 ፣ ሉቃ 19፡39)። ጐይታና ድማ ነቲ ብዛዕባኡ ኣብ መዝ 8፡2 ዝተነግረ ትንቢት ብምጥቃስ፡
“እወ፡ (ነቲ) ‘ካብ ኣፍ ቈልዑን ህጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ’ ዚብል (ትንቢትሲ) እኳዶ ኣየንበብኩምዎን፧” ብምባል ጠቐሰሎም (ማቴ 21፡16)። እምበኣር እዚ ኽቡር በዓል’ዚ፡ እቲ ቅድሚ ኣማኢትን ኣሽሓትን ዓመታት ብመንፈስ ቅዱስ ዝተነግረ ዅሉ ትንቢታት ኣብ ባይታ ብግብሪ ዝተፈጸመሉ ፍሉይ መዓልቲ’ዩ። እዚ ንጐይታና ዝተዋህበ ንጉሳዊ ኽብሪ’ዚ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታና ዚወርድ ዝነበረ ተቓውሞ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሓሉ ስቕለቱን ሞቱን ኣብ ድርኵዂት ትግባረ ዝበጽሓሉ ቕንያት’ዩ ዝነበረ። እንተ ዀነ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ዝተዓጥቀሉ ጒዳይ ስለ ዝነበረ፡ ንምዕንቃፉ ዝተገብረ ዅሉ ሰይጣናዊ ሃቐናታት ከይተዓወተ ተረፈ። ብደቀ መዛሙርቱ ዝጀመረ ምስጋናን ክብርን ናብ ምልእቲ ከተማ ልሒሙ፡ ከተማ ኢየሩሳሌም ብሆታን ጭድርታን ተናወጸት፡ እዚ ትርኢት’ዚ ነቶም ቀንዲ ተቓወምቱ ፈሪሳውያን ንሓድሕዶም፡ “(ተቓዊምኩም) ሓንቲ’ኳ ኸም ዘይተሰልጡ ትርእዩ ኣለኹም። እንሆ ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ” ተበሃሂሎም ቅብጸቶም ኪእመኑ ገበሮም (ዮሃ 12፡19)።
እዚ መዓልቲ’ዚ ነቲ ህዝቢ ደኣ መዓልቲ ሓጐስን መዝሙርን ይንበር’ምበር፡ ንጐይታና ግና መዓልቲ መልቀስን ቍጥዓን’ዩ ዝነበረ። ናብ’ታ ኸተማ ምስ ቀረበ ህልዊ ውድቀታን ናይ መጻኢ ጥፍኣታን ስለ ዝተራእዮ፡ ነቲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ሰፊሩ ዘሎ መልቀስ ኣልቀሰላ። ናብ ውሽጢ ናይ`ታ ኸተማን ናብ’ቲ ቤት መቕደስን ምስ ኣተወ ድማ፡ ብቕንኣት ቤቱ ኪቝጣዕ ዚገብሮ ትርኢት ረኣየ። እቲ ንኽብሪ ኣምላኽ ዝተሃንጸ ቕዱስ ቤት መቕደስ ዕዳጋ ኸብትን ጤለ በጊዕን ርግብታትን፡ ናይ ሸርፊ ቦታን ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ንበይኑ ዀይኑ ብዘይ ሓጋዚ ነቲ ዕዳጋ በተኖ፡ ካብ ቀጽሪ ቤት መቕደስ ሰጕጉ ድማ ቤቱ ኣጽረየ። እቶም ንኺጻብእዎ ኻብ ከባቢኡ ዘይርሕቁ ጸላእቱ፡ በየናይ ስልጣን ነዚ ይገብር ከም ዘሎን፡ እንታይ ትእምርቱ ኸም ዜርእዮምን ምስ ሓተትዎ፡
“(ንስኻትኩም) ነዛ ቤት መቕደስ’ዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ’የ” ብምባል፡ ኣብ’ታ እትስዕብ ሰሙን (ሰሙነ ሕማማት) ብግብሪ ዚፍጸም ትእምርቲ ነገሮም (ዮሃ 2፡13-22)። በዚ መልሱ’ዚ እቲ ሽዑ ተሃኒጹ ዝነበረ ግኡዝ ህንጻ ቤት መቕደስ፡ ናይ’ቲ ህያው ቤት መቕደስ ዝዀነ ስጋኡ ጽላሎት ከም ዝዀነ፡ ነዚ ስጋኡን’ዚ ንሳቶም ሰቒሎም ምስ ቀተልዎ፡ ንሱ ድማ ድሕሪ ሳልስቲ ኬተንስኦ ምዃኑ፡ ነቲ ምስጢር ገለጸሎም። ነዚ ምስጢር’ዚ ግና ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ፡ ንሳቶም ከኣ ድሕሪ ትንሳኤኡ’ዮም ዘስተውዓልዎ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መቕደስና ከም ዚኸውን ብነብያት ተገሊጹ’ዩ (ኢሳ 8፡13-15)። ናይ’ታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዘለኣለማዊ መቕደስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ’ውን ኣብ ራእ 21፡22 ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ።
