ብኣቛጻጽራ ግዕዝ 11 ጥሪ “ጥምቀት” ተባሂሉ ካብቶም ዓበይቲ በዓለት ቤተ ክርስቲያና ዝበዓሉ በዓላት እዮም እሞ፡ ርሑስ በዓል ጥምቀት ይግበረልና። "አንሶሰወ ገሀደ ወአስርአየ ከመ ሰብእ በበሕቅ ልህቀ በሠላሳ ክረምት በዮርዳኖስ ተጠምቀ" (ብግልጺ ተመላለሰ፡ ከም ሰብ ተራእየ፡ ከም ህጻን ዓበየ፡ ኣብ ሠላሳ ዓመቱ አብ ዮርዳኖስ ተጠመቀ)። ኣብዚ ዕለት እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 30 ዓመቱ ኣብ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሐንስ መጥምቅ ፡ ምእንታና ክብል ምስቶም ዮሐንስ ዘጠምቆም ዝነበረ ተነሳሕቲ ተጠምቀ። እቲ ቅዱስ ዝኰነ ጐይታ ኣብ ማእከል ሓጥአተኛታት ምስረኣዮ እግዚኣብሄር ኣቦ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡” ዝብል ድምጺ ኣስመዔ፡ ኣብቲ ንሱ ዝተጠምቀሉ ሰዓት ከኣ ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሰሶ፡ ብሓጥያት ኣዳም ዝተዓጽወ ማዕጾ ሰማይ ተከፈተ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ተራእየ፡ ሚስጥር ሰለስትነቱ ተገልጸ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ብወዱ ጌሩ ንኩላትና ብምሕረቱ ጠመተና፡ ጥምቀት ሰርዔ ፡ ብዝተከፈተ ሰማይ ምሕረት ናባና ፈሰሰ፡ ናይ ሓጥያት ዕዳና ተደምሰሰ። በዚ ክቡር ብዓል እቲ ንዓና ዝተዋህበና ብስርዓት ጥምቀት ምስ ክርስቶስ ኢየሱስ ሞይትና ንትንሳአሉን ንሓብረሉን ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ እቲ “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ” ዝበሎ ጐይታና ኢየሱስ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህይወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።
ክቡራንን ክቡራትን ምእመናን ኣብ ውሽጥን ወጻእን።
ንግደት ኣስተርእዮ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ጀነቫ፣ ብዙሓት ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ኣብ ዝተረኽብሉ ዕለት ቀዳም ጥሪ 28, 2012 ዓ.ም ፈረንጂ ክብ ብዝበለ ስነ ስርዓት ተኸቢሩ።
ዕለት 11 ሓምለ 1997 ዓ.ም ግእዝ (18 ሓምለ 2005 ኣ.ፈ) ኣብ ታሪኽ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብፍሉይ ፈተና ትዝከር መዓልቲ እያ። ቁሩብ ዓመታት ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተ ዘኪርና እቲ በዛ መዓልቲ
