S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ገድሊ ኣንጻር ነውሪ [መበል 53 ሰንበት: ቊ.፷፩/61, 2023]

ስለ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ (ንምጽኣቱ) እናተጸበኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ።” 2ጴጥ 314

እዚ ዕለት መበል 53 ከምኡውን ናይ መወዳእታ ሰንበት ናይ ዓመተ-ግእዝዩ። ዘመነ ሉቃስ ዛዚምና ናብ ዘመነ ዮሃንስ ንሰግር ኣለና። ምሉእ ዓመት ኣብ ዕድመና ዝወሰኸልና፡ ብጸጋኡን ብምሕረቱን ደጊፉ ንዅሉ መኻልፍ ህይወት ዘስገረና ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ቅዱስ ዳዊት፦ ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፡ ኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥብ።” ከም ዝበለ፡ እግዚአብሔር ብሳህሉ እንተ ዘይክልለናን እንተ ዘይሓጽረናን፡ ናብ ዘለናዮ ዕድመ ኣይምበጻሕናን (መዝ 6511) ኣብ ዓመትዚኣ ብሕማም ይኹን ብሓደጋ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቍጽሪ ብደረጃ ዓለም ይኹን ብደረጃ ዘለናዮ ሃገር፡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ውድብ ጥዕና ዓለም ንርኣዮ፡ ናይ ሳህሉ ከለላ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣጸቢቑ ኪስቈረናዩ። እግዚአብሔር ሓድሽ ዓመት ብዝጸገወና መጠን፡ ነቲ መዓልቲ ኻብ ምጽምባልን፡ ንሓድሕድና ርሑስ ሓድሽ ዓመት ካብ ምምናይን ሓሊፍና፡ ብዛዕባ ብሰላም ዝተሰግረ ሕሉፍ ዓመት ዕዙዝ ምስጋና፡ ብዛዕባ ንርከቦ ዘለና ሓድሽ ድማ ጽኑዕ ምሕጽንታ ናብ እግዚአብሔር ዘይነቕርብ ምዃንና፡ ዕብየትን ክብርን ናይ ብሕያውነቱ ዝጸገወና ዓመታት ከም ዚግባእ ከም ዘየስተውዓልናዮ ዜቃልዓናዩ። ነቲ ኣብ ኢድና ዝበለየ ዓመት ተፋኒና፡ ነቲ ሓድሽ ዓመት ክንርከቦ ኸለና፡ ቍጽሪ ናይ ዓመተ ምህረት ካብ ምልዋጥ ሓሊፍና ኣብ ህይወትና እንገብሮ ኻልእ ነገር ዘይምህላዉውን ኣዝዩ ዜሰክፍዩ። ኣብ ንፋነዋ ዘለና ዓመት፡ መንፈሳዊ ህይወትና ኸመይ ከም ዝነበረ፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ብዛዕባ ዓመትዚኣ እንታይ ዝዓይነቱ ጸብጻብ ከም እነቕርብ፡ ነታ እንርከባ ዘለና ሓዳስ ዓመትውን ብኸመይ ከም እንሓልፋ፡ ዝዀነ ምርመራን መደብን ከይገበርና ንሓልፍ እንተሊና፡ እዚርሑስ ይግበረልናኢልና ንትምነየሉ ዘለና ዓመታት ዕዳምበር ጸጋ ኸም ዘይኰነልና ከቶ ዘየጠራጥርዩ። እዚ ምድራዊ ዕድመና፡ ዘመን ትዕዝብቲምበር፡ ካልእ ኣይኰነን። ኣብዘን ዝርካበን ዓመታት፡ እቲ ዝጽበየና ዘሎ ዘልኣለማዊ ዕድመ ኣበይ ከም እነሕልፎ ኸነረጋግጸሉ ዝተሰርዓልና ዘመንዩ። እቶም ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ተጸዪፍና፡ ብፍርሃት እግዚአብሔር ተደሪኽና፡ ርእስና ብምግታእ ብልዑል ጥንቃቐ ብጽድቅን ብቕድስናን ዝተመላለስና፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ዕድመና መግለጺ ብዘይርከቦ ክብርን ሓጐስን ምጽንናዕን ኣብ መንግስተ ሰማያት ከነሕልፎ ኢና። እቶም ብስጋዊ ትምኒትን ፍትወት ዓለምን ተመሪሕና ብሓጢኣት ተበላሺና ዘሕለፍናዮ ድማ ዘለኣለማዊ ዕድመና ኣብ ቐላይ ሓዊ፡ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት፡ ዕረፍቲ ብዘይብሉ መሪር ስቓይ ከነሕልፎ ኢና። ስለ እታ እትፋነዋ ወይ እትርከባ ዘለኻ ዓመት እንታይ ዝዓይነቱ ዘለኣለማዊ ናብራ ኸም ትወልደልካ ከይወሰንካን ከይፈለጥካን ብስም ሓድሽ ዓመት እናጸንበልካ፡ ብዘይካ ናይ ቍጽሪ ለውጢ፡ ናይ ህይወት ለውጢ ኸይገበርካ ምሕላፍ፡ መዘና-ኣልቦ ዕሽነትሞ፡ ምጽምባልና ዘይተርፈናስ፡ ብሓቅን ብልቦናን ደኣ ነብዕሎ። እግዚአብሔር ዓመተ ልቦናን ምስትውዓልን፡ ዓመተ ጽድቅን ቅድስናን ይግበረልና።

