S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዚመርሕ ኰዀብ

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 28 ክሳብ ጥሪ 10  ዘመነ ልደት”  ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣይሠርቅ ኮከብ እም ያዕቆብ። ወየአትት ኃጢአተ እምእስራኤል። (ካብ ያቆብ ኰዀብ ይወጽእ። ካብ እስራኤል ከኣ ሓጢኣት የርሕቅ።ብፍላይ ከአ ካብ ታሕሳስ 29 ክሳብ 5 ጥሪ, ልደትእዩ ዝበሃል። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊትኣነውን በዅሪ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ እየ፡ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ።” (መዝ 8927, 28)  ሎሚ እቲ ንዓና ዝተዋህበና ዚመርሕ ኰዀብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቶም ካብ ቀድም ዚፈልጥዎን ዜምልኽዎን ህዝቢ ኣይሁድን፡ ነቶም ንጣኦታት ዜምልኹ ዝነበሩ ኣህዛብን ኬድሕን እዩ እተገልጸ። ንኽልቲኦም ምእንቲ ኺበጽሖም ድማ፡ ካብ ዘርኢ ኽልቲኦም ተወልደ። ካብተን ከንኣናውያን ዝነበራ ትእማርን ራኬብን፡ ካብታ ሞኣባዊት ዝነበረት ሩትን ከም ዝተወልደ ኣብቲ ዝርዝር ወለዶኡ ተገሊጹልና ኣሎ። (ማቴ 12-6) ኪስቀል ከሎውን ኣይሁድን ሮማውያን ኣህዛብን ተሓባቢሮም ስቐልዎ። ኣብ ልደቱውን ኣይሁድን ኣህዛብን፡ ክልቲኦም ንግስነቱን መድሓኒ ምዃኑን ኪእመኑን ኪሰግዱን ኣብቲ መደብ ኣምላክ ናይ ግድን ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ኣይሁዳውያን ጓሶት ብመልኣኽ እግዚኣብሄር ኣበሲሩን ናብቲ ህጻን ክርስቶስ ዘለዎ ቦታ ኼምጽኦም ከሎ፡ ነቶም ስብኣ-ስገል (ስብ-ጥበብ) ድማ በቲ ዚፈልጥዎን ዚምርሑን፡ እምነቶም ብእኡ ተገሊጹ ክሳዕ ቤት ልሄም መሪሑ ኣምጽኦም። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ካብቶም ጣኦታት ዜምልኹ ኣህዛብ እዩም። ኣህዛብ ድማ፡ ብምቝጻር ከዋኽብቲ ዚምርሑን ዚፈልጡን ነበሩ። ስለዚ ከምቲ ኣብ ዘርኡ፡ ጸኒሖምውን ኣብ ስቕለቱ ዚሳተፍ፡ ኣብ ልድቱውን ሱታፌ ምእንቲ ኺህልዎም፡ ሓደ ፍሉይ ኰዀብ ከም ዚግለጸሎም ገበረ። ምልኽት ልደት ንጉስ ኣይሁድ ምዃኑ ድማ ገለጸሎም። ነቲ ኰዀብ ተኸቲሎም ኪኸዱን፡ ነቲ ዝተወልደ ንጉስ ዚበቅዕ ገጸ በረኸት ሒዞም ብምኻድ ኽሰግድሉን ድማ ደርኾም። እቲ ዜገርም ድማ፡ በልዓም ብዚበሃል ካብ ዓሌት ኣህዛብ ዝዀነ ጠንቋሊ ገይሩ፡ ብዛዕባ ክርስቶስእርእዮ ኣለኹ፡ ሕጅ ድኣ ኣይኰነን፡ እጥምቶ ኣለኹ ግናኸ ቀረባ ኣይኰነን፡ ካብ ያእቆብ ኰዀብ ይወጽእ፡  ካብ እስራኤል ከኣ በትሪ መንግስቲ ትትንስእ፡. . . ካብ ያእቆብ ገዛኢ ኺወጽእ እዩ. . . ኢሉ ተነብዩ ነበረ (ዘሁ 2416-19) ነዚ ዓብይ ምስጢር እዚ፡ ብኣይሁዳዊ ኑበዪ ሓዲጉ ብኣረማዊ ጠንቋሊ ኺጋልጾ ዝደለየሉ ምኽንያት ዜገርምን ንኽትርድኦ ዜሽግርን እኳ እንተ ዀነ፡ ናይቶም ኣህዛብ ንጉስን መድሓንን ምዃኑውን ኪገልጽ ስለ ዝደለየ ምዃኑ ግሉጽ ሓቂ እዩ። ነቲ ትንቢት እቲ፡ ድሕሪ ሓያሎ ኣማኢት ዓመታት፡ ብብዙሓት ኣይሁዳውያን ነብያት ግሊጽዎ እዩ። እቲ ነብዩ ሚክያስ፡ግናኸ፡ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤት ልሄም ኤፍራታ፡ እቲ ምውጻኡ (ህልውናኡ) ኻብ ጥንቲ ኻብ ዘለኣለም ዝዀነ፡ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኺወጸለይ እዩ። ስለዚ ኽሳዕ እታ ወላዲት እትወልደሉ ዘመን (ንጸላኢ) ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ።. . . ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄርን፡ ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹን ኪቐውምን ኪጓስይን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዪ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ንሳቶም ብስላም ኪነብሩ እዮም። ንሱ ስላሞም ኪኸውን እዩ፡ዝበሎ ቓል ነዚ ዘረጋገጸ እዩ (ሚክ 51-5)

