S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኢየሱስ፡ መላኽ ማዕበላት!!

ናይዚ ዕለት እዚ ንባብ ወንጌል፡ ብዛዕባ ክልተ መስተንክር ዝዀኑ ተኣምራት ናይ ኣምላኽናን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶ ዜዘንትው እዩ። እቲ ቐዳማይ ማዕበል ናይ ምህዳእ ተኣምር፡ መድሃኔ ዓለም ክርስቶስ፡ጐይታ ሕገ ተፈጥሮ ምዃኑ ኼመልክተና ኸሎ፡ እቲ ኻልኣይ ተኣምር ከኣመላኽ ኣጋንንቲምዃኑ ዜመልክተና እዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዋላ እኳ ብዕልወት ካብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዝወጹን ንእግዚኣብሄርን ሰዓብቱን ዚጻረሩ  እንተ ዀኑ፡ ገና ኻብ ምልክን ቍጽጽርን ናይ እግዚኣብሄር ወጻኢ ኸም ዘይዀኑ ዘርእየና ተኣምር እዩ።

መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ፡ ዋላ እኳ ነቲ ድኹም ስጋና ለቢሱ ብሓጺር ቍመትን ብጸቢብ ደረትን እንተ ተገልጸ፡ ነቲ መለኮታዊ ባህርዩን ስልጣኑን ከም ዘይሓደገ፡ ንሕና እዞም ወልድ ዋህድ ኢልና እንኣምን ህዝበ ክርስትያን ጽቡቕ ጌርና ንፈልጦን ንኣምኖን ኢና። ስለዚ ድማ ከም ድኹም ሰብ ኪደክምን ኪጸምእን ኣብ ዝተራእየላ ምድሪ፡ ብልሳን ናይቲ ድኹም ስጋ ድማ መራኽብ ዚውሕጥ ማዕበል ገኒሑ ኬህድእ፡ ንምድርን ንህዝባን ዘናወጹ ኣጋንንቲ ብሓንቲ ቓል ካብ ግዝኣቶም ኪነቕሎም ተራእየ። ኣብቲ ተፈጥሮኣዊ ዓለም ኰነ ኣብቲ መናፍስታዊ ዓለም ሉኣላዊ ስልጣን ከም ዘለዎ ኣረጋገጸ።

እቲ ነታ ጃልባ ኺውሕጣ ዝተቘጥዐ ማዕበልን፡ እቶም ነቶም ክልተ ሰባት ዝሓደርዎም ኣጋንንትን፡ ኣኣብ ከባቢኦም ንዚርከቡ ሰባት ብርቱዕ ጭንቀት ፈጢሮም ነበሩ። ናይዚ ኣብ ሰባት ዝወረደ ጭንቀት ፈውሲ ድማ ንሱ ዀነ። ጐይታን ደቀ መዛሙርቱን ስግር ባሕሪ ኪኸዱ ኣብ ጃልባ ምስ ተሰቕሉ፡ ጐይታ ኣብ ድሕሪት ናይታ ጃልባ ከይዱ ደቀሰ። እቲ ማዕበል ነታ ጃልባ ብማይ መሉኡ ኼጥሕላ ኪደልይ ከሎ፡ ንጐይታናውን ኪንሕፎ ኣይክእልን እዩ። እታ ጃልባ ኸምዘን ናይ ሎሚ መራኽብ ማይ ዘየእትው ክፍልታት ዘለዋ ዘመናዊት ኣይኰነትን። ዋላ እቲ ማይ እንተ ዘይተንከፎ እኳ ምንዋጽ ናይታ ጃልባን፡ ዋዕዋዕታ ናይቶም ንጃልባኦም ዝመልአ ማይ ዚጭንጕዑ ዝነበሩን፡ ጠፋእና ኢሎም ብፍርሃት ናይ ዜእውዩ ሰባትን ድምጺ ኼደቅስ ኸም ዘይክእል ርዱእ እዩ። እንተ ዀነ እቲ ማዕበል እቲ፡ እምነት ደቀ መዛሙርቱ ዚፍተነሉ ኵነት ስለ ዝነበረ፡ ጐይታና ስቕ በለ። ካብቲ ኣብቲ ባሕሪ ዝነበረ ማዕበልን ምንዋጽን ንላዕሊ ኣብቲ ልቦም ዝተፈጥረ ናይ ጭንቀት ማዕበል ምስ በርትዐ ድማ፡ ናብ ጐይታኦም ቀሪቦም፡ጐይታይ ጠፈእና፡ ኣድሕነና፡ ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን እዩብምባል ልመናን ነቐፋን ዝተሓወሶ ጥርዓን ኣቕረቡ። ጐይታ ድማ በቲ ስልጣናዊ ቓሉ፡ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ንፋስን ባሕርን ብሓንቲ ቓል ገኒሑ ጸጥ ኣበሎ። ብድሕሪኡ ድማ ነቶም ብምኽንያት ምጕዳል እምነት ጭንቀቶም ዘናወጾም ደቀ መዛሙርቱ ገነሖም። ስለዚ እዚ ማዕበል እዚ ነቶም ሰባት ውሒጡ ኪቐትል ዘይኰነስ፡ መንነት ክርስቶስ ንምግሃድን፡ ደረጃ እምነት ደቀ መዛሙርቱ ንምፍታንን ከም ዝመጸ ተጋህደ።

