S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እግዚኣብሔር ኣቦ ዝሰመረሉ ውሉድ!

እዚ ሰንበት እዚ ንበዓል ጥምቀት ጐይታና ዝምልከት መልእኽቲ እነመሓላልፈሉ መዓልቲ እዩ። ጐይታና ከም ኵሉ ሰብ ምስ ዓበየ፡ ንእስራኤል ክገሃድ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ናይ ንስሓ ጥም ክሰብኽ ጀመረ። ስለዚ ጥምቀት ክርስቶስ ምስ ሕብረት ኣቦን መንፈ ቅዱስን ንህዝቡ ዝተጋህደሉ (ዝተገልጸሉ) ፍጻሜ እዩ።

ኣብቲ ናይ ወንጌል ጸብጻብ እንተ ተመልኪትና፡ ካብቲ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ጐይታና ነቲ ናይ ብስራቱን ልደቱን ታሪካት ገዲፍካ፡ ብዛዕባ ቑልዕነቱን ብጽሕንኡን ዝትርኽ ብዙሕ ዘይብሉ ምዃኑ እዩ። እቶም ወንጌላውያን፡ ከም ጽማቕ ናይዚ ግዜ እዚኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየኢሎም እስፊሮሞ ኣለዉ (ሉቃ 252) እቲ ዝዓበየ ናይ ወንጌል ትሕዝቶ፡ ነቲ ካብዛ ፍጻሜ ንድሓር ዘሎ ናይ ጐይታና ታሪኽ ዝትርኽ ዀይኑ ኢና እንረኽቦ። እቲ እዚ ታሪኽ ዝሽፍኖ ንውሓት ግዜ (ማለት 3 ዓመት) ምስቲ ብዙሕ ዘይተዘርበሉ ግዜ (ከባቢ 30 ዓመት) ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ንኡስ እዩ። እንተዀነ ኣብዚ ናይ ምግሃድ (ምግላጽ) ግዜ ይፍጸም ስለ ዘሎ፡ ብብዝሑ ይኹነ ብዓይነቱ መዳርግቲ ዘይብሉ ዀይኑ ኢና እንረኽቦ። ዮሃንስ ድማ ነዛ ፍጻሜ እዚኣ ንምእንጋድ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ነብዪ ነበረ። ከምቲ ዮሃንስኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን፡ ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ።ኢሉ ዝተኣመኖ፡ ናይ ኣገልግሎቱ ናይ መጨረሻ ዕላማ፡ ነቶም ብመገዲ ጥምቀት ንስሓ ንምቕባል መንግስቲ ኣምላኽ ከዳልዎም ዝጸንሐ ህዝቢ፡ ምስቲ ናይ ትጽቢቶም መፈጸምታ፡ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ምግላጽ ዝዀነ ክርስቶስ ከራክቦም ነበረ (የሃ 131) ስለዚ ጥምቀት ጐይታና፡ እቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ ምድሓን ንህዝቡ ብወግዒ ዝተገልጸሉ ፍጻሜ ብምዃኑ፡ ዓብይ ርዝነት ዘለዎ ፍጻሜ እዩ። ርዝነት እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ፡ እቲ ክሳብ እዚ እዋን ዘይተጋህደ ኢየሱስ ከም ክርስቶስ ምግሃዱ ጥራይ ዘይዀነስ ሕብረት ስላሴ ብስምረት ዝተገልጽሉ ፍጻሜ ብምዃኑውን እዩ።

ዮሃንስ ንክርስቶስ፡ እቲ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ ጥምቀት ንስሓ ክጥመቕ ናብኡ ክመጽእ ክርእዮ ከሎ ከም ዝኸብዶ ርዱእ እዩ። የግዳስ ዮሃንስ ንርእሱ ብኢየሱስ ክጥመቕ እዩ ዝብህግ ዝነበረ። ሓጢኣት ዜብሉ ሰብ ጥምቀት ንስሓ ክጥመቕ ኣየድልዮን ነበረ። ግን ክርስቶስ እዚ ጥምቀት እዚ ዘየድልዮ እኳ እንተነበረ፡ ንኣርኣያ ሰዓብቱ ክብል ፈጺምዎ እዩ።ኲሉ ጽድቂ ክንፍጽም ይግብኣናእዩ ኢሉ መሊሱ። ብምጥማቑ ዘይኰነስ፡ ንሰባት ኵሉ ጥዒሙ ብምሃቡ፡ ጽድቁ ኽገልጽ እዩ። ስለዚ ዮሃንስ ዕላማ ጥምቀት ናይ ክርስቶስ ምስ ተረደአ፡ ፍቓደኛ ኰይኑ ኣጥመቖ። ክርስቶስ ጥምቀት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ግዝረትን ምኽፋል ግብርን ዝኣመሰሉ ኻልኦት ሕግታትውን ፈጺሙ እዩ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ክንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ (2ቈረ 521)