ነዚ ዕለት ዝተሰርዐ መዝሙር ናይ ቅዱስ ያሬድከመ እንተ መብረቅዘርእስቱዩ። ንእኡ ድማ እዚ ናይ 2ጴጥ 310-ፍጻመ ንባብዩ። እዚ ኽፍሊ መጻሓፍ ቅዱስዚ፡ ኣብ ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣተኲሩ ዝተጻሕፈ ሓያልን በዳህን ጽሑፍዩ። ብዛዕባ ናይ ዘሕለፍናዮ ዓመት መወዳእታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ናይ ገዛእ-ህይወትናን ናይ ዓለምን መወዳእታ ብዕምቈት ክንሓስብን፡ ብእኡ ተደሪኽና ድማ ጽቡቕን ጠቓምን ዝዀነ ገድሊ እምነት ክንጋደልን ዚድርኸና፡ መንፈስ ቅዱስ ዝምንጩ ሓያል ሃዋርያዊ መልእኽቲዩ። ጐይታና ባዕሉ ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያቱ እዛ ዘለናያ ዓለም ብኽልተ ጐይቶት፡ ብኽልተ ኣማልኽቲ ኸም ትግዛእ ኣረጋጊጾምልና ኣለዉ። እቲ ቐዳማይ፡ እቲ ኽሳዕ መዓልቲ ምጽኣቱ ንዓለም ኪገዝኣን ኪመልካን ዝተዋህቦ ድያብሎስ (ዮሃ 1430 1611 2ቈረ 44 ኤፌ 21,2 1ዮሃ 519) ብሓጢኣት ዚመላለስ ዘበለ ዅሉ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ድያብሎስ ዚነብርዩ። ዋላቶምኣምላኽ የለን፡ ሰይጣንውን የለንኢሎም ህላውነቶም ዚኽሕዱ ዅሎም ናይ ድያብሎስ ግዙኣትዮም። እንኳዕ ንህላውነት ኣምላኽ ከሓዱሉምበር፡የለኻንስለ ዝበልዎ ንድያብሎስ ዚስምዖ ጓህን ቅንኣትን የብሉን። ምኽንያቱ ኽሕደት ናቱ ጥበብን ኣጽዋርንያ። እዚ እኩይ ገዛኢ ብቐዳምነት ዝተጠቕሰሉ ምኽንያት፡ ካብቶም ብኣምላኽ ዚግዝኡ እቶም ብእኡ ዚግዝኡ በማእት በሽሓት ዕጽፍታት ስለ ዚበዝሑዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፦ “..... ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተታሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 519) እቲ ኣዝዮም ውሑዳት ተገዛእቲ ዘለውዎ ገዛኢ ናይ ዓለም ድማ፡ እቲ ልዑል ኣምላኽ፡ እግዚአብሔርዩ። እቲ ዝሓየለን ሓቀኛን ኣምላኽ ክነሱ፡ ዝወሓዱ ተገዛእቲ ኺህልውዎ ዝኸኣሉ ስለ ዝሓመቐ ዘይኰነስ፡ ነቲ ፈትዩ ዝሃበና ናይ ነጻ ምርጫን ፍቓድን መሰል ዜኽብር ኣምላኽ ስለ ዝዀነዩ። መገድን ህይወትን ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ በዞም ክልተ ጐይተት ዚውሰን። እቲ ጻድቕ ኣምላኽ ነቶም ዚኣምንዎን ዚስዕብዎን ኵሎም፡ ነውሮም ቀንጢጡ ጽድቁ የልብሶም። እቲ እኩይ ገዛኢ ድያብሎስ ድማ፡ ነቶም ኪግዝእዎን ኪመስልዎን ብዕሽነቶም ዝፈቐዱ ባሮቱ፡ ጽድቆም ገፊፉ ነውሩ የልብሶም። እግዚአብሔር ንነውሪ፡ ሰይጣን ከኣ ንጽድቂ ኺዕገስዎ ፈጺሙ ኣይኰነሎምንዩ። ስለ ኸኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ነቶም ንእግዚአብሔር ኪግዝኡ ዝመረጹ ፍቁራት ተገልገልቱ፡ ክሳዕ መዓልቲ ምጽኣት ጐይታ ነውሪ ኸይርከቦምን ከይጠብቆምን ብዅሉ ሓይሎም ኪጋደሉ መኸሮም። ኣብ ምልክታት ምጽኣት-ጐይታና እምብዛ ዓዚዙሉን ጐሊሑሉን ዘሎ ኽፉእን ብልሹውን ዘመን፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ብምሉእ ልብና ኣብ ገድሊ ኣንጻር ነውሪ ኽንጽመድ እትምህረሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ።

