ብፁዕ ኣቦና ኣብ ሃገረ-እስራኤል ክገብሩዎ ዝቐነዩ ሓዋርያዊ-ዑደት ብምቕጻል፣ ኣብ ዕለት 25/03/2020 ኣብ ሃገረ-ጀርመን ኣትዮም። ኣብ ፍራንክፎርት ድሕሪ ምውራዶም ድማ፣ ኣብ ከባቢ ካስል ናብ ዝርከብ ናይ ግብጻውያን ገዳም ኣምሪሖም። ድሕሪ ናይ 4ተ ሰዓት ናይ ማኪና ጉዕዞ ከኣ፣ ኣብቲ ብብፁዕ ኣቡነ-ድምያን ዝመሓደርን ዝምራሕን ገዳም ክበጽሑ ክኢሎም።
ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ፣ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ሕጋዊ ዓቃቤ-መንበር። ኣብቲ ኣብ ሃገረ-እስራኤል ክገብሩዎ ዝቐነዩ ሓዋርያዊ ዑደት። ንሓደ ካህንን ሠለስተ ኣናጉኒስጢስን መዓርግ ሂቦም። እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ-ክርስቲያን ቅድስቲ-ማርያም ቴል-ኣቪቭ። ተጠርኒፎም ዝርከቡ ዘለዉ ማኅበረ-ምእመናን ድማ፣ እዚ ኣጋጣሚ`ዚ ዕጽፍን ድርብን ሓጎስ ክኾነሎም ክኢሉ`ዩ ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ ንኣገልግሎት ቤተ-እግዚኣብሔር ዝኾኑ መንእሰያት ንመዓርግ ከተብጽሕ ምኽኣል። ኣቕሊልካ ክርአ ዝግብኦ ዕድል ኣይኮነን።
ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና ከምቲ ልሙድ ዓመት መጸ ብኽብሪ ዝበዓል: ሎሚ ዓመት'ውን ቀዳም 23 ሕዳር 2019 ዓ.ፈ (፲፫ ሕዳር ፳፻፲፪ ዓ.ም) ብዝደመቐን ዝማዕረገን ኣገባብ ን10ይ ግዜኡ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ብነፈርትን መካይንን ብዝመጹ ብብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያን፥ ምእመናን ነበርቲ ከተማ ሻርሎት፥ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ዓቢይ መንፈሳዊ ክብረ በዓል ብኃይሊ ኣምላኽን፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ተስፋን በረኸትን ብዝመልኦ ድሙቕ ኣገባብ እዩ ተኸቢሩ ውዒሉ።
እዛ ቃል እዚኣ ንመጀመርታ ጊዜ (ቦኽሪ እዝነይ) ዝሰማዕክዋ ኣብቲ ምድረ በዳን ምድረ ፍዳን ዝኾነ ሳዋ ዝበሃል ቦታ መደንዘዝን መልመስን መንእሰያት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 1997 ዓ.ም.ፈ እዩ ዝነበረ። ሓደ ወተሃደራዊ በዓል ሥልጣን ኤርትራ ከቢድ መልእኽቱ ከመሓላልፍ ከሎ፡ ከምዚ ኮይነ፥ ከምዚ ኣሎኒ፥ ዝብል ዝኾነ ምኽንያት ቅቡል ኣይኮነን። ንኽትፈልጡ ኣብዚ ክልተ ትእዛዝ ጥራይ እየን ዘለዋ “ግበር ወይ ኣይትግበር ” ዝብላ፥ "ካብዚ ወጻኢ ንዝኸደ ምሕረት ዝበሃል የሎን። ካብ ኢድ ሰይጣን ምሕረት ኣይትጸበ።" ክብል ኃይለ-ቃል ዘለዎ ከቢድ መጠንቀቕታ ሂቡና ናብ ቦትኡ ተዓዝረ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ እምበኣር ኣብ ኢድ ሰይጣን ኢና ኣቲና ዘሎና ብዝብል ሓሳብ ብሓቂ ልበይ ስለ ዝተጎድአ ኣምላኽ ብምሕረቱ ካብቲ ዘፍርሕ ዓዘቕትን ከቢድ መግዛእትን መዋጽኦ ክፈጥረልና ወትሩ ብጸሎት ይልምን ነበርኩ። ነታ ከባድ ቃል በዓል ሥልጣን ህግደፍ ዝተዛረባ ክኣ እንሆ ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 22 (ዕስራን ክልተን) ዓመታት ብፍጹም ክርስዓ ኣይከኣልኩን።
ትርጉምን ኣገዳስነትን ሓድነት፥
እቲ ዓለማዊ ይኹን መንፈሳዊ ምርድኣት ዝሰማማዓሉ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ሓድነት ወይ ሕብረት ምንጪ ኩሉ ሓይሊ ምዃኑ እዩ። ሓድነት ዝብል ቃል ዘመሓላልፎ ትርጉም፡ ሓደ ምዃን ወይ ምስማማዕ ማለት እዩ።
“ነቲ ብኣበሳኦምን ብርኹስ (ናብራኦምን) ዚስቀይ ዝነበረ ሎጥ ጻድቕ ግና ኣድሓኖ።. . .እቲ ጻድቕ ኣብ ማእከሎም ኪነብር ከሎ፡ በቲ ኣብ ጸጽባሕ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ ትስቀይ ነበረት።” 2ጴጥ 2፡7,8።
ካብ 10 ክሳብ 12 የካቲት 2020 ዓ. ም (ሰኑይ, ሰሉስን ረቡዕን) ይውዕል። ምሕረት ዝህብ ጾም ይግበረልና። ኣሜን።
1. ናይ ዝሓለፈ ክፍለ ትምህርቲ (semester) ፈተና ካብ ዕለት ጥሪ 20, 2020 ጀሚሩ ክወሃብ እዩ፣
ስለዚ ኩልኹም እዚ ክፍሊ ትምህርቲ (semester) ዝተመሃርኩም፥ ፈተናኹም ተኸታቲልኩም ክትወስዱ ነዘኻኽር።
2. ሓደሽቲ ተመሃሮ መዝገባ ካብ ጥሪ 1, 2020 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት የካቲት 15, 2020 ዝሎ ኣብ www.tewahdotheology.org ኣቲኹም ክትምዝገቡ ንሕብር።
ተወሳኺ ሓበሬታ ናይ ምዝገባ ጸገምን እንተሎ፥ በዚ Email ርኸቡና። This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