S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዘመን ኣካሒዳ፥ ካልአይታ’ምበር ወሊዳ!

ሕይወት ደቂ ሰባት ኣብዛ ምድሪ ብግዜ ዝተወሰነት ስለ ዝኾነት ኣምላኽ ንዝህበና ውሱናት ዓመታት ብተገዳስነትን እምነትን ከነሕልፈን ሠናይ እዩ። ነፍስ ወከፍ ሰዓትን ዓመትን ከኣ ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ናይ ነፍሲ ወከፍና ዝተፈላለየ

ፍጻመን ተዘክሮን ከም ዝህልዋ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሓንቲ መዓልቲ ነቲ ሓደ ሰብ መዓልቲ ዓወት፥ ነቲ ካልእ ሰብ ግና መዓልቲ ውድቀት ክትከውን ዝከኣል ነገር እዩ። ይኹን እምበር ንሕና ብጊዜ ራህዋ ይኹን ብጊዜ ጸበባ ብጸሎትን ተስፋን ንኣምላኽ እንጽበ መንፈሳውያን ሰባት ክንከውን ንእግዚኣብሔር ዘሐጉሶ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ኣምላኽ ድማ ብዘመን ፈተና ይኹን ብዘመን ራህዋ ኣብ ልዕሌና ክቡር ሰማያዊ ዕላማ ከም ዘለዎ ክንዝክር ይግብኣና። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ጉዕዞ ዘመናት ሓያሎ ፍሉይ ኵነታትን ናይ ናብራ ጸገማትን ዘሕለፈ ህዝቢ እዩ። ንሕናውን ካብ ወልድና ብኣፈ ታሪኽ ዝተፈለጥናዮም ዘመናትን ኣለዉ። ነቶም ዘመናት ከኣ ንዕኦም ብዝሰማማዕ እዋናዊ ስም እናሃቡ ንዘመናት ክዝከሩ ንሰምዖም ኢና። ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ ዝኣክል “ዘመን ትሩቡሊ፥ ዘመን ኣካሒዳ፥ ዘመን ኣንበጣ …….. ’’ ወዘተ ምጥቃስ ይከኣል። እስከ ንሎሚ እምበኣር ብዛዕባ “ዘመን ኣካሒዳ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓመት እቲ ዘጋጠመ ፈተና ብምዝርዛር ምስ’ዚ ዘሎናዮ ዘመን ዘመሳስሎ ገለ ከነብርህ።

“ዘመን ኣካሒዳ”  ከምቲ ሽሙ ዝሕብሮ ናይ ምክሕሓድ፥ ምጥልላም፥ ምጭኽኻንን ፈተናን ዘመን ከም ዝነበረ ኣብቲ እዋንቲ ዝነበሩ ሓደ ዓቢይ ኣቦ ናይ ዕደመ በዓል ጸጋ “ዘመን ኣካሒዳ ተባሂሉ ዝፍለጥስ እንታይ ስለ ዘጋጠመ እዩ? ‘‘ኣካሒዳ’’ ተባሂሉ? ኢለ ምስ ሓተትክዎም ኮፍ ኢሎም ነዚ ዝስዕብ ኣዕሊሎሙኒ። ዘመን ኣካሒዳ ኣብ ምብቃዕ መግዛእቲ ጥልያንን ምእታው ምምሕዳር እንግሊዝን ብ1941 ኣ.ፈ ዘጋጠመ ፍጻመ ናይ ሓደ ዓመት እዩ። ሽዑ ኣብ ኤርትራ ብዘጋጠመ ሕጽረት ዝናብ ምኽንያት ኣብ ቀውዒ ዝኣተወ እኽሊ ስለ ዘይነበረ እቲ ዝበዝሐ ክፋሉ ብማሕረስን ጉስነትን ዝናበር ህዝብና ንገዛእ ርእሱ ይኹን ንእንስሳታቱ ብዝብላዕ መግብን ዝስተ ማይን ተሸጊሩ ኣብ ከቢድ ጸገም ከም ዝወደቐ ነጊሮሙኒ። በዚ ምኽንያት ድማ በተን ዝርካበን ኣብ ቆፍኡ ዝነበራ እኽሊ ጌሩ ተወሳኺ ንሓደ ዓመት ክጸንሕ  ግዲ ኮኖ። ኣብዚ እዋን እዚ ተጸጊምካ ዘለቅሕ ወይ ድማ ጠሚኻ ዘምስሕ ሰብ ክርከብ ኣይተኻእለን። በቲ ደርቂ ዘስዓቦ ምጥፋእ ዘራእትን እንስሳታትን ከኣ ከቢድ ኵነታት ጥምየት፥ ስደት፥ ዝተደራረበ ጸገማትን ዝተራእየሉ ናይ ፈተና እዋን ምንባሩ እቶም ዓቢይ ኣቦ የዘንትዉ።   

