The 12th Annual Conference of The Eritrean Orthodox Church, Diocese of North America will be held on July 22-25, 2010, at the Archangel Gabriel Eritrean Orthodox Church, in New York City, NY.
“ስለ’ዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ (ንምጽኣቱ) እናተጸበኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ።” 2ጴጥ 3፡14
በዓለ-ፋሲካ ብዝመጸ ቁጽሪ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዘንት ዕለት፣ ደሚቑ ዝዝመር ያሬዳዊ መዝሙር ኣሎ። ንሱ ድማ “-ነቶም ትንሣኤኻ እንኣምን ሕዝብኻ፣ ብርሃንካ ፈንዎ ናባና-” ዝብል እዩ። ከመይሲ እታ ብምኽንያት እቲ ኣብ ገነት ዝተረኽበ ወድቀት፣ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ኣትያ ትርከብ ዝነበረት ዓለም። በቲ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ኣብ ቀራንዮ፣ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ዝኸፈሎ ዋጋ፣ ብርሃን በሪሁዋ ነፃ`ውን ኮይና`ያ። ስለዚ ከኣ`ዩ እቲ ብታሪኹ ኣፍቃሪ-መስቀል ዝኾነ ሕዝብና። “-ትንሣኤከ ለእለ ኣመነ፣ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ-” ብምባል፣ ነዚ ክቡር በዓል`ዚ ከብዕሎ ዝርከብ።
እቲ ብብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ እናተመርሐ፣ ኣብ ቀጻሊ ሓዋርያዊ-ዑደት ዝርከብ ዘሎ ጉጅለ ቤተ-ክርስቲያን። ብድሕሪ እስራኤልን ጀርመንን፣ እቲ ጉዕዞ ናብ ሃገረ-ሆላንድ`ዩ ኣምሪሑ። ኣብ ዕለት 04/03 ድማ እቲ ጉዕዞ ጀሚሩዎ። ብድሕሪ ናይ 6-ሰዓት ናይ መኪና ጉዕዞ ከኣ፣ ኣማስያኡ ናብቲ ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ዝርከብ ናይ ግብጻውያን ገዳም ክበጽሕ ክኢሉ።
ኢንጂነር ዑቕባዝጊ ሥዩም ምስ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ዝነበሮም ርክብ ከመይ ይመስል? ምስ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዝነበሮም ርክብ ምስቶም ካልኦት ጳጳሳት ተዋህዶ ካብ ዝነበሮም ርክብ ዝተፈልየ ድዩ?
እዋኑ ኣብ ሓምለ 2005 ኣ.ፈ እዩ ዝነበረ። ናይ ሽዑ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን (ናይ ሕጂ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ) መበል 7ይ ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ደብረ ሰላም መድኃኔ-ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ ካብ 28 ክሳብ 31 ሓምለ 2005 ኣ.ፈ ክካየድ ወሰነ።
በስመ-ኣብ፡ ወወልድ፡ ወመንፈስ-ቅዱስ፡ ኣሃዱ ኣምላኽ፡ ኣሜን
ክርስትናን ፈተናን መስቀይትን ስለ ዝኾኑ፡ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ጋሻ ነገር ከመዘይ ኮነ ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያንን ብቐሊሉ ክንማሃሮ ንኽእል ኢና። እቲ መሥራቲ ናይ ክርስትና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብፈተና ናይዛ ዓለም ንኸይንሳናባድ ኣጸቢቁ መሃረና እምበር፡ ክንስዕቦ ኢሉስ ኣይጠበረናን። "ኣብ ዓለም ከለኹም ብዙሕ ጸበባ ኣለኩም፡ ኣጀኹም ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ" (ዮሓ 16፡ 33) እዚ ኹሉ መምርሕን ተስፋን ዝተዋሃበት ቤተ-ክርስቲያን፥ እቶም ከም ቁርዲድ ምስ ለገብዎ ምልቃቕ ዝኣበይዋ፡ ሰብ ፖለቲካ ሎሚ'ውን ከም ቀደሞም፡ ንፓትርያሪክ እንጠንዮስ ከፋራርሕዎምን ጸቅጢ ክገብርሎምን ከምዝቐነዩ ይስማዕ ኣሎ።
“እቲ መርዓት ዘላቶ (ክርስቶስ)፡ ንሱ መርዓዊ’ዩ። እቲ ንእኡ ደው ኢሉ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ (ዮሃንስ መጥምቕ) ግና፡ ብድምጺ ናይ’ቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ። ንሱ ኺዓብይ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ።” ዮሃ 3፡29,30
ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ - Pascha Reading.PDF or
ኩሉ ናይ ሰሙነ ሕማማት ኣገልግሎት ኣብዚ ብርሑቕ ክመሓላለፍ እዩ። ምእመናን ኣብ ቤቶም ኮይኖም፥ ጾም፥ ጸሎትን ስግደትን ከዘውትሩ ብስም መድኃኔ-ዓለም ነዘኻኽር። ኣምላኽ ንሕማምና ቀንጢጡ ፈውስ እንረኽበሉ ሰሙነ ሕማማት ይግበረልና። ኣሜን።
Live Streaming Daily
ቀዳማይ መደብ( ካብ ሰዓት 9:00 - 4:00 ዓርቢ ግና 9:00 - 6:00 ድሕሪ ቀትሪ ብምብራቓዊ ኣቆጻጽራ - Eastern Standard Time )
Live Streaming Daily
ካልኣይ መደብ (ካብ ሰዓት 9:00 - 4:00 ዓርቢ ግና 9:00 - 6:00 ድሕሪ ቀትሪ ብምዕራባዊ ኣቆጻጽራ - Pacific Standard Time)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