S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ

ኣብዚ ሎሚ ዝተነበበ ወንጌል፡ (ማቴ 11-18)  ማቴዎስ ኣብ ጽሑፍ ብዛዕባ ፍጻሜ ትንቢታት ኣዝዩ ዝተገደሰ ሰብ እዩ። ማለት ንብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን እናተሓሓዘ እዩ ጽሒፉ። እዚ ከኣ ነቲ መለኮታዊ መበቆል ናይቲ ጽሑፍ የረጋግጸልና። ማቴዎስ ኣብ ወንጌል ናይ 12 ትንቢታት ፍጻሜ ጠቒሱ ኣሎ (ማቴ 122 ማቴ 215,23 ማቴ 31-5 ማቴ 414 ማቴ 517 ማቴ 817 ማቴ 1217 ማቴ 1314,35 ማቴ 214 ማቴ 279) ኣቐዲሙ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ ዝገለጾ ትንቢት ነይሩ (ኢሳ 714) ኣብዚ ትንቢት እዚ ክርስቶስ ዝጽወዓሉ ካልእ ስም፡ ኣማኑኤል ዝብል፡ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣማኒኤል ማለት ኣምላኽ ምሳና ማለት እዩ። ክርስቶስ ማለት መድሓኒት ማለት ኮይኑ፡ ተግባሩ ክገልጸልና ከሎ፡ ኣማኒኤል ከኣ መለኮታዊ መንነቱ ይገልጸልና። ጐይታ ብዘይካ እዚኣቶም ኻልኦት ኣዝዮም ብዙሓት ዝጽወዓሎም ስማት ኣለውዎ። ብስሙ ሰባት ካብ ፍርዲ ይድሕኑ (ዮሃ 318) ኣጋንንቲ ይወጹ (ማር 1617) መከራ ይቕበሉ (ግብ 541) ድሌቶም ይረኽቡ (ዮሃ 1624) ምኽንያቱ እዚ ስም እዚ ልዕሊ ዂሉ እዩ (ፊሊ 29-11)

እዛ ናይ ወለዶታት ዝርዝር ንሓደ ዓብይ ሰብ ኣማእኪላ እያ ተጻሒፋ። ንሱ ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ክርስቶስ ከኣ ወዲ ኣብርሃምን ወዲ ዳዊትን እዩ። ወዲ ኣብርሃም ምዃኑ ዓብይ እዩ። ምኽንያቱ ብዘርኢ ኣብርሃም እያ ኩላ ምድሪ እትባረኽ። ሓቀኛ ዘርኢ ኣብርሃም ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ (ዘፍ 1315 ገላ 316) ዳዊት ከኣ መበቆል ንግስነት እዩ። ክርስቶስ ሓቀኛ ወዲ ዳዊት ምዃኑ ኣብ ርእሲ እቲ ሰማያዊ ንግስነቱ፡ ካልእ ምድራዊ ንግስነት ከኣ የረጋግጸሉ (ራእ 2216 ማቴ 1522)

እቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስን ኣብ ወንጌል ሉቃስን ዘሎ ናይ ወለዶ ዝርዝር ዕላማኡ እኳ ሓደ እንተኾነ፡ ኣብ ኣቀራርባኡ መሰረታዊ ፍልልይ ኣለዎ። ማቴዎስ ካብ ኣብርሃም ካብቲ ኣቦ ተስፋ ክጅምር እንከሎ፡ ሉቃስ ግን ካብ ኣዳም ኣቦ ኲሎም ወለዶታት ምድሪ እዩ ዝጅምር። በዚ ከኣ ማቴዎስ ነቲኩላቶም ኣህዛብ ብዘርእኻ ክባረኹ እዮምዝብል ናይ ኣምላኽ ተስፋ መሰረት ብምግባር፡ እቲ ኩላ ዓለም ብእኡ እትባረኸሉ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ክርስቶስ ምዃኑ ንምርግጋጽ ይፍትን ነበረ። ስለዚ ከኣ ነቲ ወለዶ ካብቲ መበቆል በረኸት ዝኾነ ኣብርሃም ጀመሮ።