ዘመን ኣካሒዳ በዚ ኣብ ላዕሊ ብሓጺሩ ዝተጠቕሰ መሰረታዊ ሽግር ምኽንያት ወላድን ውሉድን፥ ኣሕዋትን ጎረባብትን፥ ኣዝማድን ፈተውትን ብሓባር ዝተጨነቕሉ ናይ ጥምየትን ፈተናን እዋን ምንባሩ ከኣ በቶም ኣብቲ ዘመን ዝነበሩ ወለድና ኣስፊሖም የዘንትዉልና እዮም። ዘመን ኣካሒዳ ዝተባህለሉ ቀንዲ ምኽንያትውን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብዝርዝር ዝተገልጸ ሓውን ሓፍትን፥ ቤተ ሰብን ጎረባብትን ዝተጻልእሉ፥ እቲ ልግስን ምትሕብባርን ዝልማዱ ርህሩህ ህዝብና ብሰንኪ ነናይ ውልቁ ጸገም ዝተጨኻኸንሉ፥ ዝተጠላለሙሉን፥ ኣለቅሓኒ ኢልካዮ ሕራይ ዝብል ሰብ ዝተሳእነሉን ናይ ጭንቂ እዋን ምንባሩ ብኣፈ ታሪኽ ዝንገረና ዛንታ እዩ። እዚ ይኹን እምበር “ጸበባስ ኣይትኸውንን ክንዲ ራህዋ” ከም ዝበሃል፥ እቲ ርህሩህ ሰማያዊ ኣምላኽ ንጥሜት ብጽጋብ፥ ንጸበባ ብራህዋ፥ ንጽልኢ ብፍቕሪ፥ ዝትክእ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ እታ ዘመን ኣካሒዳ ምስ ሓለፈት ብጽጋብን ብዙሕ በረኸትን ዘለዎ ሠናይ ዘመን ተተኽአ። ብድሕሪ እዚ ድማ እዩ “ዘመን ኣካሒዳ ምሉቕ ኢላ’ምበር ከይዳ” ዝብል ንዕኡ ዝበቅዕ ደርፊ ዝተደርፈ። ብተወሳኺውን “ኣምላኽ ረዲኡና ዘመን ለዊጡልና” ነቲ ጥምየት ንምስጋር ሓምሊ ተመጊቦም ናብ ቀውዒ ስለ ዝበጽሑ ከኣ፥ “ሳላ ጊደበሉ ብርኪ ተተኺሉ” ብተወሳኺውን “ሳላ ብርንሃዮ ጸገም ሓሊፍናዮ” ብዝብል ናይቲ እዋን ዜማታት ተዘርግሐ። ብማሕረስ ዝናበር ህዝብና ከኣ ቆፎታቱ ብእኽሊ፥ ሩባታቱ ብወሓይዝ፥ ጎለጉል ብከብቲ፥ ጎቦታት ብጠለ በጊዕ ተሸፊኑ ሠናይ ዘመን ኮነ። ከምዚ ምስ ተዓዘበ ድማ እዩ ኣቦና ዳዊት “እቶም ዘርኢ ተሰኪሞም እናወፈሩ ዝበኸዩ፥ እንዳእቶም ተሰኪሞም ብእልልታ ኪምለሱ እዮም” ክብል ብመዝሙር ዘመስገነ። መዝ 126፡ 6።