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 28 ክሳብ ጥሪ 10 “ዘመነ ልደት” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ይሠርቅ ኮከብ እም ያዕቆብ። ወየአትት ኃጢአተ እምእስራኤል። (ካብ ያቆብ ኰዀብ ይወጽእ። ካብ እስራኤል ከኣ ሓጢኣት የርሕቅ።) ብፍላይ ከአ ካብ ታሕሳስ 29 ክሳብ 5 ጥሪ, “ልደት” እዩ ዝበሃል። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ኣነውን በዅሪ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ እየ፡ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ።” (መዝ 89፡27, 28) ሎሚ እቲ ንዓና ዝተዋህበና ዚመርሕ ኰዀብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ሕይወት ደቂ ሰባት ኣብዛ ምድሪ ብግዜ ዝተወሰነት ስለ ዝኾነት ኣምላኽ ንዝህበና ውሱናት ዓመታት ብተገዳስነትን እምነትን ከነሕልፈን ሠናይ እዩ። ነፍስ ወከፍ ሰዓትን ዓመትን ከኣ ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ናይ ነፍሲ ወከፍና ዝተፈላለየ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ፍትዋት ኣኅዋተይ ካህናት፡ ዲያቆናትን ምእመናንን፡ እንቋዕ ናብ እዚ ርእሰ በዓላት ዝኾነ በዓል እዚ ብሰላም ኣብጽሓና ኣምላክ።
በቲ መጀመርያ ዘመን ክርስትና ዝነበሩ ሰባት፡ ስለ ትንሣኤ ካብ ምዉታት ኪንገሮም እንከሎ፡ ገለ ይሳለቑ (ይሕጭጩ ) ነበሩ (ግብ.ሓዋ. ፲፯፡ ፴፩)። ይኹን ደኣ እምበር ካብ እቶም መራሕቶም እኳ በቲ ትምህርቲ እቲ ደኣ ይኣምኑ ነበሩ (ግብ.ሓዋ. ፲፯፡፴፬)። ገለ ከኣ ንምንታይ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ተንሢኡ፡ ተባሂሉ ትምህርቲ ተዋህበ ኢሎም ነቦታትና ሓዋርያት፡ ኣብ ሓለዋ (ማእሰርቲ) ዘእተዉ፡ ዘጠንቀቑ፣ ዝገረፉ ነበሩ። ቁጽሪ እቶም ኣመንቲ ግና ፴፻ (3000) ኮነ (ግብ.ሓዋ. ፪፡፵፩። ተቓውምኦም ግና ቀጸለ ቁጽሪ ኣመንቲ ከኣ ፶፻ (5000) በጽሐ (ግብ.ሓዋ.፬፡፬)።
ሓደ መዓልቲ ንሓዋርያት ንምቕታል (ግብ.ሓዋ. ፭፡፴፫) ዕዉር ብምራን፣ ሓንካስ ብምንርኩስ ተኣከቡ፣ ሓዋርያት ካብ ሓለዋ ብህጹጽ ተጸውዑ። ብዙኅ ወቀሳታት ተዘርበ።
ከይጸበበ ኣይርሁን እዩ እሞ፡ ኣብ እዚ ኩሉ ጸበባ እዚ፡ ኣይሁድ ዝኣምንዎ ሰብ ንሓዋርያት ዚሕለቕ ሕግን ፍትሕን ዝኽእልን ዝፈልጥን ነታ ሓቂ ዚፈልጣን ዚገብራን እተማህረ ሰብ (ሂለል ሃዛቀን) ዝኾነ መምህር ኦሪት ገማልኤል ተላዒሉ፡ እዚ ምኽሪ እዚን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ኾይኑ ክፈርስ እዩ፡ ካብ ኣምላኽ እንተ ኾይኑ ግና ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም ምስ ኣምላኽ ከይትበኣሱ( ግብ.ሓዋ. ፭፡፴፬- ፴፱)።
ብካልእ ጊዜ ከኣ ወዲ ጠርሴስ ካብ ነገደ ብንያም ተመሃሪ ገማልኤል (ግብ.ሓዋ.፳፪) ዝኾነ፡ ሳውል ኣነ እንከለኹ እዚ ሃይማኖት እዚ ኣይነብርን እዩ ኢሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ ውሒዶም ናብ ደማስቆ ጎየየ። ካብ ሊቃነ ካህናት ነታ ማኅበር ከጥፍእ ፍቓድ ተቐቢሉ (ገላ.፩፡ ፲፫- ፲፬፡ ግብ.ሓዋ. ፱፡፪)(ልቢ ጎበዝ ኣብ ደረቱ ከምዝበሃል)ሰባት ንኽኣስር ናብ ደማስቆ ከደ። ሊቃነ ካህናት፣ ሰብን ስንቅን ከይወሰኹሉውን ኣይተርፉን።
