S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጾመ ነብያት

እዚ ኣቲናዮ ዘሎና ቅንያት ጾመ፡ ጾመ ነብያት ይብሃል። ክሳብ ልደት ጐይታና ድማ ይቕጽል። እዚ ናይ ጾም እዋን፡ ከምቲ ኵሎም ነብያትን ነገስታትን ምውላድ ናይቲ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ዝተጸበዩን ዚናፈቑን፡ ንሕናውን ኣብዚ ትጽቢት እዚ እንሳተፈሉ ናይ ጾም ግዜ እዩ።

ከምቲ ጐይታና ዝመሃረና፡ እዞም ነብያትን ነገስታትን፡ ምፍጻም ናይቲ ዝተዋህቦም ተስፋ፡ ንሳቶም ድማ ብዛዕብኡ ዝተነበዩ ፍጻሜ፡ እናተጸበዩ ሓለፉ። ንሕና ግና ኣዒንትና ዝርእያ ኣእዛንና ድማ ዝሰምዓ ብጹኣት ኢና። ነቲ ኣኣብ ዓመት እንዝክሮ ናይ ጐይታና ምስጋው (ስጋ ምልባስ) ብኸምዚ ዝበለ ናፍቖትን ሃረርታን፡ ብጾምን ጾሎትን ክንቀባበሎ ቤተ ክርስትያን ምስራዓ ድማ ዓቢ ነገር እዩ። እቲ ካብዚ ጾም እንጽበዮ በረኸትን ጸጋን መታን ክንረኽቦ እቲ ክህልወና ዘለዎ ትኽክለኛ ምርዳእ እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ክንርእይ ክንፍትን ኢና።

ንምዃኑ ጾም እንታይ እዩ፧ ኣብቲ መንፈሳዊ ህይወትና ዘለዎ ተራከ እንታይ እዩ፧ ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ከይመለስካ ብዛዕባ ኣብ ናይ ጾም እዋን ክንጽበዮ ዘሎና በረኸታት ክንዛረብ ከም ዘይንኽእል ርዱእ እዩ። ኣብ እስራኤላዉያን ጾም ኣዝዩ ዝዉቱር ነገር ነበረ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስናጾምዝብል ቃል ኣብቲ ናይ ኦሪት መጻሕፍቲ ተጠቒሱ ኣይንረኽቦን ኢና። እታ ናይ መጀመርታጾምእትብል ቃል ኣብ መሳ 2026 እያ እትርከብ። እንተ ዀነ ኣብ ዘሌ 1629-31 ዘሌ 2327-32 “ነፍስኻ ምሕሳእዝብል ቃል ንጾም ዝምልከት ምዃኑ ግሉጽ እዩ። ምኽንያቱ ዳዊትንነፍሰይ ብጾም ኣሕሳእክዋኢሉ ኣብ መዝ 3513 ጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ዘመን ነህምያውን ሓፈሻዊ ዝዀነ ናይ ህዝቢ ጾም ተኣዊጁ ከም ዝነበረ ንርኢ (ነህ 773 ነህ 938) ብዘይካ እዚ ጾም እዚ፡ እስራኤላዉያን ኣብ ምርኮ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ካልኦት ኣርባዕተ ጾማት ወሲኾሙሉ ነበሩ (ዘካ 73-5 ዘካ 819) ደሓር ከኣ ፈሪሳዉያን ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ ምጻም ሓጊጎም ነበሩ (ሰኑይን ሓሙስን) ኣብዚ ሎሚ ዘመን ኣይሁዳዉያን ዕስራን ክልተን (22) ናይ ጾም ጊዜታት ኣለዎም። ስለዚ ኣብዚ ዅሉ ናይ ጾም ጊዜኦም ንኣምላኽ ኢሎም ዘይኰነስ ብሰብ ኽረኣዩ ኢሎም ይጸሙ ብምንባሮም፡ ነቲ ጾሞም ከንቱ ይገብርዎ ነበሩ። ዓስቦም ከኣ ናእዳ ሰብ ኰይኑ ይተርፍ። ስለዚ ክትጸዉም ከሎኻ ጸዋማይ ምዃንካ ሰብ ከይፈልጥ፡ እቶም ኣብ ስጋ ዘለዉ ናይ ምሕሳእ ምልክታት ኵሎም ከተጥፍኦም የድሊ። ፈሪሳዉያን ሰብ ምእንቲ ክርእየሎም ገጾም ምሕጻብ ይገድፍዎ፡ ዘይቲውን ኣይልከዩን ነበሩ። ከምቲ ኣብ ኢሳ 581-2 ተጠቒሱ እንረኽቦ ኣብ ርእስኻ ሓሙኽሽቲ ምንስናስ መንጸፍካ ኣብ ክሻ ምግባር፡ ርእስኻ ምድናን ካብቶም ጸዋማይ ምዃንካ ንምግላጽ ዚግበሩ ነገራት እዮም ነይሮም። እዚ ግን ክንገብሮ ከም ዘይብልና ጐይታ ሓቢሩ። ነቲ ብሕቡእ ዝገበርናዮ ብግህዶ ንምኽሓስ ተዳልዩ ከም ዘሎ ንርዳእ (ቆሎ 323-24 2ሳሙ 1212)

