S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በጊዜ ኣብዳን ኩኑ ጠቢባን !

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ጸዊዑ ርኹሳት መናፍቲ ኬውጽኡን ንብዘሎ ሕማማት ኬሕውዩን ሥልጣን ሂቡ ክልእኮም ከሎ ‘’እንሆ ኣነ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ፡ ደጊም ብልህታት ከም ተመን ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኩኑ’’ (ማቴ 10፡16) ኢሉ ኣጠንቀቖም። ሓዋርያት ድማ ቅዱስ ማዕዳ ናይ ክርስቶስ ስለ ዘጽንዑ ኣብ ዕዮ ወንጌል ዕዉታትን ንቑሓትን ብምዃን ሰላሳ፡ ሱሳ፡ ሚእቲ እናፈረዩ ግብኦም ፈጺሞም ሓሊፎም እዮም።

“ኣብ ርእሲ ልብኻ እንተ ዝምዕዱኻ ኣብ ርእሲ ሃብትኻ እንተ ዝውስኹኻ” ከም ዝበሃል ዝኾነ ሰብ ኣብዛ ዓመጽን ሓሶትን ዝበዝሓ ሓላፊት ዓለም ብቅኑዕ እምነት ንኽነብር ልቦናን መንፈሳዊ ምስትውዓልን ግድን የድልዮ እዩ። ስለዚ ኣበው ንዓና ዝገደፉልና ጠቓሚ መኽሪ እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተጠቒሱ ዘሎ “በጊዜ ኣብዳን ኩኑ ጠቢባን’’ ዝብል መለበምን መጠንቀቅታን እዩ። እዚ ማለት ደናቑር ኣብ ዝበዝሕሉ ግዜ ለባማትን ጽኑዓትን ኩኑ ዝብል እዩ። እዚ እንተ ዘይገበርና ግና ብስጋን ነብስን ክንጉዳእ ከም ንኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኣብዳን ዝበሃሉ መን እዮም ዝብል ሓታቲ እንተ ተረኽበ ድማ፡-“ዓሻስ እግዚኣብሔር የሎን ይብል” ከም ዝበሃል ኣብዳን እቶም ንሰማያዊ ጻውዒት ኣብዮም ንምድራዊ ዝና ዝግዝኡ ንሓቂ ረጊጾም ንሓሶት ዝሕዙ፡ ነብሶም ረሲዖም ንስጋኦም ዘገልግሉ ሰባት እዮም፡፡ እዚኦም ከም ነህምያ ኣብ ክንዲ ዝሃንጹ ህኑጽ ዘፍርሱ፡ምስ ክርስቶስ ኮይኖም ክንዲ ዝእክቡ እኩብ ዝብትኑ፡ ኣብ ክንዲ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝሰብኩ ፍቑራት ዘጻልኡ ኣእምሮኦም ብረብሓ ስጋ ዝጸልመቱ ሕሱራት ሰባት እዮም።

ይኹን እምበር እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣምላኽ ግን ’’ንቓለይ ንዒቕኩም ኣብ ዓመጽን ጎመጽን ተወኪልኩም ትነብሩ ኣሎኹም። ኣበሳ ስለ ዝገበርኩም ከምቲ ብቕጽበት ዚፈርስ ነቓዕ መንደቕ ክትወድቁ ኢኹም። ከም መጽሓሪ ሓዊ ወይ ከም ገልዒ ዘይርከቦ ሓሸምሸም ዝበለ ዕትሮ ማይ ክትሰባባሩ ኢኺም’’ (ኢሳ 30፡12 ) ኢሉ ብንጹር ቃላት ሓቢርዎም እኳ እንተ ኣሎ፡ ሰብ ካብ ምግባሩ ፈጣሪ ካብ ምቕታሉ ስለ ዘይዓርፉ ደናቑር ከኣ ክሳብ ዝሞቱ ጥልመቶም ክቕጽሉ እዮም።  

ኣብ ቅዱስ ወንጌል ተጻሒፉ ከም ዘሎ ሕነ ምፍዳይ ናይ ኣምላኽ ስራሕ እዩ። ካብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ ክሳብ ደም ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ ኣብ ቤት መቕደስ ብዓመጻ ዝተቐትለ ሕነ ደም ጻድቕ ክፈድዮም እየ ከም ዝበለ፡ ኣብ ዘመን ኣብዳን ድማ ፈረስ ሰይጣን ኮይኖም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዘዕንዉን፡ ንቅዱሳት ሰባት ዝዕምጹን ኩሎም ካብ ደም ዘካርያስ ካህን ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ዝፈስስ ዘሎ ንጹህ ደም ቅኑዓት ክርስቲያን ብፍርዲ ኣምላኽ ከም ዝፍደ ዘየጠራጥር እዩ (ማቴ 23፡35)።

