S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ

(ዘመነ ጽጌ፤ ካብ መስከረም ፳፮ - ሕዳር ፭ ግእዝ)

ያሬዳዊ መዝሙር፡- “በጊዜሁ ሓለፈ ክረምት ቆመ በረከት"

ምንባባት ወንጌል

ዲያቆን:-  ሮሜ  7፣1 - 14----------------------(Deacon) Romans7:1 - 14

ተሓጋጋዚ ዲያቆን:- 1ይ ጴጥ  1፣ 21-25----(Sub deacon) 1st Peter 1: 21-25

ተሓጋጋዚ ካህን:- ግብ  22፡1-6------------------(Assistant Priest) Acts 22:1-6

ካህን:- ማቴ  6፡25-34------------------------------(Priest) Matt 6:25-34

መዝሙር ዳዊት ግእዝ፡- ኣንተ ፈጠርከ ፀሓየ ወወርኃ፣ ወኣንተ ገበርከ ኣድባረ ወምድረ ኩሎ፣ ክረምተ ወሓጋየ ኣንተ ፈጠርከ።መዝ 73.16-17።

መዝሙር ዳዊት ትግርኛ፡- ንብርሃንን ጸሓይን ገበርካየን። ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፣ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም። መዝ 74.16-17።

Psalms:- “you established the sun and moon. It was you who set all the boundaries of the earth; you made both summer and winter.” Psalms 74.16-17.

ቅዳሴ፡- ቅ. ማርያም

ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ

ኣብዚ ዕለት' ክረምቲ ኣሕሊፉ ናብዚ ናይ ዕምባባን ፍርያትን ጊዜ ስለዘብጽሓና ንእግዚኣብሄር እነመስግነሉ ዕለት'ዩ። ኣምላኽ ንዓለም ዝምግብን ዝሰረተን ንሱ ጥራይ ምዃኑ ንኣምን። እዚ ስለዝኾነ ድማ፣ ንዘመናት ዝገዝእ፣ ለይትን መዓልትን ዝፈጠረ፣ እግዚኣብሄር በመለኮታዊ ክእለቱ ሓጋይን ክረምትን ዝኸፋፈለ፣ በብጊዚኡ፣ በብሰዓቱን ወቕቱን ንሰባት ዘድልዮም ዝህብ ኣምላኽ ከምዘለና ፈሊጥና ጽባሕ ብዝኸውን ነገር ኣይንጭነቕን። ብዛዕባ ጽባሕ እናተጨነቕና ናይ ሎሚ ህይወትና ከነባኽና ድማ ኣይግባእን።

ኣምላኽና ኣብ ግዜ ክረምቲ ንዝተዘርአ ዘርኢ፣ ኣብ ጭቃ ዝወደቐ እክሊ ብዝናብ ኣብቚሉ፣ ብዕምባባ ኣወቂቡ፣ ብፍርያት ባሪኹ ንምግቢ ዘዳሉ ኣምላኽ ብምዃኑ፣ ንዓና ዝብላዕ ካብ ምሃብ ንላዕሊ፣ ንህይወትና ዝፈጠረ ምዃኑ ብምስትውዓል ብዛዕባ ጽባሕ ክንጭነቕ ከምዘይግባእ "ካብ ብልዒስ ህይወትዶ ኣይትበልጽን? ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን? ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ" እናበለ ብናይ ዕለታዊ መግብን ክዳንን ከይንጭነቕ፣ እቲ ንነብሲ ዝፈጠረ ኣምላኽ ዝብላዕን ዝስተን ንኽህበና ከምዘይጨንቆ ከነስተውዕል ይግባእ።

ኣብዚ እዋን' ኣብ ፈቐዶ ኣኽራናትን መሮርን ኣታኽልትን ዘራእትን ብጽጌረዳ ማዕሪጎም ንርእዮም። ንኣታኽልቲ-መሮርን ዘራእትን ዘማዕረገ ኣምላኽ ንዓና ዝብላዕን ዝኽደንን ንኽህበና ከምዘየጨንቖ፣ ነዕዋፍ ሰማይ ዝምግብ ኣምላኽ ነቲ ብመልክዑ ዝተፈጥረ ሰብ ከምዘይርስዖ ክንእምን ይግባእ። ሰብ ተጨኒቑን ሓሲቡን ዝውስኾን ዘጉድሎን ከምዘየለ ንምግላጽ ድማ " ካባኻትኩም ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቁመቱ ሓንቲ እመት ክውስኽ ዝኽእል መን ኣሎ?" እናበለ ይሓተና።

እንተኾነ ሰሎሞን እኳ ምስ' ኩሉ ክብሩ ዘይለበሰ ንምድሪ ብጽጌረዳ ዘማዕረገ፣ ማዕከን ንዘይብለን ኣዕዋፍ ሰማይ ዝመገበ፣ እቲ ኩሉ ዝከኣሎ ጎይታ ክምግበና ከምዝኽእል ክንመሃር ምእንቲ ኣዕዋፍ ሰማይን ዕምባባታት መሮርን ተጠቒሶም ዘለዉ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ብጽጌረዳ ማዕሪጉ ጽባሕ ዝረግፍ ዕምባባ መሮር ካብ ሸለሞ፣ ንዓና ዝያዳ ከምዝሓልየልና ከነስተውዕል ምእንቲ ኢሉ "እምበኣርከ እንታይ ንበልዕ እንታይ ንሰቲ፣ እንታይ ንኽደን ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ኹሉስ ኣሕዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ ንኣኻትኩም እዚ ኹሉ ከምዘድልየኩም ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፣ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም። ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ' ንጻባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ክፍኣታ ይኣኽላ።" ይብለና።

ስለዚ፣ ካብ ምጭናቕ ተገላጊልና ከምቲ ቅዱስ ያሬድ ዚበሎ "ኩሉ ሰናይ ንዝገበረልና ኣምላኽ ነመስግኖ" እናበልና ነመስግን።

ንህይወትና ብዘድልየና ነገር ከይንጭነቕ ተወሳኺ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍልታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፣

ያእ 413-16 ጎይታ እንተ ፈቐዶ ድኣ በሉ እምበር ጽባሕ ብዝኸውን ኣይተጨነቑ።

1 ጴጥ 57 ንኽሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።

ሉቃ፣ 1216-21 ብዛዕባ ነፍስና ድኣምበር ብዛዕባ መዝገብናን ሃብትናን ኣይንጨነቕ።

ዘጸ፣ 161-36 እግዚኣብሄር ዝሃበና ይኣኽለና፣ ዘድልየና ድማ ካብቲ ማና ብዘይስስዐ ክንወስድ ይግባእ። ከም እስራኤላውያን ካብ መኣዲ እግዚኣብሄር ከይንሰርቕ ንጠንቀቕ።

ካብ ዘመን ክራማት ናብ ዘመን ፍርያት ዘሳገረና ኣምላኽ ዝተመስገነ ይኹን።

ትርጉም፡ ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፤ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ። ብፍቓድ ደራሲ መም. ልዑለቃል ኣካሉ።

Posted on 27 October 2008 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div