ነውሪዚበሃል ዘሎ ግን እንታይዩ፧ ንሕና ሰባትነውሪእንብሎ ነገር ኣዝዩ ስለ ዚፈላለይ፡ ከም መለክዒ ኽንጥቀመሉ ዚግብኣና እንታይዩ፧ ብርግጽ ሰባት ብባህርይና ዀነ ብባህልታትና ብዛዕባ ነውሪ ዘሎና ኣረኣእያ ሰፊሕ ጋግ ኣለዎ። ኣብ ገሊኡ ባህልታትነውሪዚበሃል፡ ኣብ ኻልእ ባህልታት ግንንቡርኪኸውን ይኽእልዩ። ስለ ሰብኣዊ መለክዒ ተጠቒምና እንተ ገምጊምናዮ፡ ናብ ቅኑዕን ርትዓውን መደምደምታ ኽንበጽሕ ኣይንኽእልን ኢና። ቤተ ክርስትያን ብዓባያ ዀነ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ክርስትያን፡ ንነገራት ዚመዝኑሉ መገዲ፡ ቃል እግዚአብሔርዩ። ክርስትያን ምዃን ማለት፡ ከም ክርስቶስ ዚሓስቦን ዚብሎን ዚገብሮን ምግባር ማለትዩ። ስለ ይትረፍ ብዛዕባ ነውሪ፡ ብመሰረቱ ብዛዕባ ጽድቂውን ልክዕ ከም ክርስቶስ ዚሓስባ ኽንሓስብ ዚግባእ። ዋላ ነቲ ኣብ ጽድቂ ዀነ ኣብ ነውሪ ኽንምድቦ ዘይከኣልና ጕዳያትውን፡ቃል እግዚአብሔር ብዛዕባ ነገር ዚብሎ እንታይዩ፧ ክርስቶስ ኣብ ሕጂ ኣነ ዘለኽዋ ቦታን ኵነታትን እንተ ዚህልው እንታይ ኰን ምገበረ፧ኢልና ሓቲትና፡ ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወይውን ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ኣገልገልቲ ወንጌል ተወኪስና ኽንገብሮምበር፡ ቅጅል ኢሉ ኸም ዝተራእየና፡ ወይውን በቲ ዝተሰምዓና ስምዒት ጥራሕ ተደሪኽና ኽንገብሮ ኣይግባእንዩ።

