S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ናይዚ ዕለት እዚ ንባብ ወንጌል፡ ካብቲ ኣብ ወንጌል፡ ማቴ 6 ፍቕዲ 24 ተጠቒሱ ዘሎ፡ ንኽልተ ጐይታት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈትው። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኰነልኩምን እዩዚብል ሓሳብ እዩ ዚብገስ። እቲ ገንዘብ ዝጐይታኡ ሰብ፡ ብዛዕባ ዚምገቦን ዚኽደኖን እዩ ዚጭነቕ። እቲ ኣምላኽ ዝጐይታኡ ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ደኣ ይሓልይን ይግደስን እምበር ብዛዕባ ስጋዊ ድልየታቱ ኣይጭነቕን እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና ንሓደ ጐይታ ጥራይ ምግዛእ ዕሽነት ኰይኑ ተሰሚዕዎም፡ ብሓንሳእ ንኽልተ ተጻረርቲ ጐይቶት ኣብ ሓደ ሰብነት ኬአንግዱ ዚደልዩ ሰባት ምብዛሖም እዩ።

እዚ ናይ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ምስላ ሓረስቶት ኣታኽልቲ ወይኒተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እቲ ዋና እቲ ኣታኽልቲ ነቲ ሕርሻ ዜድልይ ኵሉ ድሕሪ ምድላው፡ ነቲ ኣታኽልቱ ዚከናኸኑ ሓረስቶት ረኺቡ፡ ብመገስ ሂብዎም ናብ መገሻኡ ኸደ።  መገስ ማለት ርብዒ ሲሶ ወይ ፍርቂ ናይቲ እቶት እናወሰዱ ኼገግልዎ ዚግበር ስምምዕ ማለት እዩ። እቲ ወይኒ ፍረ ዚህበሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ፡ ነቲ ብጽሒቱ ኼምጽኡሉ ባሮቱ እንተ ለኣኸ፡ እቶም ሓረስቶት ግና ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቶም ኪገብርዎ ስለ ዝደለዪ፡ ነቶም ልኡኻት ንገሊኦም ወቒዖም ስጐጕዎም ንገሊኣቶም ድማ ቀተልዎም። እቲ በዓል ኣታኽልቲ፡ንወደይሲ ይሓፍርዎ ግዲ ይዀኑኢሉ እንተ ለኣኾ ድማ፡ እቲ ርስቲ ንሓዋሩ ናታቶም ኪኸውን ኢሎም፡እዚ እቲ ወራሲ እዩ።

ኣብቲ መስከረም 30 ዝነበረ ሰንበት፡መስቀል የልዕል እሞ ይስዓበኒዚብል ኣርእስቲ ምርኣይና ዚዝከር እዩ። ጐይታ ኣስዕብ ኣቢሉ መስቀልና ኣልዒልና ኽንስዕቦ ዘድለየሉ ምኽንያት ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ንሱ ድማ፡እቲ ንነፍሱ (ባዕሉ) ኼድሕና ዚደልይ ኬጥፍኣ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና ኬድሕናምዃኑ ዚገልጽ እዩ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣዝዩ ረቂቕ ብምዃኑ ብቐሊሉ ክትርድኦ ስለ ዜጸግም ምስቲ ዓውደ ንባብ ኣገናዚብካ ምርኣይ ዜድልዮ እዩ። እታ ነዚ ምስጢር እዚ ኽንርድኦ እተኽእለና፡ እታ ኣብ ፍቕዲ 923 ተጠቒሳ ዘላ፡ዝዀነ ሰብ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ፡ (እንተሎ) ገዛእ ርእሱ ይኽሓድ (ይቕበጽ) መዓልቲ መዓልቲውን መስቀሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒእትብል ሃይለ ቃል እያ።

ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያንና ኣብዚ ለይቲ እዚ ኺዝምርዎ ዝሓደሩ መዝሙር፡ወመኑ መሓሪ ዘከማከዚብል እዩ።ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን ኣሎዚብል ትርጉም ዘለዎ ኸኣ እዩ።ጐይታናውን ኣብቲ ዝተነበበልና ንባብ ውንጌል፡ ነቶም ንሰብ ምፍራድን ምዅናንን እምበር ካልእ ጥበብ ዘይነበሮም ፈሪሳውያን፡ምሕረት እፈትው፡ መስዋእቲ ኣይኰነንዚብል ሃይለ ቃል ከም ዝተዛረቦም ተጻሒፉልና ኣሎ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብዕለት ጥቅምቲ 7, 2018 “ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ኣብ ማቴ 625-34 መሰረት ብምግባር ከም ዝተመሃርናን፡ ናይ ጭንቀት ዓብይ መድሓኒት ድማ፡ቀዳምነት ሂብካ ንመንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ምድላይምዃኑ ምድምዳምናን ዝዝከር እዩ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ግና ብኸመይ ኢኻ እትደልያ፧ ዝጠፍአት ዕንቁ ምድረ-ቤት ገዛኻ ኰስቲርካ፡ ዝጠፍአት በጊዕ ኣብ ሩባን ኵርባን  ኰሊልካ ኢኻ ትደልያ። ድልያ መንግስቲ ኣምላኽ ግና ብኸምዚ ዝተጠቕሰ መገዲ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብአቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 26 ክሳብ ሕዳር 5 ንዘሎ ቕንያትዘውእቱ ኣባ ዮሐኒ ዘጽጌ”  ኢላ ትጽውዖ። ንሎሚ እምበኣር ከም ፍቃድ ኣምላኽ ካብዚ ናይ ቅዳሴ ንባብ ወንጌል ማቴ 633,34 ተበጊስና ክንመሃር ኢና። ጐይታ ኣብ ወንጌል ካብ ዝመሃሮ ማእለያ ዘይብሉን ዓበይትን ትምህርትታት፡ ንዕለታዊ ናብራን ኵለንተናዊ ዅነታትን ናይ ወዲ ሰብ ዚጸልው ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዚዳረግ ኣሎ ኽትብል ኣጸጋሚ እዩ።

“... ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዐበኒ።ማር 834

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብአቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 16 ክሳብ 25 ንዘሎ ቕንያትመስቀልኢላ ትጽውዖ። ነቲ ንግስቲ ኢለኒ ነቲ ጐይታ ዝተሰቕለሉ፡ ኣይሁድ ግና አዕሚቘም ዝቐበርዎ መስቀል ዝረኸበትሉ መዓልቲ ዚዝከረሉ መዓልቲ ዘጠቓለለ፡ ብዓብዩ ግን ነቲ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መስቀል ዝተፈጸመ ድሕነት ክንዝክርን ነቲ ናትና መስቀል አብ ጸጽባሕ ነልዕሎ ምህላውናን ዘይምህላውናን ኽንምርምርን ዝተሰርዓላና ቕንያት ድማ እዩ።

እዚ ሰንበት በዓል ደብረ ታቦር እንዝክረሉ መዓልቲ እዩ። ደብረ ታቦር ጐይታና ካብቲ ኣዘውቲሩ ዝኸዶ ዝነበረ ኣኽራናት ሓደ እዩ። ኣብ ሳድሳይ መዓልቲ ናይቲ ኢየሱስ ንሱ እቲ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃኑ ርእሱ ዝገለጸሉ መዓልቲ (ማቴ 1616) ንሰለስተ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ንጴጥሮስ፡ ያእቆብን ዮሃንስ ሒዙ ናብዚ ኸረን እዚ ደየበ። ኣብኡ ድማ ቅድሚ ሕጂ ርእዮሞ ዘይፈልጡ ትርኢት ረኣዩ። ጐይታኦም ዘንጸባርቕ ግርማን ክብሪን ለቢሱ ምስቶም ዓብይቲ ዝሓለፉ ነብያት ሙሴን ኤልያስን ክዘራረብ፡ ካብ ሰማይ ድማ ብእኡ ዝሰመርኹ ፍቁር ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ ኢሉ ዝምስኽር ድምጺ ሰምዑ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div