ሉቃስ ግን ካብቲ መበቆል ኲሉ ዘርኢ ሰብ ዝኾነ ኣዳም እዩ ጀሚሩ። ካብቲ ካልኣይ ኣዳም ጀሚሩ: ናብቲ ቀዳማይ ኣዳም ብእኡ ከኣ ናብ ኣምላኽ በጺሑ። ነቲዘርኢ እታ ሰበይቲተባሂሉ ዝተዋህበ ተስፋ ንክርስቶስ ምዃኑ ምእንቲ ከረጋግጽ፡ ካብ ሰብኣያ (ኣዳም) ነታ ሰበይቲ (ሄዋን) ጀሚሩ ዘርዚርዎ (ዘፍ 315)፡፡ኣብ ባህሊ እስራኤል: ደቀንስትዮ ኣብ ወለዶታት ኣይጽብጸባን እየን። ማቴዎስ ግን ሰለስተ ደቀንስትዮ ጠቒሱ ኣሎ። ሰለስቲአን ከኣ ካብ ወገን ኣህዛብ እየን። ስለዚ ጐይታ ብስጋ ንእስራኤል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኣህዛብውን ከምዝብጽሖም ኣረጋጊጹልና። ሉቃስ ግን ነዚ ናይ ደቀንስትዮ ዘርኢ ኣይጠቕሶን እዩ። ማቴዎስ ነቲ ወለዶታት ኣብ ሰለስተ ነናይ 14 ጉጅለታት ከፋፊልዎ ኣሎ። ምናልባት ንምዝካርከም ዝጥዕም ጌሩ ከስፍሮ ዝፈተነ ይመስል። ሉቃስ ግን ከይከፋፈለ፡ ብመደዳ እዩ ኣስፊርዎ።

ካብ ዳዊት ንደሓር ናይ ክልቲኦም ወለዶታት ዝተፈላለየ እዩ። ማቴዎስ ብሰሎሞን ወዲ ዳዊት ኣቢሉ ክቕጽሎ እንከሎ፡ ሉቃስ ግን ብናታን ወዲ ዳዊት ኣቢሉ እዩ ቀጺሉ። እቲ ናይ ማቴዎስ ናብ ናይ ዮሴፍ ከብጽሓና ከሎ፡ እቲ ናይ ሉቃስ ግና ናብ ናይ ማርያም ወለዶ ዘብጽሕ እዩ።ክርስቶስ ወዲ ዮሴፍ እንተዘኮይኑ፡ ንምንታይ እቲ ናቱ ወለዶ ክዝርዘር ተደልዩ፡ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ዮሴፍ ብስነ ህይወታዊ መገዲ እኳኣቦኡ እዩእንተዘይበልና፡ ብሕጊ ግን ኣቦ እዩ ዚቚጸር (legal Father) እቶም ወንጌላውያን ከረጋግጽዎ ዝፍትኑ ዘለዉ ሓቂ፡ ክርስቶስ ወዲ ንጉስ ዳዊት ምዃኑ እሞ፡ እቲ ንግስነት ብሰማይ ኮነ ብምድሪ ዝብጽሖ ምዃኑ ንምርግጋጽ እዩ።

እቶም ወዲ ዮሴፍ ከምዝኾነ ዝመስሎም፡ ወለዶ ዮሴፍ እንተዘርዚሮም ወዲ ዳዊት ምዃኑ ከረጋግጸሎም እዩ። ስለዚ፡ እቲ ትንቢት ሓቂ እዩ። እቶም ከም ወዲ ማርያም ጥራይ ዝኣምኑ ከኣ፡ ወለዶኣ እንተጸብጺቦም ንሳውን ጓል ዳዊት እያ። ስለዚ፡ ጐይታ ብእኣውን ወዲ ዳዊት ስለዝኸውን፡ ንጉስ ኣይሁድ ኪኸውን ብቑዕ እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ንጉስ ኣይሁድ እንተኾይኑ ምስ ተሓትተንስኻኳ በልካዝበለ (ማር 152) ስለዚ ከኣ ብኹሎም ሰባትወዲ ዳዊትእናተባህለ ይጽዋዕ ነበረ።

