S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ዑደት ኣካይዶም

ብፁዕ ኣቦና ኣብ ሃገረ-እስራኤል ክገብሩዎ ዝቐነዩ ሓዋርያዊ-ዑደት ብምቕጻል፣ ኣብ ዕለት 25/03/2020 ኣብ ሃገረ-ጀርመን ኣትዮም። ኣብ ፍራንክፎርት ድሕሪ ምውራዶም ድማ፣ ኣብ ከባቢ ካስል ናብ ዝርከብ ናይ ግብጻውያን ገዳም ኣምሪሖም። ድሕሪ ናይ 4 ሰዓት ናይ ማኪና ጉዕዞ ከኣ፣ ኣብቲ ብብፁዕ ኣቡነ-ድምያን ዝመሓደርን ዝምራሕን ገዳም ክበጽሑ ክኢሎም።

እቶም ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ-ድምያን ድማ፣ ንብፁዕ ኣቦና ብዓቢይ ፍቕርን ኣኽብሮትን ዕለታዊ ቅዳሴ ክሳተፉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑሎም ተረኺቡ። ብጀካ` ድማ ብፁዕ ኣቦና ብብፁዕ  ኣቡነ-ድምያን ተሰንዮም። ናብ ከተማ-ሃኖቨር ከይዶም። ኣብዚ `ውን ምስ ናይ “-ኤቫንጀሊሸ-ሉተሪሸ ላንድስኪርሸ ሃኖቨርስ-” ሓለፍቲ ተራኺቦም። ኣብ ህልው ኩነታት ቤተ-ክርስቲያንና ብምትኳር ድማ፣ ዝርርብ ኣካይዶም።

ኣብዚ ጉባኤ` ናይ ብዙሓት ዝተፈላለያ ኣብያተ-ክርስቲያናት ተወከልቲ ተሳተፍቲ ስለ-ዝነበሩ። ነቲ ብብፁዕ ኣቦና ዝቐርብ ዝነበረ ሰፊሕ መግለጺ፣ ብተገዳስነት ክከታተሉዎ ክኢሎም። ማለት ኣብ ሃገርና ንሕጊ ኣኽብሮት ዘለዎ ሥርዓት ክህሉ ብዘይ ምኽኣሉ፣ ሕዝብና ንከቢድ ሓደጋ ተጋሊጹ ይርከብ ምህላዉ `ዮም ብፁዕ ኣቦና ዝገለጹ። ከም ውጽኢት` ድማ፣ ቤተ-ክርስቲያን ትፈርስ ሕዝብና ድማ ይብተን ኣሎ፣ ብምባል`ዮም ብፁዕነቶም ዝገለጹ።

እቶም ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ዝነበሩ፣ መራሕቲ ዝተፈላለያ ኣብያተ-ክርስቲያናት። ብዛዕባ` ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ሥርዓት። እኹል ኣፍልጦ ስለ-ዝጸንሖም፣ ባዕላቶም ብቃሎም “-ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን-ኮረያ-” ብምባል ክገልጹዎ ጸገም ኣይነበሮምን። እቲ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ-ክርስቲያናት፣ በቲ ሥርዓት ክፍጸም ዝርከብ ዘሎ መስጎግትን ማእሰርትን `ውን። ዳርጋ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ዘይፈልጦ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። በዚ መሠረት እዚ`ውን፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያናት ክፍጸም ዝርከብ ዘሎ ማእሰርትን መስጎግትን። ዓገብ-! ኣብ ምባል ኩለን ኣብያተ-ክርስቲያናት ክተሓባበራ ከም-ዝግባእዩ፣ እቲ ጉባኤ ኣርጊጹ ዝተዛረበ።

ብምቕጻል`ውን ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ፣ ኣብ ዕለት 29/02 ባዕሎም ሠራዒ ኮይኖም ዝመርሑዎ፣ ኣብቲ ገዳም ቅዳሴ  ቀዲሶም። ድሕሪ ቀትሪ ድማ እቲ ጉዕዞ ቀጺሉ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ኣትዮም። ኣብዚ ድማ ኣቐዲሙ ተሠሪዑ ብዝነበረ መደብ መሠረት። ምስ ናይ ወንጌላውያንን፣ ካቶሊካውያን ኣብያተ-ክርስቲያናት ሓለፍቲ ርክብ ኣካይዶም። ብዛዕባ` ኣብ ሃገርና ብጠቕላላ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ፣ ግህሰተ-ሕጊ`ውን፣ ብስፍሓት ክገልጹ ዘኽእሎም ዕድል ረኺቦም።