ክርስቶስ እናተጠምቀ ከሎ ሰማያት ከም ዝተኸፈተ፡ እቲ ጽሑፍ ይሕብረና። ሰማያት ዝኽፈትን ዝዕጾን ነገር ኣይኰነን። ግንሰማያት ተኸፍተክብለና ከሎ፡ ካብ ሰማይ ገለ ነገር ከም ዝወጸ እዩ ዝሕብረና ዘሎ (2ነገ 72 ህዝ 11 ሚል 310 ዘፍ 711 ዮሃ 151 ግብ 756 ግብ 1011 ራእ 41 ራእ 1911) ሕጂ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ወረደ። ብኣምሳል ርግቢ ድማ ተራእየ። መንፈስ ኣምላኽ ብቕብኣት (1ዮሃ 220,27) ብሓዊ (ግብ 24) ይምሰል እዩ። ኣብዚ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ክርስቶስ ዝወረደ፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ምልኪ ክህቦ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዕዮኡ ንኽሓብሮ እዩ ዝተወሃቦ (ኢሳ 112 ኢሳ 421 መዝ 27)

እግዚኣብሄር ኣቦ ከኣ ካብ ሰማያት ቃል ምስክር ሃቦ። መንፈስ ቅዱስን እግዚኣብሄር ኣቦን ብሓደ ተገለጹ፡ ማለት ምልኣት ስላሴ ብንጹር ተጋህደ። ከምቲ ኣብ ጽንሱ፡ ከምኡ ኣብ ጥምቀቱ ክገሃድ ንርኢ። እግዚኣብሄር ኣቦ ከኣ፡ ብወዱ ብክርስቶስ ከም ዝሰመረ መስከረ። ኣብዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ብዙሕ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብወዱ ከም ዝሰመረ ገሊጹ እዩ (ኢሳ 421 ማቴ 1125-26 ማቴ 1218 ማቴ 175 ማር 97 ሉቃ 935 2ጴጥ 117) እዚ እዋን እዚ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዝተረጋገጸሉ ኣጋጣሚ እውን ነበረ (መዝ 27 ማቴ 1616 ማር 311 ሉቃ 135 ሉቃ 2270 ዮሃ 134,49 ዮሃ 429 ዮሃ 525 ዮሃ 669፣ግብ 920 ግብ 1313 ሮሜ 14 እብ 11-5 እብ 55 2ጴጥ 117-18 1ዮሃ 510-13,20 ራእ 218)

ብጥምቀት ዝተጋህደ ነገር ብዙሕ እዩ። ቀዳማይ እቲ ኣምላኽ ቕድሚ ዘመናት ንምድሓንና ዘዳለዎ መገዲ ናብ ፍጻሜ ዝኣትወሉ ግዜ ከም ዝበጽሐ ምብሳሩ እዩ። ኵሎም ነብያት ነዛ መዓልቲ ናፈቑ። እቶም ብመንፈስ ቅዱስ፡ ኣቀዲሙ ብህጻንነቱ መንነቱ ዝተገልጸሎም ሰባት ዝረኸብዎ ዕግበት ከመይ ከም ዝነበረውን ተጻሒፉልና ኣሎ። ስምኦን ነቲ ክግዘር ዝመጸ ህጻን ኢየሱስ ኣብ ኣእዳዉ ምስ ሓቖፎ፡ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ።ይብለና (ሉቃ 229-32) ሕጂ በዚ ናይ ጥምቀት መዓልቲ እዚ ሓቂ እዚ ንዅሉ ሰብ ብግህዶ ተገህደ።

ካልኣይ፡ እዛ ክርስቶስ ተገሊጹ ዝኸዳ ዘሎ ናይ መስዋእቲ ጉዕዞ ሕብረት ናይ ስላሴ ዘለዋ መገዲ ምዃኑ ተጋህደ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ነቲ ጉዳይ ኣቦ ካብ ሰማይ ድምጹ ብምስማዕ መንፈስ ቅዱስ ድማ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ብምውራድ ተገልጹ። ኣብ ዝሰዓበ ህይወት ክርስቶስ ድማ ሕብረት ኣብን መንፈስ ቅዱስን ካብኡ ከም ዘይተፈልየ ይገልጽ ነበረ (ዮሃ 816 ዮሃ 1030)

