S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብርሃን ዚገልጽ መድሓኒ (መበል 23 ሰንበት: ቊ.፳፫/23, 2024 ፈ | 2016 ግዕዝ

!ጐይታይ፡ ደጊም ንባርያኻ ከም ቃልካ ኣፋንዎ። ከመይ ኣዒንተይ ነቲ ምድሓንካ ርእየናኦየን። እዚ (ህጻን) ኸኣ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳለኻዮ ድሕነትዩ። ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ ዚገልጽዩ።ሉቃ 229-32 .

እዚ ዕለት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ሓምሻይ ሰንበትዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ለካቲት 6 ኽሳዕ ለካቲት 12 ዘሎ መዓልታት ኣብ ሰንበት ምስ ዚውዕል፡መሀሩነ እለ ቀደሙነዘርእስቱ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ዚዝመር። ብፍላይ ለካቲት 8 ግንበዓለ ስምኦንይብሃል። ኣብ ዝተጠቕሰ ቕንያት ኣብ መዓልቲ ሰንበት ዚንበብ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ እቲ ብዛዕባ ነብዪ ስምኦንን ነብዪት ሃናን ዚትርኽ ናይ ሉቃ 225-40 ንባብ ቅዱስ ወንጌልዩ። ነብዪ ስምኦን፡ ካብቶም እግዚኣብሄር ልዑል ክብሪ ዝሃቦም ናይ ብሉይ ኪዳን ነብያትን ናይ ኣምላኽ ሰባትን ሓደዩ። እዚ ዕብየትን ክብርን ድማ፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በዒንቱ ኺርእዮን በእዳዉ ኺሓቝፎን ዝተዓደለ ናይ ብሉይ ኪዳን ነብዪ ብምዃኑዩ። ብዙሓት ናይ ብሉይ ኪዳን ነብያት ንጐይታና በዒንቶም ኪርእይዎን በእዛኖም ኪሰምዕዎን ኣዝዩ ልዑል ባህጊ እንተ ነበሮም፡ ነቲ ተስፋኦም ከይረኸብዎን ከይረኣይዎን ደኣ ሓለፉ (ማቴ 1316,17 ሉቃ 1023,24 እብ 1113,39,40) ነብዪ ስምኦን ግን ከይረኣዮ ኸም ዘይመውት ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጹሉ ነበረ። ጐይታና ተወሊዱ ወዲ 40 መዓልታት ምስ ኰነ፡ በቲ ሕጊ ብሉይ ኪዳን ዚእዝዞ መሰረት፡ በዅሪ ውላድ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪቐውምን ንእግዚኣብሄር ኪቕደስን ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ቤት መቕደስ ኣምጽእዎ። ነቲ ንነብዪ ስምኦን ዝኣተወሉ ቓል ምእንቲ ኺፍጽመሉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ መሪሑ ናብ ቤት መቕደስ ኣምጽኦ። ኣብኡ ድማ ነቲ ናጽላ ኢየሱስ ሓቝፉ፡ ምስጋናኡ ንኣምላኽ፡ መንፈስ ቅዱስ ዝሃቦ ቃል ትንቢት ድማ ንወለዱን ኣብ ከባቢኡ ንዝነበሩ ዅላቶም ተዛረቦም። ንፈጣሪኻ፡ ትንፋስካ ኣብ ኢዱ ንዝሓዘ፡ ጸዊሩካ ንዚነብር፡ ብስጋ ንዝተገልጸ ኣምላኽ ክትሓቝፍ ምኽኣል፡ መዘና-ኣልቦ ኽቡር ትዕድልቲዩ። እዚ ቕዱስ ኣቦዚ፡ ከመይ ዝበለ ንእግዚኣብሄር ዜኽብር ህይወት ከም ዝነበሮ ኣብ ጥቕሲ 25 “ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ምጽንናዕ እስራኤል ዚጽበይ፡ መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮ ሰብምንባሩ ተገሊጹ ኣሎ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ንሱ ዚዝከረሉ ዕለትን ቅንያትን ዝሰርዐት፡ ነዚ ኺሰዓብ ዚግብኦ ከም ጸሓይ ዜብርህ ድሙቕ ኣርኣያኡ ኣዚና ኸነቕልበሉን ተወፊና ኽንስዕቦን ስለ ዝደለየትዩ።

