ንኣርባዕተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ መበል 24 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲያትል ክፍለ ግዝኣት ዋሽንግቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሴ ይካየድ ድሕሪ ምቕናዩ ብጸሎተ ቅዳሴ ብሰላም ተዛዚሙ።
ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።
ናይ ዝሓለፈ ሰሚስተር፡ ዓመተ ትምህርቲ 2022/23፡ ብረዲኤት እግዚኣብሔር ብዓወት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ተዛዚሙ።
ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ተዋሕዶ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምምሕያሽ እንዳተገብረሉ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፥ ሰሙናዊ ብማንዛ (zoom) ስሩዕ ትምህርቲ ይወሃብ ኣሎ። ናይ ካልኣይ ሰመስተር ትምህርቲ ድማ ካብ 1 የካቲት 2023 ክጅምር እዩ። ቀዳማይ ሰሙን መእተዊ ናይዚ ሰመስተር ኮይኑ፡ እቲ ትምህርቲ ክሳብ ግንቦት 2023 ክቅጽል እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ዝነበርኩምን ሓደስትን ተመሃሮ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ኣቲኹም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።
1) ነባራት ተመሃሮ፡ ነባራት መምዝገቢ ቅጥዒ
2) ሓደስቲ ተመሃሮ፡ ሓደስቲ መምዝገቢ ቅጥዒ
ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።
ጾመ ነነዌ ናይ 2023 ቤተክርስቲያን ኣብ ልዑል ተስፋ ዕርቀ-ሰላም ትርከብ ምህላዋ፡ ነዘን ሰለስተ መዓልቲ በዚ መንፈስ ክንጽሊ ከም ዘሎና ርዱእ እዩ። ዮናስ ነብይ ሓደ ካብቶም ንኡሳን ነብያት ብሉይ ኪዳን ምዃኑ ይፍለጥ። ትንቢት ዮናስ ብሓቂ ክተንብቦ መሳጥን መሃርን እዩ።
“ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። .... እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ፡ ንሱ ኸኣ ካባኻትኩም ኪሃድም’ዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ’ውን ኪቐርበኩም’ዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢ’ውን ልብኹም ኣንጽሁ።” ያእ 4፡6-8 ካ.ት
ንስኻትኩም ግና እቲ ዕዮኹም ዓስቡ ኺረክብ እዩ እሞ፡ ጽንዑ; ብቀሺ ዲበ። ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን; ብቀሺ ቴድሮስ። ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም; ብቀሺ ሓለፎም Read More...
መበል 24 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲያትል ክፍለግዝኣት ዋሽንግቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሴ ስያትል ካብ 14 ክሳብ 17 ሓምለ 2022 (July 14 to July 17 2022) ጀሚሩ ይካየድ ኣሎ። በመገዲ ፍኖተ ብርሃን Facebook https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch ክትከታተሉ ንሕብር።
ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።
ቀጻሊ ትምህርቲ ድማ ካብ 3 መስከረም 2022 ክጅመር እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ ክትምዝገቡ ኣቲኹም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።
ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።
እዚ ቃል ብሥራት`ዚ፣ ቅድሚ 2000-ሽሕ ዓመት ነቶም ከብቶም ሒዞም፣ ኣብ መሮር ዝሓደሩ ጓሶት ቤተ-ልሔም ዝተነግረ ቃል`ዩ። ከመይሲ እቲ ነቢይ-ኢሳይያስ ኣብ ትንቢቱ “-እንሆ ድንግል ክትጠንስ፣ ወዲ`ውን ክትወልድ፣ ስሙ ድማ ኣማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ ኢያ-” ብምባል ተነብዩዎ ዝነበረ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም`ዩ፣ እቲ መድኃኒ-ዓለም ዝኾነ፣ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ-ክርስቶስ ክውለድ ዝኸኣለ። (ኢሳ-7/14)
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