እቲ ቕድሚ ኣሽሓት ዓመታት ብትንቢት ዝተነግረሉ ገዛኢ ኰዀብ ዚግለጸሉ ዘመን ምስ መጸ፡ ናቱ ትእምርቲ ዝዀነ ኰዀብ ነቶም ስገልቲ (ቈጸርቲ ዀዀብ) ኣብ ስማያት ተራእዮም። እቲ ሓቀኛ ኰዀብ ግና ኣብታ ንእሽቶ መብልዕ ማል ብጨርቂ ተጠቕሊሉ፡ ኣብ ሕቑፊ ቅድስቲ ድንግል ወላዲቱ ደቂሱ ነበረ። ክርስቶስ ጐይታና ባዕሉ፡ ብልሳንን ብርዕን ናይ ቅዱስ ሃዋርያኡ የሃንስ ገይሩ፡ኣነ ኢየሱስ፡ ኣብተን (ሾብዓተ) ማሕበራት እዚ ነገር ኺምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ስዲደዮ ኣለኹ። ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እየ።ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ራእ 2216) ሃዋርያ ጴጥሮስውን፡ እዚ ኰዀብ ጽባሕ ኣበይ ከም ዜብርህ፡ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ፡ ኰዀብ ጽባሕ ውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚውጽእ፡ ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኹም እንተ ኣስተብሃልኩምሉ፡ ስናይ ትገብሩ ኣሎኹም።ኢሉ ገሊጹልና ኣሎ(2ጴጥ 119) ጐይታና፡ ነቶም ዚስዕሩ ዚህቦ ዝዓበየ ህያብ ድማ፡ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዚሕሉንሲ፡ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ ዝተቐበልክዎ፡ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ከስልጥኖ እየ። ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዚስባበር ገይሩ፡ ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ። ኰዀብ ጽባሕውን ክህቦ እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።ብምባል ኣተስፍዩ ኣሎ (ራእ 226-29) ክርስቶስ ኣባና ኣብ ልብና ኺሓድርን ኪነብርን ከም ዚግብኦ ድማ ቃል እግዚኣብሄር ድጋጊሙ ዚገልጸልና (ሮሜ 810 ዮሃ 1420,23 2ቈረ 135 ገላ 220 ኤፌ 317 ቈሎ 1127)

