S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዋኑ ኣብ ሓምለ 2005 ኣ.ፈ እዩ ዝነበረ። ናይ ሽዑ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን (ናይ ሕጂ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ) መበል 7ይ ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ደብረ ሰላም መድኃኔ-ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ ካብ 28 ክሳብ 31 ሓምለ 2005 ኣ.ፈ ክካየድ ወሰነ።

ኣብቲ ሓደ ጊዜ ኣብ ዓመት ዝካየድ ናይ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ዓመታዊ ጉባኤ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን፡ ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዝለኣኹ ቡራኬ ዝህቡ ናይ ክብሪ ዕዱማት ሓደ ጳጳስን ዘሰንዮም ካህንን ነቲ መንፈሳዊ ጉባኤ ክሓብርዎ ድማ ልሙድ ነበረ። ንመበል 7ይ ዓመታዊ ጉባኤ ዝተመደቡ ናይ ክብሪ ዕዱማት ግና 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ክልተ ጳጳስት ናብ ሃገረ ኣሜሪካ መጺኦም ንህዝቦም ቡራኼ ክህቡ ብጉባኤ-ካህናትን ምምሕዳር ንኡስ ሃገረ ስብከትን መንፈሳዊ ናይ ክብሪ ዕድመ ናብ ኣሥመራ ተላእከ። ብቅዱስ ፓትርያርክን መሳርሕቶምን ከኣ ሠናይ ፍቓዶም ኮይኑ እቲ መንፈሳዊ-ዕድመ ተቐባልነት ረኸበ።

በዚ መሠረት ኣካየድቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን ነቲ ዓመታዊ ጉባኤ ንምምዕራግ ሰፊሕ ምድላዋት ተገብረ። ብወገን ኣሥመራውን ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ነታ ጳጳስ ዞባ ማእከል ከለዉ ዝበጽሕዋ ሃገረ ኣሜሪካ፥ ንካልኣይ ጊዜኦም ብቅድስና ፓትርያርክ ክባርኽዋ መንፈሳዊ ጉዕዞ ናብቶም ብዓቢይ ሃረርታ ዝጽበይዎም ዝነበሩ ኦርቶዶክሳውያን ደቆም ንኽበጽሑ ዘድሊ ምቅርራባት ይገብሩ ነበሩ። ዲፕሎማቲክ ፓስፖርቶምውን  ናብ ኢሚግሬሽን ተላኢኹ ካብ ኤርትራ መውጽኢ ቪዛ ተነብረሉ።

"ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይ መርገም ኣይ ምርቓ" ከም ዝበሃል ግና እቲ ተወጢኑ ዝነበረ ናይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ መንፈሳዊ መገሻ ናብ ሃገረ ኣሜሪካ፥ ክልተ ሰሙን ቅድሚ ዕለተ-መገሻ፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኣብርሃ ካሳን ሰመረ በይንን (ሳምራይ) ናብ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከይዶም፡ ‘‘ኣቦና ናይ ኣሜሪካ መገሻኹም ተሰሪዙ ኣሎክብሉ ሓበርዎም። ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ድማብኣኹም ድዩ ወይስ ተላኢኽኩም” ክብሉ ሓተትዎም። ንሳቶም ድማ ብቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ኢና ተላኢኽና” ክብሉ መለስሎም። እሞ ደሓን ሐራይ! ካብ ፍቓድ መንግሥትን ካብ ፍቓድ ኣምላኽን ወጺአ ዝገሸሉ ምኽንያት የብለይን፥ ሰሚዐኩም ኣሎኹ! በልዎም።

ኣስዕብ ኣቢሎም ከኣ ስምዑ እዞም ደቀይ! ንሕናስ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ክነብርን ንሕድሕዱ ክፋቐርን ተስፋ ክንኮኖ ኢልና ኢና እምበር፡ ኣብ ኣሜሪካ ዘይኮነስ ኣብዚ ዓዲ ዘሎ ሥራሕውን ወዲእናዮ ማለት ኣይኮነን። እቲ ንዓይ ዘሕዝነኒ ግና ተዋሕዶ ብደቂ ተዋሕዶ ትጉዳእ ምህላዋ እዩ! እቶም ኣቦኻ ኣቦይ ቀሺ ካሳ እኳ ክሳብ ለይቲ-ሎሚ ደርገፍ እናበሉ ቤተ ክርስቲያኖም እዮም ዘገልግሉ ዘለዉ። ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ክንዲ ትሕግዙና ካብ መገሻ ተሪፍኩም ክትብሉና ኣይተጸበናን። ሕጂ ከኣ ደሓን ሰሚዐኩም ኣሎኹ።” ብምባል ኣፋነዉዎም።

ኣብዚ ዝያዳ ክበርህ ዘደልዮ ጉዳይ፡ ስለምንታይ እዩ መንግሥቲ ንመገሻ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ናብ ሰሜን ኣሜሪካ ሰሪዝዎ ንዝብል ሓታቲ፡ ቅዱስ ኣቦና እቲ ምስ ዮፍታሄ ዝነበሮም ክርክር ድሮ ተጀሚሩን ከሪሩን ስለ ዝነበረ፡ ዮፍታሄን ኣማኸርቱን ሕጂ ኣቦና ኣሜሪካ በጺሖም እንተ ተመሊሶም ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቢ ኣብ ወጻኢ ክህልዎም እዩ! ዝብል ጥርዓን ናብ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ስለ ዝለኣኹ፡ በዚ ክፉእ ውዲት ናይ ሰይጣን፡ ተመዲቡ ዝነበረ 2 መንፈሳዊ መገሻ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ናብ ሃገረ ኣሜሪካ ብከምዚ መገዲ ከም ዝተሰረዘ ይፍለጥ።  ብኣንጻሩ ድማ ብዘይ ኣፍልጦን ቡራኬን ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን፡ ጳጳስ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝነበሩ ኣቡን ሉቃስ ብሃታ-ሃታ ብትእዛዝ መንግሥትን ብደገፍ ዮፍታሄን ብሃንደበት ኣብ 7 ዓመታዊ ጉባኤ ከም ዝተሳተፉ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ 7 ዓመታዊ ጉባኤ ቪድዮ መዘክር ክትውከሱ ትኽእሉ።

ሕጊ ዝተሠርዐ፡ ንመፍረስቲ ሕጊ እዩ! (1 ጢሞ 1፡9)

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ካብ ተዘክሮታት ቤት መዝገብ መንበረ ፓትርያርክ ኣሥመራ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div