S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዑደት ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ኣባ ዲዮስቆሮስ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።
ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን ኣማን ተንሥኣ።
መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ንኹሉ ምእመን ርሑስን ብሩኽን በዓል ትንሣኤ ክርስቶስ ክኾነሎም ሠናይ ትሚኒቱ ምስናይ ጸሎት ይገልጽ።

ብምቕጻል መንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ወትሩ እዋናዊ ሓበሬታን ኵነታት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ንውሉደ ክህነት ይኹን ንምእመናን ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ ገጊዜኡ ከመሓላልፍ ታሪኻዊ ሓልፍነቱን መንፈሳዊ ዕላምኡን ስለዝኾነ ነዚ ዝስዕብ ወግዓዊ መግለጺ የመሓላልፍ።


ናይ ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በዓል ትንሣኤ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዓመት መጸ ብዓቢይ ክብርን ሓጎስን ክበዓል ከሎ፡ ረዚን መንፈሳዊ መልእኽትን ዕላማን ኣለዎ።


ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣጋጢሙ ብዘሎ ኵነታት፡ ኣምላኽ ዘይከብረሉን ቅኑዓት ኣመንቲ ዝሓዝንሉን ናይ ፈተና ጊዜ ምዃኑ መስክሩለይ ዘየድልዮ ግሁድ ሓቂ እዩ። ሎሚ ቅነ ከኣ እቲ ብውጉዝ ከሓዲ ዮፍታሄ ተኾብኪቦም  ኣባ ዲዮስቆሮስን ክልተ ጳጳሳት ኣኸቲሉ፥ ንኤርትራውያን ምእመናን ነጋድያን ኢየሩሳሌም መሪሖም ሓሙስ ዕለት 1 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም.ፈ ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣትዮም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ከም ዝዝከር ኣባ ዲዮስቆሮስን ዮፍታሄን፡ ብሓዋርያዊ ሥልጣን ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብሥልጣን ሥላሴ ዝተወገዙ እዮም።  ዓለማዊን ሥጋውን ኃይሊ ስለ ዘለዎም ግን ስም ሥላሴ ረጊጾም  ንሥልጣን ኣምላኽን ንዒቖምን ኣቃሊሎምን፡ ንሕጋዊ ሥልጣንን ዶግማዊ እምነት ቤተ ክርስቲያንን ክሒዶም  ሓላፍነትን 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብሓይሊ ዓሚጾም ዋላ እኳ ‘’4ይ ፓትርያርክ’’ ዝብል ዓለማዊ ቅጽል ስም እንተ እንተተለጠፈሎም፥ ‘’ኣምላኽ ዘየኽበሮ ብሰብውን ሓቀኛ ክብሪ ስለ ዘይረክብ’’ ብኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናትን ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለምን ኣፍልጦ ይኹን ተቐባልነት ስለ ዘይብሎም ይትረፍ ብፓትርያርክ ደረጃ ብኣማኒ ክርስቲያን ዝፈልጦም ስለ የለን።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ሕጂ እኳ ናይ ገዛእ ርእሳ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም ፍሉይ ቦታ ኣይሃልዋ እምበር፥ ምስ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝነበራ መንፈሳዊ ሕብረትን ሓድነታዊ ስምምዓትን በዓለ-ትንሣኤ ኣብ ኣሓት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ቦታ ተዋሂብዋ፡ ብግብእ ቅዳሴን ቁርባንን ከተዕርግ ጸኒሓ እያ።


ናይ ሎሚ ዓመት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ግና ብመደብ ውጉዝ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ዝምራሕ፡ 3ተ ጳጳሳት፥ ካህናትን ብዙሓት ምእመናን ኣኪቦም ኣብቲ ንመደቀሲኦም ተባሂሉ ዝተዳለወ ፓርክ ሆቴል ዝበሃል ቦታ ሥርዓት ዓርቢ ስቕለትን በዓለ ትንሣኤን ኣኽቢሮም ኣብ ሆቴል ቅዱስ ቁርባን ሰሪዖም ድማ ቅዳሴ ኣካይዶም ኣለዉ።  ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ኣብ እቲ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ ቅዱስ ቦታ፡ ኣብ ናይ ርኽሰት ቦታ መቕደሶም ኣብ ሆቴል ገይሮም። እዚ ንሰማዒ ዘሕዝን ሕሱር ስራሕ፥ ታቦት ኣሎና ብዝብል ጉልባብ እኳ ይካየድ እንተሎ፥ እቲ ሓቂ ግና ብዝገበርዎ ምርጋጽን ምንዓቕን ስም ሥላሴን ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝፈጸምዎ ጥልመትን ቅድሜኦም ሓሊፉ ጸኒሑስ መጸግዕን መቐደሲ ቤተ ክርስቲያንን ስኢኖም ካብ ኩለን ቤተ ክርስቲያናት ዓለም ከቢድ ተነጽሎን ምብታኽ እምነትን ኣጋጢምዎም ብምህላዉ እዩ። እዚ ግህሰትን ዘይሕጋዊ ስራሕን ድማ ኣብ ልዕሊ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያናን የዋሃን ምእመናንን ዘውርድዎ ዘለዎ ጉድኣት ጸሊም ታሪኽ ምዃኑ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ነቒሑ ከስተውዕሎ ይግባእ።


