S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መንፈሳዊ ዑረት!

እቲ ወንጌልና ስዉር እንተ ዀነ ኸአ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ እዩ እተሰወረ። እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ።” “2ቈረ 43,4)

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ፡ ብዛዕባ እቲ ብዕውሩ ተወሊዱ እናለመነ ዚነብር ዝነበረ፡ ተፈዊሱ ድማ በቶም ፈሪሳውያን ብዙሕ ምትህልላኽ ዝገጠሞ ሰብኣይ ዜዘንትው እዩ። እዚ ሰብ እዚ ብሓጢኣቱ ወይ ብሓጢኣት ወለዱ ምኽንያት ብዕውሩ ኸም ዝተወልደ ኣብታ ኸተማ ይእመነሉ ነበረ። ጐይታ ነዚ ሰብኣይ እዚ ብምፍዋስ ነቲ ታሪኽ ኪልውጦ ንኽብሩውን ኪጥቀመሉ ፈቐደ። በቲ ዝተገብረ ተኣምር እቲ ሕሙምን እቲ ተዓዛቢ ህዝብን ተሓጐሰ፡ ኣምላኽ ድማ ብምልኣት ከበረ። ናይ ኣምላኽ ምኽባር ዜጕህዮን ዜሕምሞን ሓደ ጸላኢ ግና ኣሎ። ንሱ ኸኣ ሰይጣን እዩ። በቶም ደቀ መዛሙርቱ ፈሪሳውያን ገይሩ ድማ ነቲ ኣብቲ ዓይነ ስዉር ዝተገብረ ክብርን ግብርን ናይ ኣምላኽ ኬህስስ ተዓጥቀ።

እዞም ሰባት እዚኣቶም ከም ኵሉ ሰብ ብኣርኣያ ስላሴ እተፈጥሩ እዮም። ኣብ ሓደ ካብ ዕለት ልደቱ ኣትሒዙ ውጹዕ ዝነበረ ሰብ ዝተገብረ ምሕረት ከም ኵሉ ሰብ ኬሓጕሶም ምተገብአ ነይሩ። ብኣንጻሩ ግና፡ በቲ ዝተገብረ ሰናይ ግብርን ምሕረትን ኣዝዮም ሓዘኑ። ነቲ ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ኣሉ ኪብሎ ዘይክእል ግሁድ ተኣምር ድማ ከም ዘይተፈጸመ ገይሮም ንኼእምኑ ተላዕሉ። ንባዕሉ ነቲ ዝሓወየ ዓይነ ስዉር-ነበር ሰብን ንወለዱን ድማ ብምፍርራህ እቲ ዝተፈወሰ ሰብ ንሱ ኸም ዘይኰነ ኼረጋግጹ ፈተኑ። እንተ ዀነ ከምኡ ንምግባር ብዝጸዓሩ መጠን እቲ ተኣምር እናጐልሐ፡ ናይ ስጋዊ ዑረት ጥራይ ዘይኰነ ናይ መንፈሳዊ ዑረት ሕውየት ከም ዝተገብረውን መሊሱ ተጋህደ። ብኣንጻሩ ድማ፡ ናታቶም መንፈሳዊ ዑረት ብግሁድ ተራእየ።

