S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በስመ-ኣብ፡ ወወልድ፡ ወመንፈስ-ቅዱስ፡ ኣሃዱ ኣምላኽ፡ ኣሜን

ክርስትናን ፈተናን መስቀይትን ስለ ዝኾኑ፡ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ጋሻ ነገር ከመዘይ ኮነ ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያንን ብቐሊሉ ክንማሃሮ ንኽእል ኢና። እቲ መሥራቲ ናይ ክርስትና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብፈተና ናይዛ ዓለም ንኸይንሳናባድ ኣጸቢቁ መሃረና እምበር፡ ክንስዕቦ ኢሉስ ኣይጠበረናን። "ኣብ ዓለም ከለኹም ብዙሕ ጸበባ ኣለኩም፡ ኣጀኹም ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ" (ዮሓ 16፡ 33) እዚ ኹሉ መምርሕን ተስፋን ዝተዋሃበት ቤተ-ክርስቲያን፥ እቶም ከም ቁርዲድ ምስ ለገብዎ ምልቃቕ ዝኣበይዋ፡ ሰብ ፖለቲካ ሎሚ'ውን ከም ቀደሞም፡ ንፓትርያሪክ እንጠንዮስ ከፋራርሕዎምን ጸቅጢ ክገብርሎምን  ከምዝቐነዩ ይስማዕ ኣሎ።

ከምቲ ኣምኖን ንታማር ሓፍቱ ዝደፈራን ዝዓመጻን (2ሳሙ 13፡ 1)። እዞም ደፋራት ሰብ ፖለቲካ ነታ ኣዲኦም ዝኸነት ቤት-ኣምላኽ ክደፍርዋን ክዝርፍዋን ልሙድ ተግባራቶም ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። /ጀረናል ኣብርሃ  ካሳ (ብወዲ ካሳ ዝፍለጥ)፡ ንቅዱስ ፓትርያሪክና ብተዳጋጋሚ ዘርእዮ ዘሎ ድፍረትን ዘለፋን፡ ክንጻወረሉ ኣብዘይ ንኽእል ደረጃ ከም ዝበጻሕና፡ በዚ ኣጋጣሚ ከዛኻኽሮ ይፈቱ። መብዝሕቶኦም ከም ዝብልዎ፡ እቲ ስርዓት ኣጋጊና ዝብል መልሲ ልሙድ ተርእዮ እካ እንተኾነ። ብ/ጀረናል ኣብርሃ  ካሳ በቲ ትገብሮ ዘሎኻ፡ ካብቲ ንህዝቢ ኤርትራን ስዋኣትናን ዝጠለመ፡ ምስቲ ብደም ተሓታቲ ስርዓት ኤርትራ ምኻንካ፡ ካብ መዛግብ ልባትና ዘይሕከኽ በሰላ ኮይኑ ኣሎ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ንጎይታና ኢየሱስ ብምሻጥ፡ ግራት ከም ዝዓደገ እሞ፡ እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣከልደማ ማለት (ግራት ደም) ትባሃል ኣላ ከም ዝበላ። (ግብ 1፡ 19፤ ማቴ 27፡ 8) ንቅዱስ እንጠንዮስን ንቤተ-ክርስቲያንን ብምሻጥኩምን ምድፋርኩምን፡ ኣብታ ንፈትዋን ነፍቅራን ሃገርና ግራት ደም ከም ዝዓደኩም ባዕልኻትኩም ትስሕትዎ ኣይመስለንን።

