S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ኣብ ሃገረ-ሆላንድ 

እቲ  ብብፁዕ  ኣቡነ-መቃርዮስ እናተመርሐ፣ ኣብ ቀጻሊ ሓዋርያዊ-ዑደት ዝርከብ ዘሎ ጉጅለ ቤተ-ክርስቲያን። ብድሕሪ እስራኤልን ጀርመንን፣ እቲ ጉዕዞ ናብ ሃገረ-ሆላንድ` ኣምሪሑ። ኣብ ዕለት 04/03 ድማ እቲ ጉዕዞ ጀሚሩዎ። ብድሕሪ ናይ 6-ሰዓት ናይ መኪና ጉዕዞ ከኣ፣ ኣማስያኡ ናብቲ ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ዝርከብ ናይ ግብጻውያን ገዳም ክበጽሕ ክኢሉ።

እቶም ናይቲ ገዳም ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ-ኣርሳኒ ከኣ፣ ነቲ ብብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ዝተመርሐ ጉጅለ። ምዉቕ ብዝኾነ ፍቕርን ኣኽብሮትን ተቐቢሎሞ። ንጽባሒቱ ዕለት 05/ 03 ከኣ እቲ ጉጅለ፣ ናብ ባይቶ ወይ ፓርላማ ናይቲ ሃገር` ኣምሪሑ። ማለት ምስተን ኣብ ሥልጣን ናይ ዘሎ ፓርቲ፣ ሰብ ልፍንቲ ዝኾና ናይ ክርስቲያን ፓርትታት ወይ ማኅበራት፣ ተጸዋዕቲ ምስ ዝኾኑ ሓለፍቲ ዝዝርብ ኣካይዱ።

ኣብቲ ዝተገብረ ዝርርብ፣ እቶም ኣባላት ፓርላማ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኣብያተ-ክርስቲያናት ኤርትራ`ዮም ክፈልጡ ሓቲቶም። ብፁዕ ኣቦና ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ “-ኩለን ቤተ-እምነታት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ፖለቲካዊ-ጸቕጢ ካብ ዝተሓዛ፣ ነዊሕ ኮይኑ`ዩ። መሰል ዝበሃል ነገር የልቦን። ከም ሳዕቤን እዚ`ውን ብሰንኪ እምነቶም ዝእሰሩ ዉሑዳት ኣይኮኑን። ንሕና ከም ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ መጠን`ውን፣ እዚ ፖለቲካዊ ጸቕጢ` ተሪፉልና` ዝበሃል ኣይኮነን-” ብምባል`ዮም ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝገለጹ።

ብተወሳኺ ብፁዕነቶም ብዛዕባ` ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ተጽዕኖ ክገልጹ ከለዉ “-ብቀንዶም እቶም ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ፣ ካብ ዝሓለፈ 15-ዓመት ኣትሒዞም፣ ኣብ መቑሕ ተታሒዞም ዝርከቡ ክኾኑ ከለዉ። እቶም ሠለስተ ናይ መካነ-ሕይወት ካህናትና`ውን፣ ካብ 1997 / (2005) ኣብ ጽኑዕ ማእሰርቲ`ዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ተኣሲሮም ምስ ከዱ ኣድራሻኦም ዘይፍለጡ `ውን ስፍሪ ቁጽሪ የብሎምን። እቲ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ግፍዒ`ውን፣ ተዛሪብካን ጽሒፍካን ዝውዳእ ኣይኮነን-” ብምባል`ዮም ብፁዕ ኣቦና ዝገለጹዎ።

ብምቕጻል ብፁዕነቶም “-ካብ ዝሓለፈ 20-ዓመት ኣትሒዞም መነኮሳትን ካህናትን ዲያቆናትን፣ ንግዱድ ዕስክርና ወግሐ ጸብሐ ተገፊፎም ይውሰዱ ስለ-ዘለዉ። ብሰንኪ ሕጽረት ኣገልገልቲ ዝዕጸዋ ዘለዋ ኣብያተ-ክርስቲያናት ዉሑዳት ኣይኮናን። እዚ ሕጊ ዝጠሓሰ ተግባር`ዚ፣ መዕገቲ ክግበርሉ እንተ ዘይክኢሉ ከኣ። እቲ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን፣ እንታይ ክኸውን ከም-ዝኽእል ምግማቱ ዝጽግም ኣይኮነን-” ብምባል`ዮም ብፁዕነቶም ዝገለጹ።