ኣብ ዕለተ ሆሳእና ኣብ ነግህ ኣብ ጊዜ ዑደተ ቤተ መቅደስን (ማቴ 20፡29-34 ፣ ማር 10፡46-52 ፣ ሉቃ 18፡35-43 ፣ ማቴ 9፡26-38)። ከምኡ ድማ ኣብ ምዕዋድን ዚዝመሩ መዝሙራትን ዚንበቡ ክፍልታት ቅዱስ ወንጌልን ብዙሓት’ዮም (ማቴ 21፡1-18 ማር 11፡1-13 ፣ ሉቃ 19፡28-48 ፣ ዮሃ 12፡12-19)። ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ድማ “ባርኮ ያዕቆብ” ዘርእስቱ’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ ነቲ ኣብ ዘፍ 49፡10-12 ዘሎ ኣቦና ያእቆብ ብዛዕባ’ቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዛረቦ ትንቢታ ምርቃ መሰረት ገይሩ ዝተደርሰ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ድማ ካብ’ቲ ናይ ሉቃ 19፡28-48 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዝተወስደ’ዩ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ዘመን ምሕረት” ኢሉ ዝሰመዮ ነየናይ ዘመን’ዩ፧ ንምሕረትከ ዘመን ኣለዎ ድዩ፧ እግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜዶ’ይኰነን ዚምሕር፧ ብርግጽ ከም ኵሉ ኻልእ ነገር፡ ኣብ እግዚኣብሄር ንምሕረት’ውን ጊዜን ዘመንን ኣለዎ (መክ 3፡1-8,17)። ነቲ ምሕረተኛ ባህርይ ናይ እግዚኣብሄር ግን ናይ ጊዜ ደረት የብሉን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቃል እግዚኣብሄር “ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር” ዚብለና (መዝ 118፡1-4,29)። እቲ ምሕረት ዜድልዮ ውልቀ ሰብን ህዝብን ግን ንዘለኣለም ኣይነብርን’ዩ። ናይ ዕድመ፡ ናይ ህላወ ደረት ኣለዎ። ዕድመ ህላወኡ ጥራሕ ዘይኰነ ዓይነትን መጠንን ናይ ኣበሳኡ’ውን፡ ነቲ ናይ ምሕረት ዘመኑ ይድርቶ’ዩ። ናይ እግዚኣብሄር ምሕረት ግን ዘለኣለማዊ’ዩ። ቅድሚ ምስራት ዓለም ማዕረ ህላዌኡ ምስኡ ዝነበረ፡ ድሕሪ ሕልፈት ዓለም’ውን ንዘለኣለም ምስኡ ዚነብር’ዩ። እግዚኣብሄር ምሕረቱ ዚኸልኣና፡ ምሕረት ተወዲእዎ ስለ ዝሰኣነ ዘይኰነስ፡ ንሕና ነቲ ኽቡር ምሕረቱ ኽሳዕ ዘይንበቅዕ፡ ክሳዕ ክንድኡ ብሓጢኣት ርእስና ስለ ዘሕሰርና’ዩ።
ጐይታና ብዛዕባ ኢየሩሳሌም እና’ልቀሰ ዝተዛረበሉ “ዘመን ምሕረት”፡ እቲ ብልደቱ ዝጀመረ ቕድሚ ዅሉ ድማ ንህዝቢ እስራኤል ዝተገልጸ ናይ ምሕረት ዘመን’ዩ። እግዚኣብሄር ወልድ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ኻብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ፍጹም ሰብ ዝዀነሉ ዕላማ፡ ንሕና ኻብ’ቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓጢኣትናን ሳዕቤኑን ዘለኣለማዊ ምሕረት ምእንቲ ኽንረክብ’ዩ። ዕለተ ልደቱ ድማ፡ እዚ ዘለኣለማዊ ምሕረቱ’ዚ ብወግዒ ዝጀመረሉ መዓልቲ’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ኸኣ ገና ጐይታና ምስ ተጸንሰ ብኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያምን ብኻህን ዘካርያስን ተገሊጹልና’ዩ። ብስራት ቅዱስ ገብርኤል ሰሚዓ ናብ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ከደት፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ምስጢረ ስጋዌ ድሮ ኣብኣ ኸም ዝተፈጸመ፡ “ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ” ብዚብል ቃል ብልሳን ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ኣረጋገጸላ (ሉቃ 1፡43)። ንሳ’ውን በቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተደረኸ ጸሎት ምስጋናኣ፡ “ከም’ቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን (ዝተስፈዎ)፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ።” ብምባል ንቤት እስራኤል ኰነ ነቲ ብእምነት ውሉድ ኣብርሃም ኪኸውን ዝበቕዐ ዅሉ፡ ዘመን ምሕረት ከም ዝመጻሉ ተኣመነት (ሉቃ 1፡54,55)። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ ምስ ተወልደ ድማ ኣቦኡ ካህን ዘካርያስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ፦ “ንህዝቡ (ህዝቢ እስራኤል) ስለ ዝበጽሖምን ዝተበጀዎምን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ከም’ቲ ብኣፍ ናይ’ቶም ካብ ጥንቲ ዝነበረ ቕዱሳት ነብያት እተዛረቦ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ቐርኒ ምድሓን (ሓይሊ ምድሓን) ኣተንስኣልና። . . . ምስ ኣቦታትና ምሕረት ኪገብር፡ ነቲ ቕዱስ ኪዳኑ (ዘከሮ)። እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሓለሉ ማሕላ (ሃበና)። . . . ኣታ ህጻን፡ ንስኻ ድማ ንህዝቡ ብሕደገት ሓጢኣቶም ፍልጠት ምድሓን ክትህቦም፡ መገዱ ኸተቕንዕ ቀቅድሚ ጐይታ ኽትከይድ ኢኻ’ሞ፡ ‘ነብዪ (ናይ’ቲ) ልዑል’ ክትበሃል ኢኻ። ነእጋርና ናብ መገዲ ሰላም ኬቕንዕ፡ ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ድመ ሞትን ተቐሚጦም ዘለው (ሓጥኣን) ኬብርህ፡ ስለ ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽና፡ ብእኡ (ብክርስቶስ) ካብ ላዕሊ በርቂ ጸሓይ ኪበጽሓና’ዩ።” ብምባል ብስራትን ትንቢትን ተዛረበ (ሉቃ 1፡68-79)። ካህን ዘካርያስ፡ ምሕረት ኣምላኽ ብክርስቶስ ከም በርቂ ጸሓይ ካብ ላዕሊ ካብ ሰማይ ኪበጽሓና ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ስለ’ዚ እቲ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኻብ ዝተገልጸሉ ዕለት ጀሚሩ ኽሳዕ ዳግም ምጽኣት ዘሎ ጊዜ፡ ዘመን ምሕረት’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ነቲ “ዓመተ ዓለም” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዝነበረ ዘመን፡ ካብ’ታ ጐይታና ዝተወልደላ ዕለት ንደሓር ዘሎ ዘመን፡ “ዓመተ ምሕረት” ኢላ ብምጽዋዕ፡ ኣብ “ዘመን ምሕረት” ንነብር ከም ዘለና ተኣመነትን ኣወጃትን።