ነቶም መራሕቲ ክልቲኤን ዓበይቲ ኣብያተ-ክርስቲያናት`ውን፣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል መንግሥቲ-ጀርመን ተዓቚቡ ዝርከብ ዘሎ ሕዝብና፡ “-እተን ኣብያተ-ክርስቲያናት ዝገብርኦ ዘለዋ ምትሕግጋዝ፣  ኣዚዩ ክምስገን ዝግብኦ ስለ-ዝኾነ። ነዚ ኣጋጣሚ` ተጠቒመ ኣነ`ውን ከመስግን ግቡአይን ሓላፍነተይን እዩ-” ብምባል ብፁዕ ኣቡና ንኽልቲአን ኣብያተ-ክርስቲያናት ብኃባር ምስጋናኦም ኣቕሪቦም።

ምስዚ ብምትሕሓዝ`ውን። ክልቲአን ኣብያተ-ክርስቲያናት፣ ምስቲ ኣብ ሃገር-ጀርመን ዝርከብ ዘሎ ኦርቶዶክሳዊ ማኅበረ-ምእመናን። ካብ ነዊሕ እዋን ዝገብርኦ ዘለዋ ምትኅብባር ዝምስገን ኮይኑ። ብዓቢይ ትኹረት ክጥመት ዝግብኦ ሓደ ነገር ምህላዉ ግና ክፍለጥ ይግባእ። ንሱ ድማ ንናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዝውክል፣ እቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ፣ ናይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ መንበር እዩ። ብምባል`ዮም ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ዝተዛረቡ።

ይኹን እምበር ኣብዚ ጉዳይ`ዚ፣ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስቲያናት ጀርመን ብኃባር፣ ብልቦና ከስተብህሉሉ ዝግባእ ጉዳይ ኣሎ በሃልቲ ኢና። ንሱ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽላል ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዘየለዉ ወገናት`ውን። ስም ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ከም ጉልባብ ብምጥቃም፣ ንመራሕቲ ኣብያተ-ክርስቲያን ጀርመን፣ ማለት ንካቶሊካውያን ኮኑ ወንጌላውያን ብምግጋይ፣ ዝግልገሉሉ ኣብያተ-ክርስቲያናት ይረኽቡ ምህላዎም`ዩ። እዞም ወገናት እዚኣቶም ግና፣ መጋበርያ ናይ` ሃገርን ቤተ-ክርስቲያንን ዘፍርስ ዘሎ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ደኣምበር፣ ምስቲ ኣብ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ፣ ሕጋውን ቀኖናውን መንበር ምንም ዘራኽብ የብሎምን።

እዚ ዝግበር ዘሎ ምድንጋር` ከኣ፣ ኣብ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስቲያናት ጀርመን፣ ተለልዩ ክፍለጥ ክከኣል ኣለዎ በሃልቲ ኢና። እዞም ወገናት እዚኣቶም ነቲ ኣብ ኣሥመራ ዝርከብ ዘሎ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ደኣምበር፣ ምስቲ ኣብ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዘሎ መንበር ምንም ዘራኽብ የብሎምን። እዚ ዓቢይ ትኹረት ክወሃቦ ዝግብኦ ጉዳይ` ከኣ፣ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስቲያን ጀርመን ብኃባር፣ ኣብ ግምት ኣእትዮም ክዝትዩሉ ክንጽውዕ ሓላፍነትና` ንብል።         

