S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ካልኣይ ሰንበት በዓለ ጰራቅሊጦስ እዩ። ሎሚውን ነቲ ዝጀመርናዮ ተራን ስራሕን መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ድሕነትና ዝድህስስ ትምህርቲ ክንቅጽል ኢና።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ምውራድን ምሕዳርን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ዘመልክቶ ዓብዪ ጉዳይ፡ ምብቃዕ እቲ መንፈሳዊ ሞትን (ምፍላይ ካብ ኣምላኽ)፡ ምምላስ (ምጅማር) ሕብረት ምስ ኣምላኽን ምዃኑ ርኢና። እቲ ኣባና ዝሓደረ መንፈስ ቅዱስ፡ ምኽንያት ቅድስናናን ምንጪ ቀጻሊ ህይወትናን ኰይኑ ኣባና ከም ዝነብር ድማ ርኢና ኣሎና። ንሎሚ እንርእዮ ሓሳብ ድማ ተራን ስራሕን መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ናይ ዕለተ ዕለት ህይወትና እንታይ ከም ዝመስል ክኸውን እዩ። መንፈስ ቅዱስ ናባና ዝመጽእ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣባና ዘለዎ ንምስሊ ወዱ ናይ ምምሳል መደብ ክውን ንምግባር እዩ። እዚ እቲ ኣምላኽ ንወዲ ሰብ ዘለዎ ናይ መጨረሽታ ዕላማ እዩ - ንወዱ ንክርስቶስ ክንመስል። ነቲ መልኽዕን ምስልን ኣምላኽ ብምልኣት ክንለብሶ። ነዚ ድማ፡ ነቲ ተዋራሲ ዝዀነ ባህርያቱ እናካፈለ እዩ ዝገብሮ። እቲ ንውሽጥና መቅደሱ ጌርዎ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ፡ ፈልፋሊ ምንጪ ህይወት ኰይኑ፡ ኣብ ጸልማትና ብርሃኑ እንዳብርሀ፡ ኣብ ድርቐትና ጠሉ እንዳፍሰስ፡ ነቲ ኣምላኻዊ ባህርያት የልብሰና። ካብዚ ቀጺልና ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ሰዓብቲ ክርስቶስ እንታይ ምዃኑ መልኸት፥

ናብ ንስሓ ንኽንበጽሕ ይረትዓና፥ እቲ ናይ ሓቂ ናብ ድሕነት ዘብጽሕ ንስሓ፡ መንፈስ ቅዱስ ብዝህበካ ረዲኤት እዩ ዝፍጸም። ኣቦይ ዘይሰሓቦ ናባይ ኣይመጽእን እዩ ከም ዝበለ ጐይታ፡ መንፈስ ቅዱስ ረቲዑ ናብ ንስሓ ዘየቅረቦ ሰብ ድማ፡ ናብ ጐይታ ክመጽእ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ንስሓ ብረዲኤት ወይ ጸጋ ኣምላኽ እዩ ዝኸውን። ንንስሓ፡ ጣዕሳ ወሳኒ ነገር እዩ። ንምጥዓስ ድማ ብጉድለትካ ክትርታዕ የድሊ። ንኽትርታዕ ድማ ዝረትዓካ ኣካል የድሊ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ኰይኑ ንጉድለትናን ሓጢኣትናን እናርኣየ ከም ዝረትዓና መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና። “ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ።” (ዮሃ 16፡8)። ስለዚ መንፈስ ቅዱስ ዘይረተዖ ሰብ ናብ ንስሓ ክበጽሕ ኣይኽእልን እዩ። ነዚ ድማ እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕድገት ሓጢኣት ዘይርኸቦ ሓጢኣት፡ እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ክነርእዮ እንኽእል ንዕቀት ከም ዝዀነ ዘጠንቕቐና። እዚ ዝዀነሉ ድማ፡ ነቲ ናብ ምርታዕ ከብጽሓካ ዝኽእል ኣካል (መንፈስ ቅዱስ) ብቀንዱ እንተ ተጻሪርካዮን ተቓዊምካዮን፡ ናይ ንስሓካ ኣፍደገ ባዕልካ ምዕጻው ስለ ዝኸውን እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ መንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ምስ ሰበኸሎም፡ እቶም ዝሰምዕዎ ኣይሁድ በቲ ቃል ልቦም ተወጊኡ፡ “ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር” ክብልዎም ተራእዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ምላሽ፡ ውጽኢት ናይ መንፈስ ቅዱስ ምርታዕ እዩ። ነቲ ዝረትዓና ዘሎ ድምጺ ኣምላኽ ክንእዘዝ ከለና ዘይንጠዓሰሉ፡ ንምድሓን ዝኸውን ሕድገት ሓጢኣት እንረኽበሉ ንስሓ ኢና እንኣቱ (ግብ 2:37-39, 2 ቈረ 7፡10)። ስለዚ፡ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ብበእዋኑ ዝነቅፈና ምንቃፍ፡ ኣወንታዊ ምላሽ ሂብና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጢኣትና ንምድርባይ እንተ ዘይተጊህና፡ ልብና ህዋሳቱ ክሳብ ዘጥፍእ ክተርር ይኽእል እዩ። ስለዚ ድምጺ መንፈስ ቅዱስ ንምስማዕ ንቑሓት ንኹን።