ንኣምላኽ ግና ብዘይካ ሓጢኣት ካልእ ነውሪ የብሉን። ስለ ንሓደ ክርስትያን፡ ሓጢኣት ዘበለ ዅሉ ነውሩዩ። ይዕበይ ይንኣስ ይኽበድ ይቕለል ብዘየገድስ፡ እግዚአብሔር ዘይፈትዎን ዝኸልከሎን ነገር ምግባር፡ ወይውን እግዚአብሔር ዝፈትዎን ዝኣዘዞን ነገር ዘይምግባር፡ ኣብ ዓይኒ እግዚአብሔር ጽዩፋትን ፍንፉናትን ዚገብረና ነውሪዩ። ኣብ መዓልቲ ምጽኣት ጐይታና፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ኪርከብ ዝወሰነ ሰብ ብዛዕባ ነውሪ ኸም ዝበለ ጽኑዕ መርገጺ ኺህልዎ፡ ቃል እግዚአብሔር ይእዝዞዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ብቐጥታነውሪዚብል ቃል ኣዝዩ ብዙሕ ጊዜ ተጠቒሱ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ትርጕም ብዘለዎ መለሳ-ቓላት (synonyms)’ውን ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ መሪሕ ጥቕስናኳ፡ ነቲብዘይ ነውሪዚብል ቃል ኣጽንዖት ንምሃብ፡ብዘይ መንቅብብዚብል መለሳ ቓል ደጊምዎ ኣሎ። ስለመንቅብ፡ ኣበር፡ ሕፍቲ፡ እንታ፡ ነቐፋ፡ ጕድለት፡ ወዘተዚብሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዘለዉ ቓላት፡ ናይነውሪመለሳ-ቓላትዮም። (1ቈረ 18 ኤፌ 525 ፊል 19 214-16 ቈሎ 122,23 1ተሰ 210 313 523 1ጢሞ 31-3,10 57 ቲቶ 16-8 27,8 ራእ 145) ስለ ጽልኢ፡ ቂምታ፡ ሓሶት፡ ሕምየት፡ ዝሙት፡ ትዕቢት፡ ፍትሕ፡ ቅንኢ፡ ባእሲ፡ ጸርፊ፡ ቍጥዓ፡ ኵራ፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ጥንቈላ፡ ብሓፈሻ ዅሎምቶም ቅዱስ ጳውሎስግብሪ ስጋኢልዎም ዘሎን፡ ኵሎምቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ከም ሓጢኣት፡ ኣበሳ፡ በደል፡ ዓመጽ ተጠቒሶም ዘለዉ ግብርታትን ባህርያትን ነውርናዮም። ካብዞም ዝጠቐስናዮም፡ ንገሊኦም ፈጺምና ኸም ነውሪ ዘይንሓስቦምዮም። አረ ኻብኡ ሓሊፍናውን ከም ቅቡል ተግባር፡ ከም ጅግንነት እንቘጽሮም ውሑዳት ኣይኰኑን። ነቲ ኸም ቅቡል ተግባርን ባህርይን ወሲድና እነዘውትሮ፡ በዛነውሪእትብል ቃል ንሕሰቦ ወይ ንበሎሞ፡ ማዕረ ኽንደይ ካብ መገዲ ኣርሒቕና ኰብሊልና ኸም ዘለና ኺረኣየናዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት ንሕሰብ።ከም ምስ በለኒ (ወይ ምስ ገበረኒ) ብቝጥዓ በግ ኢለ ተቓጺለኢሉ ዜውርይ ሰብ፡ፍትወት ስጋ ምስ ኣቃጸለኒ፡ ናብ ሓንቲ ሰብ (ናብ ሓደ ሰብ) ከይደ መንዚረኢልካ ኣዘንትው እንተ ንብሎ ፈጺሙ ኣይምገበሮን ነይሩ። ስለ ምንዝርና፡ ነዚ ሰብ ንኺፍጽሞ ዘይኰነስ፡ ንኺዛረቦ ነውሪዩ። ቍጥዓ ግን ቅቡልን ጅግንነታውን ባህርይ ስለ ዝዀነ፡ ስኽፍክፍ እናበሎ ዘይኰነስ፡ ብውዕውዕ ስምዒት ዚዛረቦ። ብዛዕባ ቝጥዓኡ ኺንሳሕ ኢሉ ፈጺሙ ኣይሓስቦንዩ። ምኽንያቱ፡ ዋላ ኣምላኽ ከይተረፈ፡ ከም ንቡርን ቅቡልን ባህርይ ገይሩ ዘጽደቐሉ ዀይኑ ዚስምዖ። ጐይታና ግን ቍጥዓ ናብ ገሃነም ዜፍርድ ከቢድ ነውሪ ምዃኑ ብንጹር ኣፍሊጡና (ማቴ 521,22) ከም ብዓል ሓሶት፡ ጽልኢ፡ ቂምታ፡ ሕምየት ወዘተ ካብ ናይ ነውሪ ዝርዝር ተሰሪዞም ኣብ ናይ ንቡር ዝርዝር ካብ ዚስርዑ መዋእል ዀይኑ። ሕጂ ኸኣ እዚ ዝሙት ምንዝርና ዳርጋ ኸም ናይ ኢድ ሰላምታ ኪቝጸሩ ጀሚሮም ስለ ዘለዉ፡ ካብ ነውሪ ኺስረዙ ቝሩብ ተሪፍዎም ኣሎ። ግብረ ሰዶም ድማ ብመንግስታት ኰነ ብገሊአንክርስትያን ኢናዚብላ ሃይማኖታት ካብ መስርዕ ነውሪ ተሰሪዙ ንርእዮ ኣለና። ስለ እዛ ዓለምና፡ ሓለፋ ዝዀነ ኻልእ ዘመን ክሳዕ ኣፍንጫኣ ኣብ ታኼላ ነውሪ ትሰጥም ኣላ። ኣብ ዘመን ብዛዕባ ነውሪ ደጋጊምና ኣዕሚቝናን ዘይተመሃርና ደኣ መዓስ ኢና ኽንመሃር፧ ስለ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ንርእሳ ዀነ ንህዝባ ኣብ ኣንጻር ነውሪ ዚግበር ቅዱስ ገድሊ ብምሉእ ሓይላ ኽትጽመድ፡ እዚ ኽፉእ ዘመን ይጠልባን ይዕድማን ኣሎ።