እምበኣር እስከ ናብዚ ህልው ዘመንና ተመሊስና ብዓይኒ-ሕሊና ንተዓዘቦ እሞ ኣብ ከመይ ዝበለ መንፈሳውን ሥጋውን ናብራ ሕይወት ከም ዘሎና ንዘመንና ብግቡእ መርሚርና ንገምግሞ። እወ እዋንና ኣብ ቅድሚ ዓይና ንርእዮን ንነብሮን ስለ ዘሎና ብዛዕብኡ ብዙሕ ምዝርዛር ኣየድልየናን እዩ። ግናኸ እቶም ቅዱሳን ሓዋርያት ኣቀዲሞም ብዛዕባ እዚ ዘሎናዮ ጊዜ ስለ ዝጸሓፉልና ካብኡ እስከ ነዚ ዝስዕብ ናይ ሓዋርያ ጳውሎስ ለበዋ ሓቢርና ነንብቦ። “ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ኽፉእ ጊዜ ከም ዝመጽእ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፥ ተጀሃርቲ፥ ዕቡያት፥ ተጻረፍቲ፥ ንወለዶም ዘይእዘዙ፥ ዘየማስዉ፥ ሃይማኖት ዘይብሎም፥ ንስድራኦም ዘየፍቅሩ፥ ተቐየምቲ፥ ሓመይቲ፥ ገዛእ ርእሶም ገቲኦም ዘይክእሉ፥ ጨካናት፥ ሠናይ ዘይፈትዉ፥ ከዳዓት፥ ህዉኻት፥ ተፈኽነንቲ፥ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ተድላ ኣዕዚዞም ዚፈትዉ፥ መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፥ ነቲ ኃይሉ ግና ዚኽሕድዎ፥ ኪኾኑ እዮም። ካብዚኣቶም ርሓቕ” ይብለና። 2ጢሞ 3፡1-5። እዚ ተጠቒሱ ዘሎና ምልክታት ድማ ኣብ ዕለታዊ ናብራና ይኹን ኣብ ማሕበራዊ ስራሕና መዓልታዊ ዘጋጥመናን ንዕዘቦን ዘሎና ፍጻመታት እዮም።

ኩልና ከም ንፈልጦ እዚ ዘሎናዮ እዋን ዝያዳ ጥልመትን ሓሶትን ዝገነነሉ፥ ሓቅን ፍትሕን ዝጠፍኡሉ፥ ፍቕሪ ዝዛሕተተትሉ፥ ክሕደት ዝሰፈኖ እዋን እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሰብኣይን ሰበይትን ብምጥልላም ቃል ኪዳኖም ከፍርሱ፥ ነገሥታት ብምክሕሓዶም ኵናት ክቕስቅሱ፥ ፍቑራት ተጻሊኦም ክፈላለዩ፥ ብሓፈሻ ኣብ መንጎ መራሕን ተመራሕን፥ መምህርን ተማሃራይን ኣዕሩኽን መሓዛን፥ ኣብ ሥጋውን መንፈሳውን፥ ኣብ ስራሕን ጎረባብትን ጽልኢ ነጊሡ ብዙሕ ሰብ ካብ መገዲ እግዚኣብሔር ርሒቑ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ።ከምቲ ኣቦና ዳዊት “ዘተናገሩ በነግህ ኢይደግሙ በሰርክ” ዝበሎ ንግሆ ዝተፈራረምዎ ምሸት ክፍርስዎ፥ ሎሚ ዝመስከርዎ ጽባሕ ክኽሕድዎ ንዕዘቦ ዘሎና ጊዜ እዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ማሕበራዊ፥ ሞራላውን መንፈሳውን ውድቀታት በጺሑና ኣብ ፈተና ንነብር ኣሎና። ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ “ኣታ ዝዘመተካ ዘይብልካ እትዘምት ዘሎኻ፥ ኣታ ዝጠለመካ ዘይብልካ እትጠልም ዘሎኻ ወይልኻ፥ ምዝማት ምስ ፈጸምካ ኽትዝመት፥ ምጥላም ምስ ወዳእካ ኺጠልሙኻ እዮም እሞ ወይለኻ” ዝበሎ ከኣ ጠላሚ ክጥለም፥ ዓማጺ ክዕመጽ፥ ሰይፊ ዘልዕል ብሰይፊ ክጠፍ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኢሳ 33፡1።