ክርስቶስ ባዕሉ ሱር ኰይኑ ንዳዊት ፈርይዎ ኼብቅዕ፡ ባዕሉ ኸኣ ዘርኢ ዳዊት ኰይኑ ብስጋ ኻብኡ ፈረየ። ልክዕ ከምኡ፡ ባዕሉ መገዲ፡ ባዕሉውን መራሒ ዀይኑ ናብኡ ናብ ገዛእ ርእሱ የብጽሓካ። ባዕሉ መስዋእቲ ዀይኑ ዋጋ ሓጢኣትካ ይኸፍል እሞ፡ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ፡ ነቲ ዝተስውአ ስጋኡን ደሙን ናብ  ኣቦ ናብታ ስማያዊት መቕደስ የቕርቦ። ምኽንያቱ፡ ንሱ፡ኵሉ ኻብኡ ኵሉ ብእኡ ኵሉ ድማ ንእኡ፡” “ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩዝተባህለሉ ጐይታ እዩ (ሮሜ 1136 ቈሎ 311) እምበኣር ኵላትና ርእስና ንመርምር። እዚ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እዚ፡ ተዋሂቡና፡ ይመርሓና፡ ንጸልማትና የብርሆዶ ይህልው፧ እዚ ዀዀብ ጽባሕ እዚ ነቶም ዚስዕሩን፡ ክሳዕ መወዳእታ ድማ ነቲ ኽንስዕቦ ዝተዋህበና ግብሩ ዚሕልውን ዚፍጽሙን ጥራይ እዩ ዚወሃብ። ከምቲ ንሰብኣ ሰገል ካብ ርሑቕ ምብራቕ ክሳዕ እታ እቲ ህጻን ዘለዎ ዝመርሖም፡ ንዓናውን ካብቲ ዝነበርናዮ ኻብ ኣምላኽ ርሑቕ ዝዀነ ህይወት ናብ ኣምላኽ  ኬብጽሓና እዩ። እቶም ሰብ ጥበብ፡ ንሓጺር ጊዜ እቲ ኰዀብ ምስ ተሰወሮም፡ ናብቲ ንጥፍኣት ናይቲ ህጻን ዝተሓርየ ሄሮድስ እዮም ኣትዮም። እዛ ናይ ጸልማት ጊዜን ስጕምትን ድማ፡ ንጥፍኣት ኣሽሓት ህጻናትን ቈልዑን ምኽንያት ኰነት። እቲ ኰዀብ ዳግም ኬብርሃሎምን ኪመርሖምን ምስ ጀመረ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ሓጐስ ተሓጐሱ። ምስ ረኸብዎ ድማ ኣብቲ መብልዕ ማል ብገጾም ተደፊኦም ሰገድሉ፡ ንኽህነቱን ንግስነቱን መከራኡን ዚበቅዕ ክቡር ህያብ ኣበርከቱሉ። ብኰዀብ ተመሪሖም ዝመጽዎ መገዲ ነቲ ህጻን ድሕሪ ምርካቦምን ንእኡ ዚግባእ ስግደትን ኣምልኾን ድሕሪ ምሃቦምን ብምርሒት መልኣኽ ተመልስዎ። ናይቶም ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቦም ኬብርሃሎም ዝተዋህቦም ሰባት ዕጫ ነዚ እዩ ዚመስል፡ ብዘይ ኰዀብ ጽባሕ ኣይንኹን።

ንኣቦና ኖህ፡ መርከብ ድሕነት ኪሰርሕ ኣዚዙ ካብ ማይ ኣይሂ ዜድሓነ እዚ ኰዀብ ጽባሕ እዚ እዩ። ካብቶም ኣብ ዘመኑ ዝነበሩ ብሓጢኣት ዝተበላሸዉ ሰባት ኪፍለይ ምስ መርሖ ሰዓቦ። ካብቶም ወለዶታቱ እንታ ዘይብሉ ጻድቕ ክሳዕ ምዃን ድማ ዓበየ። ነዚ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ብምሉእ ፍቓዱ ስለ ዝሰዓቦ፡ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ዘይኰነ ንበዓልቲ ቤቱን ንሰለስተ ደቁ መምስ ኣንስቶምን፡ ሻምናይ ርእሱ ኺድሕን ከኣለ። ጸሓፊ ናይ መልእኽቲ ናብ እብራውያን፡ ብዛዕባ ኣቦና ኖህ፡ኖህ ብዛዕባ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረኣየ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ፡ ብኣኣ ገይሩ ንዓለም ኰነና፡ ናይቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነ።ኢሉ መስከረሉ (እብ 117) ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ 2ጴጥ 119 ገሊጽዎ ዘሎ ብርሃን ናይቲ ብሩህ ኰዀብ ኣብ ልቡ ስለ ዘብርሃሉ ኣብቲ ብጸልማት ዝተዋሕጠ ኽፉእን ጸልማትን ዘመን ንበይኑ ጻድቕ ኰይኑ ዝተረኽበ፡ ንምልእቲ ስድራ ቤቱ ድማ ኬድሕን ዝኸኣለ። እዚ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቡ ዘየብርሃሉን ብእኡ ዘይምራሕን ሰብ፡ ወጋሕታ ትንሳኤ ኣይኪርእይን እዩ። ናይ መወዳእታ ዕጫኡ ኣብቲ ንሰይጣንን መላእኽቱን ተዓቝሩሎም ዘሎ ግብ ዝበለ ጸልማት እዩ ዚኸውን (ይሁ 13 2ጴጥ 217)