ከም ሰባት መጠንን፡ ኣብዛ ብሓጢኣት ዝበለየት ውድቕቲ ዓለምን ንነብር ከም ምህላውና መጠንን ኣብ ህይወት ዜጋጥሙና ማዕበላት ማእለያ የብሎምን። ዝዀነ ይኹን ኣብ ልዕሌና ዚኽሰት ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ኵነታት ድማ ብዘይ ፍቓድ ናይቲ ሉኣላዊ ኣምላኽ ኣይክሰትን እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ብምኽንያት እቲ ሰናይ ባህርዩ፡ ነቶም ኣባና ኪኽሰቱ ዚፈቕዶም፡ ንሕና ግና ክንፈትዎምን ዘይክንፈትዎምን እንኽእል ኵነታት፡ ንሰናይና ኢሉ ኸም ዚፈቅድ፡ኣነ ዝሓስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን (ምእንቲ) ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ኤር 2911) ኣብ ልዕሊ እቲ ኣባና ዚፍጸም ኵነታት ድማ ምሉእ ምልክን ቍጽጽርን ከም ዘለዎ ብቓሉ ኣብ ማቲ 1029-31 ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ኣረጋጊጹልና እዩ።ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። ጸጉሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። እምበኣርሲ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።ስለዚ ከም ውልቀ ሰብ፡ ከም ስድራ ቤት ይኹን ከም ሃገር ወይ ሕብረተሰብ መጠን፡ ንህይወትና ኼናውጽ ዚኽእል ማዕበል ምስ ዜጋጥመና፡ እቲ ዚኸውን ዘሎ ዅነታት ብፍቓድ ኣምላኽ ዝተከስተ፡ ንሰናይና ተባሂሉ ዝተገብረ፡ እንደገና ድማ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ኣምላኽ ከም ዘሎ ፈሊጥና፡ ብእምነት ክንጸንዕን ክንስዕሮን፡ ንልብና ድማ ካብ ጭንቀትን ካብ ፍርሃትን ከነህድኦ ይግብኣና። ጭንቀት ናይ ዘይምእማን ሓጢኣት ውጽኢት ኪኸውን ከሎ፡ ህድኣት ከኣ ናይ እምነት ፍረ ጽድቂ እዩ። ጭንቀት ሓጢኣት እዩ። ጭንቐት ሓጢኣት ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ብዙሕ እዩ። እቲ ቀዳማይ ምኽንያት፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ እቲ ዘጨንቐካ ዘሎ ዅነታትን ሉኣላዊ ስልጣን ከም ዘለዎ ካብ ምኽሓድ ዝተላዕለ ዚመጽእ ስምዒት ብምዃኑ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን መናፍስቱን ኣብ ልዕሊ ሕማምን ሞትን፡ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ኻልእ ዜናውጽ ኵነታትን ስልጣን ከም ዘለዎ ብልቡ ዚኣምን ሰብ፡ ጭንቀት ኣብ ጥቓኡ ኣይቀርብን እዩ። ጭንቀት ናይ ዘይምእማንና ፍረ እምበር፡ ናይቲ ኣጋጢሙናን ዜናውጸናን ዘሎ ዅነታት ውጽኢት ኣይኰነን። ዘይምእማን ማለት ድማ ምንዓቕ ማለት እዩ። እስራኤላውያን ከይኣመንዎ ኺተርፉ ከለዉ እግዚኣብሄር፡እዚ ህዝቢ ክስዕ መዓስ እዩ ዚንዕቀኒ፧ይብል ከም ዝነበረ ተጻሒፉልና ኣሎ (ዘሁ 1411 1120)