ስጋ ለቢስካ ኣብ ዓለምዚኣ እናነበርካስ፡ ብርግጽዶ ብዘይ ነውሪ ኽትከውን ይከኣልዩ፧ ብዘይ ነውሪ ናይ ምዃን ናይ መወዳእታ ሸቶ ግን እንታይ ኰነ ይኸውን፧ ብዘይ ነውሪ ምዃን ፈጺሙ ዘይከኣል እንተ ዚኸውን፡ እቲ ርትዓውን ፍትሓውን ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይምኣዘዞን ነይሩ። ንሱ ፍጥረትና፡ ዓቕምናን ድኻምናን ብልክዕነት ሰፊሩ ዚፈልጦ ኣምላኽዩ። ኣሽንኳይ ኣምላኽሲ፡ እዚ ውዱቕ ፍጥረት ዝዀነ ሰብ ዓቕሚ መዚኑ ይእዝዝን ይፍትንንዩ። ብመሰረቱውን ብዛዕባ ርትዓውነት ናይ ኣምላኽ ኣብ ልብና ሕቶ ኺለዓለና ኣይግባእንዩ። ንሱ ንነፍሲ ወከፍና ከከም ዓቕምና ዚእዝዘናን ዚጽበየናን ዚፈርደናን (ማቴ 2515 1ቈረ 1013 ራእ 224 38 ማር 433 ዮሃ 1612) ብኣንጻሩ ብዛዕባ ርእስና ኽንሓትት ዚግባእ።እግዚአብሔር ተተግባሪ (feasible) ትእዛዝ ኣዚዙኒ ኼብቕዕ፡ ንምንታይ ምግባሩ ዝስእን፧ኢልና ብዛዕባ ርእስና ኽንሓትት እናተገብአ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ውንጀላዊ (accusative) ሕቶ ኸነልዕል ኣይግባእንዩ።ንምንታይ ምኽኣል ስኢነዮ፧ኻብ ምባልውንንምንታይ ፍቓደኛ ዘይኰንኩ፧ኢልና ኽንሓትት ዚሓይሽ። ምኽንያቱ፡ ከማና ዝፍጥረቶም፡ ከማና ዝድኻሞም ብዙሓት ሰባት ነቲ ንሕናዘይከኣል ዘይርትዓዊእናበልና ዘይግብኦ ቕጽላት ዘጥበቕናሉ ርትዓዊ ትእዛዛት ብምሉእ ፍቓዶምን ብልዑል ሓጐስን ክትግብርዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኣብ ከባቢና ተዓዚብና ኢና። ንፍጥረት ሰብ ዘይምጥን ዘይርትዓዊ ትእዛዛት እንተ ዚኸውን፡ ብስም ኪጥቀስ ዚኽእል ናይ ሓደ ሰብ ኣርኣያ ኣይምረኸብናን ኔርና። ክብሪ ነቲ ፍትሓዊ ኣምላኽ ይኹን። ኣዝዮም ብዙሓት ሰብኣዊ ኣርኣያታት ኣለዉና። ናይ ኣርኣያታት ደበና ኣብ ልዕሌና ኣጽሊሉ እናረኣና ኢና፡ ፍቕሪ-ነውሪ ኪፈታተነናን ኪመልከናን ዚነብር ዘሎ።

እቲ ፉሕፉሕ ዚብል ናይ ንእስነት ፍትወት እናሃለወ፡ ብምንዝርና ንዝተፈታተነቶ እመቤቱ ፈንጢሱ፡ ካብ ነውሪ ሓጢኣት ሃዲሙ ናብ ሕሱም መከራ ዝተዓቝበ መንእሰይ ዮሴፍ ዓብዪ ኣርኣያናዩ። (ዘፍ 396-23) ነቲ ነውሪ ምሕሳሙ እንታይ ዓይነት ዋጋ ከም ዜኽፍሎ ኣይጠፍኦን። ካብ ነውሪ ንመከራ ስለ ዝመረጸ ግና፡ ነቲ ኸተስድዖ ዀነ ኸተስገድዶ ዝገበረቶ ዅሉ ፈተና ኣፍሸሎ። ቅዱስ እዮብን ቅዱስ ዳዊትን ነውሪ ንኸይጠብቖም ዝወሰድዎ ጽኑዕን ዘይዕጸፍን ውሳነ፡ ካብ ከማና ስጋ ለበስ ሰባት ዝተረኽበ ወርቃዊ ኣርኣያዩ።

እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡ መንፈስ ኣምላኽውን ኣብ (ህይወተይ) ክሳዕ ዘሎ (ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ) ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይውን ሓሶት ኣይከተውስእንያ። ....... ክሳዕ (ዕለተ) ሞተይ ካብ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን። ንጽድቀይ ኣጽኒዐ እሕዞ፡ ከቶ ኣይሰድዶን፡ ካብተን መዓልታተይ ልበይ ስለ ሓንቲ ኣይነቕፈንንዩ።እዮ 273-6

ንልበይ ተዓዚብካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካዮ፡ መርሚርካንስ ገለ ኣይረኸብካን፡ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸየ። ብዛዕባ ግብርታት ሰብሲ፡ ንቓል ከናፍርካ ብምእዛዝ፡ ካብ መንገድታት ዓመጽቲ ተዓቂበ፡ ስጕምተይ ኣብ ኣሰርካ (ጸኒዐን) ኣእጋረይ ሰንከልከል ኣይበላን፡ ...... ንመገድታት እግዚአብሔር ሓሊወየን ብረሲእነት ካብ ኣምላኸይ ኣይረሓቕኩን፡ ንዅሉ ሕጋጋቱ ኣብ ቅድመይ ሒዘዮየ፡ ንስርዓታቱ ድማ ካባይ ኣይፈለኽዎን። መዝ 1820-22

ብፍጽምቲ መገዲ እጣበብ ኣለኹ።....... ኣብ ውሽጢ ቤተይ ብፍጹም ልበይ እመላለስ ኣለኹ። ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርን፡ ንግብሪ (ሓጥኣን) እጸልኦ ኣለኹ። ኣይኪጠብቀንንዩ። ቄናን ልቢ ኻባይ ይርሓቕ፡ ንኽፉእ ክፈልጦ ኣይደልን .... ተንኰል ዚገብር ኣብ ውሽጢ ቤተይ ኣይነብርን፡ ሓሶት ዚዛረብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣይጸንዕንዩ።መዝ 1012-5,7