መንፈስ ቅዱስ ማሕተም ምትእምማና እዩ፥ ድሕሪ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን፡ ናይቲ ዝረኸብናዮ ዕርቕን ሕብረትን ምስ ኣምላኽ፡ ዋሕስ ኰይኑ ኣባና ይሕተም። ሕድገት ሓጢእት ዝረኸብና ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ይምስኽረልና። ተስፋና ሓዲሱ ምጽንናዕ ይህበና። እዚ ኩሉ ኣወንታዊ ናይ ምስኽርነትን ምርግጋጽን ስራሕ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ዝፍጽሞ ተግባራት እዩ። ጐይታ ዘኽታማ ኴንኩም ኣይሓድገኩምን እየ ዝበለና ድማ፡ ኣባና ሓዲሩ ምሳና እናነበር ዘጸንዓና መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝለኣኸልና እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ተሓቲሙ ዘሎ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ክንወርሶ ንዘሎና ርስቲ መረጋገጺ ዕርቡን ኰይኑ እዩ። ዕርቡን ኣብ መስርሕ ዕድጊን መሸጣን፡ ናይቲ ስዒቡ ዝመጽእ ምዝውዋር ንብረትነት ዋሕስን መረጋገጽን ከም ዝዀነ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነቲ ብምጽኣት መድሓኒና እንጽበዮ ዘለና መሰል ውልድነና ማለት ምድሓን ስጋና ክሳብ እንረኽቦ፡ ኣብዚ ናይ ድንዃን ናይ ግሽነት ዘመንና ኣምላኽ ዝዓደጎም ንብረት ምዃንና ዝምስኽር ዕርቡን እዩ (ኤፌ 1፡13፣ ሮሜ 8፡23፣ 2 ቈረ 5፡1-5)። እዚ ዕርቡን ኣብ ዘለዎ፡ በቶም ኣተውቲ ውዕል ምፍራስ ክሳብ ዘይሰዓበ፡ እቲ ውዕል ቀያዲ እዩ። ኣምላኽ ብውህበቱ ኣይጠዓስን እዩ ከም ዝብል ቓሉ፡ ነቲ ብወገን ኣምላኽ ዘሎ ናይቲ ውዕል ጠለብ ዘተኣማምን እዩ።