ክርስቶስ ንፈተና ዝገጥሞ ብቓልን ብጸሎትን ጥራይ ዘይኰነስ ብጾም ከኣ እዩ። ስለዚ ጾም ኣብ ፈተና ንምዕዋት ካብ ዝረድኡ ኣጽዋር ሓደ እዩ። ንኣጋንንቲ መሊኽኻ ኣብ ምዉጻእ ጾምን ጸሎትን ኣድላዩ ምዃኑ ጐይታ ምሂሩና እዩ (ማቴ 1721) ነቲ ኣባና ዝተመደበ ቁጠዓ ኣምላኽ ከነርሕቕ ከኣ ብንስሓ ክንጸዉም ይከኣል (2ሳሙ 1216-18 ዮና 37) ብዛዕባ ጾም ግጉይ ዝዀነ ምርዳእ ምስ ዝህልወና ጾምና ከንቱ ይኸውን (ኢሳ 581-12 ሉቃ 1812) እግዚኣብሄር ዝሕጐሰሉ ጾም እንታይ ከም ዝመስል ቃሉ ብንጹር ይነግረና እዩ (ኢሳ 586-9 ያእ 127) ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ንሱ ምስ ተፈልዮም ክሳዕ ዝምለሶም ከም ዝጸሙ ተዛሪቡ (ማር 220) ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን እቶም ኣመንቲ ብጾምን ጸሎትን ይነብሩ ከም ዝነበሩን ንኣገልገልቲ ድማ ናብ ኣገልግሎት ብጾምን ብጸሎትን የፋንዉዎም ከም ዝነበሩን ንርኢ (ግብ 132-3) ኣገልገልቲ ምስ ሓረዩ ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ብጾምን ጸሎትን የማዕቁብዎ ነበሩ (ግብ 1423) እቲ ብጾምን ጸሎትን ዝነብር ዝነበረ ጻድቕ ቆርኔሌዎስ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ሞጎስ ከም ዝረኸበ ንርኢ (ግብ 1030) ሃዋርያ ጳዉሎስ ብጾም ካብ ዝፍለጡ ሰባት ሓደ እዩ (2ቈረ 65 2ቈረ 1127) ካልኦት ናይ ምጻም ኣብነታት ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ክንረክብ ንኽእል ኢና (1ነገ 198 መዝ 3513 መዝ 6910 ኤር 1412 ዮኤ 114 ዮኤ 212 ማቴ 215 1ሳሙ 76 1ሳሙ 2034 1ሳሙ 2820 2ሳሙ 335 2ሳሙ 1216 1ነገ 2127 1ዜና 1012 እዝ 106 ዳን 618 ዳን 103 ግብ 99 ግብ 2733)

