S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሳምናይ ሰንበት (ሰነ 4, 2017) በዓለ ሓምሳ (ጰራቅሊጦስ) በዓለ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ እዩ። በዚ መሰረት ድማ፡ ብዛዕባ እቲ በዚ መዓልቲ እዚ፡ ብፍሉይ መገዲ ኣብ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝወረደ፡ ኣካል ቅድስት ስላሴ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ እንመሃረሉ መዓልቲ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕን ሰናብትን፡ ነቲ ጐይታና ዝሓለፎ ዓበይቲ መድረኻት ማለት ምውራዱ፡ ልደቱ፡ ጥምቐቱ፡ ምጅማር ኣገልግሎቱ፡ ተኣምራቱ፡ ትምህርትታቱ፡ ብኽብሪ ናብ እዮሩሳሌም ምእታዉ፡ ስቕለቱን ሞቱን ቐብሩን፡ ካብ ምውታት ምትንስኡን ንደቀ መዛሙርቱ ሕድሪ ሂቡ ናብ ሰማይ ምዕራጕን እናኣልዓልና ክንመሃር ጸኒሕና ኣሎና። እዚ ትምህርትታት እዚ፡ ነቲ ካልኣይ ኣካል ስላሴ ዝዀነ፡ ስግው ቃል ወልደ እግዚኣብሔር ጐይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘማእከለ እዩ ዝነበረ። ድሕሪ ዕርገቱን ኣብ ናይ ቀደም ክብሩ ኣብ የማን ኣቦ ምቕማጡን፡ ተስፋ ኣቦ (መንፈስ ቅዱስ) ተቀቢሉ ኣብ ሰዓብቱ ድሕሪ ምፍሳሱ ግና፡ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያንን ህይወት ሰዓብቱን ማእከላይ ቦታ ሒዙ ዝድግፍን ዘጸናንዕን ዘሎ እቲ ሳልሳይ ኣካል ስላሴ እዩ። ንሱ እቲ መሕወዪን ወሃቢ ህይወትን ዝዀነ፡ ብነብያት ድማ ዝተዛረበ፡ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ንዕኡ ምስ ኣብን ወልድን ብማዕርነት ንሰግደሉን ንምልኾን። መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣብን ወልድ ካብ ዘለኣለም ህልዊ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ምምጻእ መንፈስ ቅዱስ ኣብ በዓለ ሓምሳ ብዓይነትን ዕላማን ኣመጻጽኣን ደኣ ፍሉይ ነበረ እምበር፡ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ናይ መጀመርያ ኣይነበረን። ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መጀመርያ ዝዀነ ምጽሓፍ ኦሪት ዘፍጥረት፡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ጥቅስታት ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ፍጥረት ዝነበሮ ተራ ተጻሒፉ ንረኽቦ ኢና (ዘፍ 12) ካብኡ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ናይ ብሉይ ኪዳን፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዝዀነ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ተጻሒፉ ኣሎ።

እንተ ዀነ፡ እቲ በዚ መዓልቲ ሓምሳ ዝዀነ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምውራድ፡ ካብቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ዝበለጸ ምንባሩ ዘማትእ የብሉን። ጐይታና ኢየሱስ ባዕሉ፡ ነቲ ብሉጽነት እዚ ምውራድ ክገልጾ ከሎ ከምዚ ይብልግናኸ እንተ ኸድኹ ኸም ዚሔሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም አሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ።” (ዮሃ 167) እቲ ዝሓሸ ዝገብሮ ነገር ግና እንታይ እዩ። ነዚ ሕቶ እዚ መልሲ ምርካብ ማለት፡ ነቲ ኣምላኽ ንሰብ ዝሓሰበሉ ግሩም ሓሳብ ምርዳእ ማለት እዩ። እቲ ኣብ ሞንጎ እዚ ክልተ ጊዜያት ዝነበረ ቀንድን ዝዓበየን ፍልልይ፡ ዝርግሐን ዑምቐትን ምውሳእ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ሰባት እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሱናት ሰባት ንፍሉይ ዕላማ ንውሱን ግዜ ይመጽእ ከም ዝነበረ ኢና እንዕዘብ። ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ግና መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ሰብ፡ ምስኡ ድማ ኣባታቶም ክሓድርን ምሳታቶም ክነብርን መጸ። ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ፡ ድሕሪ እቲ ብበዓለ ሓምሳ ዝወረደ መንፈስ ቅዱስ ምምልኡ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ነቲ በዓል ከብዕሉ ዝመጹ ብዙሓት ኣይሁድ ደው ኢሉ ዝበሎ ቃል ነዚ ሓቂ የነጽረልና እዩ።እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም።” (ግብ 216-18) እዚ ሓሳብ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኵሉ ሰዓቢ ክርስቶስ ከም ዝወርድ ዝምህረና ክኸውን ከሎ፡ ጐይታና ኢየሱስ ድማነቲ መንፈስ ሓቂ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስካትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሐድር ኣባኻትኩም፡ውን ኪነብር እዩ እሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም።ብምብል መንፈስ ቅዱስ ናብ ኣመንቲ ዝመጽእ ንጊዜኡ ዘይዀነስ ንኽሓድርን ክነብርን ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ዮሃ 1417) እዚ ምሕዳር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልባትና፡ ንልባትና ናብ መቕደስነት ዝለወጠ ፍሉይ ምምጻእ እዩ። ቤት መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ ድማ ንሕና ኢና። ምቕዳስ እምበኣር ውጽኢት ህልውና እቲ ቅዱስ ዝዀነ ኣምላኽ እዩ (1ቈረ 316, 1ቈረ 620) እግዚኣብሔር ንሙሴ፡ ነታ ብሓዊ እናነደደት ግናኸ ዘይተሃሞኸት ቆጥቓጥ ክርኢ ምስ ቀረበእዛ ደው ኢልካላ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡ከም ዝበሎ ንዘኽር (ዘጸ 35) ካብዚ እንመሃሮ ትምህርቲ እንተኣልዩ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ህላውነት እግዚኣብሔር፡ እታ ግእዝቲ ምድሪ ተቐዲሳ ከም ዝነበረት፡ ንሕና ድማ ብምኽንያት እቲ ኣባና ዝሓድርን ዝነብርን መንፈስ ቅዱስ፡ እንቅደስ ምዃንና እዩ። ምቕዳስ ማለት ንሕዙእ መዓላ ሓደ ነገር ክትውዕል ምፍላይ ማለት እዩ። ብኣምላኽን ንኣምላኽን ምቕዳስ ማለት ድማ፡ ንሕዙእ ጥቕምን ኣገግሎትን ኣምላኽ ክትውዕል ንዋንነት ኣምላኽ ምፍላይ ማለት እዩ።