ብምቕጻል ዝቐረበ ሕቶ እቲ ዝግበር ዘሎ ግህሰተ ሕጊ፣ ንተዋሕዶ ጥራይ ድዩ ወይሲ ንኻልኦት ቤተ-እምነታትከ የጠቓልል`-? ዝብል` ነይሩ። ብፁዕነቶም ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ “- ዝኾነት ቤተ-እምነት ካብቲ ክፍጸም ዝርከብ ዘሎ ግፍዕታት፣ ነፃ` ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብዚ ቀረባ እዋናት፣ እተን ንሕዝቢ ነፃ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ፣ ናይ ካቶሊኽ ክሊኒካት ከም-ዝዕጸዋ ተገይሩ ኣሎ። ንብረት ቤተ-ክርስቲያን ኣይነረክብን ዝበላ ደናግል`ውን ተኣሲረን ምህላወን` ዝፍለጥ። ስለዚ እቲ በቲ ማርክሳዊ ዝኾነ ሥርዓት ዝፍጸም ግህሰተ-ሕጊ፣ ንማንም ይተርፎ` ዝበሃል ኣይኮነን-”  ብምባል`ዮም ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ዝመለሱ።

ብምቕጻል ክገልጹ ከለዉ “-ኣብቲ ሳዋ ዝተባህለ ናይ ግዱድ ዕስክርና ማእከል። ብዙሕ ዝፍጸም ጸረ-እምነት ምህላዉ ይዝረብ`ዩ። ማለት እቶም መንእሰያት ካብ ክሳዶም ማዕተብን መስቀልን ተበቲኹ ክውሰዶም ከሎ። መጽሓፍ-ቅዱስ`ውን ካብ ኢዶም ተመንዚዑ ክውሰዶም ከም-ዝተገብረ` ዝፍለጥ። እዚ ኩሉ` ከኣ ንዝኾነ ቤተ-እምነት ይተርፈሉ` ዝበሃል ኣይኮነን-” ብምባል`ዮም ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ዘረድኡ።

ኣብ ዕለት 07/03 ድማ፣ ብፁዕ ኣቦና ምስ ውሉደ-ክህነትን ማኅበረ-ምእመናንን `ዮም ርክብ ኣካይዶም። ኣብዚ ጉባኤ` ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ፣ ብዙሓት `ዮም ክሳተፉ ክኢሎም። ካብቲ ኣሎ ተባሂሉ ኣብዚ ጉባኤ` ከም ጸገም ክግለጽ ዝተሰምዐ ሓደ። እቲ ናይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ወገን ኢና ብምባል፣ እናተገብረ ዝርከብ ዘሎ ምድንጋራት`ዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እንሆ እዚ ጉዳይ`ዚ፣ ንሓድነትን ምርግጋእን ቤተ-ክርስቲያን፣ ከቢድ ፈተና ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ብምባል` ብኣፍ ብዙሓት ተደጋጊሙ ክግለጽ ዝተሰምዐ።

ገለ ካብቶም ወገን ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኢና ዝብሉ ግና፣ ንምድንጋር ኢሎም ዝብሉዎ ዘለዉ ደኣምበር። ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ስለ-ዘለዉ ኣይኮኑን።  ምስቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ መለካዊ-ሲኖዶስ፣ ርክብ ከም-ዘይብሎም መሲሎም ክርኣዩ ስለ-ዝደልዩ ግና፣ እቲ “-እንጦንዮስ-” ዝብል ስም። ከም ጉልባብ ክጥቀሙሉ ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ድማ ነቲ ሕዝቢ ንምድንጋር ዝጥቀሙዎ ቃል ምዃኑ`ዩ፣ ኣብቶም ተጋባእቲ ብምድግጋም ክዝረብ ዝተሰምዐ። ማለት እቲ መጋበሪ ፖለቲካ ምዃን፣ እቲ ሕዝቢ ከም-ዘይቅበሎም ስለ-ዝፈልጡ፣ ወገን ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኢና ንምባል፣ ዝፈጥሩዎ ዘለዉ ምድንጋር ምዃኑ` ዝተገልጸ፣

