ሰንበት ትንሳኤ - Resurrection Sunday Service Schedule
ቀዳማይ መደብ (ቀዳም ምሸት ካብ ሰዓት 7:00 - 1:00 ሰንበት ንግሆ ብምብራቓዊ ኣቆጻጽራ )
ካልኣይ መደብ (ቀዳም ምሸት ካብ ሰዓት 7:00 - 1:00 ሰንበት ንግሆ ብምዕራባዊ ኣቆጻጽራ - Pacific Standard Time)
“እቲ ኻብ እግዚአብሔር ዝተነግረኪ ቓል ከም ዚፍጸም ስለ ዝኣመንኪ ብጽእቲ ኢኺ።” ሉቃ 1፡45 ካ.ት
እዚ ጸሎተ ሰርክ፥ ብዘይካ ሰንበት መዓልታዊ ካብ ሰዓት 7:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (4:00 - 5:00 ድ. ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ይመሓላለፍ።
Divine Liturgy on Palm Sunday from Holy Trinity Eritrean Orthodox Church,Seattle, WA (April 12, 2020).
ሥርዓተ ቅዳሴ ሆሳዕና ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ስላሴ ስያትል ዝተዘርግሐ።
Divine Liturgy on Palm Sunday from St Mary, Eritrean Orthodox Church,Bay Area, CA (April 12, 2020).
ሥርዓተ ቅዳሴ ሆሳዕና ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም, ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝተዘርግሐ።
ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓቃቤ-መንበር። ካብ ዕለት 09/03/2020 ኣትሒዞም፥ ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ፥ ሓዋርያዊ ዑደት ፈኢሞም። እዚ ዑደት’ዚ መቐጸልታ ናይቲ ብእስራኤል ዝጀመረ ዑደት ኮይኑ። ኣብ ከተማ-ማንችስተር ምስ በጽሑ ድማ፥ እቶም ናይ እንዳ መድሃኔ-ዓለም ቤተ-ክርስቲያን ማኅበረ-ምእመናን፥ ብዓቢይ ፍቕርን ኣኽብሮትን ተቐቢሎሞም።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ፍልሰታን ይበሃሉ። እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ። ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ’’ በሎ። እምበኣር ኣጽዋማት ዝተሰርዐ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከነኽብርን ሓይሊ ስጋና ብትዕግሥቲ ከነድክምን እዩ (ዘፍ 2፡17)።
ካብ "ኣሰተንትኖ ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት" ብቅ. ኣቡነ ሹነዳ ሣልሳይ ጳጳስ መንበረ ማርቆስን ፓትሪያርክ ዘስክንድርያ ዚተተርጐመት
እታ ቀዳመይቲ ቃል: “ኦ ኣቦይ፥ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ኅደገሎም።” (ሉቃስ 23: 34)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