S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ኢድ ሰይጣን ምሕረት ኣይትጸበ!

እዛ ቃል እዚኣ ንመጀመርታ ጊዜ (ቦኽሪ እዝነይ) ዝሰማዕክዋ ኣብቲ ምድረ በዳን ምድረ ፍዳን ዝኾነ ሳዋ ዝበሃል ቦታ መደንዘዝን መልመስን መንእሰያት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 1997 .ም. እዩ ዝነበረ። ሓደ ወተሃደራዊ በዓል ሥልጣን ኤርትራ ከቢድ መልእኽቱ ከመሓላልፍ ከሎ፡ ከምዚ ኮይነ፥ ከምዚ ኣሎኒ፥ ዝብል ዝኾነ ምኽንያት ቅቡል ኣይኮነን። ንኽትፈልጡ ኣብዚ ክልተ ትእዛዝ ጥራይ እየን ዘለዋግበር ወይ ኣይትግበርዝብላ፥ "ካብዚ ወጻኢ ንዝኸደ ምሕረት ዝበሃል የሎን። ካብ ኢድ ሰይጣን ምሕረት ኣይትጸበ።" ክብል ኃይለ-ቃል ዘለዎ ከቢድ መጠንቀቕታ ሂቡና ናብ ቦትኡ ተዓዝረ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ እምበኣር ኣብ ኢድ ሰይጣን ኢና ኣቲና ዘሎና ብዝብል ሓሳብ ብሓቂ ልበይ ስለ ዝተጎድአ ኣምላኽ ብምሕረቱ ካብቲ ዘፍርሕ ዓዘቕትን ከቢድ መግዛእትን መዋጽኦ ክፈጥረልና ወትሩ ብጸሎት ይልምን ነበርኩ። ነታ ከባድ ቃል በዓል ሥልጣን ህግደፍ ዝተዛረባ ክኣ እንሆ ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 22 (ዕስራን ክልተን) ዓመታት ብፍጹም ክርስዓ ኣይከኣልኩን።

እወ! ካብ ኢድ ሰይጣን ምሕረት ኣይንጸበ። ንሰይጣን ኣይትሃቦ ሥልጣን እኳ ዝብሉ ወለድና። እቲ ቅዱስ መጽሓፍና'ውን ዲያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዝውሕጦ ደልዩ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ ተጠንቀቑ፥ ንቕሑ። ኣብ እምነትኩም ጸኒዕኩም ተቓወምዎ! እዩ ዝብል (1 ጴጥ 58-9)። ስለዚ እምበኣር ናብ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ክምለስ። 

ዝኾነ ሰብ፥ ናይ ባህርይ ስሙ ሰብዝብል እኳ እንተኾነ ናይ ግብሪ ስሙ ግና መልኣኽ ወይ ሰይጣን ተባሂሉ ክጽዋዕ ይኽእል እዩ። ዝኾነ ሰብ ንሕጊ እግዚኣብሔርን ንሕጊ ሃገርን ተማእዚዙ ምስ ካልእ ሰብ እንተ ተፋቐረ፥ እንተ ተኸባባረ፥ ንዝበደልዎ እንተ መሓረ፥ ኩሉ ሠናይ ዘበለውን እንተ ገበረ እዚ ሰብ እዚ መልኣኽ ይበሃል። ብኣንጻሩ ድማ ዝኾነ ሰብ ንትእዛዝ እግዚኣብሔርን ንሕጊ ሃገርን እንተ ሰዓረ፥ ኣብ ጽልእን ህልኽን ኣብ ቂምን ኃጢኣትን እንተ ነበረ፥ ቅትለትን ዓመጽን እንተ ኣዘውተረ፥ ንሰብ እንተ ኣሕሰረ፥ እዚ ከኣ ወላኳ ሰብ ይኹን እምበኣር ብግብሩ ሰይጣን እዩ ዝበሃል።

ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ንኹሉ ወዲ ሰብ፥ ክልተ ዓይነት ምርጫ ጥራይ እዩ ዘለዎ። ንሱ ኸኣ ወይ ምስ እግዚኣብሔር ኮንካ ምእካብ እዩ፥ ወይ ድማ ምስ ሰይጣን ኮንካ ዝተኣከበ ምብታን እዩ። ወይ ብብርሃን ምጕዓዝ እዩ፥ ወይ ድማ ብጸልማት ምጕዓዝ። ብመገዲ የማን ናብ ሕይወት ወይ ከኣ ብመገዲ ጸጋም ናብ ሞት፥ በታ ገፋሕ ወይ በታ ጸባብ መገዲ ምምልላስ። በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሓሳብ መሠረት፡ እቲ ትማሊ ኣብ በረኻ ከሎ፡ ኣምላኽ የሎን! ዝብል ዝነበረ መሪሕነት ሰውራ፡ ሎሚ ድማ ኣብ ነጻ ኤርትራ ንጥንታዊ እምነት፥ ኣብያተ ጸሎት፥ ባህሊ፥ ሥርዓት፥ ቅርስን ክብርታትን ህዝብና ንምጥፋእ መሪሕነት ህግደፍ ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ ንሰምዖን ንርእዮን ዘሎና ጥራይ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ብግብሪ ዝነብሮ ዘሎ ሓቂ እዩ። ህግደፍ ካብዚ ንህዝብን ሃገርናን ዝጎድእ ሕማቕ ሥራሕ ሰይጣን እንታይ እዩ መኽሰቡ እን በልና ናቱ ምርጫ ስለ ዝኾነ ባዕሉ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ።