ሳልሳይ፡ ክርስቶስ ንምድሓንና ዝኸውን ቅቡል ዕዩ ክፍጽም ዝተሓርየ ቅቡእ ምዃኑ ተገልጸ። ኣቦ ከም ኣካል ስላሴ ኣብ ዕዮ ክርስቶስ ምሕባሩ ጥራይ ዘይዀነ፡ ከም ፈራዲ ኵሉ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብቑዕን ቅቡልን ናይ ምድሓን ስራሕ ዝሰርሕ እሙን ውሉድ ምዃኑ መስከረሉ።ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩኢሉ መስከረሉ። እዚ ምስክርነት እዚ ካልኣይ ግዜ ኣብ ምግላጽ ደብረ ታቦር ከም ዝተደግመውን ንርእይ ኢና። እዚ ከምዚ ዝበለ ዝተነጻጸረ ምስክርነት ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ክርስቶስ ጥራይ ከም ዝመጸ ኢና እንርእዮ። እዚ ከምዚ ዝበለ ምስክርነት እዚ ዘርእየና ድማ ንኣቦ ከም ክርስቶስ ጌሩ ከስምሮ ዝኽል ከም ዘየለ እዩ። እዚ ድማ፡ እቲ ንሱ ምእንታና ንዝገብሮ ናይ ምድሓን ስራሕ ክሳብ ክንደይ ዘተኣማምን ምዃኑ ዝድርዕ ሓቂ ዀይኑ ኢና ንረኽቦ። ስለዚ እዩ ኣቦ ኣብቲ ምስክርነቱ ንዕኡ ስምዕዎ ብምባል ተወሳኺ፡ ልብና ኣውዲቕና ንሱ ንዝብለና ኵሉ ክንሰምዖን ክንኣምኖን ዝኣዘዘና።

ራብዓይ፡ ንሱ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ ምዃኑ ተገጸ። እዚ ምስክርነት ናይቲ ምግላጽ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸበ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ እዩ። ንሱ ንንስሓ ብማይ እናጥመቐ መጸ። ናይ ጥምቀት ኣገግሎቱ ንስሓ ምሃብ እምበር ሕድገት ወይ ምርሓቕ ሓጢኣት ከምጽእ ብቕዓት ከም ዘይብሉ ይፈልጥ እዩ። ናይ ክርስቶስ ብቅዓት ግና፡ ንናይ ደቂ ሰባት ናይ ህይወት ጸገም (ሓጢኣት) ናይ ሓዋሩ ፍታሕ ክገብር ዝኽእል እዩ። ብመስዋእቱ፡ ብምፍሳስ ደሙ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ብምሕረት ኣምላኽ እናተከድነ ጥራይ ዝኸይድ ዝነበረ ሓጢኣት ዘርሕቕ ዀይኑ ተረኽበ። ነዚ ሓቂ እዚ ናይ እብራውያን ጸሓፊ ብከምዚ ይገጾ፥ስለዚ ደም ድቤላታትን ኣራውሕን ሓመዅስቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረከሱ ተነጺጉ ንምጽራይ ስጋ ዚቕደስ ካብ ኰነስ፡ ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስካትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ።” (እብ 913-14)

ስለዚ በዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ነቲ እዚ መዓልቲ በዓልና ዓቚርዎ ዘሎ ትርጉማት ብምስትንታን፡ ንደገፍ እምነትናን፡ ንኣምላኽ ስለቲ ዘገርም ተግባራቱ እነመስግነሉ ምኽንያት ክንጥቀመሉ ይግብኣና። ኣምላኽ ኣውደኣመትና ይባርኽ። ክብሪ ንኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ሎምን ኵሉ ሳዕን ይኹን ኣሜን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥   ሰንበት 13 ጥሪ 2017            (13 ጥሪ 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 847

እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ። ወየሓውር ኣምኃይል ውስተ ኃይል። ያስተርኢ ኣምላ ኣማልክት በጽዮን።

 ጓሳ እስራኤል፣ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፣ ኣታ አብ ልዕሊኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

እብ 21-11

ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 21-14

1ዮሃ 51-13

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም

ግሃ 10፡34-ፍጻሜ

ንፍቀ ካህን 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div