ክሳብ ሕጂ፡ ብዛዕባ ጾም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ድሕረ ባይታ ክንድህስስ ፈቲንና ኣሎና። እቲ ቀንዲ ናይ ጾምና ዕላማ ገዛእ ርእስና እዩ። እዚ ማለት ድማ ጾም ንርእስና እነሕስኣሉ፡ ርእስና እንቐጽዓሉ፡ ርእስና እነዋርደሉ፡ ርእስና ትሕት እነብለሉ መገዲ እዩ። ኣድላይነት ናይዚ ከምዚ ዝበለ ምትሓት ርእስካ ግና እንታይ እዩ፧ እቲ ንስጋና ብጾም ክነሰቕዮን ክነግዝኦን ዘድልየና ምኽንያት እንታይ እዩ፧ ብሓቂ እቲ መልሲ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ጉዳዩ ምስ ትሑታት ስለ ዝኹነ። እግዚኣብሄር ጉዳዩ ምስ ልቢ እዩ። ነዚ ድማ እዩወደየ ልብካ ሃበኒእትብል ዘይተቛርጽ ሕቶ ዝሓተና። ኣምላኽ ኣብ ልዑልን ዕዙዝን ስፍራ ይነብር፡ ግናኸ ንልቢ ትሑታት ልዕል ምእንቲ ከብሎ፡ ምስቲ ትሑትን ድቑስን ልቢ ዘለዎ ሰብ ዝነብር ኣምላኽ እዩ (ኢሳ 5715) ስለዚ እግዚኣብሄር ዝብህጎ ትሑት ልቢ እዩ። ጾምና እምበኣር ከም ሰልሰላ ርእስካ ካብ ምድናን ሓሊፉ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝብህጎ ትሑት ልቢ እንተ ዘይፈርዩልና ሽቶኡ ዘይወቐዕ ከንቱ ዀይኑ ኣሎ ማለት እዩ። ጾምና ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ዘለዎ ተራ እምበኣር እዚ እዩ፥ ኣምላኽ ምስኡ ጉዳይ ክይልዎ ዝብህጎ ትሑት ልቢ ዝፈጥረልና ምዃኑ እዩ።

እቲ ኩነታት ኣወላልዳ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዳህሲስና እንዕዘቦ ኣሰራርሓ ኣምላኽ ነዚ ክንጠቕሶ ዝጸናሕና፡ ነቲ ትሑት ዝዀነ ኵሉ ዝመርጽ ምዃኑ እዩ። ካብታ ዝተወልደላ ቁሸት ጀሚርካ ክሳብ እቶም ብስራቱ ክምስክሩን ክእውጁን ዝመረጾምን ጓሶት፡ ንምርጫ ኣምላኽ ዘጉልሕ እዩ። ነብዪ ሚክያስ ብዛዕባ ቤተ ልሄም ቦታ ልደት ጐይታና ከምዚ እሉ ተነበየ፥ግናኸ፣ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፣ እቲ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ፣ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኸወጸለይ እዩ።” (ሚክ 52) ኣብ ይሁዳ ብዕብየተንን ብግርማአንን ኣዝየን ዝበለጻ ከተማታት ኣይተሳእናን። እንተዀነ ኣምላኽ፡ ነዚ ዓብዪ ምስጢር ምስጋዉ ዝፍጸመላ ቦታ፡ ነዛ ዝነኣሰት ቤተ ልሄም መረጸ። መዕረፊ ኣጋይሽ ተሳኢኑ ድማ ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ። ሊቀ ካህናትን መማህራንን ኣብ መንበሮም ኾፍ ኢሎም ከለዉ፡ እቲ ብስራት ነቶም ናይ ሕብረተሰብ ዝተሓተ ደረጃ ዝነበሮም ጓሶት ብቐዳምነት ወዋህበ። ዘገርም ኣሰራርሓ ኣምላኽ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ናይ ኣምላኽ ኣሰራርሓ ብኸምዚ ጽቡቕ ጌሩ ገሊጹልና ኣሎ።ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፡ ካብ ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ። ኣሕዋተየ፡ ኣብቲ ጽውዓኹም እሞ ተመልከቱ ብዙሓት ብስጋ ለባማት፡ ብዙሓት ስልጡናት፡ ብዙሓት ጭዋታት ኣይተጸውዑን። ኣምላኽ ግና፡ ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ። ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕውን፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣነ ገለ እየ፡ ዚብል ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነን ሐረየ።” (1ቈረ 125-29)

