S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሰዓብቲ እንዳብሻይ

ናይ ሎምዘመን እምነት

ገዲፍካ ኣቦታት ቀዳሞት

ናየቤተ-ክርስቲያን ኣቦታት

ተተኃየሰ ናይ እንዳ ጐረቤት

እንዳ ኣብሻይ° ጐረቤት።

 

ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝቐየሩ

ጳውሎስ ዚበሎ ዝቐየሩ¹

ኣኽቲቶም ዚኃደጉ ዝቐየሩ

ምስዓቦም እንታይዩ ምሥጢሩ

እንታይ ኮን ምሥጢሩ፧

 

ነስተርእዮ² ኣቦታት ከየማኽሩ

ብናየርእሶም ዳህሪ ዝሰኸሩ

ብናየርእሶም ስምዒት ዝሰኸሩ

ንኣማኒ ዘባዕዱ ዘባርሩ

ከምዛ ጺንዮም ዘነውሩ፥

 

ጋርና ዘንጠባጥብ መዓረ

ኣስተርእዮ ቀዳሞት ንመሃረ

ብራና ኣቦታት ንበርብረ

ንሱዩ ጽኑዕ ምሥጢረ

ምንቕ ዘይብል ምሥጢረ።

 

ምህሮ ቀዳሞት ኣቦታት³

ስለ እምሔዋዊ-ኃጢኣት

እንከይብርብሩ እቱ እንታይነት

እንከይምርምሩ እንታይነት

የስተምህሩ ዘይኦርፆዶክስነት፥

 

ኮታዩ እምሔዋዊ-ኃጢኣት

ናይ ኣዳም ዘይምእዙዝነት

ስለ እታ ኦም ዕውቀት

ኣዳም ዝፈጸሞ ስሕተት

ብፍቓዱ ዝፈጸሞ ስሕተት፥

 

ስሕተት በዂሪ-ወለድና

ስሕተት በዂሪ-ወለድና

ሞት ምስ ሙስናኣውሪሱና

ከቶ ኣበሳኦም ነየውረሰና

ከቶ ኣበሳኦም ነየውረሰና፥

 

ኣበሳ ነይኮነ ኃድጊ

ንወለዶ ዚሰግር ኃድጊ

ንውሉድ ወለዶ ኃድጊ

ከም በትሪ ዘንጊ

ናይ መንግሥቲ ዘንጊ፥

 

ገቢሩና ግዙኣት ሞት

ቀንጢጥዎ ነቱ ሓርነት፡

ዝነበረና ምሉእ ሓርነት

ኣብቱ ቤት እወ ገነት

ብመዘዝ ናየኣዳም ስሕተት፥

 

ግናኸ ረኺብና ናፅነት

ካብቱ ናይ ሞት ባርነት

እቱ ናይ ሞት ፍርሃት

ብናይ ክርስቶስ ኃልዮት

ናይ ሰይጣን ስዕረት።

 

ምስ ቢልካ ኢዩ እምነተይ

እምነት ቀዳሞት ኣቦታተይ

ወኒ ናይ ቀዳሞት ኣቦታተይ

የቚጽረካ ኣኽቲቱ ካሕዳይ

ብሰዓብቲ እንዳ ኣብሻይ፥

 

መጽሓፍ ቅዱስ ገዲፍካ

ናይ ጐንደጃም ሓቚፍካ

ካንዶ ዕያግ መሪጽካ

ካንዶ ዕያግ ኣስተኃይስካ

ንጽሩይ ማይ ገዲፍካ

 

ብጥንተ-ኣብሶከታልሉ

ኡነት ገዲፎም ዝመሓሉ

ብጋህዲ ብብርሃን ጐሓላሉ

ኮታ ዘየሎ ዝገናጻጽሉ

ናየኣቦታት ገዲፎም ዘታልሉ።

 

ኣበሳዶ ይወራረስ ኮይኑ

ኣበሳዶ ይወራረስ ኮይኑ

እቶም ንሓቂ ዘብርዕኑ

ክንዲ ዘጠጥኡ ዘብርዕኑ

ሓቂ ከይነግሩ ዘዕወንዉኑ።

 

ቅዱስ ጽሑፍ ዚበለ

"ሞት ኪትመውትኻ" ኣኸለ

ኣይግዳዶም እኒ ምትላለ

ነዚኣ ኣዂዲሮማ  ዘሊልመሊለ

ነዚኣ ኣዂዲሮማ  ዘሊልመሊለ

መታን ሕዝቢ ኪፈላለ፥

 

ከብቲኳ ንዒባ ዚዘውያ

ዒባ ዝነጠቦ ማየ ዚዘውያ

ኣይትእመን ዚኣምኑ ኣውሊያ

ቅዱስ ጽሑፍ ዘይብሉ ኣምሳያ

ንስመምሕረት ዘይብሉ ኣምሳያ።

 

ሃገርና ትንበር ንዘለዓለመ

እናተባህለ ብእንዳ ጒዳመ

ብኸመይ ትቕበሎ ዘስደምመ፧

ቃል ኣምላኽ ኮታ ዘየቀደመ

እግዚእ ዘይፈትዎ ሕማመ፥

 

ተረኺቡለይ ሃገርሲያ ኮይና

ዝያዳ እቱ ቃል-ኣምላኽና

ሕፍር ዘይብሉ ጐረባብትና

ይብሉ ንዘለዓለም ትንበረልና

ረሲዖም ጽሑፍ ዚብለና፥

 

ኲሉ ኪኃልፍ ኪኃልፍ

ቃል-ኣምላኽ ነይኃልፍ

ንስመምሕረት ኮታ ዘይኃልፍ

ዚብል ቅዱስ ጽሑፍ

  ዚብል ቅዱስ ጽሑፍ።

 