ኃይሊ ኣሎኒ ኢሉ ካብኡ ዚኅይል ኣብ መገዲ ተጸበዮ። ጐይታና፣ ርእይዎ ዘይፈልጥ ሰማያዊ ባውዛ ፈነወሉ። እዚ ጥራሕ ኣይነበረን ነቶም ምእመናን ዘፋጥጠሎም ዝነበረ ኣዕይንቱ ብርሃኑ ተሰወረ። በቲ ምእመናን ኪኣስረሉ ኢሉ ኂዝዎ ዝነበረ ገመድ፡ ተመሪሑ ናብ ከተማ ደማስቆ በጽሐ (ግብ. ሓዋ. ፱፡፰)። ወዮ "እሩቅ ብእሲ" እዩ፣ ኣይተንሥአን፣ ዝብሎ ዝነበረ ጐይታና ድማ ከም ዝተንሥአ ኣረጋገጸሉ። ጉያኡ ክሳብ ዚውድእ፡ ምእመናን ንምብዛኅ ጐየየ (፪ጢሞ. ፬፡፯)። ወዮም ብዝተንሥአ ጐይታ ዝኣምኑ ከኣ ቁጽሮም ኣእላፋት እናኾነ ከደ(ግብ.ሓዋ.፳፩፡፰)።
በዓል ትንሣኤ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ ዝበሎ ርእሰ በዓላት እዩ። ኣልኣዛር ካብ ምዉታት እንተ ተንሥአ ነዓ ውጻእ ተባሂሉ እምበር ባዕሉ ኣይተንሥአን። (ዮሓ.፲፩)። ኣቦታትና ሓዋርያት ናብ ሥራሕ ቅድሚ ምውፋሮም ንሓዋርያ ማትያስ ኣብ ክንዲ ይሁዳ ዝመረጽዎ ብትንሣኤ ክርስቶስ ንኽምስክር እዩ (ግብ. ሓዋ.፩፡፳፪)።
ኣብዚ ኣብ ትንሣኤ ለይቲ እተሰምዕዎ መልእኽቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ (፩ ቈሮን ፲፭) እቲ ኩሉ ምሳሌ ሂቡ ዝተጻሕፈ ንትንሣኤ ንምብራህ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ ነቶም ካብ ፍልስጥኤም ወጻኢ ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስቶስ ሓንሳእ ስለ ኃጢኣትና ብሥጋ ሞተ ብመንፈስ ግና ሕያው ኮነ ኢሉ ዝተጻሕፈሎም( ፩ጴጥ.፫፡፲፰)ነኣና’ውን ትምህርቲ ኮይኑና ኣሎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ተማሃሪኡ ቅዱስ ጢሞቴዎስ ኣብ ዚጸሓፎ መልእኽቱ ከምዚ ይብል። “ነቲ ከም ወንጌል ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝኰነ ካብ ምዉታት ዝተንሥአ የሱስ ክርስቶስ ዘክሮ።”(፪ጢሞ.፪፡፰)። ቅዱስ ዮሓንስ ሓዋርያውን ኣብቲ ዝጸሓፎ መጽሓፈ ራእይ ፩፡፲፰። “ኣነ እቲ ቀዳማይ እቲ ዳሕራይን እቲ ሕያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራሕ። ሞይተውን ነበርኩ እነሆ ከኣ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው እየ።”
እቲ ዝጥመቕ ሰብ ኩሉ ከኣ ብትንሣኤ ምውታን ክኣምን ኣለዎ። ኣብቲ ጸሎተ ሃይማኖት "ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን” ብትንሣኤ ምዉታን ተስፋ ንገብር”። እንብሎ፡ እቲ ትንሣኤ ዓቢይ መልእኽቲ ስለ ዝኾነ እዩ።
ጽቡቕ በዓል ይግበረልና ኣምላኽ።
ነደ ሥዉዕ፡ ኃፍቲ ሥዉዕ፡ ጓል ሥዉዕ ጽንዓት የሃበልና ኣምላክ። ነፍሲ እቶም ሥዉዓት ይምሓረልና።
ዝጐዪ መንእሰይ፡ ዝመክር ዝገንሕ ዘጸናንዕ ሽማግለ፡ ፍርዲ ዘየጉድል በላዕቲ ጉቦ ዘርሕቕ መራሕ ሃገር ኣየጥፍእ ኣምላክ።
ብጸሎት እዞም ኣቦታት።
ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ናይ እስክንድርያ።
ቀዳማይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩልና ይኩን።
መቃርዮስ ኣቡን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