በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።
ክቡራት ኣገልገልቲ ካህናትን ድያቆናትን ኩላትኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን።
ኣምላኽ ረዲእና፡ መመዝገቢ ፎርም 1ይ ሰመስተር 2023/24 ንሰደልኩም ኣሎና። ምዝገባ ካብ ነሓሰ 01 ክሳብ 21 2023 ክካየድ እንኮሎ፡ ትምህርቲ ድማ ኣብ መስከረም 03 2023 ክጅምር እዩ። መላግቦ መመዝገቢ፥ Link
ካብ ጉዳያት ተመሃሮ
ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋህዶ
“ሕጂ ድማ፡ ኦ! ጐይታ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኣይ። ብስም’ቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ (ንኣገልገልትኻ) ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሃቦም ..... ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ተገብረ፡ ...... ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ኣምጽኡ፡ ኵላቶም’ውን ሓወዩ።” ግብ 4፡29,30 ፣ 5፡12,16
ማርያም ከኣ፡ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሐለፈ።
በቲ ቕነ እቲ ማርያም ተንስኤት፡ ተቐላጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት።
ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ።
እዚ ጉባኤ`ዚ ሕጂ ዝተጀመረ ሓዲሽ ጉባኤ ኣይኮነን። የግዳስ መቐጸልታ ናይ`ቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት በብእዋኑ ክካየድ ዝጸንሐ ጉባኤታት`ዩ። ከም-ዝፍለጥ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ዝነበረ መንበረ-ፓትርያርክ፣ ንክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርስቲያን ወኪሉ ክርከብ ዝነበሮ ሓላፍነት፣ ዘይምጥን ኮይኑ ብምርካቡ ምኽንያት፣ ህልውና ቤተ-ክርስቲያን ንሓደጋ ተጋሊጹ ምስ-ተረኽበ፣ ነቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ንምዕቃብ ተባሂሉ`ዩ፣ እዚ ጉባኤ`ዚ ኣብ መድረኽ ወጺኡ ህልውናኡ ንከረጋግጽ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝተረኽበ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
‘ንሓድሕዳ እተፈላለየት… ቤት ትዓኑ።’ ማቴ 12:25።
መግለጺ ቀኖናዊ ኣኅጉረ ስብከታት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ከም ዝፍለጥ፥ ኣብ 2005 ኣብ ልዕሊ "ሰማዕት እንበለ ደም" ቅዱስ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ዝወረደ ቀኖና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝገሃሰ ዓመጽ፡ ዘስዓቦ ጸገም፥ እታ ሓንቲ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ተኸፋፊላ፥ ኣብ ቃልዕ ብምውጻእ ንሓድሕዳ ክትወጋገዝን ክትወናጀልን ጸኒሓን ኣላን። ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ከቢድ ናይ ምፍልላይ እዋን እንከላ ድማ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ቀዲሞም፥ ሎሚውን ኣቡነ ቄርሎስ፡ ይቕረ ይፍታሕ ከይተበሃሃሉ ብሞት ምፍላዮም ኣዝዩ መሪር ሓዘን ይስምዓና። ኣምላኽ ነፍሶም ይምሓር። ዘሎናሉ እዋን ይትረፍ ተፈላሊኻ፥ ሓቢርካ ንምጉዓዝ'ውን ኣጸጋሚ ዝኾነሉ ዘመን፥ ቤተ ክርስቲያን፡ ነቲ ኣደዳ ስደት፥ ፍልሰትን፥ ኲናትን ኮይኑ ዝበርስ ዘሎ ሕዝብና መዕረፊት ልቡን ቤት-ሰላሙን ክትኮኖ ዘይምኽኣላ ኣዚና ንሓዝን። እዚ ጾር እዚ ድማ ኣብ ዝባን ኩላትና ተጻዒኑ ዘሎ ከቢድ ዕዳን ሓላፍነትን እዩ።
ንሕና ከም ኦርቶዶክሳውያን ወይ ከም ክርስቲያን መጠን፣ መስቀልን ታሪኽ መስቀልን ንዓና ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን። ከመይሲ እቶም ቀዳሞት ኣቦታትና፣ ካብ ዘመነ-ብሉይ ኣትሒዞም፣ ኣብ እምነት እግዚኣብሔር ሠረት ዝገበረ ኣምልኮ ሒዞም`ዮም እናተጎዓዙ መጺኦም። ስለዚ`ውን መስቀልን ታሪኽ-መስቀልን ንዓና ከም ሕዝቢ፣ ጋሻ ክኾነና ዝኽእል ኣይኮነን።
ሎም ፍስሓ ኮነ
ርሑስ ልደት፡ ክርስቶሰ
ርሑስ ልደት፡ የሱሰ
ርሑስ ልደት፡ ንጉሠ
ዘለዓለማዊ ናትና ንጉሠ
ዘለዓለማዊ ናትና ንጉሠ
ዘለዓለማዊወ ናትና ንጉሠ።
“ሕጂ ድማ፡ ኦ! ጐይታ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኣይ። ብስም’ቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ (ንኣገልገልትኻ) ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሃቦም ..... ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ተገብረ፡ ...... ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ኣምጽኡ፡ ኵላቶም’ውን ሓወዩ።” ግብ 4፡29,30 ፣ 5፡12,16
‘ባህርይ ክርስቶስ’ ብፖፕ ሽኖዳ 3ይ፣ ሊቀ ጳጳሳት ቤተ ክርስትያን ምስሪ ዝተጻሕፈ፣ ትርጉም ዶር ሽሞንዲ ሃይለ
ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ (1ይ ጢሞ 3:16) Read More...
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