ስለዚ እምበኣር ካብዚ መንግሥቲ'ዚ ይዕበ ይንኣስ፥ ይብዛሕ ይውሓድ፥ ምሕረት፥ ሕድገት፥ ይቕረታን ዕርቅን (ምስ እግዚኣብሔር ይኹን ምስ ህዝቢ) ክገብር ይኽእል እዩ ኢልካ ምጽባይ ከንቱ ተስፋ ምዃኑ ኣሚንና ክንቅበሎ ዘሎና ርዱእ ጉዳይ እዩ። ስለምንታይሲ እቲ ሕማቕ ባህርይኡን ድሌቱን ዘፍቅዶ ኣተሓሳስባ ስለ ዘይኮነ። ስለዚ 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ይኹን ንኹሎም እሱራት ገዳማውያን ኣቦታት መነኮሳት ከምኡውን ንካህናትን ምእመናንን ደቂ ሃገር፡ መሪሕነት ህግደፍ ክፈትሖም እዩ ኢልና ኣይንጸበ። እወ! ካብ ኣቶ ኢሳይያስን ሰዓብቱን ፍትሒ ኣይንጸበ ምኽንያቱ ብቂም ሕነ ክፈድን ክተሃላለኽን ደኣ እምበር ኣብዚ 25 ዓመታት ዘመነ-ናጽነት ብሕግን ፍትሒን ክነብር ስለ ዘይረአናዮ። እንተዘይኮነስ፥ ወዲ 94 ዓመት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ማሕዩር ነጻ ምለቐቖም ነይሩ። ከምኡውን ንወዲ 93 ዓመት ሽማግለ መራሒ ቤት ትምህርቲ እስላም ኣቦይ ሓጂ ሞሳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሞቱ ኣይምወሰነን ነይሩ። ነቶም ናይ 30 ዓመታት ብጾቱን መቓልስቱን እንተኾነውን ንኽንዲዚ ዓመታት ጭካነ ብዝመልኦ ኣረሜናዊ ግብሪ ኣይምኣሰሮምን ኔሩ እዚ ከኣ ርኡይ መገዲ ሰይጣን መገዲ ዕንወትን ሞትን እዩ። ንዝበደለ ኣብ ፍርዲ ኣቕሪብካ መቕጻዕቲ ምሃብ ንቡር እዩ፥ ጊዜኡ ምስ ኣኸለ ድማ መቕጻዕቲ ወዲኡ ካብ ማእሰርቲ ይወጽእ። ብዘይ በደል ዝተሓየረ ግና ከምዚ ኣብ ኤርትራ ንርእዮ ዘለና "ዳስ ሓውያስ" እዩ።

እምበኣርከስ ሕጂውን ካብ ኢድ ሰይጣን ፈጺምና ምሕረት ኣይንጸበ። እዚ ማለት ተስፋ ክንቆርጽ ዘይኮነስ ተስፋና ኣብ ክንዲ ኣብ ሰብ ኣብ ኣምላኽ ክንገብር ሠናይ እዩ። ስለዚ ሥርዓት ህግደፍ ንሰብ ጥራይ ዘይኮነ ንእንውንኖ ኩሉ ካልእ'ውን ገቢትዎ እዩ። ነታ እንኮ ወግዓዊት ልሳን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ካብ መስከረም 2001 .ም. ጂሚሩ ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 18 ዓመታት ዝኣሰረ፥ ነታ እንኮ መጽሔት ብሥራተ-ግዕዛን ካብ ሕትመት 18 ዓመታት ዝኣገደ፥ ንልዕሊ 4, 650 ዝኾኑ ኦርቶዶክሳውያን ካህናትን ዲያቆናት ኣብ ግዱድ ሃገራዊ ባርነት ሳዋ ዘዐስከረ፥ ብዙሓት መነንቲ መነኮሳትን ጥንታዊ ገዳማትን ዝደፈረ፥ ናይ ዘመንና ዕሉል ኣረሜን ከም ዲዮቅልጥያኖስ ምዃኑ ኩልና ክነስተውዕል ይግብኣና። ግናኸ ኣጆና፥ እቲ ምሕረት ዘይገበረ ብዘይ ምሕረት ክፍረድ እዩ። ያዕ 213

ኣብ መደምደምታ ነቲ ዘማራይ ዳዊት - ረድኤተይሲ ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሔር እዩ ዝመጸኒ። ንሱ ንእግርኻ ኣየሰናኽልን እዩ። ሓላዊኻ ኣይታኸስን እዩ! ዝበሎ እንዳ ዘከርና ብጸሎትን ምህለላን ወትሩ ነቲ ጎይታ ጎይቶት፥ ንጉሥ ነገሥታትን ዝኾነ ሕያው ኣምላኽ ከይሰልከና ብእምነት ንለምን። እቲ ገባሪ ትእምርትን ተኣምራት ኣምላኽ ድማ ኣብ ምዱብ ጊዜኡ ሕሰም ምድርናን ቁስሊ ህዝብናን ክፍውስ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ምንኣኽ እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፥ (ይባእ ቅድሜከ ገዐሮሙ ለሙቁሓን!) መዝ 7911።

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሻርሎት ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div