ንኣቦና ኣብርሃም ካብ ምድሩን እንዳ ኣቦኡን ኣዝማዱን ኣውጺኡ፡ናብታ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ውጻእኪብሎ ኸሎ፡ በዚ ኰዀብ ጽባሕ ገይሩ ዝመርሖ። እቲ ብዛዕባ ኣብርሃም ኣቦና፡ኣብርሃም ናብ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዐ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ። ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን መሰረት ዘለዎ ኸተማ ይጽበይ ስለ ዝነበረ፡ ነታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ኰይኑ ተቐመጠ እሞ፡ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ፡ ይስሃቕን ያእቆብን ብእምነት ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።ዝተባህለ ሃዋርያዊ ምስክር ኣብ ልቢ ኣቦና ኣብርሃም እዚ ኰዀብ ጽባሕ የብርህን ይመርሕን ከም ዝነበረ ዜመልክተና እዩ (እብ 118-10)

ነዞም ከም ኣብነት ዝጠቐስናዮም ቅዱሳት ኣቦታትና ጥራይ ዘይኰነ ንዅሎም ካልኦት ቅዱሳን ንህይወቶምን መገዶምን ዘብርሃሎምን ዝመርሖምን እዚ ኰዀብ ጽባሕ እዚ እዩ። እታ ቐጣን መገዲ፡ እታ ጸባብ ደገ፡ እቲ ቀቅድሜኻ ዚመርሕ ሕያዋይ ጓሳ፡ እቲ ዓስብኻ ዚፈድይ ዳኛን ንጉስን፡ ኵሉ ባዕሉ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ብዘይ ኰዀብ ጽባሕ እዚ ኣብዛ ጸልማት ዓለምዚኣ ዚመላለስ ሰብ፡ ብገዛእ ምርጫኡ ኺጠፍእ ዝወሰነ ዓሻ ሰብ እዩ። እቲ ሃዋርያ ቕዱስ ጴጥሮስ፡ ነቶም ነዚ ኰዀብ ጽባሕ እዚ ኣብ ልቦም ዘይነበሮም ኣይሁድ፡እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመነ ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጸልኩም ነቲ ቐደም ንኣኻትኩም እተሓርየ ክርስቶስ ከኣ (ናብ ልብኹም) ምእንቲ ኺሰድደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱንዝበሎ ቓል ንኣናውን ተባሂሉልና ኸም ዘሎ ንፍለጥ (ግብ 319,20) ካብ ግብሪ ጸልማት (ማለት ካብ ሓጢኣት) ምርሓቕ ዜጸግመና ዘሎ ብርሃን ናይዚ መሪሕ ኰዀብ ስለ ዘይብልና እዩ። መብራህቲ ኸይወላዕካ ኣብ ጸልማት ኪኽየድን ኪስራሕን ከም ዘይከኣል፡ ንክርስቶስ ከይሓዝካ ድማ ናብራ ጽድቅን ብርሃንን ኪንበር ኣይከኣልን እዩ። እቲ ንሰብኣ-ሰገል ብብርሃን ኰዀቡ ናብ ቤትልሄም ዝመርሖ ኣምላኽ ሕጂውን ህያው እዩ። ንዓናውን በዚ ኰዀብ ጽባሕና ገይሩ ናብታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዜብጽሓና ክርስቶስ እዩ ንእመኖ፡ ንስዓቦ ድማ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 12 ጥሪ 2020 (ጥሪ 3, 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 88/8927, 28

ወኣነሂ በኵርየ እሬስዮ። ወልዑል ውእቱ እምነገሥቱ ምድር። ወለዓለም አዐቅብ ሎቱ ሣህልየ።

ኣነውን በዅሪ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ እየ፡ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 1125-ፍጻ

 

ዲያቆን

ቅዳሴ  ዘዲዮስቆሮስ

1ዮሃ 41-9

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል ማቴ 21-13

ግብ 717-23

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div