ኣብ ጥቕሲ 26 ናይ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ኣብ ቀዳማይ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ፡ቅቡእ እግዚኣብሄርኢልዎ ዘሎ፡ ኣብ ኻልኣይ ትርጕም ግና፡መሲሕ እግዚኣብሄርኢልዎ ኣሎ።ቅቡእ ወይ መሲሕዚበሃል ዘሎ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስዩ። ብሓፈሻ ኣብ ኣገልገልትና ዀነ ኣብ ሓፋሽ ምእመንና፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስናይ እግዚኣብሄር ቅቡእምባል ስክፍታ ኺፈጥረሉ ኸሎ ይረኣይዩ። እቲ ምኽንያት ኽልተ ኪኸውን ዚኽእል። እቲ ቐዳማይ ምኽንያት፡ በቲ ፍጹም ኣምላኽነቱ ጥራይ ስለ ንሓስብ ከም ቀባኢምበር፡ ከም ተቐባኢ ኽንሓስቦን ክንቅበሎን ስለ ዝኸበደናዩ፡ወልድ ዋህድኢልና ኸም ንኣምን ኦርቶዶክሳውያን መጠን ግን፡ ከም ስግው መለኮት፡ ከም ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብንምበር ናብ መለኮትነቱ ብዝያዳ ዝዘንበለ ኣርኣእያ ኺህልወና ኣይግባእንዩ። ምኽንያቱ ብዘይበላለጽን ብዘይ ነጻጸልን ውህደት ዝተጋህደ መድሓኒዩ። ከም ፍጹም ሰብ መጠን፡ ብመስዋእቱ ብደሙን ስጋኡን መድሓኒና ኪኸውን ብኣምላኽ ዝተቐብአ ቕቡልዩ። እቲ ኻልኣይ ንስክፍታና ምኽንያት ዚዀነና ዘሎ፡ ናይ ንጥቀመሉ ዘለና ቓላት ትርጕም ዘይምፍላጥናዩ።ቅቡእ፡ መሲሕ፡ ክርስቶስዚብል ሰለስተ ቓላት፡ ሓደ ዝትርጕመን ናይ ሰለስተ ቋንቋታት ቃላትየን፡ ብቛንቋ ግሪኽክርስቶስ ብቛንቋ እብራይስጢመሲሕብቛንቋ ትግርኛቅቡእ ሰለስቲኡ ሓደ ዝትርጕሙ ቓላትዩ።ኢየሱስ ክርስቶስእንተ ኢልናኢየሱስ ቅቡእኢና ንብል ዘለና። ናይ ቋንቋ ለውጢምበር፡ ናይ ትርጕም ለውጢ ንገብር የለናን።ኢየሱስናይ ተጸውዖ ስሙ ኪኸውን ከሎ፡ክርስቶስ፡ መሲሕ፡ ቅቡእከኣ ናይ ማዕርግ ስሙዩ። ስለቅቡእዚብል እንተ ኣንበብና፡ ወይውን ከምኡ ኪበሃል እንተ ስማዕና ቕኑዕ ምዃኑ ተረዲኡና፡ ነቲ ስክፍታና ኸነወግዶ ይግባእ።ኣምላኽ ሰብ ኰይኑ፡ ኣብ ማእከል ሓጥኣን ነቢሩ፡ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ተሰኪሙ፡ ሞይቱኢልና ኽንኣምን እንተ ዘይከቢዱና፡ቅቡእኢልና ኽንጽውዖን ክንሓስቦን ኪኸብደና ኣይግባእን (ግብ 1038)

ነብዪ ስምኦን ነቲ ቕቡእ ኢየሱስ ሓቝፍዎ ኸሎ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ቃል ትንቢት ተዛሪቡዩ። ንሱ ኸኣ፡ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ኣህዛብን ክብሪ እስራኤልን ከም ዝዀነ ዚገልጽዩ። ኢየሱስ ድነትናዩ፡ ኢየሱስ ብርሃንናዩ። ናይ ዕለት ኣርእስትናን ትምህርትና ከኣ ካብ ናይ ነብዪ ስምኦን ቃል ዝተወስደዩ። እቲ ናይ ዕለት መዝሙር ኣሚቱልና ኸም ዘሎ፡ ካብቶም ቀዳሞት ኣቦታትና ዝመሃሩና ሓቂ ሓደ፡ እዚ ኣርእስትናዩ።