መርኣዪ ምብቃዕ መንፈሳዊ ሞት፡ ምእታው ሕብረት ምስ ኣምላኽ

መንፈሳዊ ሞት፡ ምፍላይ ካብ ኣምላኽ፡ ካብ ኣምላኽ ርሒቕካ ምንባር ምዃኑ ዝርድኣና ሓቂ እዩ። ምሕዳር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሓደ ሰዓቢ ክርስቶስ ዘርእዮ እቲ ዝዓበየ ተኣምራት ድማ፡ ምብቃዕ መንፈሳዊ ሞት እዩ። እዚ ድማ፡ ምምላስ ሕብረት ኣምላኽ ምስ ሰብ ዘበስር ዓብዪ ፍጻሜ እዩ። እቲ ምስ ክርስቶስ ዝለገበ ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ ከም ዝተባህለ፡ ብምሕዳር መንፈስ ቅዱስ፡ ጠፊኡና ዝነበረ ሓድነት ምስ ኣምላኽ ተመልሰ (1ቈረ 6:17) እዚ ኣብ ሞንጎ መንፈስናን መንፈስ ኣምላኽን ዝፍጠር ሕብረት፡ ግሩም ብዝዀነ መገዲ ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ይምስኽረልና (ሮሜ 815) ፍጥረት ሰብ ብዘይ ምእዛዙ ዘጥፍኦ እቲ ዝከበረ ሃብቱ፡ እቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ሕብረት እዩ። ሰብ ብፍጥረት ዝተጐናጸፎ ብዙሕ ጸጋታት ኔርዎ እዩ። ካብቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ሕብረት ዝዓቢ ሃብቲ ግና ኣይነበሮን። እምበር ሰብ፡ ነዚ ክቡር ሃብቱ ኣጥፊኡ ንዘበናት ኣብ ትሕቲ ሞት ክነብር ጸንሐ። ምፍሳስ ደም ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ነቲ ንሞት ሓይሊ ዝምግቦ ዝነበረ ሓጢኣት ደምሲሱ፡ ንሞት ምስ ሰዓሮ። ተመሊሱ ኣባና ከይስልጥን ከኣ፡ እቲ ምልክት ደሓንና ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ንልብና ሓተሞ (ኤፌ 113) ምስ ክርስቶስ ድማ ሓደ መንፈስ ገበረና። እዚ ጉዳይ፡ ጐይታና ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ካብ ዝጸለየሉ ዓበይቲ ኣርእስቲ ሓደ እዩ፥ምስ ኣምላኽ ሓደ ምእንቲ ክንከውን ኣቦይ፡ ከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ።” (ዮሃ 1721) ኣብዚ ቦታ፡ ብዛዕባ ክልተ ሓድነታት ይጽሊ ምህላዉ ነስተብህል። ቀዳማይከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ዝብል ጸሎት ነቲ ምስ ኣምላኽ ክህልወና ዝደለዮ ጸሎት ከመልኽት ከሎ፡ ካልኣይ ድማ፡ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ዝብል ሓረግ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ንሕድሕድና ክህልወና ዝደለዮ ሓድነት ዘመልክት እዩ። ነዚ ክልተ ሓድነታት መልሱ ድማ፡ ምውራድን ምሕዳርን መንፈስ ቅዱስን ኣብ ሰዓብቱ ነበረ። ብምስማዕን ምቕባልን ቅዱስ ቃል ወንጌል፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓቲሞም ኣብዚ ክልተ ሕብረታት ተሳተፍቲ ምእንቲ ክዀኑ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ነቶም ዝጽሕፈሎም ዘሎ ሰባት ከምዚ ይብሎም፥እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወት፡ ህይወት ድማ ተገልጸት፡ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ እተገልጸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክር ንነግረኩምውን አሎና፡ ንስኻትኩም ድማ ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኺህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ንዓኻትኩም ንነግሮ ኣሎና። ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ።” (1 ዮሃ 11-3) ሕብረትና ምስ ኣቦን ወዱ ኢየሲስ ክርስቶስን እዩ ክብል ከሎ፡ መሰረት ናይዚ ሕብረት ኰይኑ ነዚ ሕብረት ዝሰርሖ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ዘመልኽተና እዩ። ብዛዕባ እቲ ካልኣይ ሕብረት ድማምሳና ሕብረት ምእንቲ ክህልወኩምብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። ናይዚ ሓድነታት መሰረት እቲ ዝተቐበልናዮ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ክገልጽ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፥ “….ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና።” (1 ቈረ 1213) ስለዚ፡ ሓድነትን ሕብረትን ውጽኢት እቲ ዝሰተናዮ መንፈስ እዩ።

