S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ!!

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ 11 ጥሪ ጥምቀትተባሂሉ ካብቶም ዓበይቲ በዓለት ቤተ ክርስቲያና ዝበዓሉ በዓላት እዮም እሞ፡ ርሑስ በዓል ጥምቀት ይግበረልና። "አንሶሰወ ገሀደ ወአስርአየ ከመ ሰብእ በበሕቅ ልህቀ በሠላሳ ክረምት በዮርዳኖስ ተጠምቀ" (ብግልጺ ተመላለሰ፡ ከም ሰብ ተራእየ፡ ከም ህጻን ዓበየ፡ ኣብ ሠላሳ ዓመቱ አብ ዮርዳኖስ ተጠመቀ) ኣብዚ ዕለት እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 30 ዓመቱ ኣብ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሐንስ መጥምቅ ምእንታና ክብል ምስቶም ዮሐንስ ዘጠምቆም ዝነበረ ተነሳሕቲ ተጠምቀ። እቲ ቅዱስ ዝኰነ ጐይታ ኣብ ማእከል ሓጥአተኛታት ምስረኣዮ እግዚኣብሄር ኣቦብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ዝብል ድምጺ ኣስመዔ፡ ኣብቲ ንሱ ዝተጠምቀሉ ሰዓት ከኣ ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሰሶ፡ ብሓጥያት ኣዳም ዝተዓጽወ ማዕጾ ሰማይ ተከፈተ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ተራእየ፡ ሚስጥር ሰለስትነቱ ተገልጸ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ብወዱ ጌሩ ንኩላትና ብምሕረቱ ጠመተና፡ ጥምቀት ሰርዔ ብዝተከፈተ ሰማይ ምሕረት ናባና ፈሰሰ፡ ናይ ሓጥያት ዕዳና ተደምሰሰ። በዚ ክቡር ብዓል እቲ ንዓና ዝተዋህበና ብስርዓት ጥምቀት ምስ ክርስቶስ ኢየሱስ ሞይትና ንትንሳአሉን ንሓብረሉን ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ እቲኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩዝበሎ ጐይታና ኢየሱስ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህይወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ኵላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣብኡ ኻብ ምውታት ዝተንስኤ፣ ከምኡ ክኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንማላለስ ፣ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።" (ሮሜ 63-4) እዚ ዓመት መጸ እነብዕሎ ዘሎና በዓል ጥምቀት ስርዓት እንታይ ዝሕብረና፧ ተጠሚቐ ማለት እንታይ ማለትዩ፧ እምበኣር ትርጉሙ ሞይተ ማለትዩ። ኵላትና ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ አምላኽ እተጠመቕና ዘበልና፡ ኵላትና ንሓጥያት ሞትና፣ ተቐቢርና ኢልና ዚኣወጅና ሰባት ኢና ማለትዩ። ደቂ ኣርብዓ ገጢምናዮ ክንከውን ንኽእል ደቂ ሰማንያ ግን ንሓጥያት ሙማትና ተኣውጁ እዩ። ካብቲ ከምኡ ዚኾናሉ ዘመን ብጽድቂ ክነብር፣ ንሓጥያት ሞትና ንጽድቂ ዝተንሳእና ሰባት ኮይና ክነብር ቃል እግዚኣብሄር ነጊሩና እዩ። ስለዚ ሎሚ ክቡራት ህዝበ ክርስቲያን ኣብቲ ሞት ክርስቶስ ሓቢርና ኣሎናዶ፧ እንተድኣ ኣብ ሞት ክርስቶስ ዘይሓቢርና፣ ኣብ ትንሳኤኡ ክንሓብር ኣይንኽእልን ኢና። ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ ዝበሎ ጐይታ፡ እዚ ሓቂ ካብ ኣእምሮና ከይጠፍእ እዩ፡ ዓመት መጸ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ኣውድአመት ሰሪዓ ተጠንቀቑ ትብለና ዘላ። ነንዕለቱ ሓጥያት ኣብ ቅድሜና ክድቐን ከሎ፣ ኣነ ንሓጥያት ምውትየ፣ ኣነ ነዚ ሓጥያት እዚ ኣይእዘዝንየ፣ እንብልሉ ሓይልን ጸጋን እንተዘይረኺብና፣ ምድሓን ክርስቶስን ምድሓን ነብስናን ኣይምስተራሓሓቑን። ምድሓን ማለት ከምቲ ክርስቶስ ንሓጥያት ዝሞተ፣ንሕና ድማ ንሓጥያት ሙማት ማለት እዩ። እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት፡ ሞትውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና፡ ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር፡ ንኣምን ኣሎና። ማለት፡ ሞቱ ሓንሳእ ንዂሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት እዩ ዝሞተ፡ ህይወቱ ግና ንኣምላኽ እዩ ዚነብር። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቊጸሩ።ሮሜ 69-11

ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር ንኣምን። ካብ ሞትና ኢና ምስኡ ከም እንነብር ንኣምን። ስለዚ ሞትና ንሞቱ ክመስል ይግባእ ማለትዩ። ማለት ሞቱ ሓንሳብ ንኵሉ ጊዜ ካብ ሓጥያት ዝሞተ እዩ። ህይወቱ ግና ንኣምላኽ ዝነብር። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጥያት ከም ዝመትኩም፣ ብክርስቶስ ኢየሱስ ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝኾንኩም ርእስኹም ቁጸሩ። ሓንሳብ ንሓጥያት ሙማት ዝወሰነ ሰብ ተመሊሱ ክመውት ኣይክእልንዩ። ስለዚ ኵሉ ጊዜ ነንዕለቱ ንሓጥያት ምዉት ዝኾነ ህይወት የድልየና ማለትዩ። ሽዑ ምድሓንና ክረጋገጽ ይኽእል። ህይወት ኢየሱስ ኣብዚ ምውቲ ስጋና ምእንቲ ክትጋሃድ ኵሉ ሳዕ ሞት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር ኣሎና(2 ቆረ 410) ህይወት ክርስቶስ፣ ኣብ ስጋና፣ ምእንቲ ክትጋሃድ፣ ኣብቲ መዋቲ ስጋ፣ ህይወት ናይቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ምእንቲ ክትግሃድ፣ ኩሉ ሳዕ ሞት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር። ስለዚ ከመይ ጌርና ሞት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ንጽውር፣ ክርስቶስ ሓንሳብ ንኵሉ ጊዜ ህይወት ክርስቶስ ኣብ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ክትግሃድሲ፣ ኵሉ ሳዕ ብዘይ ምቁራጽ፣ ሞት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።”(ቆሎ 31-3)

ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም፡ ቅድሚ ምባሉ ንሰብ ቆሎሴ ሃዋርያ ጳውሎስ ሞይትኩም ኢኹም እሞ ኢሉ፣ ህይወትኩም ድማ ኣብ ክርስቶስ ተሰዊራ ኣላ በሎም። ዝሞተ ሰብ ሓጥያት ክገብር ኣይክእልንዩ። ኣቐዲሞም ምስ ክርስቶስ ስለ ዝሞቱ እዮም፣ ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተኾንኩምሲ ከም ዝበሎም ቃል እግዚኣብሄር ዝነግረና ዘሎ፡ ምስ ሓጥያትና ክነብር ኣይንኽእልን ኢና። ኣስዕብ ኣቢሉ ኣብ (ቆሎ 35-10)’ “ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉእንታይ ማለት እዩ፧ ቃል እግዚኣብሄር ዝብለና ዘሎ፡ ክቅተል ዘለዎ ነገር ኣሎ ኣብ ስጋና ንሱ ከኣ ሓጥያትዩ። ዘርዚሩ ክገልጾ ከሎ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስብሰሪ እዚ ነገርዚ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ።. .  ንስኻትኩም እዚ ዅሉ . . .  ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።. . . ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።. . . ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡ ስለዚ ነዚኣቶም ንኸይተምልኹ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ። 

ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ፡ ማለት እምበኣር ንክርስቶስ ነቲ ዝመተሉ ዕላማ ምንባር ምኽኣል ጥራይዩ። ኣብ ሮሜ 812-13 “እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ከም ስጋ እንተ ነበርኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን። ነቲ ግብረ ስጋ ብመንፈስ እንተቀተልኩሞ ግን ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።ኵሉ ጊዜ ነቲ ግብሪ ስጋ እናቀተልና  ብደገፍ እግዚኣብሄር፣ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ፣ በቲ ብክርስቶስ ዝተገበረልና ግሩም ኣርኣያ፣ ብእኡ እናራኣና ነንዕለቱ ነቲ ግብሪ ስጋ ኣብ ህይወትና ክንቀትሎ ይግብኣና።እምብኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፡ ኣብዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ።ሮሜ 612-14 በሎም።

ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ ማለት ፡እቲ ብሞት ክርስቶስ ዚጀመረ ነገር ብሞት ናትና ንሓጥያት ብሙማት እንቕጽሎ፣ ናብራ እዩ።ክሳብ ሞት እሙን ኩን ኣነ ድማ ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ” (ራኢ 210)  ብስጋ ክሳብ እንመውት ካብቲ ንክርስቶስ ዝሰዓብናሉ ኣብቲ ድሕነቱ ድማ ዝኣተናሉ ጊዜ ጀሚርና ክሳብ ብስጋ ካብዚ ምድሪ ንፍለ፣ ንሓጥያት ወርትግ ምውት ንኸውን። ከም ዮሴፍ ከመይ ጌረ ንብል ፣ከም ካልኦት ኩሎም ቅዱሳት እምቢ ንብል፣ ንሓጥያት ኣይንገብርን ንሓጥያት ምዉት ንብል። እዚ ሞት እዚ ግን ሓንሳብ ስለ ዝሞትናዮ ንዕድሜና ምሉእ እኹል ማለት ኣይኮነን። ከምኡ ስለዝኮነ እዩ፡ ከኣ ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ ዝተባህለ፡ ምኽንያቱ ሞት ክርስቶስ ጥራይ እዩ ዘልኣለማዊ፡ ንሕና ግን ነንዕለቱ ንሓጥያት ክንመውት ኣለና፡  ምኽንያቱ ሓጥያት ኩሉ ጊዜድኩማት ስለዝኾና ይፈታተነና እዩ።