ነብዪ ስምኦን፡ ንብርሃንን ድሕነትን ኣዛሚዱ ዝጠቐሰሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ ድሕነትን ብርሃንን ብምንታይዮም ዚዛመዱ፧ እቲ ምኽንያት ርዱእዩ። ኣብ ጸልማት ዘሎ ሰብ ኣበይ ከም ዘሎ፡ ናበይ ገጹ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣብ ቅድሚኡ እንታይ ኣሎ ኣይፈልጥንዩ። ስለ ኸኣ ዕንቅፋት ኣዝዩ ይበዝሕ፡ ውድቀቱን መስበርቱን ይኸብድ፡ ናብ ዘይደለዮ ምዕራፍ ድማ ይበጽሕ። ተጋግዩ ኸሎ፡ ቅኑዕ ዘሎ ይመስሎ። ጸልማት እምብዛ ሕሱምዩ። ብለይቲ ነዊሕ ዚጐዓዙ ሰባት ከም ዚትርኽዎ፡ ምሉእ ለይቲ ብብዙሕ ጸገምን ድኻምን ኪጐዓዙ ሓዲሮም፡ ምድሪ ወጊሑ ብርሃን ምስ ኰነ፡ ንርእሶም ኣብ ዝተበገሱላ ቦታ ኸም ዝረኽብዋ ኺዛረቡ ብዙሕ ጊዜ ዚስማዕ። ብብርሃን ዚጐዓዝ ሰብ ግን ከም ዝበለ ጸገም የብሉን። ብሸለልትነት ብዘይ ምስትውዓል ዚጐዓዝ ዝንጉዕ ሰብ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ብርሃን ዘሎ ሰብ ኣዝዩ ውሑድ ዕንቅፋትን ጌጋታትን ዚፍጽም።

ኣብ መንፈሳዊ ዓለምውን፡ እቲ ኽውን ሓቂ ኻብ ዚፍለይ ኣይኰነን። መንፈሳዊ ብርሃን ዝረኸበ ሰብ ብሓጢኣት ዚዕንቀፈሉ ጊዜ እምብዛ ውሑድዩ። ካብ መገዲ ኣምላኽ ወጺኡ፡ ኣብ መገዲ ጥፍኣት ኣይመላለስንዩ። ረብሓ ብርሃን ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝፈልጥ ንመገዲ ጸልማት ይጽየፋምበር፡ ኣይመርጻንዩ። እቶም ብርሃን ዝረኸቡዮም፡ ንድሕነት ዚፈልጥዋን ዚመርጽዋን። ጐይታና ዀነ ቅዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ብዛዕባ ጕድኣት ጸልማትን ረብሓ ብርሃንን ደጋጊሞም ገሊጾምልናዮም።

“.... ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰባት ግና፡ ግብሮም ክፉእዮም ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እቲ (ኽፉእ) ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእንዩ። ..... እቲ ብመዓልቲ ዚኸይድ፡ ብርሃን ናይ ዓለምዚኣ ዚርእይ ስለ ዝዀነ ኣይዕንቀፍንዩ። እቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግና ብርሃን ስለ ዘይብሉ ይዕንቀፍዩ። ..... “ገና ንቝሩብ መዓልቲ ብርሃን ምስኻትኩም ኣሎ። ስለ ጸልማት ከየርከበኩም ብብርሃን ተመላለሱ፡ ምኽንያቱ እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥንዩ።ዮሃ 319,20 119,10 1235 .

ስለ መንፈሳዊ ጸልማት ንጕድኣትናን ጥፍኣትናን ዜዕዝዝዩ። ካብ ዅሉ ኽንድሕን እንተ ዄንና፡ ናይ ግድን መንፈሳዊ ብርሃን ክንረክብ የድልየና። ነዚ ብርሃን ምእንቲ ኼብርሃልና ኸኣ ጐይታና ብርሃን ኰይኑ ናብ ብጸልማት ዝተዋሕጠት ዓለም መጸ።