ኣይቆናእንዳ ጐንደጃም

ዘገረሞ ንውሉደ ኣዳም

ንኣብ ኪሠዓል ብኣዳም

ንኣብወ ኪሠዓል ብኣዳም

ኪሠዓል ብደቂ ኣዳም።

 

እቱ ናይና ምስክርና

መጽሓፍ ቅዱስ ምስክርና

ቅዱስ ጽሑፈ ይብለና

ትርፎ ወልዲ ንኣብና

ማንም ኣይረኣዮን ንኣብና፥

 

ኣይግዲን እዛ ኣይቆና

ናይ ጐንደጃም ኣይቆና

ትርፎ ወልዲ ንኣብና

ማንም ኣይረኣዮን ንኣብና

እግዚኣብሔር ኣብና፥

 

ብድምፂ ንእግዚኣብሔር ኣበ

መንፈስ ቅዱስ ኸዓ ብርግበ

ንሳያ ዚርካባ ኡነት እምበረ

ኣምሳያ ዘይብላ ሓቂ እምበረ

ነዚኣ ዚጻረር ካሕዳይ እምበረ።

 

ኪበታትኑ ንናይና ሕዝቢ

ብኽፍኣት እወ ዓልቢ¹º

ኅልና ዘህንት ልቢ

ዚናኸሱ ከም ከልቢ

ከም ዘእ()በድደ ከልቢ።

 

ዘጎና፡ ናይና ሕዝቢ

ትጋህ ኩን ንህቢ

በርብሮ ንሓቂ ብልቢ

ኣየድልን ዘይምዑዝ ንቀልቢ

ኣብዲ ዚገብሮ ንልቢ።

 

መዓር እንከሎካ ምግቢ

ሥርናይ እንከሎካ ምግቢ

ናይ ቀዳሞት ምግቢ

ላዛኡ ዘይዳኅነወ¹¹ ምግቢ

እንታይ ኣሎካ ዘእቢ

 

ብቅጥኒ ምስ ፋእሚ

ቅጥኒ ምስ ፋእሚ

ዓለባ ይገብር ኣናሚ¹²

ምስ ተማሕወ ፋእሚ

ይብተን ግብረ-ኣናሚ፥

 

ናይ መጽሓፍ-ቅዱስ ኣናሚ

ሎጎስ-ኣምላኽዩ ኣናሚ

ጥበብ ኣምላኽዩ ኣናሚ

ናዩ ቅጥኒ ምስ ፋእሚ

ንኣኡ ምግዳፉስ ሕርሚ።

 

ዘሎዎ ጒጒኣ¹³ ሃይማኖት

ይገናጽል ኣስተርእዮ ቀዳሞት

ጽኑዕ ኰዂሓዊ መሠረት

መለሳ ዘይብሉ መሠረት

ጽኑዕ ዋሕስ ሃይማኖት፥

 

ኣእምሮኻ ኬይገብርዎ ሶረ

የዕንቲ ልቡናኻ ከይዓወረ

በዞም ሰብ ነገረገረ፡

ብመጽሓፍ ቅዱስ ተናገረ

ምስ ቀዳሞት ኣቦታትውን ንበረ።

 

ይኣክል እዝነይ ሓረርረ

ኣውላይ ተውላይ ምንጋረ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ግበረ

ንሱ ኢዩ ጽኑዕ ኣጽዋረ

ይኣክል ጽውጽዋይ እምበረ።

 

ኣስተውዕሎ፦

 

0. ዓባይ ኢትዮጵያ እናበሉ ስለዮም ዚዛረቡ ካብ ደራሲ ፋግረት ኣያ ሃብቱ ሓሰቡ(Fagret: the female survivor of Ona-Eritrea and her immigrant life in USA) ነዛ ኣብሻይ ወሪሰያ።

1.         ዝቀየሩ ብኃልዮት ናይ ኢትዮጵያ ኦርፆድክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን 2000 . . ዝተሰናድአ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣብነት ነቱ ናይ መልቲ. ሮማ 8 27 - 34 ኣኽቲቶም ቀዪሮመን።

2.         ኣስተርእዮ = commentary

3.         ቀዳሞት ኣቦታት = Early Church Fathers

4.         እንታይነት = definition

5.         እምሔው = ancestor ዚብል ቃል ኢንግሊዝ ብትግርይና ሓንቲ ቓል ስለዘይብልና ካብ ግዕዝ ተለቒሐዮ።

6.         በዂሪ-ወለድና = ናይ መጀመርታ ወለዲና ኣዳምን ሔዋንን።

7.         ሙስና = corruption

8.         ጥንተ-ኣብሶ (original sin) = ብዓይኒ ፂዮሎግያ ኣዳምን ሔዋንን ዚፈጸምዎ ኃጢኣት፡ እቱ ኣበሳ ንውሉድ ወለዶ ዚመኃላለፍ ዚብል ዘይናይ . ካፆሊካዊት ኦርፆዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ምህሮ ኢዩ።

9.         ዓልቢ = ዘይመጐለ ቊስሊ። ብኣምሳላዊ ኣዘራርባ ከዓ እቱ ዘድሊ ሓቢእካ ብላዕሊ-ላዕሊ ምዝራብ።

10.       ኣይቆና = icon

11.       ዳኅነወ = እንጌራ ምስ  ቐኒ ኃይሊ ጣዕሙ ቀየረ ማለት ኢዩ።

12.       ኣናሚ = ኣላሚ

13.       ጒጒኣ = zeal

 

ተሰናድአት

ሰዓት 11:25 ንጋሆ

10-03-2020 ፈረንጂ

23 መስከረም 2013 . .

ኣኰቴት።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div