መንፈስ ቅዱስ ደጋፊና እዩ፥ ደገፍ ዘድልየሉ ኣብቲ ድካም ዘለወሉ ቦታን ኵነታትን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ከም ፍጥረት፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ዘይምእዛዝ ኣዳም፡ ሞት ኣብ ፍጥረትና ብምእታዉ ድኻም ካልኣይ ባህርይ ሰብ ኰይኑ ምትራፉ ግሁድ እዩ። ሰባት በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ እናበሎንም ክገብሮውን እናደለዩ፡ ኣንጻሩ ዘኽይድ ባህርይ ለቢሶም ከም ዝነበሩ፡ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 7 ጽሒፉልና ዘሎ ብምንባብ ምርድኡ ይኸኣል እዩ። እዚ ኵነታት ድማ፡ ንኣድላይነት ካብ ፍጥረትና ወጻኢ ዝዀነ ደገፍ ዘየማት ይገብሮ። ኣምላኽ ነቲ ኣቐዲሙ ኣተስፍይዎ ዝነበረ፡ መንፈሱ ኣባና ብምሕዳር ብሕጋጋቱ ናይ ምምልላስ፡ ትእዛዛቱ ድማ ናይ ምፍጻም ተስፋኡ ኣብ ሰባት ኣብ ብዓል ሓምሳ ፈጸሞ። መንፈስ ቅዱስ፡ ናብ ኵሉ ሓቂ ብምምራሕ፡ ነቲ ሕጊ ዝጠልቦ ብኸምኡ ንኽንፍጽሞ ይድግፈና። ጐይታና ብዛዕባ ሓቂ ክዛረብ ከሎ ከምዚ በለ፥ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።” (ዮሃ 8:32)። ምፍላጥ ሓቂ፡ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ሞንጎ ሓርነትን ባርነትን ፍልልይ ዝገብር ዓብዪ ነገር እዩ። እቲ ናብዚ ሓቂ ክንበጽእ ዝረድኣና ድማ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ክትርእይ ከለኻ ተራ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ክሳብ ክንደይ ዓብይን ወሳንን ምዃኑ ምግንዛብ ቀሊል እዩ። መንፈስ ቅዱስ ነዚ፡ ነቲ ኣማኒ ናብቲ ሓቂ ናይ ምምራሕ ጉዕዞ ዝጥቀመሉ መገድታት ብዙሕ እዩ። “ዜስተምህሮም ድማ ጽቡቕ መንፈስካ ሀብካዮም። ማናኻ ኸአ ካብ ኣፎም ኣየጉደልካን፡ ንጽምኣቶም ድማ ማይ ሀብካዮም።” ከም ዝበለ ነህምያ፡ መንፈስ ቅዱስ መምህር እዩ (ነህ 9፡20)። ጐይታና ባዕሉውን “ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ እዩ። እቲ ናይ ኣቦ ዘበለ ዅሉ ናተይ እዩ። ስለዚ እየ፥ ካባይ ወሲዱ ኺነግረኩም እዩ፡ ዝበልኩ።” ዝበሎ፡ መምህርነቱ ዘመልኽተና ክፍሊ እዩ (ዮሃ 16፡14-15)። ንሱ ኣእምሮን ምስትውዓልን ዝከፍት ጐይታ እዩ። ነቲ ኣቐዲምካ ዝሰማዕካዩ፡ ኣብ ዘድሊ እዋንን ኵነታትን ንጥቕምካ ዘዘክኽረካውን ንሱ እዩ። ደገፍ  መንፈስ ቅድስ፡ ናይ ቃሉ ምግላጽ ክንረኽብ ኣብ ምምራሕ ከይተሓጽረ፡ ኣብ ናይ ጸሎት ህይወትና ከም ዝድግፈና ድማ ንርኢ ኢና። ኣብቲ ሃዋርያት ብጓሂ ረዚዞም ንሓንቲ ሰዓት ምንቃሕ ዝሰኣንሉ እዋን፡ ስጋ ድኹም እኳ እንተዀነ መንፈስ ተዳልዩ ምህላዉ ነገሮም (ማቴ 26፡41)። ብተመሳሳሊ ሓዋርያ ጳውሎስ መንፈስ ቅዱስ ንድኻምና ደጊፉ ብዘይንገር እህህታ ከም ዝጽልየልና ጽሒፉልና ኣሎ (ሮሜ 8፡26)። ስለዚ ንዅሉ ድካምና ደገፍ ክንረኽብ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ንወከል።