ነዚ ዚመስል ኣርኣያታት ዝመልኦ ቕዱስ መጽሓፍ እናንበብናን፡ብእኡ ኢና ንምራሕከም ዘይበልናን፡ብዘይ ነውሪ ኽነብር ኣይኰነለይንዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ የጨንቐና እንተልዩ፡ ናይ ነውሪ ፍቕሪ ኣጥቂዑናን መሊኹናን ከም ዘሎ ኣሉ ዘይበሃሎ ግሁድ መርኣያዩ። ከም ዝዓይነቱ ሰንኮፍ ኣተሓሳስባ ተዓጢቕካ ድማ ምእንቲ ነውሪ ደኣምበር፡ ኣንጻር ነውሪ ኽትጋደል ኢልካ ከቶ ዘይሕሰብዩ።ንህይወተይ ንልሳነይ ብሓሶት ብሕምየት ብጸርፊ ኣየነውርንኢልና ሓቀኛ ንልባውን ውሳነ እንተ ወሲድና፡ መንዶ ብጕጤት ስሒቡ ኻብ ኣፍና ሓሶት ኪመዝዘልናዩ፧ ከም ዝዓይነቱ ውሳነ እንተ ወሲንና ግን ኣብ ነውራም ዓለምዚኣዓሻን ሰነፍንኢሉ ዜላግጸልናምበር፡ ኣገናዕ ኢሉ ዜጣቕዓልና ኣይክንረክብን ኢና። አረ ብኣንጻሩ፡ ህይወት ዚጠልብ ናብ ሞት ዜብጽሕ ዋጋ ኺጠልበና ይኽእልዩ። ዕቱብነት ናይ ጸረ-ነውሪ ገድልና ዚፍተሽ ድማ ሽዑዩ።

ናይ ገድሊ ኣንጻር ነውሪ ናይ መወዳእታ ሸቶ፡ ፍጹምነት ወይ ምሉእነትዩ። ፍጹምነት፡ ጽውዓናምበር፡ ምርጫና ኣይኰነን። ጽኑዕ ትእዛዝምበር፡ ኣማራጺ ቕዲ-ህይወት (Life style) ኣይኰነን። ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘየማትእ ንጹር ቃል፡ከም ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ።ብምባል ኣፍሊጡና (ማቴ 548) ነዛ ትእዛዝዚኣ ዚዕወቱላ ድማ እቶም ነውሪ፡ ኣበር፡ መንቅብ፡ ወዘተ ዚጽየፉ ክርስትያናት ጥራሕዮም። ኣቦና እዮብን ዳዊትን ነዚ ነውሪ ኣልቦ ፍጹምነት ኸም ዝበጽሕዎ ብልሳን መለኮት ዝተመስከረሎም ቅዱሳንዮም። (እዮ 11,8 ግብ 1322) ንፍጹምነት ናይ ህይወት ሸቶኦም ስለ ዝገበርዎ፡ ከም ዝተዓወቱን ከም ዝበጽሕዎን ብትብዓት ይእመኑ ነበሩ (እዮ 124 መዝ 1823) ንሕናውን ፍጹማትን ምሉኣትን ምዃን ናይ ህይወት ተልእኾና ምዃኑ ብንጹርን ብተደጋጋምን ተነጊሩና (2ቈረ 139,11 . ያእ 14 ፊል 315) ኣቦና ኣብርሃም ንምኽሪ ኣምላኽ ጐስዩ፡ ነታ ኣብ ውሽጡውን ዝነበረት ምኽሪ ሳራ ተኣዚዙ ምስ ነወረ፡ እግዚአብሔር፡ኣነ እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚአብሔርየ፡ ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፡ ፍጹም ከኣ ኹን።ኢሉ ብወግዒ ተዛረቦ (ዘፍ 171)ገለ ቝሩብ ነውሪ ዘይብልካ ኺንበርሲ ኣይከኣልንኢልና ንነውሪ ኸም ጨው-በርበረ፡ ከም መማቕርቲ ናይ ህይወትን ሰብኣውነትን (humanity) ጌርና ንርእዮ እንተሊና ግን፡ ነገራት ተገላቢጦም፡ ንፍጹምነት ከም ነውሪ፡ ንነውራምነት ከኣ ከም ፍጹምነት ናብ ምርኣይ ወዲቕና ኣለና ማለትዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ፡ ነውሪ-ጠቀስ ዝዀነ ሓያል መልእኽቲ ጽሒፉሎም ኣሎ።

ከም ብዛዕባኦም ብዙሕ ሳዕ ዝበልኩኹም፡ ሕጂውን እናበኼኹ እብል ኣሎኹ፡ ብዙሓትሲ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱዮም። መወዳእታኦም ጥፍኣትዩ፡ ኣምላኾም ከብዶምዩ፡ ክብረቶምውን ኣብ ነውሮምዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪዩ።ፊሊ 318,19

ስለዚ፡ በዚ ሃዋርያዊ ቓል መሰረት፡ ንነውሪ ዚኸውን ስፍራን ዕድልን ብዝሃብና መጠን፡ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ናብ ምዃን ንዓብይ፡ መወዳእታና ድማ ነበላሽው ከም ዘለና ኪስወረና ኣይግባእን።