ኣብ ጸልማት ወይ ኣብ ርሃን ከም ዘለና ብኸመይ ኢና ንፈልጥ፧ እዚ ዘንበብናዮ ናይ ጐይታ ቓል፡ እቶም ክፉእ ግብሪ ዚገብሩ ኣብ ጸልማት ከም ዘለዉ፡ እቶም ሓቂ ዚገብሩ ድማ ኣብ ብርሃን ከም ዘለዉ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ መንፈሳዊ ጥዕና ዘሎ ሰብ፡ ምስ ቀልቡ እናሃለወ፡ መንፈሳዊ ኣዒንቱ ብኽፉቱ እናረኣየ ኽፉእ ግብሪ ኣይመርጽንዩ። ምኽንያቱ ናይ ክፉእ ግብሪ ዓስቢ እንታይ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥዩ። እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ሰብ ግና፡ ዋላ ኽፉእ ግብሪ፡ ጽቡቕን ንቡርን ግብሪ ዀይኑ ዚረኣዮ። ምኽንያቱ መንፈሳዊ ኣዒንቱ፡ ሕልናኡ ተደፊኑን ተሰዊሩን ዘሎ። ናይ ስጋ ኣዒንቱ ዝዓወረ ሰብ፡ ናብ ጸድፊ ወይ ናብ ጕድጓድ ገጹ ኪኸይድ እንተ ረኣናዮ፡ንምንታይ ናብኡ ይኸይድ ኣሎ፧ኢልና ኣይንፈርደሉን ኢና። እቲ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዘሎ፡ ዓይነ ልቦናኡ ዝዓወረ ሰብ ድማ፡ ልክዕ ከምኡ፡ ነቲ ንዘለኣለም ዚጐድኦ ኽፉእ ግብሪ ዚመርጽ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ኽፉእ ግብሪ፡ግብሪ ጸልማትብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። ነዚግብሪ ጸልማትድማ ካባና ኽንድርብዮ ተማዒድና ኣለና (ሮሜ 1311-14 ኤፌ 511) ስለ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ክፉእ ግብሪ ኺገብር ከሎ ኣብ ጸልማት ከም ዘሎ፡ ብኣንጻሩ ሰናይ ግብሪ ኼዘውትር ከሎ ድማ፡ ኣብ ብርሃን ናይ ክርስቶስ ከም ዘሎ ኪፈልጥ ይግብኦ። ድሕነት ማለት ድማ ክፉእ ግብሪ ካብ ምዝውታር ምንጋፍ ማለትዩ። ስለድሒኑዚበሃል፡ እቲመንፈሳዊ ብርሃን ረኺቡዚበሃል፡ እቲ ዚድሓነ ሰብዩ። እቲ ጽቡቕ መንፈሳዊ ፍልጠትን ርድኢትን ዘለዎ ሰብ፡ ገና ኽፉእ ግብሪ የዘውትር እንተልዩ፡ ገና ኣብ ጸልማት ከም ዘሎ ኺፈልጥ ይግብኦ። ጽልኢ፡ ክፉእ ግብሪ ስለ ዝዀነ፦

““ኣብ ብርሃን ኣለኹዚብል ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት ዘሎ። እቲ ንሓዉ ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን ዚነብር፡ መዓንቀፊውን ኣብኡ የልቦን። እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት ዘሎ፡ ኣብ ጸልማትውን ይመላለስ፡ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥንዩ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 29-11) ስለ ኽፉእ ሃቐናን ድርኺትን ኪተሃላለኸና ኸሎ፡ ናብ መንፈሳዊ ጸልማት ናይ ምእታው ሓደጋ የንጸላልወና ኸም ዘሎ ኣስተውዒልና፡ ብጾምን ጸሎትን ክንዋግኦምበር፡ ዓይንና እናረኣና ናብ ጥፍኣት ከነምርሕ ኣይግባእንዩ።

ንጸልማና ዜብርሆን ብብርሃን ዚመርሓናን መንዩ፧ ኣብ ሰብ፡ ኣብ ዝዀነ ኻልእ ፍጡር ብርሃን የለን። ብርሃናውነት፡ መለኮታዊ ባህርይዩ። ኣምላኽ ብርሃን (ዮሃ 812 1246 1ዮሃ 15) እግዚኣብሄር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ፍጹም ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ፍጹም ብርሃንዩ። ስጋና ለቢሱ ሰብ ኪኸውንን ኣብ ማእከልና ኺሓድርን ዝተደልየሉ መሰረታዊ ዕላማ ድማ፡ ነዚ ብናይ ሰይጣን ጸልማት ዝተዋሕጠ ዘርኢ ኣዳም፡ ብርሃን ምእንቲ ኼብርህን ኬውርስንዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዓብይ ብርሃን ኰይኑ ኸም ዜብርሃልና፡ ብቕዱሳን ነብያት ተነጊሩና (ኢሳ 91,2 ማቴ 415-16 ሉቃ 179 ግብ 1037 ኤፌ 514) ጐይታና ባዕሉ ብርሃን ዓለም ምዃኑ ደጋጊሙ ተኣሚኑዩ። እቲ ቕድም ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ወንጌል ዮሃንስ ጥቕስታት ነዚ ሓቂ ዜረጋግጸልና (ዮሃ 319-21 ዮሃ 1235,36) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትውን፦ “.....ኣነ ብርሃን ዓለምየ፡ እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብምበር ብጸልማት ኣይኪኸይድንዩ። .....እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺአ ኣለኹ።ዮሃ 812 1246