ኣብ መወዳእታ ከኣ፣ እቲ በቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ዝዝራእ ዘሎ እሾኽ፣ ካብ ሱሩ ምሒኻ ምድርባዩ ምእንቲ ክከኣል። ምስቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝቃለስ ዘሎ፣ ብብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ዝምራሕ ዘሎ መንበር ርክብ ብምግባር፣ ነቶም ኣብዚ ናይ ፖለቲካ በዓቲ` ተሓቢኦም ዝርከቡ ዘለዉ ካህናት፣ ክጋለጹሉ ዝኽእሉ ቃልሲ ክካየድ፣ ኣብ ዝብል ሓሳብ` ናይ ብዙሓት ርእይቶ ክጠቓለል ዝተሰምዐ።

ንጽባሒቱ ሰንበት ድማ፣  ኣብ ናይ ግብጻውያን ቤተ-ክርስቲያን ቅድስቲ-ማርያም፣ ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ባዕሎም ሠራዒ ኮይኖም ዝመርሑዎ ቅዳሴ ተኻይዱ። እዚ ኣብ ኣምስተርዳም ዝተኻየደ ቅዳሴ። ብዙሕ ሕዝቢ ዝተሳተፎ ስለ-ዝነበረ። መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ዝሳተፍ ሕዝቢ ብዙሕ` ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ ሕይወት ግብጻውያን ካብ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ተፈልዩ ዝርአ ኣይኮነን። ቤተ-ክርስቲያን ኣትዩ ከይቈረበ ዝውጽእ ግብጻዊ ድማ የልቦን። እዚ ከኣ ሕዝብና ክመሃሮ ዝግብኦ ዓቢይ ትምህርቲ`ዩ።

ሕዝብና ግና ብዛዕባ ቅዱስ-ቁርባን ዘለዎ ኣፍልጦ ወይ ርድኢት፣ ዝነኣድ` ክንብል ኣይንኽእልን። ብቅዱስ-ቁርባን ዘይስነ ክርስትና ከኣ፣ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ክርከብ ዝሕሰብ ነገር ኣይኮነን። መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ከይተሳተፍካ ክርስቲያን` ምባል ከኣ፣ ትርጉም ዘለዎ ክርስትና ኮይኑ ክርከብ፣ ፈጺሙ ዝሕሰብ`ውን ኣይኮነን። ሕዝብናን መኣዲ ቅዱስ-ቁርባንን ግና፣ ማዕዶ ንማዕዶ እናተጠማመቱ `ዮም ዝነብሩ ዘለዉ። እቲ ውሉደ-ክህነትና ነዚ ጉዳይ`ዚ፣ ክሳብ መዓስ ተጻዊሩዎ ክኸይድ ከም-ዝደሊ ግና ዝፍለጥ ነገር የልቦን።

“-ሕዝበይ ሰኣን ፍልጠት ጠፍአ-” ከም-ዝብል ነቢይ-ሆሴዕ። እቲ መጓሰ ተዋሕዶና ንከቢድ ሓደጋ ተጋሊጹ` ዝርከብ ዘሎ። ጓሶት ኣለዉዎ ክብሃል ድማ፣ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክዉንነት ክሳነየልና ዝኽእል ኣይመስልን። ስለዚ ምስ ግብጻውያን ዘራኽብ ነዊሕ ታሪኻዊ ዝምድና ዘሎና ከም ምዃና መጠን። እቲ ንሳቶም ዝነብሩዎ ዘለዉ ትርጉም ዘለዎ ናይ ክርስትና ሕይወት። ንሕና`ውን ክንለምዶ ከም-ዝግበኣና ዘይንፈልጥ ክንከውን ኣይግባእን።

ብዝተረፈ እቲ ኣብ ሃገረ-ሆላንድ፣ ብብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ተመሪሑ ዝተገብረ ሓዋርያዊ-ዑደት። ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን፣ ቀሲስ ሓለፎም ዓምደ-ማርያም፣ ዲያቆን ዮሓንስ ገብረ-ሕይወት፣ ዲያቆን ፍጹም-ብርሃን ታደለ ዝተሳተፉዎ ኮይኑ። ዕዉት ተባሂሉ ክግለጽ ብዝኽእል ኣገባብ ከኣ ተፈጺሙ። እቲ ናይ ሆላንድ ዑደት ድማ በዚ ኣጋባብ` ምስ ተፈጸመ፣ እቲ ጉጅለ ልኡኻን ኣብ ዕለት 09/03 ናብ ዓባይ-ብሪጣንያ ብምምራሕ ጉዕዞኡ ቀጺሉ።

(ዘኣንበሳ-ማርቆስ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div