S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንግደት ኣስተርእዮ ቅድስት ማርያም ጀነቫ ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ተዘኪሩ

ንግደት ኣስተር ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ጀነቫ፣ ብዙሓት ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ኣብ ዝተረኽብሉ ዕለት ቀዳም ጥሪ 28, 2012 . ፈረንጂ ክብ ብዝበለ ስነ ስርዓት ተኸቢሩ።

 ኣብ ኤውሮጳ ብኣገልግሎት ዝነጥፉ ዘሎዉ፣ ቤተ ክርስትያንና ካብ ኢድ ዓመጽቲ ንምድሓን "ንኡስ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ" ዘቖሙ ውሉደ ክህነት፣ ብድሮ፣ ማለት ዓርቢ 27, 2012 .. እዮም ንግደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንምጽንባል ናብ ከተማ ጀነቫ ውሒዞም።

ነዞም ኣቦታት ንምቕባል ሃንቀው እናበሉ ክጽበዩ ዝጸንሑ፣ ምእመናን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስትያን ጀነቫ ክልተ ነገር ኣብ ገጾም ይንበብ ኔሩ፣ቀዳማይ ሓድሽ ገጽ ናይዞም ኣቦታት: ካልኣይ ብዛዕባ ትስፍው መጻኢ ቤተ ክርስትያንና ዘተሓሳሰቦም ይመስሉ። ምኽንያቱ ከምዚኦም ዘኣመሰሉ ኣቦታት ምምጻእ ናብ ቤተ ክርስትያን ጀነቫ ንመጀመርያ ግዜ እዩ ኔሩ። ብዝኾነ ንዖኦም ዝበቅዕ ደኣ ኣይኹን እምበር ነቲ ምሸት ዝተዳለወ ድራር ናይ ዋዜማ ተጀመረ። ድሕሪ ድራር ኣቦታት ነናብ ዝተመደበሎም መደቀሲ ኣምርሑ።

ቀዳም ብመደብ መርሓ ግብር ብዝወጸ መሰረት፣ ኣቦታት ከካብ መዕረፊኦም ኣብ ሰዓቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ተረኽቡ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ወጋሕታ ድማ ብመርጌታ ተስፋይን መርጌታ ፋኑኤልን እናተመርሐ "ጸሎተ ማህሌት ተጀመረ" እዚ ከምዚ ዝበለ ኣገባብ ንቤተ ክርስትያን ጀነቫ ኣብ ታሪኽ ንመጀመርያ ግዜ' ኔሩ።

ካብ ሰዓት ኣርባዕተ ዝቐጸለ ማህሌትን ስብሃታትን ክሳብ ሰዓት ትሽዓተ ቀጺሉ ኣርፊዱ። ካብዚ እዋን' ድማ ብኣቦና ቀሺ ባይኖሳይ ዝምራሕ ጸሎተ ቅዳሴ ክሳብ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ቀጸለ። ኣብ መፈጸምታ ቅዳሴ ድማ መርጌታ ፋኑኤል ዝመርሕዎ እጣነ ሞገር ተገብረ። ገለ ካብቲ ዝተደርሰ ቅኔ ድማ ከምዚ ዝብል ይርከቦ፣

  • "ማእዜ ይትኣተት ሃዘና ለምድረ ኤርትራ ሓዳስ
  • እስመ እስመ ኮኑ ዮም ደቂቃ ሲሳየ እሳት ወየብስ
  • ወህብስተ ቁርባን ዘክርስቶስ
  • ተፈተተ ዮም በኣብይ መንፈስ
  • ይኵነነ ለስጋ ወነፍስ።”

"ሓዘን ናይዛ ሓዳስ ኤርትራስ መዓስ ኮን እዩ ዝቕንጠጥ? ደቃ መፍቶ ሓውን ምድረበዳን ኮይኖም። እንሆ እዚ ተስሪዑ ዘሎ ሕብስቲ ቁርባን ናይ ክርስቶስ: መንፈሳውን ኣካላውን ሰብና ዚፍውስ ይኹን" ዝብል ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ዝሓዘለ እዩ።

ድሕር' ነቲ መዓልቲ ዝተዳለወ ቃል ኣምላኽ ብኣቦና ቀሺ ሙሉእብርሃን ተዋህበ። ካህን ሙሉእብርሃን ሓደ ካብቶም ኣብ ከተማ ዙሪክ ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ መዓርገ ክህነት ዝተቐበሉ ኣርባዕተ ካህናት እዮም። "ኣመጻጽኣ ንግደት ቅድስት ማርያምን ዝህበና መንፈሳዊ ትርጉምን" ዝብል ልቢ ምእመናን ዝተንከፈ ምዑዝ ቃል ኣምላኽ ኣስሚዖም።

ቀጺሉ ብቀሺ ሃብቶም ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ጀነቫ ዝተዳለወ ሽልማት፣ ንኽልተ ብኣገልግሎተንን ጽንዓት እምነተንን ዝተመስከረለን ኣመንቲ ካብ ኢድ ኣቦና ቐሺ ባይኖሳይ ተቐቢለን።

ሰዓትና ብዉዑይ መንፈሳዊ ስምዒት ካብ ዝተመደበሉ ሓሊፉ 12.10"ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሃሌ ሉያ ለስጋ ወነፍስ ይኵነነ ለስጋ ወነፍስ" እንዳ ዘመሩን እንዳ ሸብሸቡን መፈጸምታ ናይ ዑደትና ኮነ። ኣብ መወዳእታ ሊቃውንቲ ናብ ህዝቢ ዘሕለፍዎ ሓደ ሕቶ ኔሩ።

"ኣቱም ደስ ኢልኩምዶ ኣቱም ደስ ኢልኩምዶ ንሕናስ ደስ ኢሉና

እግዚኣብሄር ይመስገን ነዚ ዘርኣየና"

ካብ ህዝቢ ዝመጸ ግብረ መልሲ እንተ ኔሩ ዕልልታን ጠቓዒትን ጥራሕ እዩ ኔሩ።

ብቖጸራ ንዝመጽእ ቀዳም ኣብ ሰንጋለን ንግደት ቅዱስ ኡራኤል የራኽበና እንዳበሉ ኣብ መዛዘሚ መደብ በጽሑ።

ንኣሕዋት ኣመንቲ ካቶሊክን ፕሮቲስታንትን ኣብ ንግደት ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስትያን ጀነቫ ምሳና ሓቢሮም ብምውዓሎም ልባዊ ምስጋናና ይብጽሓዮም።

እምበኣር ክቡራት ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተቐማጦ ኤውሮጳ፣ "ዓይኒ ዘለዎ ይርአ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ" እዩ እሞ ንእምነትኩም ደው በሉ። ብፍላይ ከኣ ዲያቆናትን ካህናትን ስለታ  ኣደራዕ ወሪዱዋ ዘሎ ቤተ ክርስትያንኩም ደው ኢልኩም ክትከላኸሉን ምሳና ምስ ኣሕዋትኩም "ንኡስ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ" ክትሓብሩን ነዘኻኽር።

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጸግኡ የብዝሓልና።

ንፓትርያርክና ኣቡነ እንጦንዮስ ዕድመን ጥዕናን፣ ንብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ኣገልግሎቶም ዓወትን ብልጽግናን ንምነ።

ምምሕዳር ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ጀነቫ፣

ስዊዘርላንድ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div