S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዜናዊ ጸብጻብ ውዕሎ ሰላማዊ ሰልፊ ዋሽንግቶን ዲሲ

መቓውሐይ ዘክሩ! ቆላ 418 ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ ተሰንዩ፡ ብመንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተጸውዐ ቦኽሪ ሰላማዊ ሰልፊ ዋሽንግቶን ዲሲ ብዓርቢ ዕለት 8 ሕዳር 2019 . (፳፰ ጥቅምቲ ፳፻፲፪ .) ብጽቡቕ ኣገባብ ተፈጺሙ። እዚ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ውሉደ-ክህነት ዝመርሕዎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ-ግዝኣታት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብመካይንን ብነፈርትን ተጓዒዞም ብዝመጹ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ፥ ግዱሳት ሰብ ሠናይ ሕሊናን ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራውያን ኣሜሪካውያንን ከምኡውን ገለ ነበርቲ ዋሽንግቶን ዲሲ ወሲኽካ ብኣማኢት ዝቑጸር ብዝሒ ህዝቢ ተሳቲፎም ነይሮም።

እቲ ብዓይነቱን ሥርዓቱን ኣዝዩ ፍሉይ ዝኾነ፥ ምዕሩግ ኣገባብ ሰላማዊ ሰልፊ፥ ኣብ ማሕዩር ገዛ ንዝርከቡ ወዲ 94 ዓመት ሓዋርያዊ 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዘይ ሓደ ቅድመ ኵነት ክፍትሑን ናብ መንፈሳዊ መንበሮም ክምለሱን ዝብል እዩ ነይሩ። ብተወሳኺ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ይኹኑ እስላም፥ ካቶሊካውያን ይኹኑ ወንጌላውያን ብሰንኪ ሃይማኖቶም ዝተኣስሩ ኤርትርውያን፡ ከምኡውን ብዘይ ፍርድን ፍትሕን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኩሎም ሲቪል ጋዜጠኛታትን ናይ ሕሊና እሱራት ደቂ ሃገርን ብህጹጽ ክፍትሑ ዝጽውዕ ጥርዓንን ስምዕታን እዩ ነይሩ። ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ንኽካየድ ድቃስ ዝኸልእ ጾርን ሓላፍነት ኮይኑ ዝበገሶ ሓሳብ ከኣ ባዕሉ እቲ ቅዱስ መጽሓፍኣብ ክንዲ ዓባስ ኣብ ክንዲ እቶም ጸግዒ ዘይብሎም ኣፍካ ክፈት። ኣፍካ ክፈት፥ ብቕንዕና ፍረድ ንሽጉርን መስኪንን ብይን ኣውጽኣሎምዝብል መንፈሳዊ ቃል ሓቂ እዩ። ምሳ 318

ኣብ ሰልፊ ዋሽንግቶን ዲሲ ዓርቢ 8 ሕዳር ንግሁ ሰዓት 900 ብርቱዕ ቁርን ንፋስን ከይዓገቶም ተሳተፍቲ ውሉደ-ክህነትን ህዝብን ካብ ቤተ መንግሥቲ ኣሜሪካ ጻዕዳ-ገዛ (White house) ብወገን ደቡብ ክተኣኻኸቡ ጀሚሮም። ልክዕ ሰዓት 1000 /ቀትሪ ምስ ኮነ ድማ ናይ መኽፈቲ-ጸሎት ብውፉይን ተባዕን ኣቦና ቆሞስ ኣርኣያ ተዋህበ። ናይ  ሰልፊ ጉዕዞ ሓበሬታ ከኣ ብመራሒ መደብ ዲያቆን ዑቕበ ዘመደ ብትግርኛ እንግሊዘኛን ተዋሂቡ። ብድሕሪ እዚ ኩሎም ሰልፈኛታት ስእሊ እንፈቅሮም ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ኣፍ-ልቦም ኣንጠልጢሎም ካህናትን ዲያቆናትን ግቡእ ልብሰ-ተክህኖ ለቢሶም፥ ጽላል ሒዞም እግዚኦታን ዝተፈላለዩ ናይ ጭርሖ ስምዕታን ኣብ ቤተ መንግሥቲ ኣሜሪካ ኣስሚዖም። ብድሕሪ እዚ ከባቢ ሰዓት 1130 ቅድሚ ቀትሪ ብጎደና ፐንስልቫኒያ ኣቢሎም ንጎደና ቅዋም ኣቋሪጾም፡ ብጸሎተ-ምህለላ፥ ብናይ ፍትሒ ጭርሖታትን ብምዕዳል ፖስተራትን እናተጓዕዙ ጸርፊ ይኹን መርገም፥ ሕማቕ ጭርሖ ይኹን ዘየድሊ ቁጥዐ ዘይተሓወሶ፥ ንኽብሪ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ዘንጸባርቕ፥ ንመንፈሳዊ ሓላፍነትን ምዕቡል ኣሰራርሓ መንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ዘንእድ ሕልናዊ ዕዮን ታሪኻዊ ፍጸመን እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝተፈላለዩ ሰላማዊ ሰልፍታት በብእዋኑ ዝግበር እኳ እንተ ኾነ፡ ከምዚ ብመንበረ ጵጵስና ዝተጸውዐ፡ ናይ 8 ሕዳር 2019 . ዝዓይነቱ መስቀል ኣምሪሕካ፥ ብፍሉይ ኣለባብሳ ውሉደ-ክህነት ምስ ጽላሎም፥ ክዳን ሓበሻ ዝለበሳ ብዙሓት ኣዴታትን ኣቦታትን፥ ዓበይቲ ስእልታት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣምሪሕካ ብሥሩዕ ሰልፊ ምጉዓዝ ንብዙሓት ሓለፍቲ መገዲ ኣጋይሽ በጻሕቲ ይኹኑ ነበርቲ ዋሽንግቶን ዲሲ ኣዝዩ ዝመስጥ ፍሉይ ተርእዮ እዩ ነይሩ። ነቲ ብኣበው ካህናትን  ምሉእ ህዝብን ብተደጋጋሚ ዝዝየም ዝነበረእግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ! በእንተ ማርያም መሓረነ ክርስቶስ! ዝብል ጥዑም ጸሎተ-ምህለላ ብየማነ-ጸጋም ጎደናታት ንዝነበሩ ኣሜሪካውያን ተዓዘብቲ ህዝቢ ብተገዳስነትን ብኣንክሮን ይከታተልዎ ነይሮም። ብህዱእ ጉዕዞ ድማ ናብቲ ዝተመደበሎም ቦታ ናብ ካፒቶል-ሂል ቤት ጽሕፈት ባይቶ ወከልቲ መንግሥቲ ኣሜሪካ መዛዘሚ ሰልፊ ሰዓት 1230 ድሕሪ ቀትሪ ብሰላም በጽሑ።