እንተ ዀነ ንምሕረት ወሃቢ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ተቐባሊ’ውን የድልዮ’ዩ። ነቲ እግዚኣብሄር ፈትዩ ዝሃበካ ምሕረት፡ ፈቲኻ እንተ ተቐበልካዮ፡ ናይ ብሓቂ ምሕረት ይዀነልካ። እንተ ተሓሰምካዮ ግና እቲ ምሕረት ናብ ቍጥዓ ይልወጥ። ንህዝቢ እስራኤል ድማ ከምኡ’ዩ በጺሕዎም። እቲ ብክርስቶስ ዝተዋህቦም ናይ ምሕረት በርቂ ጸሓይ ንሰብዓ ዓመት ዚኣክል ምስ ነጸግዎ፡ ብጀነራል ቲቶስ (ጥጦስ) ዘመን ቍጥዓን መዓትን ተሰርዓሎም። ጐይታ ድማ ብዛዕባ’ዚ መዓት’ዚ’ዩ ዘልቀሰሎም።
እዚ ዘመን ምሕረት’ዚ ኣብ ውልቀ ሰብን ኣብ ህዝብን ዓለምን ብኸመይ’ዩ ዚገሃድን ዚግለጽን፧ ናይ ውልቀ ሰብ ህይወትን፡ ናይ ሓደ ውልቀ-ህዝቢ ህይወትን ናይ ምሉእ ህዝቢ ዓለም ህይወትን፡ ብጊዜ ዀነ ብኻልእ ኵሉ ረቛሒታት ኣዝዩ ዝተፈላለየ’ዩ። ስለ’ዚ ንምሕረት ብዚምልከት፡ ብሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ኽንርእዮ ኣይከኣልን’ዩ። እቲ ኻብ ልደቱ ኽሳዕ ካልኣይ ምጽኣቱ ዘሎ ዘመን ምሕረት ንምልእቲ ዓለም’ምበር፡ ንሓደ ውልቀ ሰብ ወይ ንሓደ ውልቀ ህዝቢ ጥራሕ ዚምልከት ኣይኰነን። ንሓደ ውልቀ ሰብ ዚምደብ ዘመን ምሕረት ክንዲ መጠን ዕድሚኡን ክንዲ መጠን ኣበሳኡ’ዩ’ምበር፡ ክንዲ’ቲ ንምልእቲ ዓለም ዝተዋህበ ኣዝዩ ሰፊሕ ዘመን ምሕረት ኣይኰነን። ሓደ ሰብ፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ እንተ ነውሓ ናይ 70 ወይ 80 ዓመታት ዕድመ ጥራሕ’ዩ ዚህልዎ። ስለ’ዚ እቲ ቕድሚ ምውላዱ ዝነበረ ዘመን ምሕረትን ድሕሪ ሞቱ ዘሎ ዘመን ምሕረትን ንእኡ ኣይ’ንታዩን’ዩ። ነቲ ብህይወት እናነበረ ኸሎ ዘርከበሉ ዘመን ምሕረት ጥራሕ’ዩ ኺጥቀመሉ ዚኽእል። ንውልቀ ሰባት ጥራሕ ዘይኰነ ንውልቀ-ህዝብታት’ውን ዚነብሩሉ ዕድመ ኣለዎም ታሪኽ ዓለም ኰነ መጽሓፍ ቅዱስና ኸም ዜረጋገጾ፡ ህዝብታት ይጸንቱን ይጠፍኡን’ዮም። እዚ ኸኣ ብስልጣን ኣምላኽ ዚውስን’ዩ። ንኣብነት ከንኣናውያን መስፈር ሓጢኣቶም መሊኡ ስለ ዝፈሰሰ፡ ኪጸንቱን ካብ’ቲ ብኣምላኽ ዝተዋህቦም ሃገር ኪንቀሉን ተፈርዶም (ዘፍ 15፡16 ፣ ዘዳ 9፡4,5)። ሰዶምን ጎሞራን ኣማሌቃውያን ካልኦት ህዝብታትን’ውን ከም ውልቀ ህዝቢ ኻብ ገጽ ምድሪ ኺጠፍኡ መስፈር ዓመጻኦም ዝመልኡን ዘመን ምሕረቶም ዝወድኡን ህዝብታት ኣለው (ዘፍ 18፡20 ፣ 19፡13 ፣ 2ጴጥ 2፡6 ፣ 1ሳሙ 15፡3)። ብደረጃ ዓለም ህዝቢ ዓለም ብማይ ኣይሂ ዝጠፍኣሉን፡ ሽሞንተ ኣባላት ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ጥራሕ ዝተረፉሉ ጊዜ’ውን ኣሎ (ዘፍ 6፡13 ፣ 7፡18-23 ፣ 2ጴጥ 2፡5 ፣ ሉቃ 17፡26,27)።
