S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን እዩ ?

“…ብኽፍኣቱ ዝጠዓስን ስለምንታይ ክፉእ ገበርኩ ዝብልን የልቦን፡፡ ንሕና ለባማት ኢና ሕጊ እግዚኣብሔር ድማ ምሳና ኣሎ ይብሉ።…ብምኽሪ ርእሶምን ናይ ህልኽ ልቦምን ይኸዱ። ክንዲ ንቕድሚት ናብ ሰናይ ምድፋእሲ ንድሕሪት ናብ ክፍኣት ተመልሱ።…ንድምጺ እግዚኣብሔር ኣምላኾም ዘይሰምዑ ተግሳጽ ዘይቅበሉ ምዃኖም ንገሮም ኢኻ። ሓቂ ጠፊኣ እያ፡ ብኣኣ ዝዛረብ’ውን ሓደ እኳ የሎን። ኤር 7፡24-28; 8፡4

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ብዘመን ኤርምያስ ነቢይ ዝተጻሕፈ ነዚ ዘሎናዮ እዋን ዝገልጽ ኣገዳሲ ጥቕሲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ሓደ ንመገሻ ዝተዳለወ ሰብ ጸሎቱ ጌሩ፡ ስንቁ ቋጺሩ፡ መገዱ ኣስተውዒሉ እንተኸደ ናብቲ ዝመደቦ ዓዲ ቀልጢፉ ከምዝኣቱ ርዱእ እዩ። ብኣንጻሩ ናብ ዘይፈልጦ ዓድን ብጌጋ መገድን ዝተጓዕዘ ሰብ ግና ካብ መገዲ ጌጋኡ ናብቲ ቅኑዕ መገዲ እንተዘይተመልሰ በጀካ ድኻምን ኮለልን ካልእ ዝረኽቦ ረብሓ የልቦን።

ኩልና ከምንፈልጦ እቶም ብሰናይ ታሪኾምን ቅዱስ ስርሖምን ንዘመናት ዝዝከሩ ዘሎዉ ኩሎም ቅዱሳን ብመገዲ እምነትን ትእዛዝ እግዚኣብሔርን ስለዝተጓዕዙ እንሆ ብጹዓን ንብሎም ኣሎና። ንስኻ ግና ኣብነት ናይቶም ሰናይ ዚገብሩ ሰባት ተኸተል ንመገዲ ጻድቃን ውን ሓልዋ ኢኻ። ምሳ 2፡20

እምበኣር እዛ ብስብከት ሓዋርያትን ደም ሰማዕታትን ብኽብሪ ተዓቂባ ዝጸነሓት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያንና ኣብ ሎሚ በጺሓ መዕቆቢት ጠለምትን መዘተዪ ሓሶትን ኮይና ክትፈላለ ከላ ንሰዓብታ ዘሕዝን እዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ቦታ ዕርቅን ጽድቅን ዝነበረት ሕጂ ግና ኣብ ክንዲ ጸሎት ቦታ ህውከት፡ክንዲ ምቕባእ ክህነት ኣብ ውግዘት ክትውዕልን ብዓለማዊ ሽመት ክትምራሕን ምርኣይና ናይ መወዳእታ ዘመን ምጽኣት ከምዝበጻሕና ይበርሃልካ።

ኣቦታትና ‘’ ጸበባ ኣይትኸውንን ክንዲ ራህዋ ‘’ ይብሉ ስለዚ እቶም ብጊዝያዊ ጥቕምን ፍርሕን ተታሊሎም ኣንጻር ሃይማኖቶምን ሕልናኦምን ዝጓዓዙ ዘሎዉ ሰባት ’’…ኣብ ጎደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ ፡እቲ ጥንታዊ መገድታትን ጽቡቕ ጎደናን ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብኣኡ ተመላለሱ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም ’’ዝብል ቃል ነቢያት ተረዲኦም  ምእንቲ ኦርቶዶክሳዊት እምነቶም ካብ መገዲ ጌጋኦም ክምለሱን ምስ ኣምላኾም ክዕረቑን ይግብኦም።

ኢየሱስ ክርስቶስ ’’…ነቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ኣብ ምድሪ ዝኸሓደኒ፡ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ ’’ ማቴ 10፡33 ዝበሎ ኣምላኻዊ ቃል ዘኪርና በቲ ዝተሓንጸጸልና መንፈሳዊ መገዲ እግዚኣብሔር ክንጎዓዝ ቤተ ክርስቲያንና ትጽውዓና ኣላ።

ንእግዚኣብሔር ዝእዘዝ ልቢ ይሃበና!

ክፍሊ ትምህርትን ስብከትን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div