ቅዱስ እንጠንዮስ ህይወቶም ምሉእ ነኣምላኽ ዝወፈዩ ብምኻኖም፡ እዚ ቃል ነዖኦም ዝበቅዕ ኮይኑ ንረኽቦ። እቶም ናይ በሓቂ ክርስቲያናት ዝኾኑ፡ ነቲ ዝኸበደ ፍርሒ ሞት ብምስዓሮም፥ ስለቲ ዘፍቅርዎ ኣምላኾም ብሓጎስ ሙማት ይኽእሉ እዮም። ነዚ ዝሳማማዕ ቃል ክርስቲያናት ኣብ ካታኮምብ ማለት ኣብ በዓትታት ዝነበሩ እዋን ንረክብ ኢና። ብምኽንያት ነገስታት ሮም ከቢድ ስደት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ቤተ-ክርስቲያን ከቢድ ስደት ይሕሊፋ፡ ሎሚ'ውን ትሕልፍ ኣላ። እምበኣር ቅዱስ እንጠንዮስ ካብኣቶም ስለ ዝኾኑ፥ ንማእሰርትን ምፍርራሕን ድምብርጽ ከይበሎም ብመንፈስ ትብዓት ተመሊኦም ይምክትዎም ኣለው። እቶም ሰብ ፖለቲካን ፈለስትን፡ መጋላግልቶም ንቅዱስ እንጠንዮስ ዝነበሩ፡ ኢድን ጓንትን ኮይኖም ብምዕያይ ዓቅሎም ከጽብብሎም እንተ ፈተኑ፡ ካብቲ ቅዱስ ዕላምኦም ነቅ ዝብሉ ኣቦ ኮይኖም ኣይተረኸቡን። ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ። "ነቲ ዝመጻካ መከራ ኣይትፍራሓዮ። እነሆ ምእንቲ ኽትፍተኑ ዲያብሎስ ንገሌኻትኩም  ናብ ቤት ማእሰርቲ ክድርብየኩም እዩ። ንስኻ ግና ክሳዕ ሞት እሙን ኩን። ኣነውን ኣኽሊል ዓወት ክህበካ እየ። (ራኢ 2፡ 10)

ቅዱስ እንጠንዮስ፡ ክሳብ ሞት እሙን ብምኻን፡ ነቲ ዝተነበረሎም ኣኽሊል ዓወት ብመንፈስ ክጥምቱ ከለው፤ እቶም ዘይተዓደሉ ኣባ ሉቃስ፡ ነባ ደስቆርዮስ ዘይጠቐመቶም፡ ቆቢዕ ፓትርያሪክ ክምንዝዑ ይህቁኑ ኣለው።  ኣባ ሉቃስ  ብሓገዝ ብ/ጀረናል ኣብርሃ ካሳ፡ ፓትርያሪክ ክኾኑ ትጽቢት እኳ እንተ ነበሮም፥ ብረድኤት ኣምላኽ እቲ ዓቢን ታሪኻውን ገዳም ደብረ ቢዘን ምሕለፊ ኣፍደገ ከሊእዎም ይርከብ ኣሎ። ደብረ ቢዘን ጥንታውነቱን ዕቤቱን ርኢኻ፡ እዚ ኹሉ ውድቀት ክግበር ከሎ ስቅ ኢሎም ክርእዩ አተሓሳስብ እኳ እንተ ኾነ፡ በዚ ሕጂ ሒዘሞ ዘለው ኣካይዳ ግን፡ ንቤተ-ክርስቲያና ናብቲ ሃዋርያዊ ሠንሰለት ንኽመልስዋ ናይ ኩሉ ደቂ-ተዋህዶ ናፍቖትን ተስፋን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

እቶም ክልተ ዕውራት መራሕቲ፡ ማለት እቶም ሰብ ፖለቲካን ተሓጋገዝቶም ፈለስትን፡ ንቤተ-ክርስቲያንን ንሃገርን ምኽንያት ዓቢ ውድቀት ኮይኖም'ዮም። "ዕውር ንዕውር እንተ መርሖስ፡ ተታሓሒዞም ናብ ገደል ይኣትው" (ማቴ 15፡ 14) ናይ ክልቲኦም ዝዓወሩ መራሕቲ ምትሕብባር ንሃገርና ናብ ገደል ይእቲዋ ይርከብ ኣሎ። መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ዝኾነ እምነት ተኸተልቲ፡ ከምቲ ቅዱስ እንጠንዮስ ዝወሰድዎ ተባዕ ውሳኔ ስለ ህዝቦም ደው ዝበሉ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ዝመርሕዎ ህዝቢ፡ ክጣበቑሉ እንተዘይ ክኢሎም፡ ናብ ዘይ ስገር ኣርዑት ባርነት ክእትውዎም ዓቢ ግደ ኣለዎም።