ንሓደ ውልቀ ሰብ’ውን ብመጠን ዕድሚኡን ብመጠን ብዝሕን ክብደትን ናይ ኣበሳኡ ዚድረተሉ ናይ ውልቀ ዘመን ምሕረት ኣለዎ። ናይ ገሊኡ ሰብ፡ ዘመን ምሕረቱ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ዚጸንሓሉ ኣሎ። እዚ ዘመን’ዚ ሓጢኣቱ ብኣምላኽ ሸለል ዚበሃለሉ ዘመን ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ነቲ ሓደን እንኮን ወዱ ንሞት ኣሕሊፉ ኽሳዕ ዚህብ ደኣ ዋጋ ይኸፍለሉ’ምበር፡ ንሓጢኣት ፈጺሙ ሸለል ኣይብሎን’ዩ። ነቲ ሓጥእ ግን ካብ ሓጢኣቱ ብንስሓ ኺምለስ ዕድልን ጊዜን ይህቦ ማለት’ዩ። ዘመን ምሕረት ዚበሃል ድማ እዚ ብንስሓ ኻብ ሓጢኣትና ምሕረት ኽንረኽበሉ ዝተሰርዓልና ዘመን ማለት’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ዘመን ምሕረቱ ዝተናውሓሉ ሰብ፡ እቲ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ መስፈር ዓመጻኡ ዘይመልአ፡ ንስሓ ናይ ምእታውን ምሕረት (ሕድገት ሓጢኣት) ናይ ምርካብን ዕድሉ ዘይተዓጽወ ወይ ዘየብቅዐ’ዩ። ነዛ ዕድሉ’ዚኣ ኸይተጠቕመላ ዕለተ ሞቱ እንተ’ርኪባቶ፡ እዚ ሰብ’ዚ “ዘመን ምሕረቱ ዘይፈለጠ” ወዲ ጥፍኣት ኰይኑ ይተርፍ።
ገና ብህይወቶም ከለው ዘመን ምሕረቶም ዚጽንቅቑ ሰባት ከም ዘለው ድማ ኣይንዘንግዕ። ብብዝሕን ብኽብደትን ናይ’ቲ ዚፍጽምዎ ኣበሳ፡ ነቲ መስፈር ሓጢኣቶም ቅጽጽ ኢሉ ኸም ዜንጀርብብ ወይ ከም ዚፈስስ ይገብርዎ’ሞ፡ እግዚኣብሄር በቲ ፍትሓዊ ፍርዱ ነቲ ንስሓ ናይ ምእታውን ምሕረት ናይ ምርካብን ዕድሎም ኸም ዜኽትም ይገብሮ። ንኸም’ዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ክልተ ምድራዊ ዕጫ ኣለዎም። እቲ ቐዳማይ ብፍርዲ ኣምላኽ ይቕዘፉ’ሞ ምድራዊ ዕድሚኦምን ዘመን ምሕረቶምን ኣብ ሓደ ጊዜ ይውዳእ። ናይ’ዚ ፍርዲ’ዚ ግብራዊ ኣብነት፡ ሃናንያን ሰጲራን፡ ኣካን፡ ወዘተ ምጥቃስ ይከኣል’ዩ (ግብ 5፡1-11 ፣ እያ 7፡15)። እቶም ካልኣይ ዓይነት ከኣ ዘመን ምሕረቶም ካብ ምድራዊ ዕድሚኦም ዚሓጽር ሰባት’ዮም። ዘመን ምሕረቶም ወዲኦም ክነሶም፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብህይወት ኪጸንሑ ዝተፈቕደሎም’ዮም። እዞም ዚጸንሑ ካብ’ቶም ዚቕዘፉ ዝሓሹ’ዮም ማለት ግን ኣይኰነን። ንስሓን ምሕረትን ዘይርከቦ ዕድመ’ሞ፡ ብምንታይ’ዩ ኻብ ሞት ኪሓይሽ፧ ናይ’ዚ ዝዓይነቱ ህይወት ርኡይ ኣብነትና ኸኣ፡ ንጉስ ሳኢል’ዩ። ብህይወት ከሎ፡ ገና’ውን ኣብ ንጉሳዊ ስልጣን ከሎ ዘመን ምሕረቱ ወዲኡ ከመይ ከም ዝተሳቐየን መወዳእታኡ ብኸመይ ብኽፉእ ከም ዝጠፍአን፡ ንመለበሚ ንምህሮ ኪዀነልናን መጽሓፍ ቅዱስ ግሩም ገይሩ ተሪኹልና ኣሎ (1ሳሙ 15፡23-30 ፣ 16፡14 ፣ 28፡4-7)። ሊቀ ካህናት ኤሊ ምስ ደቁ’ውን ከምኡ ነበሩ (1ሳሙ 3፡13,14)። ኣብ ሓድሽ ኪዳን’ውን ንመንፈስ ቅዱስ ንዝጸረፉ፡ ካብ ጸጋ ንዝወደቑ፡ ፍልጠት ሓቂ ድሕሪ ምርካብ ፈትዮም ሓጢኣት ንዝገበሩ ንድሕሪት ንዝተመልሱ ናቶም ዘመን ንስሓን ምሕረትን ከም ዜብቅዕ ብተደጋጋሚ ተገሊጹልና ኣሎ (ማቴ 12፡31,32 ፣ እብ 6፡4-6 ፣ 10፡26-29 ፣ 2ጴጥ 2፡20-22 ፣ 1ዮሃ 5፡16,17)።