ቅዱሳን ሃዋርያትውን ክርስቶስ ብርሃን ዓለም ምዃኑ ደጋጊሞም ገሊጾምልናዮም። “(ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ) ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ፡ ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኪምስክር መጸምበር፡ ንሱ ብርሃን ኣይነበረን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ።ዮሃ 17-9

እቲ ገዛኢ ዓለምዚኣ ዝዀነ ሰይጣን፡ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይርእዩ ንልቢ ናይቶም ዘይኣምኑ ደፈኖ። እዚ ብርሃን ኸኣ ክብሪ ናይ ኣርኣያ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስዩ። ...... ምኽንያቱ፡ እቲኣብ ጸልማት ብርሃን ይብራህዝበለ ኣምላኽ፡ ነቲ ኣብ ገጽ ክርስቶስ ክብሪ ኣምላኽ ዜጸንባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኺህበና፡ ኣብ ልብና ኸም ዚበርህ ገበሮ።” 2ቈረ 44,6 .

እቲ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ፡ እዚ ናይ ክርስቶስ ብርሃን ኣብ ውሽጡ ስለ ዘለዎ፡ ንጸልማት ኣይፈልጦን፡ ኣይለግቦን ከኣዩ። ጐይታናንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹምዝበለና፡ ንሱ ሓቀኛ ብርሃን ኣብ ውሽጥና ስለ ዚሓድር፡ ንኣናውን ብርሃን ስለ ዚገብረና (ማቴ 514-16) ክርስቶስ ጐይታና ግን፡ ኣብ ዓለምዚኣ ጥራሕ ኣይኰነን ብርሃን ዝዀነ። ናይ ብተስፋንጽበያ ዘለና ብርሃናዊት መንግስቲ ብርሃንውን ንሱ ምዃኑ፦ ነታ (ቕድስቲ) ከተማቲኣ፡ ጸሓይ ወይ ወርሒ ኼብርሃን ኣየድልያንዩ፡ (ምኽንያቱ) ክብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ ኣሎ፡ መብራህታ ድማ እቲ ገንሸልዩ።” ብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ (ራእ 2123 .)

ናይ ሎሚ ኣርእስትናብርሃን ዚገልጽ መድሓኒዝዀነሉ ምኽንያትምበር፡ ጐይታና ብርሃንናን ድሕነትናን ንሱ ስለ ዝዀነዩ። ክርስቶስ ኣብ ዘይብሉ፡ ጸልማትን ጥፍኣትን ዚነግስ። ስለ እቲ ኣብ ዓለምዚኣ ኻብ ሓጢኣትን ድሕሪ ምጽኣት ካብ ዘሎ ሳዕቤን ሓጢኣትን ኪድሕን ዚደልይ ኵሉ ሰብ፡ ብብርሃን ክርስቶስ ኪመላለስ ይግብኦ። እቲ ንናይ ክርስቶስ ብርሃንነት ዘይኣምነሉ ሰብ ግን ኣብ ዓለምዚኣ ዀነ ኣብ እትመጽእ ዓለም፡ ኣብ ድቕድቕን ዜሳቕይን ጸልማት ዚነብር። ካብ ንኽንድሕን ክርስቶስ ብርሃን ህይወት ምዃኑ ፈሊጥናን ኣሚንናን፡ ኣብ ብርሃኑ ኽንነብር ይግብኣና።

ኣዝዩ ዝጸንዐ ቓል ትንቢት ከኣ ኣሎና፡ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ፡ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ፡ (ንክርስቶስ) ኣብ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሃልኩምሉ (እንተ ተቐበልኩምዎ) ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።” 2ጴጥ 119