እቲ ጽኑዕ ክርስቲያን ዝበሃል ሰብ ግና ሕጊ ኣምላኹ ኩሉ ጊዜ ኣብ ልቡ ስለ ዘሎ ብዝኾነ ኩነታት ኣይሰዓርን እዩ። ፍርሒ ድማ ካብ ሓጢኣት እዩ ዝነቅል። ንሕና ከኣ ከም ይሁዳ ንስብከት ተጸዊዑ ንጥፍኣት ዝኾነ፡ ከም ሳምሶን ብመንፈስ ጀሚሩ ብስጋ ዝወድአ፡ ከም ዴማስ ብፍቕሪ ኣምላኽ ጀሚሩ ብፍቕሪ ዓለም ዝወደቐ ከይንኸውን ገዛእ ርእስና መርሚርና ኣብ እምነት ደው ክንብል ይግብኣና። ስለዚ ኣታ ደው ኢልካ ዘሎኻ ከይትወድቕ ተጠንቀቕ ጽቡቕ ናይ እምነት ገድሊ ተጋደል እሙን ወተሃደር ክርስቶስ ኮንካ መከራ ጽገብ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር። በቲ ዓማጺ ሰብ ኣይትቕናእ ሃቐንኡ ክጠፍእ እዩ። ቦትኡ ደሊኻ ኣይክትረኽቦን ኢኻ። ታሪኹ ድማ ክድምሰስ እዩ።

መክብብ ንኹሉ ዘዘመኑ ኣለዎ ከም ዝበሎ መጀመርታ ንዘለዎ ነገር ድማ መወዳእታ ኣለዎ። ብዘመን ኣብዳን ከኣ ዝዕገሥ ልብን ጽኑዕ ተስፋ ዘለዎም ኣመንትን ንኹሉ ክሰግርዎ እዮም። እቲ ዘገርም ነገር ግና ወተሃደር ኮይኑ ሃገር እንተ ዘይሓለወ ይዋረድ፡ ጓሳ ኮይኑ ኣባጊዕ ካብ ተዃሉ እንተ ዘይተኸላኸለ ይንቀፍ፡ ከምኡ ከኣ ካህን ኮይኑ መገዲ ጽድቅን ሓቅን ሒዙ ኣብ ሓዋርያዊ ሕጊ እንተ ዘይጸንዐ ብሓቂ ዘሕፍር ስራሕ እዩ። ምኽንያቱ ክርስቶስ ዝመስረታ ቤተ ክርስቲያንን ቅዱሳን ሰማዕታት ዝሃቡና ሕድርን ምጥላም ስለ ዝኾነ (ዕብ 11፡33)።

እምበኣር ሓቛቑና ዕጡቕ፡ መባርህትና ብሩህ፡ እምነትና ጽኑዕ ይኹን።ምኽንያቱ ክርስቶስ ምስ ዲያብሎስ ሕብረት ከም ዘይብሉ ኣማኒ ድማ ምስ ጠላሚ ሕብረት ክህልዎ ፍጹም ኣይግባእን እዩ። ስለዚ ኣይትታለሉ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ ኢዩ’ሞ ምስቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ክሕደት ተቖሪኖም ዘለዉ ሓቢርኩም ሓጢኣት ኣይትግበሩ። ኣብ ሕማቕ ሻርኦም ከኣ ኣይትጸምበሩ። ምኽንያቱ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገብር ደኣ እምበር ጎይታይ ጎይታይ ዝብል ኩሉ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ኣይኣቱን እዩ። እቲ ገፋዒ ይግፋዕ እቲ ርኹስ ይርከስ እቲ ጻድቕ ጽድቂ ይግበር እቲ ቕዱስ ይቀደስ (ራዮሓ 22፡11)።

ንስኻ ግና ክሳዕ ሞት እሙን ኩን !!!

                           

ደቂቀ እንጦንዮስ

ተመሃሮ ቅ/ኣትናቴዎስ መንፈሳዊ ኮሌጅ

ቴክሳስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

                 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div