ዘመን ምሕረትና ከም ዝተወድአን ከም ዘይተወድአን ክንፈልጥ ንኽእል ዲና፧ እዚ ፍልጠት’ዚ መለኮታዊ’ምበር ሰብኣዊ ፍልጠት ኣይኰነን። ዘመን ምሕረትካ ምፍላጥን ጐይታ ዚመጻሉ ጊዜ ምፍላጥን ንደቂ ሰባት ኣይተዋህበን። ብርግጽ ንመንፈስ ቅዱስ ጸሪፍካ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዘይርከብ ጐይታ ኣግሂዱ ስለ ዘፍለጠና፡ እቲ ነዚ ኣበሳ’ዚ ዝፈጸመ ሰብ ዘመን ምሕረቱ ኸም ዝወድአ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና (ማቴ 12፡31,32)። ኣብ ራእይ ዮሃንስ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ኸቢድ መዓት እናኸዓወሎም ከሎ ኣብ ክንዲ ዚንስሑን ንኣምላኽ ክብሪ ኣብ ክንዲ ዚህቡን ንኣምላኽ ከም ዝጸረፍዎ ተጻሒፉልና ኣሎ (ራእ 16፡8-11,21 ፣ 9፡20,21)። እዞም ህዝብታት’ዚኣቶም ዘመን ንስሓኦምን ዘመን ምሕረቶምን ከም ዝወድኡ ከቶ ዘየጠራጥር’ዩ። ብኣንጻሩ ኸኣ መዓት ኣምላኽ ምስ ወረዶም ንእኡ ተዓዚቦም ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኾም ንኣምላኽ ሰማይ ብንስሃ ኽብሪ ዝሃቡ ሰባት ከም ዝነበሩ ኣብ ራእ 11፡13 ተገሊጹልና ኣሎ። ስለ’ዚ ብዛዕባ ርእስና ዀነ ብዛዕባ ኻልኦት “ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ” ወይ “ኣብ’ዚ ዓመተ ምሕረት’ዚ ዘመን ምሕረቱ ኣብቂዑ’ዩ” ኽንብል እንተ ዘይከኣልና’ኳ፡ ክንግምቶ ዘይከኣል ግን ኣይኰነን። ምጽኣት ጐይታ መዓስ ከም ዚኸውን ፈሊና ኽንፈልጥ እንተ ዘይከኣልና’ኳ፡ እቲ ጊዜ ኸም ዝቐረበ እነለልየሉ ምልክታት ግን ተዋሂቡና’ዩ። ንዘመን ምሕረት’ውን መለለዪ ምልክታት ከም ዘለዎ ርዱእ’ዩ። እቲ ዝዓበየ ምልክቱ ድማ ጸሎታውን ግብራውን ንስሓ’ዩ። ንስሓ ዘመን ምሕረትና ኬስፍሕን ኬንውሕን ዝተሰርዓልና መለኮታዊ ምስጢር’ዩ። ሓቀኛን ጊዜኡ ዝሓለወን ንስሓ ዜዘውትር ሰብ፡ ምድራዊ ናይ ምሕረት ዘመኑ ዜንውሕን ዜውሕስን ብልሂ ክርስትያን’ዩ። ንስሓ ናይ መንፈሳዊ ህይወት ዝለዓለ መለክዒ’ዩ። ብዛዕባ ሓጢኣቱ ሕልናኡ ዚነቕፎ፡ ቍስሊ ልቡ ዚፍለጦ ሰብ፡ መንፈሱ ህያው ዝዀነ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብኡ ሓዲሩ፡ ብዛዕባ ሓጢኣቱ ደጋጊሙ ዚረትዖ ሰብ’ዩ። እዚ ጸጋ’ዚ ናይ ብሓቂ እንተ’ልዩና፡ ዘመን ምሕረትና ኸም ዘይተወድአ፡ እኳ ደኣ ዘይተተንከፈ ምሉእ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ግሁድ ኣበሳ ደጋጊምና እናፈጸምና፡ ይትረፍ ክንንሳሕ ኣብ ሕልናና’ኳ ንማለቱ ሕርኽርኽ ዘይብለና፡ ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ በቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ናይ ዓወትን ጅግንነትን ስምዒትን ዚዕብልለና ነውርዮን ንጀሃረሉን እንተ ዄንና ግን ንዘመን ምሕረትና ነሕጽሮ ኸም ዘለና መግለጺ ዘየድልዮ ርዱእ ሓቂ’ዩ። ንኣብነት ንዝበደለካ ሰብ ይቕረ ዘይምባል ምሕረት ዘይምግባር፡ ንዘመን ምሕረትና ኣብ ዘይጊዚኡ ዚቘጽዮ ዓሻ ተግባር’ዩ። ምሕረት ዘይገበረ ፈጺሙ ምሕረት ከም ዘይረክብ ቅዱስ ወንጌል ብኣጽንዖትን ደጋጊሙን ገሊጹልና’ዩ (ማቴ 5:7; 6:14; 25:40; ሉቃ 6:38.)