እዚ ሓድነት እዚ፡ ምልክት ምብቃዕ ሞት ጥራይ ዘይኰነ፡ ምንጪ ቀጻሊ ህይወት ድማ እዩ። ናይ ህይወት ፈልፋሊ። ጐይታና ብዛዕባ እቲ እቶም ብእኡ ዝኣመንና ክንቅበሎ ዘሎና መንፈስ ይዛረበሉ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ከምዚ በለ፥ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።” (ዮሃ 738) እዚ መንፈስ ኣብ ዘለዎ ወሕዚ ህይወት ኣሎ። ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝኣተዎ ህይወት እዩ ዝዘርእ (ህዝ 371-15 ህዝ 481-12 ኣንብብ) ከምቲ ኣብቶም ንቑጻት ዓጻጽምቲ ዝነፈሰ ንፋስ፡ ዓጽሚ ናብ ዓጽሚ፡ ጅማት ናብ ጅማት ኣለጋጊቡ ፍኒሕኒሕ ከም ዝብሉን ዓብዪ ጭፍራ ከም ዝዀኑን ዝገበረ፡ ኣምላኽ ብምሕዳር መንፈሱ ነቶም ተስፋና ተቐብጸ ዝብሉ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል ህይወት ከም ዝህቦም ተስፋ ሃቦም። እምበር መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብቲ ኣብኡ ዝሓድርን ዝነብርን ሰብ፡ ምንጪ ቀጻሊ ዋሕዚ ህይወት ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ከምቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ፡ እቲ ካብቲ ቤት መቅደስ ዝውሕዝ ዝነበረ ርባ፡ ናብ ዝኣተዎ ዘበለ ኵሉ ህይወት ይህብ፡ ኣብ ወሰነ ወስነ እቲ ርባ ንዝነብሩ ኣእዋም ድማ ንምፍራይ ምኽንያት ይኸውን ከም ዝነበረ፡ እቲ ኣብ ወሽጥና ርባታት ማይ ህይወት ኰይኑ ንነግሕታትና ዘስቲ ዝተቐበልናዮ መንፈስ ቅዱስ ንናይ ህይወትና ናይ ምፍራያ ጉዳይ ዋሕሳውን ንሱ እዩ። ስለዚ በዚ መዓልቲ እዚ ነስተንትን፡ ኣምላኽ ብምሃብ መንፈሱ ከመይ ዝበለ ክብሪ ንሰብ፡ ንነፍሲ ወከፍና ከም ዝሃበና። ነቲ ምሳና ዝሓድር ኣባናውን ኪነብር መንፈስ ቅዱስ ድማ ንፍለጦ። ክንፈልጦ ድማ ንስዓቦ፡ ማለት ብእኡ ንመራሕ። ኣምላኽ እዩሞ ምስ ኣብን ውልድን ብማዕርነት ንስገደሉ። ኣሜን። 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። 

 

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

 

ዕለት፥             ሰንበት ሰነ 4, 2017           ሰንበት ግንቦት 28, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 7865-66

ወተንስኣ እግዚኣብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም፥ ወከመ ሓያል ወሕዳገ ወይን ወቀተለ ጸሮ ብድሕሬሁ።

ሽዑ እግዚአብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ።  ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ቈረ  1520-41

ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 2011-19

1 ጴጥ 1 1-13

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ኣለም)

ግሃ 2 22-37

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div