መንፈስ ቅዱስ ባህርይ ኣምላኽ የካፍለና፥ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ዝገብሮ ኵሉ ነገር፡ ካብ ባህርያቱ ከከፍለና ኢሉ እዩ። ይትረፍ ከም ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልባትና ናይ ምሕዳር ዝኣኽል ሰናይ ነገር፡ ኣብ ህይወትና ዝወርድ ሸቦጥ መቅጻዕቲውን ከይተረፈ ካብ ባህርያቱ መታን ክንካፈል እዩ (እብ 12፡10)። ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄር ዝኸውን ኵሉ ብመንፈሱ ሂቡና እዩ። ነዚ ሓቂ ዘረጋግጸልና፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተካፈልናዮ ባህርይ ኣምላኽ ንመልኸት። ኣምላኽ ፍቅሪ እዩ። ፍቅሪ ሓደ ካብቲ ዓበይቲ መግለጺ ባህርይ ኣምላኽ እዩ። እዚ ባህርይ እዚ ሓደ ካብቲ ተዋራሲ ባህርይ ኣምላኽ እዩ። እዚ ህቡር ኣምላኻዊ ባህርይ ኣባና ብኸመይ መገዲ ከም ትምጽእ ክገልጽ ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፥ “በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።” (ሮሜ 5፡5)። እዛ ኣብ ልብና ብመንፈስ ቅዱስ ዝፈሰሰት ኣምላኻዊት ፍቅሪ፡ ንሳ እያ እታ ኣብ ኣምላኽ ቅብልቲ ዝዀነት ፍቅሪ። ብተውሳኺ ኣምላኽ ካብ ቅድስንኡ ዘካፍለና፡ ከምቲ ንሱ ቅዱስ ዝዀነ ቅዱሳት ክንኸውን ኢሉ እዩ። መሰረት ቅድስናና ድማ ምሕዳር እቲ ቅዱስ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መቕደስ ህይወትና ምዃኑ ርኢና ኣሎና። ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ዘካፍለና ባህርያቱ ኣብ ህይወትና ምንጩ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ትሕትና፡ ትብዓት ትዕግስቲ፡ ሕያውነት፡ ወዘተ ብረዲኤት መንፈስ ቅዱስ እንለብሶ ባህርያት እዩ።

ኣምላኽ እቲ ኣባና ዘለዎ ንወዱ ንናይ ምምሳልና መደብ ዝፍጽሞ ነዚ ባህርያት ብምክፋል እዩ። ከምቲ ቅዱስ ቃሉ ዝብለና ከምዚ እናበለ “ጐይታስ መንፈስ እዩ፡ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ። ንሕና ዅላትና ግና ብቕሉዕ ገጽ ነቲ ኽብሪ ጐይታ ኸም ብመስትያት ጌርና እናጠመትናዮ፡ ከም ካብ መንፈስ ጐይታ ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ።” እቲ ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ እንልወጠሉ ምኽፋል ባህርይ ኣምላኽ ብረዲኤት መንፈስ ቅዱስ ምኳኑ ግሉጽ እዩ (2ቈ 3፡17-18)። እዚ ድማ ውጽኢት መዓልታዊ ናይ ለውጢ ጉዕዞ ምዃኑ ተረዲእና፡ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ርእሲ እቲ ድሮ ዝተሞኾርናዮ ሰናይ ባህርይ ኣምላኽ ካልእ ባህርይ ኣምላኽ ከልብሰና፡ ነቲ ዘለና ድማ ብዝሓይለን ዝበለጸን መልኽዑ ኣባና ኽገልጾ፡ ህይወትና ንዕኡ ክነግዝኦ ይግብኣና። ነዚ ከምዚ ዝበለ ቀጻሊ ናይ ለውጢ ህይወት ርእስና ክንውፊ እምበር፡ ኣብ ዘለናዮ ደው ክንብል ናይ ኣምላኽ ፍቃድ ኣይኰነን። ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ካብቲ ምንጪ ዝውሕዝ ፈሳሲ እምበር ዝዓቛር ማይ ኰይኑ ኣይኰነን ተዋሂቡና ዘሎ። ነዚ ድማ እዩ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰክካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ዅሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ።” ዝበሎ (1ጢሞ 4፡15)።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥     ሰንበት ሰነ 11, 2017     ሰነ 4, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 68፡18

ዐረገ ውስተ ኣርያም ጼዊወከ ጼዋ ወወሀብከ ጸጋከ ለእጓለ እመሕያው እስመ ይከህዱ ከመ ይኅድሩ


ናብ ላዕሊ ደየብካ፣ ምርኮ ማረኽካ፣ ኣብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኪነብሩስ፣ ካብ ሰብ፣ ካብቶም ተጻረርቲ እኳ ውህበት ተቐበልካ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ኤፌ 4፡1-7

ዲያቆን

ወንጌል፡    ዮሐ 14፡1—22

1 ዮሐ 2፡1-8

ንፍቀ ዲያቆን


ቅዳሴ፡ ዲዮስቆሮስ (እቅድመ ኣለም)

ግሃ 2፡1-4

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div