ድሕነት ማለት ከምቲ ክርስቶስ ዝሞቶ ንሓጥያት ሙማት ማለትዩ። ስለዚ በዚ ክቡር በዓል ጥምቀት ሎሚ ብመንጽር ህይወትና ክንሪኣ ከሎና፡ ናይ ብሓቂ ንሓጥያት ሞይትና ኣሎና፧ ሞትናከ ንሞት ክርስቶስ መሲሉ ኣሎዶ፧ ድሕነት ብሞት ክርስቶስ ንጅምር፣ ብሞት ናትና፣ዝቅጽል፡ ነንዕለቱ ካብ ሓጥያት ምውታት እናኾና ንሓጥያት ዘይእዘዝ፡ ንሓጥያት፡ እምቢ ብዚብል ኣካላት ሒዝና ንቅጽል ሙካኑ ክንፈልጥ ይግባእ፣፡ ክሳዕ መኣስ ንቅጽል፧ ንዝብል ሕቶ፡ክሳብ ብስጋ ካብዚ ምድሪ ሞይትና ንፍለ ፡፡ ካብዚ ምስተፈለና እዩ፡ ድሕነትና ዝተፈጸመ ዝኸውን እሞክሳብ ሞት እሙን ኩን ኣነ ድማ ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ ዝበሎ ኣባና ይፍጸም። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመሰልክዎ ንዓይ ምሰሉ፡ ኣብ ትንሳኤኡ እንተርከብኩ ኢለ ብሞት እናመሰልክዎ ፡ንዅሉ ነገር ከም ወጽዓ እቆጽሮ ኣለኹ። ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራት እንተኾናስ ኣብ ትንሳኤኡ ድማ ክንሓብሮ ኢናዝብል ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልብና የሕዲርና ክነብር ይግባእ።

ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ፡ ክብል ከሎ ጐይታ ሎሚ ዓለም ክትመውት ኣይንጸበይ፡ ንሕና ስለ ዘይሞትና እቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ነገር ይስምዓና ኣሎ፣ ንሓጥያት ምዉታት ኔርና እንትትኸውን ግን ምዉት ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ብኽያትን ኣውያትን ኣይሰምዖን እዩ። ሞይትና እንተንኸውን ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዘጨንቐና ኵሉ ነገራት ኣይምሰማዕናዮን። ኩቡራት ወለዲ፡ ኣሕዋት ንሓጥያት ነብስና ዝድርኽ ዘሎ ነገር ሞትና ንሞቱ ስለ ዘይመሰለ ጥራሕዩ። እንጭንቀሉ ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ናይ ሓጥያት ነገር ብጣዕሚ ዝኸብደና ስለ ዘይሞትናዩ። ሎሚ ንሕና በቲ ኣብቲ ከባቢና ዘሎ ሰብ ዝሙት ንፍተን ዘለና፡ እምበር እቶም ዚሞቱ ከም ብዓል ዮሴፍ ግን ጠቢቕዎም ኣካል ንኣካል ሒዝዎም ከሎ ኣይጭነቅሉን ኔሮም። ስለ ዝሞቱ ንዓባ፧ እተተባህለ ዮሴፍ ከመይ ገረ ክገብር እዚ ክገብር ዝኽእል በለ። ክገብር ዝክእል ኣካል ስለ ዘየለ ድዩ ዮሴፍ ከምኡ ኢሉ፧ ሕዝበ ክርስትያን ሎሚ ኣይንዓሹ፡ ነቲ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጥያት ዝሞቶ ሞት ከምኡ ዝበለ ሞት ብሙማት ድሕነትና ከነራጋግጽ ይግብኣና ኣሕዋት ዓለም ምእንታና ክትመውት ኣይንጽበን ኢና ፣ንሕና ግን ንሓጥያት ክንመውት ከም ዘለና እግዚኣብሄር ብኑጹር በዚ ክቡር በዓል ጥምቀት ስለ ዝነገረና ብኸምዚ ክንመላለስ እግዚኣብሄር ይደግፈና

ብድጋመ ርሑስ በዓል ጥምቀት ይግበረልና።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥   ሰንበት 20 ጥሪ 2020 (ጥሪ 11, 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

ባሕርኒ ርእየት ወጐየት። ወዮርዳኖስኒ ገብአ ድኅሬሁ። ኣድባር አንፈርአጹ ከመ ሐራጊት።መዝ 113/114 3-4

ባሕሪ ርእያቶ ሀደመት። ዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰ። ኣኽራን ከም ደዓውል፣ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ቲቶ 34-8

ዲያቆን

ቅዳሴ  ዘዲዮስቆሮስ

1ዮሐ 55-13

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል ማቴ 31-17

ግሃ 1034-39

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div