እዚ ብዛዕባ ወሎዶ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ በልና ኣብዚ ክቡር ብዓል ልደት ጐይታናን  መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክቡር ዕለት ቤተክርስቲያን ክንሓስቦ፡ ከነስተንትኖ ደልያትና ዘላ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን እምበኣር ክቡራት ሕዝበ ክርስቲና፡ ከምቲ ቀዳሞት ኣቦታትና ኣብ ጊዜ ጸገሞም፡ ሕልፍ ዘበለ ምርዳእ ጌሮም ንሕዝቦም፡ ሓለፋ እቲ ጸገማት ዘጋጥምዎም ዘሎው፡ ንእግዚኣብሄር ክጥምቱ ከምዚ እንዳበሉ ዝመሃርዎም ማለትኣብ እግዚኣብሄር ግዳ ኣይትዐምጹ፡ ንሳቶም እንጌራና እዮም እሞ፡ ንስኻትኩም ንህዝቢ እታ ምድሪ ኣይትፍርህዎም። እቲ ዜጽልሎም ካባታቶም ኣግሊሱ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምሳና እዩ፡ ኣይትፍርህዎም።” (ዘሁ 149) ኢሎም ሓለፋ እቲ ኣከባቢኦም ዘሎ ጸገም ከም ዘጠመትዎም፡ ንሕናውን ኣብ እምነትና ደው ኢልና ብጾምን ብጸሎት ኮይና ካብቲ ዝዋጋኣና ዘሎ ቕልጽም ስጋ ዝዓቢ ኣምላክ ምሳና ከም ዘሎናጽንዑን ትብዑን፡ ካብቲ ምስኡ ዘሎስ እዚ ምሳና ዘሎ ይዐቢ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶርን ኣብ ቅድሚ ዂሉ እቲ ምሰኡ ዘሎ ጭፍራን ኣይትፍርሁን ኣትሸበሩን። እቲ ምስኡ ዘሎ ቕልጽም ስጋ እዩ፡ እቲ ኺረድኣና ውግእና ኺዋግኣልና ምሳና ዘሎ ግና እግዚኣቢሄር ኣምላኽና እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ በቲ ዘረባ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሀድኤ።ንርእስናን ንቤትናን ከነህድእ ሓላፍነት ኣሎና ( 2ዜና 327-8) ንጉስ ዳዊት፡ኮነ ነቢይ ኢሳያስ ኣብቲ ዕለታዊ ናብርኦም ዝገጥሞም ንዝነበረ ፈተናታት ከምዚ እንዳበሉ እዮም ዝገጥሙዎ ኔሮም።ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣ ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ።. . . ኣማኑኤል፡ ምዝርጋሕ ኣኽናፉውን ንራሕቢ ሃገርካ ኺመልኦ እዩ። 9 ኣቱም ህዝብታት፡ ነድሩ እሞ ክትጭፍለቑ ኢኹም፡ ኣቱም ሰብ ርሑቕ ሃገር ከኣ ኲሉኹም፡ ጽን በሉ፡ ተዐጠቑ እሞ ክትጭፍለቑ፡ ተዐጠቑ እሞ ክትጭፍለቑ ኢኹም።10 እግዚኣብሄር ምሳና እዩ እሞ፡ ምኽሪ ወድቡ፡ ኪዝርዘር ከኣ እዩ፡ ቃል ተዛረቡ፡ ኣይኪቐውምን ድማ እዩ።ዝኮነ ይኩን ምህዞን ውጥንን እንተገበሩ እግዚኣብሄር ከንቱ ዝገብር ዝነበረ፡ ሎሚውን ኣይተለወጠን፡ ኣብቲ ትሓልፎ ዘሎካ ሕዝበ ክርስትያን እቲ ዘይጥንጥን ኣቦ ኣሎኻ፡ ምክሪ ጸላእትካ ከንቱ ክገብር ዝኽእል እዩ እሞ (መዝ 467,11 ኢሳ 88-10)

ኣብዚ ብኵሉ ዝጸበበሉ፡ ፍቕሪ ካብ ደቂ ሰባት ዝራሓቀ፡ ኣብ ምድርናን ኣብ ስደትናን ጸባባ ኣብ ዝበዝሓሉ ጊዜ ነክብሮ ዘሎና ብዓል ልደት እምበኣር ከምቲ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ሎሚ ክንደግም ሓላፍነት ኣሎና።እምብኣርሲ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ዀነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧ ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።” (ሮሜ 831,35-39) ሎሚ እምበኣር በዚ ሓሳብ ተመሊእና ከነክብሮ እንተኪኢልና ኢና ነዚ ብዓል እዚ አምላክ ምሳና እዩ፡ ዘብሎ። ሎሚ በዚ ክቡር ብዓል ልደትን ንቤተ ክርስትያናን ምድርናን ናይ ሰላም መልኣኩ ሊኢኹ ከምቲ ንጋሶት ዘበሰረሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ” (ሉቃ 211) ዝብል ድምጹ የስምዓና! ርሑስ ብዓል ልደት ንኩላትና ይግበረልና።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥   ሰሉስ 7 ጥሪ 2020 (ታሕሳስ 28, 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 71/72 15 “የሐዩ ወይሁብዎ እምወርቀ ዓረብ። ወዘልፈ ይጼልዩ በእንቲአሁ። ወኵሎ ኣሚረ ይድኅርዎ።

ብህይወት ኪነብር፡ ካብ ወርቂ ሸባ ድማ ኪህብዎ፡ ኵሉ ጊዜውን ናብኡ ኺጽልዩ፡ ምሉእ መዓልቲ ኺባርኽዎ እዮም።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 83-18

ዲያቆን

ቅዳሴ  ዘእግዚእነ/ዲዮስቆሮስ

1ዮሃ 41-9

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል ማቴ 11-18

ግሃ 322-ፍጻ

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div