S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።

ክቡራት ኣገልገልቲ ካህናትን ድያቆናትን ኩላትኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን።

ኣምላኽ ረዲእና፡ መመዝገቢ ፎርም 1ይ ሰመስተር 2023/24 ንሰደልኩም ኣሎና። ምዝገባ ካብ ነሓሰ 01 ክሳብ 21 2023 ክካየድ እንኮሎ፡ ትምህርቲ ድማ ኣብ መስከረም 03 2023 ክጅምር እዩ። መላግቦ መመዝገቢ፥ Link

ካብ ጉዳያት ተመሃሮ 

ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋህዶ

 

ሕጂ ድማ፡ ! ጐይታ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኣይ። ብስም ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ (ንኣገልገልትኻ) ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሃቦም ..... ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል ህዝቢ ተገብረ፡ ...... ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ኣምጽኡ፡ ኵላቶምውን ሓወዩ።ግብ 429,30 512,16

ማርያም ከኣ፡ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሐለፈ።

በቲ ቕነ እቲ ማርያም ተንስኤት፡ ተቐላጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት።

ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ።

እዚ ጉባኤ` ሕጂ ዝተጀመረ ሓዲሽ ጉባኤ ኣይኮነን። የግዳስ መቐጸልታ ናይ` ካብ ነዊሕ ዓመታት በብእዋኑ ክካየድ ዝጸንሐ ጉባኤታት`ዩ። ከም-ዝፍለጥ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ዝነበረ መንበረ-ፓትርያርክ፣ ንክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርስቲያን ወኪሉ ክርከብ ዝነበሮ ሓላፍነት፣ ዘይምጥን ኮይኑ ብምርካቡ ምኽንያት፣ ህልውና ቤተ-ክርስቲያን ንሓደጋ ተጋሊጹ ምስ-ተረኽበ፣ ነቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ንምዕቃብ ተባሂሉ`ዩ፣ እዚ ጉባኤ` ኣብ መድረኽ ወጺኡ ህልውናኡ ንከረጋግጽ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝተረኽበ።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

ንሓድሕዳ እተፈላለየትቤት ትዓኑ።ማቴ 12:25

መግለጺ ቀኖናዊ ኣኅጉረ ስብከታት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

ከም ዝፍለጥ፥ ኣብ 2005 ኣብ ልዕሊ "ሰማዕት እንበለ ደም" ቅዱስ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ዝወረደ ቀኖና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝገሃሰ ዓመጽ፡ ዘስዓቦ ጸገም፥ እታ ሓንቲ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ተኸፋፊላ፥ ኣብ ቃልዕ ብምውጻእ ንሓድሕዳ ክትወጋገዝን ክትወናጀልን ጸኒሓን ኣላን። ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ከቢድ ናይ ምፍልላይ እዋን እንከላ ድማ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ቀዲሞም፥ ሎሚውን ኣቡነ ቄርሎስ፡ ይቕረ ይፍታሕ ከይተበሃሃሉ ብሞት ምፍላዮም ኣዝዩ መሪር ሓዘን ይስምዓና። ኣምላኽ ነፍሶም ይምሓር። ዘሎናሉ እዋን ይትረፍ ተፈላሊኻ፥ ቢርካ ንምጉዓዝ'ውን ኣጸጋሚ ዝኾነሉ ዘመን፥ ቤተ ክርስቲያን፡ ነቲ ኣደዳ ስደት፥ ፍልሰትን፥ ኲናትን ኮይኑ ዝበርስ ዘሎ ሕዝብና መዕረፊት ልቡን ቤት-ሰላሙን ክትኮኖ ዘይምኽኣላ ኣዚና ንሓዝን። እዚ ጾር እዚ ድማ ኣብ ዝባን ኩላትና ተጻዒኑ ዘሎ ከቢድ ዕዳን ሓላፍነትን እዩ።

ንሕና ከም ኦርቶዶክሳውያን ወይ ከም ክርስቲያን መጠን፣ መስቀልን ታሪኽ መስቀልን ንዓና ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን። ከመይሲ እቶም ቀዳሞት ኣቦታትና፣ ካብ ዘመነ-ብሉይ ኣትሒዞም፣ ኣብ እምነት እግዚኣብሔር ሠረት ዝገበረ ኣምልኮ ሒዞም`ዮም እናተጎዓዙ መጺኦም። ስለዚ`ውን መስቀልን ታሪኽ-መስቀልን ንዓና ከም ሕዝቢ፣ ጋሻ ክኾነና ዝኽእል ኣይኮነን።

ሰላም ኣምላኽ ምሳኻትኩም ክኸውን እናተመነና፡ ብረዲኤት እግዚኣብሄር ምዝገባ 3 ሰመስተር ናይ 2022/23 ንምጅማር ተዳሊና ኣለና። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ እትገብርዎ፡ እቲ ሓበሬታ ናብ ብዙሓት ምእንቲ ክበጽሕ ኣብ መስመራት መራኸቢ ቤተ ክርስትያንና ክትዝርግሕዎ፡ መላግቦ ናይቲ መመዝገቢ ቅጥዒ ንሰደልኩም ኣለና።

ነባራት ተመሃሮ፥ Link

ሓደሽቲ ተመሃሮ፥  Link

ምምሕዳር ኮለጅ ስነመለኮት ተዋህዶ

ሎም ፍስሓ ኮነ

ርሑስ ልደት፡ ክርስቶሰ

ርሑስ ልደት፡ የሱሰ

ርሑስ ልደት፡ ንጉሠ

ዘለዓለማዊ ናትና ንጉሠ

ዘለዓለማዊ ናትና ንጉሠ

ዘለዓለማዊወ ናትና ንጉሠ።

ሕጂ ድማ፡ ! ጐይታ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኣይ። ብስም ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ (ንኣገልገልትኻ) ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሃቦም ..... ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል ህዝቢ ተገብረ፡ ...... ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ኣምጽኡ፡ ኵላቶምውን ሓወዩ።ግብ 429,30 512,16

‘ባህርይ ክርስቶስ’ ፖፕ ሽኖዳ 3ይ፣ ሊቀ ጳጳሳት ቤተ ክርስትያን ምስሪ ዝተጻሕፈ፣ ትርጉም ዶር ሽሞንዲ ሃይለ
ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ (1 ጢሞ 3:16) Read More...

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div