ኵሉ ዓይነት ዑረት ኣዝዩ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ግናኸ ክንዲ መንፈሳዊ ዑረት ዚኸፍእ ግና የልቦን። ስጋዊ ዑረት እንተ ነውሐ ክንዲ ዕድመ ናይቲ ግዳይ እዩ ዚጸንሕ። ስጋዊ ዑረት ድማ እንተ ሓሰመ ፈጺሙ ምርኣይ እዩ ዚኸልኣካ እምበር ነቲ ዚረኣይ ነገር ለዊጡ ዘይመልክዑ ሂቡ ኣየደናግረካን እዩ። መንፈሳዊ ዑረት ግና ምርኣይ ዘይኰነ ዚኸልእሲ፡ ነቲ እትርእዮ ዘሎኻ ዘይመልክዑ ሂቡ ኣጣሚምካ ኽትርእዮ እዩ ዚገብር። እቲ ሕውየት ከም ግህሰት፡ እቲ ምሕረት ከም ዕንወት፡ እቲ ኽብሪ ከም ውርደት ኰይኑ ኸም ዚረኣየካ ብምግባር ሓጐስ ይኸልእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣንጻር እቲ ዝተገብረ ሰናይ ተኣምር ብተቓውሞ ደው ኸም እትብል እዩ ዚገብር። ንምኽፋት ኣዒንቲ ከም ክፉእ ተግባር ኪገልጽዎ እንተ ዘይደፈሩ እኳ፡ሕጊ ሰንበት ተጋሂሱብዝብል ምስምስ እቲ ተኣምር ግብሪ-ዓመጻ ከም ዝዀነ ገይሮም ኪገልጽዎ ይጋደሉ ነበሩ። ንጐይታና ሓቂ ካብ ምዝራብን ተኣምር ካብ ምግባርን ክዓግትዎ ኻብ ዘይከኣሉ፡ ነቲ ቃሉን ግብሩን ዘይትርጕሙ ብምሃብ ኬቕልልዎን ኣብ ህዝቢ ተቕባልነት ከም ዘይረክብ ኪገብርዎን ተጋደሉ። ዝበዝሕ ግዜ ኸም ናይ መወዳእታ መጣልዒቶም ብዘይ ኣገባብ ዚጥቀሙላ ዝነበሩ፡ ንሕጊ ሰንበት እያ። ሓደ እዋን ንሓደ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይን፡ ሕቘኣ ንዓሰርተው ሸሞንተ ዓመት ዝጐበጠት ሰበይትን፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ጸሎት ብሰንበት መዓልቲ ምስ ፈወሱ፡ እቶም ኣብ ሰናይ ተግባር ክፉእ ጥራይ ዚረኣዮም መንፈሳውያን ዕዉራት ኣዝዮም ተቓወምዎ። ንሱ ድማ ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን እንታዋይ ሰብ አሎ፧ ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ግዳ ኣዝዩ ኣይበልጽን፧ እምበርሲ፡ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ።” “ኣታ ግቡዝ፡ ካባካትኩምከ ዅሉ ሰብዶ ንብዕራዩ ወይስ ኣድጉ ብሰንበት ካብ ማእሰሩ ኣይፈትሖን እዩ፧ ኬስትዮስ የውርዶ ደይኰነን፧ እንሆ፡ እዛ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ ካብዚ ማእሰርቲ እዚ ብመዓልቲ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግባእን እዩ፧ብምባል፡ ንግብዝነቶም ቀሊዑ፡ ጐይታ ሰንበት ምዃኑ ኣግሃደ (ማቴ 128,11,12 ሉቃ 1315-16) መንፈሳዊ ዑረት፡ ንተግባርካ ምስ ተግባር ካልኦት ናይ ምግንዛብ ዓቕምኻ ስለ ዜዳኽሞ፡ ንርእስኻ ኣጽዲቕካ ንኻልኦት ክትኵንን እዩ ዚገብረካ። ብሕጊ ኣምላኽ ኣመኽኒኻ ንግብሪ ኣምላኽ ብምፍራስ፡ ንኣምላኽ ብገዛእ ሕጉ ኽትወቕዖ እዩ ዚቕስበካ። ኣብቲ ሰናይ ክፍእ፡ ኣብቲ ኽፉእ ድማ ጽቡቕ ከም ዚረኣየካ ብምግባር ካብ ሓቅን ክውንነትን ንሓዋሩ ዀብሊልካ ከም እትነብር ይገብረካ። ነዴና ሄዋን፡ ኣብታ ኣምላኽ ዝኸልከላ ክፍእቲ ኦም፡ ጽባቐን ጣዕምን ጥበብን ከም ዘሎ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዝሃባ ጽቡቕ ትእዛዝ ድማ ሓሶትን ተንኰልን በለጽን ከም ዘሎ ዀይኑ ምስ ተራእያ ሽዑ ኢዳ ዘርጊሓ ኣፋ ኸፊታ ንዓመጻ ተላዕለት።ክበጽሖ ወይ ኪወርደኒ ይኽእልኢላ ናብ ዘይሓሰበቶ ጸልማት ድማ ወደቐት።