። ቂምታን ጽልእን ዘመን ምሕረትካ ዜሕጽር ሕሱም መርዚ’ዩ። ንበዳሊካ ትቐጽዕ ዘለካ እናመሰለካ፡ ገዛእ ርእስካ እትቐዝፈሉን እተጥፍኣሉን፡ ርእሰ ቕትለታዊ ምርጫ’ዩ። ስለ’ዚ ብቓል ኣምላክን ብረድኤት መንፈስ ቅዱስን ርግእ ኢልና ርእስና እንተ መርሚርና፡ ዘመን ምሕረትና ኣብ ከመይ ኵነታት ከም ዘሎ ኽንርዳእ ኣይኬጸግመናን’ዩ። ሓጢኣት ዘይበትከልና ድኹማት ፍጥረት ከም ምዃንና መጠን መዓልታዊ ኸም ‘ንሓጥእ ንፈልጥ ኢና። ብጸሎት ኰነ ብግብሪ ሓቀኛ ንስሓ ኻብ ንኣትው ክንደይ ከም ዝገበርና ድማ ንዘክር። ንሓጥእ ከም ዘለና እናፈለጥና ዘይምንሳሕና፡ ኵሉ ቓልስናን ሓይልናን ኣብ ምሕጻር ዘመን ምሕረትና ነውዕሎ ኸም ዘለና ዜረጋግጸልና’ዩ። ስለ’ዚ “ዘመን ምሕረተይ መዓስ ኰን ይውዳእ፧ ወይ ክሳዕ መዓስ ኰን ይጸንሓለይ ይኸውን፧” እናበልና ሰንፈላል ካብ ንኸውን፡ ኣካይዳና ኣጸቢቕና ህይወትና ኣጽፊፍና ብጽድቅን ብቕድስናን ብምንባር፡ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘይወድቕ ዘመን ምሕረት ብርግጹነት ከነውሕስ’ዩ ዜሕሸና።
ንዘመን ምሕረትና ብኸመይ ኢና ኽንፈልጦን ከም ዚግባእ ክንጥቀመሉን ንኽእል፧ ናይ ደቂ ሰባት መንፈሳዊ ፍልጠት ኣብ’ቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተዋህበና ቃል ኣምላኽ’ዩ ዚምስረት፡ ቃል ኣምላኽ ዘይፈልጥ ሰብ ብዛዕባ ኣምላኹ፡ ብዛዕባ’ዛ ዓለም’ዚኣን ብዛዕባ’ቲ ዚገዝኣ ድያብሎስን ኰነ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ መንፈሳዊ ሃለዋት ዋላ ሓንቲ ዚፈልጦ ነገር ኣይህልወን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ እግዚኣብሄር ቃሉ ኣብ ሓደ መጽሓፍ ተጠሪዙ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፍና ኺበጽሕ፡ ንእኡ ዚምህሩና ሰበኽትን መምህራንን ናይ ወንጌል ኪህልውና ዝገበረ። ንቓሉ ኸነንብቦን ከነፍቅሮን ክንእዘዞን ድማ ሓገገልና። ደጋጊሙ ድማ “ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ” እናበለ ኣጠንቀቐና (ኢሳ 5፡13 ፣ ሆሴ 4፡6)። ነቲ መለኮታዊ ቓል ብዓቕሚ ስጋዊ ኣእምሮ ኽንርድኦ ስለ ዚኸብደና ድማ፡ ነቲ ዜብርሃልናን ዜስተምህረናን ጽቡቕ መንፈሱ ኣባና ኣሕደሮ (ነህ 9፡20 ፣ ዮሃ 14፡26 ፣ 16፡13,14 ፣ 1ዮሃ 2፡17)። እግዚኣብሄር ነዚ ኵሉ ድሕሪ ምግባሩ ዚተርፍ ነገር እንተ’ልዩ፡ እቲ ናትና ግደ ጥራሕ’ዩ። ቅዱስ ዳዊት፡ “ምሕላው ቃልካ (ናተይ ግደ)’ዩ” ኸም ዝበለ፡ ነዚ ቓል’ዚ ኣንቢብና፡ ኣስተንቲንና መርሚርና፡ ኣጽኒዕና ብእኡ መንፈሳዊ ሚዛንና ኽንቃንይን ከነጥዕይን ናትና ሓላፍነት’ዩ (መዝ 119፡57)። ገለ ነገር ክንገብር፡ ክንዛረብ ወይ ክንሓስብ ዚድርኸና ዅነታት ኪፍጠር ከሎ፡ “ብዛዕባ’ዚ ዅነታት’ዚ ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ክገብር፡ እንታይ ክዛረብ’ዩ ዚእዝዘኒ፧ እዚ ሕጂ ኽገብሮ ዝሓስብ ዘለኹ ንዘመን ምሕረተይ ዜንውሕ ድዩ ዜሕጽር፧ ነዚ ዅነታት’ዚ ብኸመይ’የ ንኽብሪ ኣምላኽን ንመንፈሳዊ ረብሓይን ክጥቀመሉ ዝኽእል፧” ብዚብል ኣማእዛኒ ሕቶታት ተመሪሕና ኽንዋሳእ ይግብኣና። ብዛዕባ ዝተኸስተ ዅሉ ዅነታት፡ ከም እንስሳ ብደመ ነፍሲ ደስ ከም ዝበለና ብዛዕባ ሳዕቤኑ ኸይሓሰብና ግብረ መልሲ ንህብ እንተ ዄንና ግን፡ ነቲ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ዝሰርዓልና ዘመን ምሕረት ንጥፍኣትና ንጻወተሉ ኣለና ማለት’ዩ። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብህይወት ከለና ዜጋጥመና ዅሉ ዅነታት፡ ምስ ዘመን ምሕረትና ቐጥታዊ ዝምድና ኸም ዘለዎ ፈጺምና ኣይንረስ። ኣብ ሓደ መዓልቲ እንሓስቦ ሓሳባት እንዛረቦ ቓላት፡ እንገብሮ ተግባራት ክንቈጽሮ እንተ ንፍትን ፈጺምና ኣይምኸኣልናን። ካብ እግዚኣብሄር ግን ሓንቲ’ኳ ኣይተምልጥን’ያ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ እንተ ብእወታ እንተ ብኣሉታ ኣብ’ቲ ናይ ምሕረት ዘመንና ኣዝዩ ልዑል ዝዀነን ዘለኣለማውን ተጽዕኖ ኣለዎ። ስለ’ዚ እታ ኽንሓስብ፡ ክንዛረብ፡ ወይ ክንገብር ከለና ብዜርብሓና ኣገባብ ብልዑል ጥንቃቐ እንተ ዘይገበርናዮ፡ ኣብ’ቲ ዚስዕብ መዓልታት ከነቕንዖ ዘሎ ተኽእሎ ከም ዓይኒ መርፍእ ክሳዕ ዚኸውን እናጸበበ’ዩ ዚኸይድ። ንዘመን ምሕረቱ ብዕዉት ኣገባብ ኬመሓድሮ ዚኽእል፡ እቲ ንዝረኸቦ ዕድመን ዕድልን ብዓይኒ ዘመን ምሕረቱ ዚጥምቶ ሰብ ጥራሕ’ዩ።
እምበኣር ነቲ ኸም ውልቀ ሰባት ተሰሪዑልና ዘሎ ዘመን ምሕረትና ብኸመይ ነመሓድሮ ኸም ዘለና ብጥንቃቐ ርእስና ንመርምር። እዚ ሓጺርን ምድራውን ዘመን ምሕረትና፡ ዘለኣለማዊ ምሕረት ከም ዚወልደልናን ዜውሕሰልናን ጌርና ንነብሮን ነመሓድሮን ከም ዘለና ነረጋግጽ። ምኽንያቱ ነዚ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ዝሰርዓልና ዘመን ምሕረት እነርእዮ ኣታሕዛ፡ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ወይ ከኣ ዘለኣለማዊ ስቓይ ኪወልደልና’ዩ። ጐይታና ኸም’ቲ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ዘልቀሶ ብዛዕባና ኸየልቅስ ብመንፈሳዊ ልቦና ንንበር። በዚ ሓጺር ምድራዊ ዘመን ምሕረት፡ ዘይውዳእ ዘለኣለማዊ ምሕረት ከም ‘ንቕበል ነረጋግጽ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
13 ሚያዝያ 2025 | ሚያዝያ 5, 2016 ግዕዝ (መበል 31 ሰንበት: ቊ.፴፩/31) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፮-፳፯ “ቡሩክ ዘይመጽእ ብስመ እግዚአብሔር። ባርክናክሙ እምቤተ እግዚአብሔር። እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ።” “እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ’ዩ፡ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ’ዩ፡ ንሱውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 9፡11-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 4፡1-11 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 28፡17-23 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 5፡15-29 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘጎርጎርዮስ | መዝሙር፦ ወእንዘ ሰሙን |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