ስለዚ እምበኣር “ነቲ ጊዜ ፍለጥዎ፡ ካብ ድቃስ ትበራበርሉ እዋን በጺሑ እዩ፥ ከመይ ምድኃን ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎ። ለይቲ ሓሊፋ መዓልቲ ቐሪባ እያ። ስለዚ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና ኣፅዋር ብርሃን ንልበስ” ዝብል ቃል ሕይወት ዘኪርና፥ እዋን ጥልመትን ሓሶትን፥ ጊዜ ክሕደትን ትዕቢትን ሓጺር ምዃኑ ተረዲእና ብሓቅን ጽድቅን ንኣምላኽ ብተስፋ ክንጽበ የድልየና ኣሎ።ዘመን ኣካሒዳ ምስ ሓለፈት፡ ሠናይ ዘመን እዩ ተተኪኡ። ሕጂውን እዚ እዋን ዓመጽ፡ ፍትሒ ምድፋንን ምስ ተሰግረ፡ ሓቂ ክትነግሥ፡ ፍትሒ ክትከል፥ ሰላም ክሰፍን ምዃኑ ዘጠራጥር ስለ ዘይኮነ ነዚ ኣሚንና ከምቲ ምስላ ወለድና “ካብ ዝተዛረብናዮ ዝጥለምሲ ዝወለድናዮ ይጠለም” ዝብል ክቡር ክርስቲያናዊ ጽንዓት ክህልወና ይግባእ። ጥልመት ወይ ክሕደት ከኣ ኣብ ሕይወት ደቂ ሰባት እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጸመን ድቃስ ዝኸልእ ጌጋ ምርጫን ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና።

ኣብ መደምደምታ እምበኣር ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብይሁዳን ህዝቢ ኣይሁድን ከም ዝተኻሕደ፥ ጳውሎስውን ብዴማስ ከም ዝተጠልመ ንፈልጥ ኢና። ልዕሊ ኩሉ ድማ ሓደ እዋን ህዝቢ እስራኤል ንኣምላኽ ገዲፎም ንጣኦት ምምላኽ ምስ ጀመሩ እግዚኣብሔር ባዕሉ “ህዝበይ ንዓይ ንፈልፋሊ ሕይወቶም ጠለሙኒ” ክብል ተዛሪቡ እዩ። ስለዚ ንሕናውን ብጊዜን ኩነታትን ብሰባትን ሓላፊ ሃብትን ተታሊልና ካብ ኣምላኽናን ሕጊ ቅድስት ቤተ ክርስቲያናን ክንርሕቕ ኣይግባእን። እወ! ንጉሥ ንንጉሥ ክኽሕዶ፥ ጳጳስ ንሊቀ ጳጳሳት ክጠልሞም፥ ካህን ንካህን ኣብ ዓለማዊ መጋባእያ ክካሰሱ፥ ዲያቆን ምስ ዲያቆን ክወቓቐሱ፥ ምእመናን ንሕድሕዶም ክበኣሱ ምርኣይ ብሓቂ ዘሕዝን “ዘመን ኣካሒዳ” ኣጋጢሙና ከም ዘሎ ክንዝንግዖ ኣይግብኣናን። ይኹን እምበር እቲ ንምሕረት ቀረባ ንመዓት ግና ርሑቕ ዝኾነ መድኃኔ ዓለም ኣምላኽና “ናባይ ተመለሱ እሞ ኣነ ድማ ክምለሰኩም እዩ” ይብለና ስለ ዘሎ ብጸሎትን ንብዓትን ብልቢ እንተ ለሚንናዮ ሕማምና ክፍውስ ሕቶና ክምልስ ድልው ምዃኑ ክንኣምን ይግብኣና። እግዚኣብሔር ሠናይ ፍቓዱ ኮይኑ ኣብ ጊዜ ዕርቅን ሓቅን ምስ በጻሕና ድማ “ኣምላኽ ረዲኡና ዘመን ለዊጡልና” ዝብል መዝሙር ምስጋና ክስማዕ፥ “ዘመን ኣካሒዳ ምሉቕ ኢላ ከይዳ” ዝብል ኣዋጅ ብኹሉ ከባቢ  ክቃላሕ ምዃኑ ርጉጽ እዩ። ንመዓልቲ ሓቅን ዕርቅን ብእምነት ክንጽበ ኣምላኽ ጸጋ የብዝሓልና።

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም
ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት

First posted on Monday, 27 June 2011 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div