S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እሙን ኣምበሳደር ክርስቶስ ዲኻ ?

ክርስቶስ ማለት ክቡር ኢየሱስ ድማ ፈውሲ ማለት እዩ። እምበኣር ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት ክቡር ጎይታ ሰማይን ምድርን ፈውሲ ኩሉ ፍጡርን ማለት እዩ። ትእዛዝ ክርስቶስ ዝፍጽምን ኣሰሩ ዝስዕብን ድማ ክርስቲያን ይበሃል። 

ክርስቲያን ኣብቲ ወሃቢ ሕይወት ዝኾነ ክርስቶስ እንተዘይጸኒዑ ሕጉስ ሕይወት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ቅዱስ ወንጌልውን ጨንፈር ኣብ ጉንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዐ ሓንቲ እኳ ክፈሪ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ንስኻትኩም ድማ ብዘይ ብኣይ ሓንቲ እኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ ጽቡቕ ፍረ ምእንቲ ክትፈርዩ ፍረኹም ድማ ነባሪ ክኸውን ኣባይ ጽንዑ ይብለና። ዮሓ 151-5

ኩሉ ግዜ ኣብ ሓዋርያዊ ዕላማ ዝጸንዐን ዝነፍዐን መንፈሳዊ መራሒ ብሉጽ ሰማያዊ ዓስቢ ኣለዎ።ንመንግስተ ሰማያት ብብዙሕ ጸበባ ክንኣትዋ ስለዝግብኣና ግና ቅድም ፈተና ክመጽእ ግድን እዩ። ፈተና ምስ መጸ እቲ እሙን ጓሳ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ ፡እቲ በዓል ዓስቢ ጓሳ ግና ተኹላ ክመጽእ ከሎ ገዲፍወን ይሃድም። ኣባግዐይ ሓሉ ዕያውተይ ኣብልዕ ኢሉ ሕድሪ ዝሃበ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ ግና ኣባግዐይ ኣይሓሎኹምን ንዝተባረራ ኣይመለስኩምን ንዝጠፍኣ ኣይደለኹምን ኢሉ ንኹሉ ሰብ ከከም ግብሩ ክፈድዮ እዩ። ዮሓ 1011-13

ክቡራን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን

ዝኾነ ክርስቲያን ንክፉእ ዚገብር ሰብ ተጋጊኻ ኣሎኻ እሞ ምስ ኣምላኽ ተዓረቕ ኢሉ ክምዕድ፡ ንገባሪ ሰናይ ድማ ኣምላኽ ይሓግዝካ ኢሉ ክንእድ ንቡር እዩ።  መሰረታዊ ዕላማ ቤተ ክርስቲያን እንዳፈረሰ ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን እንዳተበታተኑ ናይ እምነት ኣቦታት እንዳተገፍዑ ከም ሕጉስ ትም ኢልካ ምርኣይ ግና ሓላፍነት ዝጎደሎ ዘሕፍር ዘይክርስቲያናዊ ስራሕ እዩ።

ዓርቢ መዓልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ኩሉ ሰብ ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ ክጭፍጨፍን ክሳቐን ከሎ ብዙሓት ኣይሁድ ይስሕቁን የላግጹን ኔሮም እዮም (ማቴ 2727-30) ’’ኣጸብቕ ዝበልዎ ኣየኽፍእ ሕድሪ ዝሃብዎ ኣየጥፍእ’’ ከም ዝበሃል ሎሚ ድማ ብስም ክርስቶስ ተጠሚቕና ሕድሪ ሃይማኖት ተቐቢልና ከነብቅዕ ምስቶም ዘጸብቑዶ ወይስ ምስቶም ዝጽይቑ? ምስቶም ኣብ እምነት ዝጸንዑዶ ወይስ ምስቶም እምነቶም ዝኸድዑ? ምስ ዝእክቡዶ ወይስ ምስ ዝብትኑ ኣብ ምንታይ ከምዘሎና ንገዛእ ርእስና ንመርምር።

ኣብ መደምደምታ ከምቲ ’’ጢሞቴዎስ ወደይ ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ወተሃደር ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ። ኣብ ዕዮ ክርስትና ዘሎ ወተሃደር ብኻልእ መነባብሮ ኣይሕለኽን እዩ’’ ዝብል ማዕዳ ሓዋርያ ጳውሎስ ተኸቲልና ንሕና ኣምበሳደራት ክርስቶስ ኢና። ኣምላኽ ከኣ ብኣና ጌሩ ይዕድም ኣሎ። ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ እናበልና ንልምነኩም ኣሎና። 2ቆሮ 520

ንእግዚኣብሔር ዝእዘዝ ልቢ ይሃበና!!!

ደቂቀ እንጦንዮስ

Posted on 6 September 2008

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div