ኣብ ቅዱስ ወንጌል ‘’ኣምላኽ መንፈስ እዩ፥ እቶም ዚሰግዱሉ ኸኣ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባእ’’ (ዮሓ 4፡24) ዝብል ጽሑፍ ከምዘሎ፥ ዮፍታሄን ኣባ ዲዮስቆሮስን  ድማ ምስ ሰዓብቶም ቅድሚ ናብ ኢየሩሳሌም መቓብር ጐይታ ክሳለሙ ምኻዶም፡ ኣብቶም ዝገፍዕዎምን ብሓይሊ ዝዓመጽዎምን 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ብርኮም ወዲቖም ልባዊ ይቕሬታን ምሕረትን ክልምኑ ይግብኦም ነይሩ። ግናኸ ነቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ‘’ኣይትጠበሩ፥ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። ሰብ ነቲ ዝዘርኦ እዩ ዝዓጽድ’’ (ገላትያ 6፡7) ዚበሎ ኣብ ተግባር ክፍጸም ንርኢ ኣሎና። ስለዚ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡


ንኹሎም ምእመናን ኣብ እስራኤል ዝርከቡ።

1.እዚ ብውጉዝ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ተኸተልቱን፡ ኣባ ዲዮስቆሮስ ዝርከብዎ፡ እምነት ቅድስት ሥላሴን ሓዋርያዊ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ዝረገጹ ስለ ዝኾኑ፡  በዚ ድማ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንና “ካብ ውጉዝ በረኸት ምቕባል መርገም እዩ፡’ ዚብል ቀኖና ሎዶቅያ፡ 32 መሠረት ብምግባር ተኻፈልቲ እዚ መርገም እዚ ከይትኾኑ፡ ዝኾነ ንሳቶም ዝባረኽዎ ከይትሳተፉ ንምሕጸን። ከመይሲ ካብ ክሕደት ሥላሴ ዝኸብድ መርገም ስለ ዘየልቦ።

2.“ኣብ ዝኾነ ገዛ መንበሪ ሥርዓተ ቁርባን ኣይተዕርጉ ከምዚ ዚገብር ውጉዝ እዩ።” ዲድስቅልያ 58 ዚብል ሓዋርያዊ ሥርዓት ረጊጾም፡ ዘቕረብዎ ናይ ምስሉይነት ተግባር ከይትሳተፍዎ።


መንበረ ሊቀ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ደጋጊሙ ከም ዝገለጾ ‘’ትእዛዝ ኣምላኽ ንዒቕካ ትእዛዝ ሰብ ምኽባር ቅኑዕ ኣይኮነን’’ ንዝብል መሠረታዊ ዕላማ ሒዙ፥ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብጸሎትን ሓድነትን ሠሚሩ፥ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ እናተመርሐ፥ ብዘለዎ ዓቕሚ ንድሕነትን መንፈሳዊ ዕቤት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ብተገዳስነት ጸኒዑ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ከኣ በዚ ኣጋጣሚ ይሕብር። ብተወሳኺ ኩሎም ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝርከቡ ብሓባር ካብ ዘይሕጋውን ጽባሕ ዘጣዕስን መምርሒ ዮፍታሄ ርሒቖም፥ ኣሰር እሙን ጓሳ ቤተ ክርስቲያንና ዝኾኑ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ጸኒዖም፥ ንልዑል እግዚኣብሔር ብሓቅን ሕግን ከገልግሉ መንፈሳዊ ጻዊዒትና ነቕርብ።


ልዑል ኣምላኽ ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ምሉእ ጥዕና ንቤተ ክርስቲያንና ከኣ ሰላም ይሃብ።
መንበረ ሊቀ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ
5 ሚያዝያ 2010. (27 መጋቢት 2002 ዓ.ም.ግ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div