ጐይታና፡ ነቶም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኵሉ ግዜ ከም ዕውራት ገይሩ ይገልጾም ነበረ (ማቴ 1514 2316,24) ኣብ ዑረት ዘሎ ሰብ ኵሉ ጊዜ እናተዓንቀፈ እዩ ዚመላለስ። መንፈሳዊ ዑረት ድማ ኣዝዩ ጠባሪ ስለ ዝዀነ፡ ትርእይ ዘሎካ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካውን ስለ ዚገብር፡ ካብኡ ናይ ምሕዋይ ድሌት ኣይተሕድርን፡ ተበግሶውን ኣይትወስድን ኢኻ። መንፈሳዊ ዑረት ዘለዎ ሰብ ካብ ንስሓ ኣዝዩ ርሑቕ ምዃኑ ኼረጋግጽ፡ ነቶም ነዚ ዓይነ ስዉር እዚ ብምፍዋሱ ዚቃወምዎ ዝነበሩ ፈሪሳውያን፥ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩበሎም። መልእኽቲ ናይቲ ቓሉ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝተረድኦም፡ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና፧ብምባል ሓተትዎ። ንሱ ድማ መንፈሳዊ ዑረት ንምንታይ ንምሕዋዩ ኸም ዜጸግም ንምግላጽ፥ዕዉራት እንተ ትዀኑስ፡ ሓጢኣት ኣይምዀነኩምን ነይሩ። ሕጂ ግና፥ ንርኢ አሎና፡ ትብሉ አሎኹም፡ ስለዚ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር (ኣሎ)ኢሉ መለሰሎም (ዮሃ 939-41) እቶም ዘይርእዩ ዝበሎም፡ እቶምከም ዘይርእዩ፡ ዕውራት ምዃኖም ዚእመኑማለት እዩ። ነዚኣቶም ከም ዚርእዩ ንምግባር እዩ ጐይታ ምእንትኦም ዝተገልጸ። እቶምዝርእዩዚበሃሉ ዘለዉ ድማ፡ እቶምዕውራት ክንሶም ይርእዩ ኸም ዘለዉጌሮም ዚሓስቡ እዮም። ጐይታ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግቡዛት ንዘለኣለም ዕውራት ኰይኖም ኪነብሩ ንፍርዶም እዩ እተላእከ። እቶም ፈሪሳውያን ኣብዚ ኻልኣይ ምድብ ከም ዚምደቡ ጹቡቕ ገይሩ ስለ ዝተረድኦም እዮም ዝሓተትዎ።ዕውራት እንተትዀኑስዝበሎም ድማዕውራት ምዃንኩም እንተ ትእመኑስንምባል እዩ። እምበኣር፡ ካብዚ ጐይታ ዝበሎ ቓል ከም እንርድኦእቶም መንፈሳዊ ዑረት ከም ዘለዎም ዚእመኑ ሰባት እቲ ዑረቶም ሓጢኣት ኣይኰኖምን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዕዉራት ምዃኖም ምእማኖም ንስሓኦም ስለ ዝዀነ፡ እቲ ምእንትኦም ዝመጸ ጐይታ ኪፍውሶም እዩ። እቶም ዕዉራት ክነሶም ዑረቶም ዘይተኣመኑ ግና፡ ዋላ እቲ ፈውሲ ጐይታ ኺፍውሶም እንተ መጸ እኳ ኣይቅበልዎን እዮም። ስለዚ ድማ ንዘለኣለም ምስ ዑረቶምን ምስቲ ዜዕሮም ሓጢኣትን ጸኒዕም ይነብሩ።

ከምቲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ተገሊጹ ዘሎ ድማ፡ እቲ ንኣእምሮን ሓሳባትን ናይቶም ጥፉኣት ዜጸልምትን ዜዕውርን ዘሎ፡ እቲ ገዛኢ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝኰነ ዲያብሎስ እዩ። ነቲ ብሓጢኣት ርእሱ ንእኡ (ንሰይጣን) ኼግዝእ ዝፈተወ ሰብ፡ ካብ ትሕቲ ግዝኣቱ ንዘለኣለም ምእንቲ ኽይወጽእ፡ ብመንፈሳዊ ዑረት ይወቕዖ እሞ፡ እቲ ኽፉእ ጽቡቕ፡ እቲ ኽፉእ ድማ ጽቡቕ ኰይኑ እናተራእዩ፡ ዕድሚኡ ምሉእ ንኣምላኽን ንሓቅታቱን እናተቓወመ ይነብር። ስለዚ እምበኣር ካብ ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ዑረት ርእስና ኽንሕልው ይግብኣና። ኣዒንት ስጋኡ ዝዓወረ ሰብ ኪወድቆ ዘይክእል ዓይነት ውድቐት ከም ዘየለ፡ ብመንፈሳዊ ዑረት ዝተጠቕዐ ሰብ ድማ ኪፍጽሞ ዘይክእል ሓጢኣት የልቦን። ልቦናኻ እንተ ዓዊሩ፡ እቲ ነውሪ ንቡር፡ እቲ ውርደት ክብረት፡ እቲ ጽድቂ ሕመቕ፡ እቲ ሓጢኣት ድማ መንፍዓት ኰይኑ እዩ ዚረኣይካ። ከምቲ ጐይታና፥ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን።ዝበሎ፡ መንፈሳዊ ርእየትካ ከየጥዓኻ ዚጥዕይ ህይወት ስለ ዘየለ፡ ንመንፈሳዊ ኣዒንትና ኽንጥንቀቐለን የድልየና (ማቴ 622,23) ድሮ ኣብ መንፈሳዊ ዑረት ወዲቕና እንተሊና ድማ፡ ሓጢኣትና ኣባና ጸኒዑ ምእንቲ ኸይነብር፡ ዑረትና ተኣሚንና፡ወዲ ዳዊት መሃረኒኢልና ንጨርሕ። ከምዚ ዝበለ ጸሎት ኣዝዩ ስለ ዜስምሮ ድማ ንሱ በቲ ፈዋሲ ምራቑ ኪፍውሰና እዩ። ምኽንያቱ ንሱ፡ ነቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ ካብ ሰማያት ዝወረደ መድሃኒት እዩ።

ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

 ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት 17 ታሕሳስ 2017 ( 8 ታሕሳስ 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 4፡2-3

ደቂቀ ዕጓለ እመሕያው እስከ ማዕዜኑ ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሓሱ ሓሰተ ኣእምሩ ከመ ተሰብሓ እግዚኣብሔር በጻድቁ

ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ክብረይስ ኰን ክሳዕ መአዝ እዩ ዚሐስር፧ ክሳዕ መአዝከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፣ ሓሶትውን ትደልዩ፧ እግዚኣብሄር ግና ነቲ ጻድቑ ኸም ዝሐረዮ፣ ፍለጡ። እግዚኣብሄር፣ ናብኡ እንተ ጠራዕኩ፣ ይሰምዕ እዩ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ቈረ 2፡1-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል፡ ዮሃ 9፡1-ፍጻሜ

1 ዮሃ 5፡1-6

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘኣትናቴዎስ

ግሃ 5፡34-ፍጻሜ

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div