እቲ ኻልኣይ ምኽንያት ከኣ፡ ነቲ ሰናይ ባህርይ ናይ እግዚኣብሄር ካብ ዘይምእማን ዚመጽእ  ባህርይ ስለ ዝዀነ እዩ። እግዚኣብሄር ሰናይ ኣምላኽ ክነሱ፡ ኪጐድኣካ ኢሉ ኸም ዝገበሮ ስለ ዝሓሰብካ ኢኻ ትጭነቕ። ቃል እግዚኣብሄርን ኵሉ ተግባራቱን ግና እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ እዩ ዚገልጸልና (መዝ 1061 258 136) ወንጌላዊ ማርቆስ ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ እዞም ብማዕበል ዝተጨነቝ ደቀ መዛሙርቲ፡ኽንጠፍእዶ ግድና የብልካን እዩ፧ኢሎም ዝተዛረብዎ ቃላት፡ ኣብ ልዕሊ ጐይታ ኺዝረብ ዚግብኦ ቃል ኣይነበረን። ነቲ በጃኦም ዚሓልፍ ዝመጸ ገንሸልን ሕያዋይ ጓሳን ዚበሃል ቃል ኣይኰነን። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ናይ ዘይምእማን ውጽኢት ስለ ዝዀነ እዩ ብዛዕባ ጕድለት እምነቶም ዝነቐፎም።

ጭንቀት፡ ሓጢኣት ዝዀነሉ ሳልሳይ ምኽንያት ከኣ፡ ንውሽጥኻ ኣዝዩ ስለ ዜናውጾ እዩ። ካልኦት ተቘጻጺርካዮም ዝጸናሕካ ሓጢኣታት ደጊሞም ኪደግሱኻን ኪቈጻጸሩኻን ዚገብር ምዃኑ እዩ። ነብዪ ኢሳያስ ብዛዕባ ረሲእነት ኪገልጽ ከሎ፡ ኣብ ኢሳ 5720,21 እቶም ረሲኣን ግና ከምቲ ዚናወጽ ባሕሪ እዮም፡ ኪሀድእ ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ማያቱ ጭቃን ርስሓትን የውጽእ። እቶም ረሲኣንሲ ሰላም የብሎምንበለ። ባሕሪ ዝግ ኣብ ዝበለሉ ሰዓት፡ እቲ ጭቃኡን ርስሓቱን ኣብቲ ወለል ናይቲ ባሕሪ ረጊኡ ስለ ዚቕመጥ እዩ ኣዝዩ ጽሩይ ዚኸውንን ንምርኣዩ ዜብህግን። ማዕበል እንተ ኣናዊጽዎ ግና እቲ ኣብቲ ወለል ናይቲ ባሕሪ ዝግ ኢሉ ዚጸንሐ ርስሓት ተላዒሉ ምስቲ ማይ ስለ ዝተሓዋወስ፡ ንምርኣዩ ዘጽልእን ሽታኡ ድማ ገምቢ እዩ ዝኸውን። ኣብ ጭንቀት ዘሎ ሰብ ድማ ልክዕ ከምኡ እዩ ዚኸውን። እቶም መሊኽዎም ዝጸንሐ ኣበሳታት ካብ ቍጽጽሩ ወጻኢ ብዝዀነ መገዲ ኺመልክዎን ህይወቱ ኣዝዩ ኸም ዚበላሸው ኪገብርዎን ይረኣዩ። ዝተጨነቐ ሰብ ብሓሳቡ፡ ብቓሉ ይኹን ብተግባሩ ንእግዚኣብሄር ብቐጥታ ይብድሎ፡ ምስቶም ኣዝዩ ዜፍቅሮምን ዚኣምኖምን ዜኽብሮምን ሰባት ከይተረፈ ኺገራጨውን ኪብድሎምን ይጅምር፡ ብዛዕባ ሰባትን ኵነታትን ዝነበሮ ኣረኣእያ ፈጺሙ ስለ ዝልወጥ ፍጹም ካልእ ሰብ እዩ ዝቕየር። ኣብ ጭንቐትን ፍርሃትን ዝኣተወ ሰብ፡ እቲ ኣብ ህይወቱክገብሮ እኽእል እየኢሉ ሓሲብዎ ዘይፈልጥ ሓጢኣት እዩ ዚገብር። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ሒዞም ምስ ክርስቶስ ኪሰቕሉኒ እዮምዚብል ስግኣትን ጭንቀትን ንኣእምሮኡ ምስ ገዝኦ፡ ነቲካባኻ ሓሊፍናስ ናበይ እሞ ኽንከይድ ኢና፧ዝበሎ ጉይታኡ፡ ነዛ ስሙ እኳ ኸይረቝሐ፡ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን እየብምባል ርእሱ እናረገመ ኸም ዝምሕል ገበሮ።

ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ኻብ ጭንቀትን ካብቲ ንሱ ዜስዕቦ ዕንወትን ኪድሕን ዚደልይ ኵሉ ክርስትያን፡ ናብቲ መላኺ ማዕበላት ዝዀነ ኣምላኽ ብጸሎት ኪቐርብ ንእኡ ኺኣምኖን ኪውከሎን ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ንሱ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ዘለዎ፡ ብሕገ ተፈጥሮ፡ ብኣጋንንቲ ይኹን ብኻልእ ምኽንያት ንዚለዓሉና ማዕበላት ኪቈጻጸርን ኪመልኽን ሉኣላዊ ስልጣንን ከኣልነትን ዘለዎ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንናይ ጭንቀት ማዕበላትና ኼህድኣልና ዚኽእል ንሱ እዩ። ኵሉ ብእኡ እዩ ዝኸውን፡ ካብቲ ዚኸውን ብዘይ ብእኡ ዚኸውን ዋላ ሓንቲ የልቦን። ንሰማይን ንምድርን ኣብኡ ዘሎን ዅሉን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ዘሎ ንሱ እዩ (እብ 13 ቈሎ 117) ስለዚ፡ ከምዚ እዞም ደቀ መዛሙርቱ ዝገበርዎ፡ ሰላምናን ህድኣትናን ዚዘርግ ኵነታት ኪመጸና ኸሎ፡ እቲ ማዕበል ብፍቓዱ፡ ማለት ካብኡን ብእኡን ምዃኑ ብምዝካርጐይታይ ኣድሕነኒብምባል ንማሕጸኖ እምበር፡ ንገዛእ ርእስና ንጭንቀት ኣሕሊፍና ኣይንሃብ። ማዕበላት ህይወት፡ እምነትናን ትውክልትናን ምእንቲ ኸነዕብይ ዝወሃቡና ኣገልገልትና እምበር ንጕድኣትና ዚመጹ ጸላእትና ኣይኰኑን። ስለዚ ንማዕበላትና ኣይንኽሰሮም። ሓደ ደረጃ ናብ ኣምላኽ ገጽና ንምቕራብ ከም መሳልል ንጠቕመሎም። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ማዕበላት ኣብ ህይወትና ኪኽሰቱ ዚፈቕደሉ ዕላማ ድማ ንሱ እዩ። ብማዕበላትና ንኣምላኽ ኣብ ህይወትና ኸም ዝኸብርን፡ ንሕና ድማ እቲ ዝለዓለ ረብሓ ኸም ዝረኸብና ወርትግ ርግጸኛታት ንኹን።

ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

 ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥   ሰንበት ሕዳር 26, 2017 (ሕዳር 17, 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 34፡5-6

ቅረቡ ኅቤሁ ወያበርህ ለክሙ። ወኢይትኅፈር ገጽክሙ። ዝንቱ ነዳይ ጸርሐ እግዚኣብሔር ሰምዖ።

ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፣ እግዚኣብሄርውን ሰምዖ፣ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

እብ 12፡25-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል፡ ማቴ 8፡23-ፍጻሜ

ያእ 3፡4-13

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘእግዚእነ (ምኣኵተከ)

ግሃ 21፡27-ፍጻሜ

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div