S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብአቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 9 ክሳብ 15 ዘሎ ሳምንቲፍረተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እቲ ተስሪዑ ዘሎ መዝሙርን ምስባክን ንባባትን ኵሉውን ፍረ ጠቀስ እዩ። አብ ዝሓለፉ ናይ ክራማት ንባባትና ብዛዕባምስላ ዘርእን ዘራእን፡ከምኡ ድማምስላ ስርናይን ክርዳድንከም ዝተመሃርና ዚዝከር እዩ።

እዚ ኽፍሊ ወንጌል እዚ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣኽሊል ምስጢራት ዝዀነምስጢረ ቍርባንሰፊሕን ዓሚቝን ትምህርታዊ መሰረት ዘንበረሉኽፍሊ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ፡ እቲ ዚግባእ ርድኢት ኪህልዎን እቲ ዚግባእ ስጕምትን ኪወስድ ዘይከኣለ ክርስትያን፡ እቲ ንርእሱ ንሓደጋ ዝመጠወ ዓሻ ክርስትያን እዩ። ብዛዕባ ኻልኦት ኣብያተ እምነታት ክንዛረብ እኳ እንተ ዘይደፈርና፡ ኣብዚ ናይ ሓበሻና ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን በዚ ምስጢር እዚ ዚምልከት ኣዚና ድሒርናን ካብ ጸጋ ጐዲልናን ከም ዘሎና ነጋሪ ዘየድልዮ ሓቂ እዩ።

ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ዝተጠቕሰ ዓብዪ ሃይለ-ቃል ዝተዛረበ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ መንጎ ትምህርቱ ኣትዩመምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ ተዛረበለይ፡ምስ በሎ እዩ። ጐይታ ግና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ሲቪላዊ ጕዳያት ኪጽመድ ስለ ዘይመጸ፡ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይሙኒ፧ኢሉ መለሰሉ። ዋላ ነቲ ሓዉ እንተ ተዛረቦውን ሕራይ ኢሉ ኸይመቕሎ ይኽእል እዩ። ብእኡ ዝኣመነ ወደ መዝሙሩ እንተ ዀነ ጥራይ እዩ ዚስምዖ። ስለዚ እዚ ሰብኣይ እዚ ናብቶም ብይን ሂቦም ፈጺሚ ኺገብሩ ዚኽእሉ ምድራውያን ሹማምንቲ- ሕጊ ኪኸይድ ነበሮ።

ሕመረት ወይ ማእከላይ መልእኽቲ ናይ ክርስትና፡ ንስሓ እዩ። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ፡ እቲ ናይ ክርስቶስ ጸራግ መገዲ፡ እንኮ መልእኽቱ፡መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑዚብል ነበረ (ማቴ 31.2) እቲ ጥምቀቱ ድማጥምቀት ንስሓይበሃል ነበረ (ግብ 194) ጐይታና ድማ ተጠሚቝን ንኣርብዓ መዓልታት ኣብ ምድረ በዳ ብዲያብሎስ ተፈቲኑ ምስ ተመልሰ፡ ንሱውን መልእኽቱ፡ ልክዕ ከም ናይ ዮሃንስ መጥምቕ፡መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ፡ ተነስሑዚብል ኰነ። እቲ ዜገርም ኸኣ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያቱን ሰብዓን ክልተን ኣርድእቱን ኺልእኮም ከሎውን ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኣዕጢቝ ምልኣኹ እዩ።