ናይዚ ውጽኢት ድማ ነቲ ተጻዒኑና ዘሎ ኣርዑት ባርነት ሰቢርና ከነምልጥ ምኽኣሉ ዝተጸገምና። ንሳቶም ንዝደለይዎ ክኣስሩ ክቐትሉ ከጸልሙ፡ ንሕና ድማ ባሮት ተቖጺርና መሰል ከምዘይብልና፤ ጉዳይ ሃገር ከምዘይ ምልከተና፡ ኣይትዛረቡ ጸሎትኩም ጥራይ ግበሩ ክብሉ ዝተራኣዩ። እቶም ክርስቲያናት "ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት'ያ" (ፍሊ 3፡ 20)፡ ብምባልና  ምድራዊት ሃገር የብልናን ዘስምዕ እንተ ተረዲእዎም ተጋጊኹም ክብሎም ምፈተኹ። ምኽንያቱ ነዛ ምድራዊት ሃገርና ክንሕልዋን ክንሃንጻን መሎኮታዊ ሓላፍነት ኣሎና። እዚ ጥራይ'ውን  ኣይኮነን ኣብዛ ንነብረላ ምድሪ ፍትሕን መሰልን ደቂ ሰባት ክንሕሉ፡ ኣንጻር ባርነት ክንቃለስ ኣምላኽ "ኣምባሳደራት ናይ ክርስቶስ" ገይሩ ኣቐሚጥና'ዩ።

ሃገርን ቤተ-ክርስቲያንን እንዳዓነወ፡ ስቕ ኢልና ክንዕዘብ ዘይሓለፍነታውያን “Irresponsible Leadership" እዩ ዘቚጽረና። እቶም ብሃገራዊ ይኹን መንፈሳዊ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት፡ ብሰንኪ ዓማጺ ስርዓት ሃገርና፡ ኣብ ማእሰርቲ ክበልዩን ብሞት ክፍለዩን፡ ዕለታዊ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት፡ እቶም ኣቦ ቓልሲ ዝኾኑ፡ ሃይለ ወልደ ትንሳኤ (ዱሩዕ)፡ ካብዛ ዓለም ምሕላፎም፡ ውድቀት ናይ ሃገርና ዘርእይ፡ ዓቢ ምልክት'ዩ። ንኽንድዚ ዓመታት፡ ምስቲ ሕማቅ ኣታሓሕዛ፡ ኣብ ቤት-ማሰርቲ ምጽንሖም ኣምላኽ ገለ ክንገብር ብዙሕ ዕድል ዘሃበና ይመስል። እንተ ኾነ ግን ገለ ክንገብር ብዘይ ምኽኣልና፡ ጀጋኑና  ብዘይ ፍረ በብሓደ ይኸዱ ኣለው።

ሕጂ'ውን እንተኾነ ውዲት እቶም ክልተ ዕውራት መራሕቲ፡ ንምዕራይ ዘይኮነስ፡ ሞት ቅዱስ እንጠንዩስ ይናፍቑ ከምዘለው ካብቲ ልቢ ዘለዎ ወዲ ተዋህዶ ዝተሰወረ ኣይኮነን። "ተስካር ዝለመደስ ሕሙም እንተ ራኣየ የምባሁቕ" ከምዝባሃል እቶም መንፈሳውነትን ርዝነትን ከምዘይብሎም ብዙሕ ግዜ ዝንገረሎም ኣባ ሉቃስ፡ ሞት ቅዱስ እንጠንዩስ ንምርኣይ ኣብ ከቢድ ናፍቆት ይርከቡ። እግዚኣብሔር ግን፡ ከምቲ ንነብይ ዳንኤል ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣፍ ኣናብስ ዝዓጸወሉ፡ ሎሚ'ውን ኣፍ ጸላእቲ ቅዱስ እንጠንዮስ ብምዕጻው ህያው ምስክር ኮይኑ ኣሎ።