ኣብ ኣንጻር ነውሪ እንገብሮ ገድሊ፡ ግደ እግዚአብሔር እንታይ ይመስል፧ ትእዛዝ ድሕሪ ምሃቡ፡ብስረኹም ውጽዋኢሉ ድዩ ዚሓድገና፧ ኣይፋሉን!! ናይ ፍጹምነት ቀንዲ በዓል ጕዳይኮ፡ ንሱ ባዕሉዩ።ብዘይ ነውሪ ኣብ ቅድመይ ተመላለሱ፡ ፍጹማት ኩኑኺብለና ኸሎ፡ ብናትና ዓቕምን ክእለትን ተኣማሚኑ ዘይኰነስ፡ በቲ ናቱ ኣኽኣልነት ተኣማሚኑዩ። ኣብ ፍጹምነትና ኻብ ናትና ግደ ንላዕሊ፡ እቲ ናቱ ግደ ኺግለጽ ብዘይክእል መጠን-ዕጽፍታት ዝዓበየዩ። ጐይታናውን፡ብጀካይ ሓንቲ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹምኢሉና (ዮሃ 155) ቅዱስ ጳውሎስን ነብዪ ኤርምያስን ዝብልዎ ቓል ድማ ኣይንረስዕ።

ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።ኤር 1023

ብክርስቶስ ግና ኣብ ኣምላኽ ከም ዝበለ እሙንቶ ኣላትና፡ ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና፡ ሓንቲ ክንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ። ፍዴል ይቐትል፡ መንፈስ ግና ህያው ይገብርሞ፡ ንሱ ኸኣ ንናይ መንፈስምበር፡ ንናይ ፍዴል ዘይኰነ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ከኣልቲ ገበረና።” 2ቈረ 34-6

ምሉእ መጽሓፍ በቲ ቕዱሳን ዝተኣመኑሉ ደገፍን ኣኽኣልነትን ናይ እግዚአብሔር ዝመልአ (መዝ 1836 402 668,9 9418)

ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ኺሕልወኩም፡ ሕጕሳትን ነውሪ ዘይብሎምን ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ኬቑመኩም ዚከኣሎ፡ ነቲ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ፡ በይኑ መድሓኒና ዝኾነ ኣምላኽ፡ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን ሕጅን ንዘለኣለም ዓለም ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ይኹኖ። ኣሜን።ይሁ 24,25 .

እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸውዓኩም፡ ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ቍሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ፍጹማት ኪገብረኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩም፡ ኪስርተኩምንውንዩ።” 1ጴጥ 510,11 .

ንስኻትኩም ቀደም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቕኩም፡ ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን ጸላእቱ ነበርኩም። ንሱ ግና ኣበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቑመኩም ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም። እዚ ግና ተሰሪትኩም ደልዲልኩምን፡ ካብ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ ከይተነቓነቕኩም ኣብ እምነትኩም እንተ ጸናዕኩምዩ። .......ቈሎ 121-23 .