ብጉዱሳት ኣወሃሃቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝወጸ መደብ መሠረት፥ ብሓዋርያዊ ዕዮ ምኽንያት ብኣካል ምሳና ክርከቡ ዘይከኣሉ እሙን ጓሳና፡ ቃል ዓቃቤ መንበር ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኩሉ መንፈሳዊ መልእኽትን መጸናንዒ ማዕዳን ንኹሉ ህዝቢ ተመሓላለፈ። ብድሕሪ እዚ ድማ ናይ ዕለቱ ሓጺር መልእኽቲ ወንጌልካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና ከቶ የልቦን!  (ሮሜ 835) ብዝብል ጽቡቕ መጸናንዒ ቃል ተዋህበ። ብድሕሪ እዚ እቶም ብዘይ ገበንን በደልን ዝተኣስሩ ካብ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ጀሚርካ ኩሎም ናይ ሃይማኖትን ሕሊናን እሱራት ኤርትራውያ ብህጹጽ ክፍትሑ! ዝብል ሕጋውን ፍትሓውን ናይ ጥርዓን ደብዳበ ንኹሉ ህዝቢ ብትግርኛን እንግሊዘኛ ብኣበው ካህናት ተነቢቡ። ነንዝምልከቶም ኣካላት መንግሥትን ንፍትሓዊ መሰል ወዲ-ሰብ ዝጣበቑ ቤት ጽሕፈታትን ድማ ብወግዒ ተላኢኹ። ብተወሳኺ ነቲ ብጭካነ 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ኣብ ጸቢብ ገዛ ማሕዩር ዓጺይዎም ዘሎ መንግሥቲ ኤርትራውን ብቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ዋሽንግቶን ዲሲ ናይ ስምዕታ ደብዳበ ከም ዝተላእከ ንህዝቢ ተሓቢሩ። እቲ ሥነ-ሥርዓት ሰላማዊ ሰልፊ ልክዕ ሰዓት 200 ድሕሪ ቀትሪ፡ ይቕረ በለልና ወድኣዮ እቲ መከራና ብዝብል መዝሙርን ብጸሎተ ምህለላን ብረድኤት እግዚኣብሔር ብሰላም ተዛዚሙ።