እዛ ዘለናያ ዓለም፡ ስፍራ ጸልማትያ። እቲ ኣብ ልብና ዜብርህ ኰዀብ ጽባሕ ከኣ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ (ራእ 2216) ስለ ብጸልማት ናይንነብረላ ዘለና ዓለም ተዋሒጥና ኸይንተርፍ፡ እዚ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልብና ሓዲሩ ኸም ዘሎ ነረጋግጽ። ገና ኣብ ጸልማት ዘለና እንተ ዄንና ኸኣ፡ ኣታ ደቂስካ ዘለኻ ንቓሕሞ፡ ካብ ምዉታት ተንስእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካዩ።” ዚብል ቃል ተስፋ ተዋሂቡና ኣሎ (ኤፌ 514) ኣብ ጐይታና ብኽብሪ ዚግለጸላ መዓልቲ ምጽኣቱ፡ ናብ ዘለኣለማዊ ብርሃኑ ምእንቲ ኽንኣትው ኣብ ጸልማት ዓለምዚኣ ብብርሃኑ ብርሃን ኴንና ኽንመላለስ ይግብኣና።

ከም ኸዋኽብቲ ኣብ ዓለም ዜብርሁ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከል ቔናንን ጠዋይን ወለዶዚ፡ እንታ ዘይብሎምን ንጹሃትን ኣበር ዘይብሎምን ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም ኣብርሁ፡ (ነዚ ምግባር እትኽእሉ) ኸኣ ነቲ ህይወት ዚህብ ቃል ኣጽኒዕኩም ብምሓዝዩ። በታ ክርስቶስ ዚመጸላ መዓልቲ ኸኣ (ብዛዕባኹም) ንኸንቱ ስለ ዘይጐየኹን ስለ ዘይጸዓርኩን ክምካሕየ።ፊሊ 215,16 .

ጐይታና ብርሃን ወንጌል ብምሃብ ናብ ዜገርም ብርሃኑ ዓዲሙናን ኣኽቢሩናን ኣሎ። ንሕና ድማ ዕድሚኡ ኣኽቢርና፡ በቲ ዝኸስተልና ብርሃን ክንኣምንን ክንመላለስን ይግባእ። እዚ እንተ ገበርና፡ ካብ ጸልማትን ካብ ስቓዩን ንዘለኣለም ክንናገፍ ኢና።

እምበኣር ኵሉ ህይወትናን ኣካይዳናን ንመርምርሞ፡ እዚ ብርሃን ዚገልጽ መድሓኒ፡ ኣብ ህይወትና ምህላዉን ዘይምህላውን ነረጋግጽ። ብዘይ ክርስቶስ ካልእ ብርሃን የለን። ክርስቶስ ዘለዎ፡ ብርሃን ኣለዎ ጥራሕ ዘይኰነስ ንኻልኦትውን ዜብርህ ብርሃን ይኸውን። ድያብሎስ ዘለዎ ኸኣ ንርእሱ ጸልሚቱ፡ ንኻልኦትውን የጸልምት። ህይወት ምርጫያ። ስለ ኣብ ምድሪዚኣ ዀነ ኣብ ዚመጽእ ዓለም፡ ኣብ ዘይዓርብን ዘይጽልምትን ብርሃን ምእንቲ ኽንነብር፡ ብክርስቶስ ንብራህ። ነቲ ግብሪ ጸልማት ዝዀነ ዅሉ፡ ካባና ብንስሓ ኣርሒቕና፡ ግብሪ ብርሃን ንግበር፡ ኣጽዋር ብርሃን ከኣ ንተዓጠቕ። ብናይ ጸልማት ምርጫና፡ ርእስና ኣይንጕዳእን ኣይነዋርድን ንብርሃን ክርስቶስ ህይወትናን ክብርናን ንግበሮ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

18 ለካቲት 2024 | የካቲት 10, 2016 ግዕዝ (መበል 23 ሰንበት: ቊ.፳፫/23)

ምስባክ

 መዝ. ፻፪(፻፪)፡፭,፮

“ዘያጸግባ እምበረከቱ ለፍትውትከ። ዘይሔድሳ ከመ ንስር ለውርዙትከ። ገባሬ ሣህል እግዚአብሔር።”

“ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ’ዩ፡ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ። እግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር’ዩ።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ጢሞ 5፡1-11

ዲያቆን

1 ዮሃ 3፡1-9

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 3፡17-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 2፡25-40

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ መሀሩነ እለ ቀደሙነ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div