ነዞም ኣብ ዓዘቕቲ-ነውሪ ዝዀነት ነውራም ዓለም እንነብር ደቂ-ሰብ፡ እግዚአብሔር ዝገበራ ዓባይ ደገፍን ዝሃባ ዓባይ ጸጋን ንስሓያ። ንስሓ፡ ነቲ ሰይጣን ንድኻምና መዝሚዙ ዘጥበቐልና ነውሪ እነርሕቐላ ዓባይ መደምሰስያ። እግዚአብሔር ምስጢረ-ንስሓ ብመንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይሰርዓልና፡ ነውሪ ዘይብልካ ፍጹም ሰብ ምዃን፡ ብዘይ ቃልዓለም ዘይርትዓዊ ኺትግበር ዘይክእል ሕልማዊ ትእዛዝ ኰይኑ ምተረፈ ነይሩ። ንስሓ፡ ግብራዊ ድማምበር፡ ቃላዊ ምስጢር ጥራሕ ኣይኰነን። ሓቀኛ ንስሓ፡ ብዛዕባ ዝጠበቐካ ነውሪ ኸም እግዚአብሔር ዚጕህየሉ ጌርካ ብምጕሃይ ዚጅምር። ንእሽቶ ጣዕሳምበር፡ ዝዀነ ዓይነት ጓሂ ኸይተሰምዓካ ንስሓ ምእታው ምስ ንስሓ ኪቝጸርውን ኣይበቅዕንዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ጊዜ ንስሓ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ዝተሰምዓካ ጣዕሳ፡ ድሕሪ ሓጺር ጊዜ ብዛዕባ ንስሓኻ ተመሳሳሊ ጣዕሳ ተሰሚዑካ በቲ ሓጢኣት ደጋጊምካ ምንዋርካ ዘይተርፍዩ። እዚ ተግባር ድማ ዝኸፍአ ነውሪ ዚዀነካ። ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስን ኣብ ልዕሊ ኽቡር ጸጋኡን ኢኻ ትንውር ዘለኻ። በቲ እግዚአብሔር ዝኣዘዞን ዚዓግበሉን ቅኑዕን ሓቀኛን ዝዀነ ኣገባብ እንተ ተነሲሕና፡ ንስሓ ነውሪ-ኣልቦ ፍጹማን ሰባት ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዜቝመና ቅዱስ ምስጢርዩ። ንጉስ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤት ኡርያን ባትሴባን ዝፈጸሞ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን፡ እቲ ዝኸፍአ ነውሪ ነይሩ። ንእኡን ንስድራ ቤቱን ዚድምስስ ፍርዲ ኸኣ ተዳልዩሉ ነበረ (2ሳሙ 121-14) እንተ ዀነ ንኣበሳኡ ዚምጥን ንልቢ ኣምላኽ ዚረትዕ፡ ክሳዕ ምጽኣት ንዘሎ ወለዶታት ድማ ትምህርትን ኣርኣያን ዜስንቕ ቅኑዕ ንስሓ ስለ ዝተነስሐ፡ ካብ ዝበጽሖ ደረጃ ፍጹምነት ንድሕሪት ኣይተመልሰን። ምኽንያቱ ንስሓ ንድኹማት ደቂ ኣዳም ናብ ፍጹምነት ኬብጽሕ ዝተሰርዐ መለኮታዊ ምስጢርዩ። እቶም ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ጨንፈር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም ንኣምላኽ ክብሪ ዚህቡ ዝነበሩ ቕዱሳን ብዚምልከትእዚኣቶም...... ንኽዳውንቶም ብደም ናይ ገንሸል ሓጺቦም ዘጻዕደዉዮምዚብል ምስክር ተዋህቦም (ራእ 79,10,13-17) እዚ ማለት ከኣ ብንስሓ ናብ ፍጹምነት ዝበቕዑ ማለትዩ። ስለ ናይ ብሓቂ ንነውሪ ንጽየፍ እንተ ዄንና፡ ነዚ ምስጢር ፍጹምነት፡ ንንስሓ ልዑል ፍቕሪ ኣሎና ማለትዩ። ዒራ ኽሕጽብ ኢልካ ኸም ዘይትረስሕ፡ ዒራ ኽንሳሕ ኢልካ ብምርጫኻ ብሓጢኣት ኣይንወርንዩ። ንስሓ ነቲ ልዕሊ ዓቕምና ዀይኑ ተዓንቂፍና ንዝወደቕናዮምበር፡ እናፈለጥና ፈቲና ንዝገበርናዮ ሓጢኣት ኣይተሰርዓልናን (እብ 1026-31)

እምበኣር ንዘይምንዋር ጽኑዕ ውሳነ ብምውሳንን፡ ሓቀኛ ንስሓ ብምዝውታርን፡ ኣብ ዜኽእል ጸጋ ናይ እግዚአብሔር ብምልኣት ብምውካልን፡ ኣብ ገድሊ ኣንጻር ነውሪ ተጸሚድና ምህላውና ነረጋግጽ። ከም ዓቀይቶት ክርስቶስ መጠን፡ ነቲ ማዕከን ነውሪ ገይሩ ንዘለኣለም ኬበላሽወና ዚደልይ ናይ ነውሪ ወሓለን ንጉስን ንዝዀነ ድያብሎስ ንዋግኣዮን ንስዓሮን (ራእ 1714) እምነትን ሰናይ ሕልናን ተዓጢቕና ኣንጻር ኣነዋሪ ሰይጣንን ኣንጻር ነውርን ንዋጋእ (1ጢሞ 118,19) ይትረፍ ኣብ ገዛእ ርእስና ጠቢቑ ክንርእዮ፡ ኣብ ካልኦት ክርንእዮ ኸለና ብዛዕባኡ ስቓይ ጻድቃን ይሰምዓና (2ጴጥ 23,8 ህዝ 94) መራሒ ናይ ኣንጻር ነውሪ ዚግበር ገድሊ እቲ ሰዓሪ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉዩ። ስለ ኣሰሩን ኣሰር ናይ ኵሎም ዘስመርዎ ቕዱሳኑን ስዒብና ኣብ ቅዱስ ገድሊ እምነት ንጸመድ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ጳጕሜን 5, 2015 ግዕዝ (10 መስከረም 2023  [መበል 53 ሰንበት: ቊ.፷፩/61, 2023] )

ምስባክ

 መዝ. ፻፫(፻፬)፡፴-፴፩

ትፌኑ መንፈስከ ወይትፈጠሩ። ወትሔድስ ገጻ ለምድር። ለይኩን ስብሐቲሁ ለእግዚአብሔር ለዓለም።

ትንፋስካ ትልእኽ፡ ይፍጠሩ፡ ንገጽ ምድሪውን ትሕድሳ። ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይንበር፡ እግዚኣብሄር ብተግባሩ ይተሓጐስ።

ንባባት

ኣንባቢ

1ተሰ 51-10

ዲያቆን

2ጴጥ 310-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 261-15

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 1720-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ዘአትናቴዎስ

መዝሙር ከመ እንተ መብረቅ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div