ብተወሳኺ ንጽብሓይቱ ሕዳር 09, 2019 ንነዊሕ ዝወሰደ ፍሉይ ጉባኤ ውሉደ ክህነት ተኻይዱ። ንህሉው ኩነታት ሃገርናን ቤተ ክርስቲያንናን ብደቒቕ ድሕሪ ምግምጋም፥ ኣብ ዓድና ዝርከቡ ሒደት መራሕቲ ናይ ሃገር ይኹን ናይ ቤተ ክርስቲያንና ኣንጻር ትምኒት ሕዝብን ምእመናን ካብ ምኻድ ዝምለሱ ኣይመስሉን። ከምቲ ኣብ መግለጺ መንበረ ጵጵስና ሰፊሩ ዘሎእዚ ኮነ ኢልካ ንነዊሕ ዓመታት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተሓሰበሉን እናተሰርሓሉን ዝመጸ ውዲት ንኹሉ ማሕበራዊ፥ ቁጠባዊን ስነልቦናዊ ሃብቲ ሕብረተሰብ ኣፍሪስካ ኣብ መወእታ ድማ ካብታ እንኮ ጸግዑን መዕረፊቱን ዝኾነት ቤተክርስቲያን ንምፍላይ ዝዓለመ እዩ እዚ ድማ ብመደብ መንነትን ታሪኽን እምነትን ሕዝቢ ንምጥፋእ ዝግበር ዘሎ እኩይ ተግባር እዩ። ታሪኽ ከምዝምህረና ሃይማኖቱን መንነቱን ዘጥፍኣ ሕዝቢ ድማ ኣብ ቅልውላው እዩ ዝነብር። ዝኸበርኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራን ብሓፈሻ ድማ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ  ንጥፍኣትና  ዝዓለመ ሜላ ሎሚ ጋህዲ ኮይኑ ስለዘሎ ክንልብም ይግብኣና። …. ሎሚ ካብዚ ንላዕሊ ክንጻወሮ እንኽእል ጥፍኣት ክህሉ ስለዘይግባእ፥ ሕጊ ሃገር ክትከል (ቅዋም ቅዋም ክትግበር) መሰል ወዲሰብ ክኽበር ቀኖና ቤተክርስቲያን ክሕሎን ኩልና ክንልዓል ይግባእ።

ድሕሪ ደጊም መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ፥ ሓዋርያዊ ሰንሰለት መንበረ-ማርቆስ ንምሕላው ታሪኻዊ ናይ መሪሕነት ተርኡ ከልዕል ምኻኑ ተረድአ። ከም ዜጋታትውን፥ ነቲ ምሰሉ ተሓልይሉ፥ ፍረ መስዋእቱ ደቁ ከስተማቕርን፥ ንቡር ሕይወት ኪመርሕን ዘይተዓደለ ሕዝብና መሪሕ ኮይና ተስፋ ክንህቦን፥ ናይ ስጋን መንፈስን ሕሰምና ክሳብ ዝቕንጠጥ፥ መንፈሳውን ዜግነታውን ሓላፍነትና ብዝልዓለ ተወፋይነት ክንፍጽም መድረኽ ይጽውዓና ከምዘሎ ተገንዚብና።

ብሓፈሻ እዚ ብመሪሕነት መንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ተጸዊዑ ንመጀመርታ ጊዜ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓቂ ዕዉትን ንልቢ ብዙሓት ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ጉዳሳት ኤርትራውያንን ብተስፋ ዘነቓቕሐ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ኩሉ ኣሕጉራትን ሃገራትን ዝርከቡ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ከኣ ንዘይፍትሓዊ መእሰርትን መሪር ግፍዕን ቅዱስ ኣቦናን ዘኪሮም ዓገብ! ኣቦና ይፈትሑ! ዝብል ሰላማዊ-ሰልፍን ናይ ሓባር ድምጽን ከስምዑ ንላቦ። ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ብጽቡቕን ምዕሩግን ኣገባብ ንኽዛዘም ልዑል ኣበርክቶን ዕዙዝ ተሳትፎን ንዝገበሩ ኩሎም ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምምሕዳር ሃገረ ስብከት፥ ካህናትን ዲያቆናትን፥ ሰብኡትን ኣንስትን፥ ዓበይትን ነኣሽቱን ኩሎም ኤርትራውያን ክርስቲያንን እስላምን ብልቢ ከነመስግኖም ንደሊ። ብተወሳኺ ንኹሎም ኤርትራውያንን ዓለም-ለኻውያን ማዕከናትን ዜናን መራኸቢ-ብዙኃንን፥ ንዝገበርክሞ ሞያዊ ኣበርክቶ፥ ከምኡውን እቶም ካብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለም ብሕልናን ጸሎትን፥ ብምኽርን ናይ ደገፍ መልእኽትን ዝተሓበበርኩምና ውልቀ-ሰባትን ትካላትን መንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብስም ግፉዕ ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ብልቢ ከነመስግኖም ንፈቱ። ናይ ዋሽንግቶን ዲሲ ኣኽበርቲ ጸጥታን ፖሊስ ትራፊክን ንኣስታት 5 ሰዓታት ዝገብሩልና ሞያዊ ምትሕብባር ነመስግን። ልዑል ኣምላኽ ንእሱራትና ፍትሒ ንህዝብና ፍቕሪ የውርደልና።

ንመራሕትን ምእመናንን መድሓኔ ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ፥ ስለቲ ምቕሉል እንግዶትን ደገፍን ብዙሕ ነመስግን፥ ልዑል ፈጣሪ ጻማ ይሃብኩም ድማ ንብል።

ጎይታምንኣኽ እቶም እሱራት ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ። ነቶም ንሞት እተመደቡ ብሥልጣን ቅልጽምካ ኣድሕኖም። መዝ 7910

ልኡኽ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን መንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ

9 ሕዳር 2019 . ዋሽንግቶን ዲሲ

 

Voice Of America -VOA

Radio SBS Tigrigna

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div