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 1 ክሳዕ 8 ንዘሎ መዓልታትዮሃንስኢላ እትሰምዮ። ነቲ ነብያት ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ዝተነብዩሉ፡ ካብ ኣረጋውያን ወለዲ ብተኣምር ዝተወልደ፡ ብስራታዊ ገብርኤል ብዛዕባ ልደቱ ዝተዛረበሉ፡ ብልደቱ ብዙሓት ዝተሓጐስሉ፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምምጻእ ኪእውጅን መገዱ ኺጸርግን ዝተሓርየ፡ ልዑል ትጽቢትን ክቱር ትሕትናን ዝተዓደለ፡ ንመለኮት ኬጥምቕ ጸጋን ክብርን ዝተዓደለ፡ እቲ ስጉው መለኮት ብልሳኑካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ ዚዓብይ ሓደ እኳ ኣይተንሰአንኢሉ ዝመስከረሉ ቕዱስ ዮሃንስ ንምዝካር ዝዓለመ ሳምንቲ ድማ እዩ (ማቴ 117-13)

ጐይታና ነዚ መሪሕ ቃል ዝተዛረበ፡ ንህዝቢ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ይህበሉ ኣብ ዝነበረ  እዋን፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኪረክብዎን ኬዛርብዎን ኢሎም  ናብኡ መጹ። ኣብ ምልእቲ እስራኤል ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ፡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናዞረ ይምህር ስለ ዝነበረ ምስ ስድራ ቤቱ ዜሕልፎ ጊዜ ነይርዎ ኪበሃል ኣይከኣልን እዩ። መብዛሕትኦም ኣዝማዱ ብእኡን ብትምህርቱን ስለ ዘይኣመኑ፡ተጸሊሉዚብል እምነት ስለ ዝነበሮም፡ ካብቲ ዚምህረሉ ቦታ ሒዞም ኪወስድዎ ኸም ዝመጹ ወንጌላዊ ማርቆስ ኣዘንትዩልና ኣሎ (ማር 321) ሃዋርያ ዮሃንስውን ኣብቲ ጊዜ እቲ እቶም ደቂ ዮሴፍ ኣሕዋቱ ብእኡ ኸም ዘይኣመኑ ነጊሩና ኣሎ (ዮሃ 73-5) ኣብዛ እዋንዚኣ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝመጹ ግና ኣይተገልጸን። ስድራኡ ከም ዝመጹ ኺንገሮ ኸሎ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ (ማቴ 129)

ጐይታና ነቶም ሰብዓን ክልተን ኣርድእቱ በብኽልተ ድሕሪ ምምዳብ፡ እቲ ዚግባእ መምርሕን ስልጣንን ኣዕጢቝ፡መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላኢሎም ኪሰብኩ ለኣኾም። በቲ ዝተኣዘዝዎ መሰረት ተልእኾኦም ፈጺሞም ኵላቶም ናብኡ ተመልሱ። ነቲ ዝለኣኾም ጐይታ ድማ ጸብጻቦም ኪህብዎ ጀመሩ። ካብቲ ዝፈጸምዎ ተልእኾ እቲ ብዝያዳ ዝመሰጦም ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዝተመከርዎ ስልጣን ነበረ።ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና ኣለው፡ኢሎም ብሓጐስ ነገርዎ። ጐይታ ድማ፡ ነቲ ሓጐሶም ዜዕዝዝ፡ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ረኣኽዎዚብል ብስራት ነገሮም።

ጐይታና ኣብታ ተታሒዙ ዚስቀለላ ናይ መወዳእታ ፋሲካ ኣይሁድ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ጽባቐ ናይቲ ቤት መቕደስ ኬዛርብዎ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ግና ነቲ ሓሳባቶም ገና ብቓላት ከይገለጽዎ ኸለው ኣብ ልቦም ከሎ ኣስተውዒልዎ ነበረ። ከምቲ ቕዱስ ዳዊት፡ጐይታየ፡ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን ንምቕማጠይን ምትንሳአይን ትፈልጦ፡ ንሓሰበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ጐይታየ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፡ እንሆ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፡ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።ዝበሎ፡ ጐይታና ኢየሱስውን ከም ኵሉ ዚፈልጥን ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ፍጹም ኣምላኽን መጠን፡ ነቲ ኺብልዎ ዝደለዩ ሓሳብ ኣስተውዒልዎን ፈሊጥዎን ነበረ (መዝ 1391-4)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div