እሞ በዚ ብጾመ ነብያት ልደት ጐይታና እንጸባብየሉ ግዜ ክንረኽቦ ሃረር እንብሎ ጸጋ እንታይ እዩ፧ ከምቲ ናይ ነብያት ክርስቶስ ብስጋ ንክውለድ ከም ዘይዀነ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ፍጻሜ እዚ፡ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ዝተፈጸመ ዘይድገም ፍጻሜ እዩ። እንተዀነ፡ ሓደ ኵሉ ሳዕ ክንጽበዮ ዝግብኣና ልደት ኣሎ። ንሱ ድማ ናይ ጐይታና ምውላድ ኣብ ልብና። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን፥ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድርእጽሊ ኣሎኹ ይብሎም (ኤፌ 317) እዚ ጸሎት እዚ ኵሉ ሳዕ፡ ብፍላይ ድማ በዚ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንጸባበየሉ ዘሎና ግዜ፡ ክንጽልዮ ዝግብኣና ዓቢ ጸሎት እዩ። ምኽንያቱ፡ ብዘይ ናይ ክርስቶስ ኣብ ልብና ምሕዳር ክህልወና ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ክርስትያናዊ ህይወት የልቦን። ነገሩ ከምቲ ጐይታ ባዕሉ ዝመሃረና፡ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹምእዩ (ዮሃ 155) ንሕናውን ከም ኣቦና ዘማራይ ዳዊትንእግዚኣብሄር፣ ንስኻ ጐይታይ ኢኻ፣ ብዘይ ንስኻስ ሰናይ የብለይን፣ ኢለዮ።ዝበሎ ኢልና፡ ንሱ ኣብ ልብና ክሓድር ብጾሎትን ኣብ ቅድሚኡ ክንቐርብ ይግብኣና (መዝ 162) ከምቲ ብኣፍ ነብዪ ኢሳያስ ጌይሩ ዝገለጸልና ድማ ንሱ ክሓድረሉ ዝመርጽ ልቢ ድማ እቲ ትሑትን ድቑስን ልቢ እዩ። እቲ ባዕሉ ልበይ ትሑት እዩ ኢሉ መንነቱ ዝገለጸ ጐይታ፡ ንሱ ዝሓድረሉ ልቢ ድማ ትሑት ልቢ ክኸውን ክደሊ ናይ ግድነት እዩ። ነዚ ድማ ኢና ኣብ ቕድሚኡ ብትሕትና ምእንቲ ክንርከብ ርእስና ብጾም ትሕት ክነብላ ዚግብኣና። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ትሑት፡ ብቓሉ ድማ ዝርዕድ ልቢ፡ ኣቦን ወድን ከም ዝመጹሞ ኣብኡ ማሕደር ከም ዝገብሩ ጐይታ ኣረጋጊጹ ኣሎ (ዮሃ 1423)

እቲ ክርስቶስ ብእምነት ኣብ ልቡ ዝሃደረ ሰብ፡ ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ሱር ሰዲዱ ተሰሪቱ፡ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ምግፍሓን ምዕማቛን ቍመታን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ይኽእል (ኤፈ 317-18) ክርስቶስ ኣብኡ ስለ ዝነብር ድማ፡ ህይወቱ ንክርስቶስ እናመሰለ ካብ ክብሪ ናብ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያ ጐይትኡ ይልወጥ፡ በዚ ድማ እቲ ኣምላኽ ንዕኡ ዝመደበሉ ንምስሊ ወዱ ናይ ምምሳል መደብ ኽውን ይኸውን (ሮሜ 829 2ቈረ 317)

ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

 ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት ታሕሳስ 3, 2017  (ሕዳር 24, 2010 ግእዝ) 

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 34፡5-6

ቅረቡ ኅቤሁ ወያበርህ ለክሙ። ወኢይትኅፈር ገጽክሙ። ዝንቱ ነዳይ ጸርሐ እግዚኣብሔር ሰምዖ።

ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፣ እግዚኣብሄርውን ሰምዖ፣ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

እብ 12፡25-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል፡ ማቴ 8፡23-ፍጻሜ

ያእ 3፡4-13

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘእግዚእነ (ምኣኵተከ)

ግሃ 21፡27-ፍጻሜ

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div