S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና ከምቲ ልሙድ ዓመት መጸ ብኽብሪ ዝበዓል: ሎሚ ዓመት'ውን ቀዳም 23 ሕዳር 2019 ዓ.ፈ (፲፫ ሕዳር ፳፻፲፪ ዓ.ም) ብዝደመቐን ዝማዕረገን ኣገባብ ን10ይ ግዜኡ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ብነፈርትን መካይንን ብዝመጹ ብብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያን፥ ምእመናን ነበርቲ ከተማ ሻርሎት፥ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ዓቢይ መንፈሳዊ ክብረ በዓል ብኃይሊ ኣምላኽን፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ተስፋን በረኸትን ብዝመልኦ ድሙቕ ኣገባብ እዩ ተኸቢሩ ውዒሉ።

መንፈሳዊ ኣገልግሎት ናይቲ ዓመታዊ ክብረ በዓል ብድሮ ዓርቢ ብዋዜማን ጸሎተ-ሰርክን እዩ ጀሚሩ። ቀዳም ወጋሕታ'ውን ኣቦታት ቆሞሳት: ውሉደ-ክህነትን ማሕበረ-ምእመናንን ብዝጀመርዎ ጸሎተ ነግህ: ነቲ ዕለት ዝምልከት ማሕሌትን ጸሎተ ቅዳሴን ዓሪጉ። ናይ ዕለቱ ስብከተ-ወንጌል ድማ ሚካኤል ሊቀ-መላእክት ሰኣል በእንቲኣነ ወቅዱስ ገብርኤል ኣዕርግ ጸሎተነ ካብ ዝብል ልሙድ ጸሎተ-ሰዓታት ብምጥቃስ፡ ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ መንነትን ንደቂ ሰባት ዝህብዎ ኣገልግሎትን ብመሠረት መጽሓፍ ቅዱስ (ዕብ 1፡14) ግሩም ዝኾነ መንፈሳዊ ቃል ኣምላኽ ተዋሂቡ።

ሚካኤል ማለት መን ከም እግዚኣብሔር ማለት እዩ። ኣቦና ዳዊትውን “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ዚመስል የልቦን” ክብል ገሊጽዎ ንረኽቦ (መዝ 113፡5)። በዚ መሠረት ድማ ኣምላኽ “ንህዝቢ እስራኤል ካብ ጭቆና ፈርዖንን መግዛእቲ ግብጽን” ብረድኤት ሊቀ-መላእኽት ቅዱስ ሚካኤልን መሪሕነት ነቢይ ሙሴን ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ መቒሉ፥ ናብታ ምድሪ ርስትን ተስፋን ከም ዘእተዎም፥ መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ንመከራ ቤተ ክርስቲያናን ሽግር ሃገርናን ቀንጢጡ ንኣመንቲ ጽድቂ፥ ንብኡሳት ዕርቂ፥ ንግፉዓት ፍትሒ፥ ንጨካናት ዝርህር ልቢ ክህቦም ጸሎተ-ምህልላ ተገይሩ፡ "እትዉ-በሰላም"! ተባሂሉ ጸሎተ-ቡራኬ ምስ ተገብረ ታቦት ብኽብሪ ውሉደ-ክህነት ተዓጂቡ፥ ተመሃሮ ት/ሰንበት ብዝተፈላለዩ መዛሙርን ብዕልልታ ኣዴታትን ተሰንዩ ዑደት ተኻይዱ። ብድሕሪ እዚ ብምእመናን ንዝተዳለወ ምሳሕ ንግደት ኩሉ ህዝቢ ተመጊቡ።

በዚ ኣጋጣሚ ንኩልኹም ነጋድያን ንግደት ኢየሩሳሌም ይግበረልኩም እናበልና፥ ብፍላይ ንምእመናን ደብረ ግዕዛን መድኃኔ-ዓለም ኣትላንታን ከምኡውን ንምእመናን መድኃኔ-ዓለም ራሊይን ዕዙዝ መንፈሳዊ ምስጋናና ብምቕራብ ንኹልኹም ተሳተፍቲ ክብረ-በዓልና እግዚኣብሔር ጻማኹም ይኽፈልኩም ንብል።

በረኸትን ረድኤትን ሊቀ-መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩልና ይኹን!

ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ሊ/መ ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div