ካብዚ ብምቕጻል ብፁዕነቶም ኣብ ዕለት 01/03 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት፣ ሓደ ሰፊሕ ጉባኤ ብምድላው፣ ምስ ማኅበረ-ምእመናን ኦርቶዶክስ ተራኺቦም። እዋናዊ መልእኽቲ`ውን ኣመሓላሊፎም። ማለት ሕዝብና ብብዝሒ ንስደት ካብ ዘምርሕ፣ እቲ ግዜ ሓጺር ኣይኮነን። እታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ዘይብላ እንተደኣ ኮይና፣ እቲ ሕዝቢ ካልእ ኣማራጺ ስለ-ዘይብሉ ክስደድ ይግደድ`ዩ። ግዳስ እቲ ስደት`ውን ንርእሱ ጸገም ደኣምበር፣ ፍታሕ ክኸውን ዝኽእል ኣይኮነን።

“-ፍታሕ ዝርከብ ግና ካብ እግዚኣብሔር እምበር፣ ባዕሉ ክመጽእ ዝኽእል ኣይኮነን። የግዳስ ምሕረትን ሰላምን ክርከብ፣ ልቢ ሰብ ክቐንዕ` ዘድሊ።  ምስ እግዚኣብሔር ክራኸብ ዝኽእል ቅኑዕ ልቢ፣ ኣባና ኣሎ ክበሃል ግና ኣይከኣልን። እግዚኣብሔር ከም ቀደሙ ኣብ ዝፋኑ` ዝርከብ ዘሎ። ንሕና ግና ኣብቲ እግዚኣብሔር ዘቐመጠና ቦታ ኣይኮናን ዘሎና። ልብና ከይቀንዐ ከኣ ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብ ዝበሃል ነገር የልቦን-” ብምባል`ዮም ብፁዕ ኣቦና መልእኽቶም ዘመሓላለፉ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ሕዝቢ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት፣ ሓንቲ ካብ ምቁጽጻር እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ነፃ ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን ክትቀውም ስለ-ዝሓተተ። ሕቶ` ሕዝቢ ንምምላስ ዝኣክል፣ እዛ ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ ንኽትቀውም ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። እቲ ንኣገልግሎት ዝምልከት ድማ፣ ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ሓላፍነት ክወስድ፣ ብፁዕ ኣቦና  መረጋገጺ-ቃል  ሂቦም። ብድሕሪ ብፁዕ-ኣቦና`ውን፣ ናይ ኤውሮጳ ሃገረ-ስብከት ሊቀ-ካህናት። ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን፣ እቲ ሕዝቢ ኣብ ትሕቲ ጽላል ቅዱስ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ ምጥርናፍ ዝሓይሽ፣ ካልእ ኣማራጺ ከም-ዘየልቦ ኣረዲኦም።

በዚ ኣገባብ` ድማ፣ እቲ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ክግበር ዝቐነየ ሓዋርያዊ-ዑደት ብፁዕ ኣቦና ክዛዘም ክኢሉ። እቲ ዑደት ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ዝሓትት ከም-ምንባሩ መጠን። ብዙሓት ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ነቲ መደብ ኣብ ምዕዋት፣ ካብኣቶም ዝድለ ናይ ገንዘብን ጉልበትን ግዜን መሥዋእቲ ከፊሎም`ዮም። በዚ ድማ እቲ ሕያው ኣምላኽ ቤቶምን ደቆምን ክባርኽ ጸሎትና እዩ። ብዝተፈልየ ክልተ መንእሰያት ማለት፣ ዘርእ-ሠናይ ምስግናን፣ ሳምሶን ሰሎሞንን ንቤት ኣምላኽ ካብ ዘለዎም ቅዱስ ቅንኣት፣ ዝገበሩዎ ኩሉ ናይ ቃላት ምስጋና` ዝውሕዶ እዩ።

ብዝተረፈ ናይ` ዑደት` ተሳተፍቲ ብምዃን፣ ንብፁዕ ኣቦና ኣሰንዮሞም ዝርከቡ ዘለዉ። ናይ ኤውሮጳ ሃገረ-ስብከት ሊቀ-ካህናት ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን። ከምኡ`ውን ናይ መንበረ-ጵጵስና ናይ ወጻኢ-ዝምድናታት ሓላፊ ዝኾኑ፣ ቀሲስ ሓለፎም ዓምደ-ማርያም። ካብ ዓባይ-ብሪጣንያ ድማ፣ ዲያቆን ዮሓንስ ገብረ-ሕይወትን እዮም።

(ዘኣንበሳ - ማርቆስ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div