እቶም ብሓሶት ፓትርያሪክ ተባሂሎም ዝተሸሙ ኣባ ደስቆርዮስ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ 2015፡ ብሞት ካብዛ ዓለም ምፍላዮም ይፈለጥ። እቶም ኣሳደድቲ ቅዱስ እንጠንዮስ ክሳዕ ሕጂ ፓትርያሪክ ክሸሙ ዘይምኽኣሎም፡ እቲ ከጋጥሞም ዝጸነሐ ከም ዝኸበዶም መግለጺ ዘድልዮ ኣይመስለንን። ከምቲ ዝደለይዎ ስለ ዘይረኸቡ፡ እቶም ክልተ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝእለ ዘሎ ኣህጉረ ስብከታት ብተደጋጋሚ ክውንጅልዎ ይስምዑ እዮም። እንተ ኾነ ግን እቲ ቓልሶም ምስቲ ህያው ኣምላኽ ምኻኑ ዝዘንግዑ ይመስሉ። እቶም ካብ ፓትርያሪክ እንጠንዮስ ብዕድመ ኣዝዮም ዝንእሱ ኣባ ዶስቆርዮስ፡ ኣፎምን ኢዶምን ከምኡ'ውን ኣእጋሮም፡ ተቀይዶም ከምዝመቱ  ናይ ኩሉ ሰብ ትዕዝብቲ'ዩ። ነቶም ወዲ 91 ዓመት ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ፡ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ከም ዝሐለዎምን፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶምን ዓለምን ሞጎስ ከም ዝሃቦም፡ እቶም ትማሊ ዝነቅፍዎም ዝነበሩ፡ ስእሎም ክሕዙን ክሰቅሉን ምርኣዮም፡  ኣደናቂ ምስክር ኮይኑ ኣሎ።

እምበኣር ቤተ-ክርስቲያና ካብዞም ክልተ ጸላእታ ክትጋላገል እንተዘይ ክኢላ፡ ከምቲ ብምስላ ዝባሃል  "ኣብ ጥቃ እሾኽ ዓጋም ዝተጸገዐት ቆልቋልሲ፡ እንዳ ነበዐት ትነብር" ከም ዝተባሃለ   ማእሰርትን ሞትን ስደት ኣብ ሃገርና ብቐሊሉ ደው ዝብል ኣይኮነን። ነዚ ስለ ዝተረድኡ እዮም ብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ስለ ህዝብናን ቤተ-ክርስቲያናን ብተዳጋጋሚ ኣውያቶም ዘስምዑ ዘለው። ነቲ በዓማጺ ስርዓት ዝመጾም ዘሎ ተቓውሞን፡ በቶም ዝባዕዘዙ ኣገልገልቲ ባሃልትን   ዝመጾም ዘሎ ዘለፋን ውርደትን ከይራኣዩ፡ ኣብዚ ዘለውዎ ዕድመ ምዕርይቲ ሃገርን ቤተ-ክርስቲያንን ንምርኣይ ኣብ ጸሎትን ስራሕን ተጸሚዶም ዝርከቡ ዘለው። ኣብ መጀመርያ ናይዚ ዓመት ናይ 2018፡  ናብ ዓባይ ብርጣንያ ሃዋርያዊ ዑደት ኣብ ዝገበርሉ፡ ንፓርላማ ዓባይ ብርጣንያ፡ ነቶም ኣብ እስራኤል ዘለው ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ክገብሩ ለቦኦም ከም ዘማሕላለፉ'ውን ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገር ኣበርክቶ ህዝቢ ዓቢ ስለ ዝኾነ፡ ብዝተኻኣለ መጠን ነቶም ክልተ ጸረ ቤት-ጸሎትን ሃገርን ኣብ ዝኾነ እምነት ይሃልው። ክንምክቶም ናይ ኩላትና ሓላፍነት ምኻኑ ከዛኻኽር ይፈቱ። ኣብ ጉዳይ ሃገርና መሰረታዊ ፍታሕ ንምርካብ፡ ኣብ እምነትን ፖለቲካን ንቅሓትና ከነበርኽ እቲ እዋን ይግድደና ኣሎ። እምበኣር ብሞት ጅግና ኣቦ ቓልሲ ዝኾኑ፡ ሃይለ ወልደ ትንሳኤ (ዱሩዕ) ሓዘነይ እንዳገለጽኩ፡ ንመላእ ስድራቤትን ሃገርን ጽንዓት ይሃብ ይብል።

ኣምላኽ ንቤተ-ክርስቲያናን ሃገርናን ሰላሙ ይሃብ።

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር

Revd. Yohannes Ghebrehiwet

Medhani-Alem Eritrean Orthodox Church, Manchester UK.

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div