S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጥሪት ኣምላኽ ኢኹም (መበል 22 ሰንበት: ቊ.፳፪/22, 2024 ፈ | 2016 ግዕዝ)

ንስኻትኩም ግና ዕብየት (ወይ ደግነት) ናይ ኻብ ጸልማት ናብ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸዉዓኩም (ኣምላኽ) ምእንቲ ኽትነግሩ ሕሩይ ወለዶ፡ (ንጉሳውያን ካህናት) (Royal Priesthood) ቅዱስ ህዝቢ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም።”1ጴጥ 29 .

እንሆ እዚ ዕለትዚ፡ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮዩ። ነዚ ዕለት ተመዲቡ ዘሎ መዝሙር ቅዱስ ያሬድኢየሩሳሌም ትቤዘርእስቱዩ። ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ለካቲት 3 ክሳዕ ለካቲት 5 ዘሎ ዕለታት ኣብ ሰንበት ምስ ዚውዕል፡ እዚ ዝተጠቕሰ መዝሙር ዚዝመር። እቲ በዚ መዝሙር መሰረት ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ልክዕ ከም ኣብ መበል 20 ሰንበት ዘንበብናዮ፡ ናይ ሉቃ 241-52 ንባብዩ። ብዛዕባ ዕብየት ጐይታናን ብዛዕባ ናይ ኢየሩሳሌም ንግደቱን ዚትርኽዩ። እቲ ናይ ገላ 421-31 ንባብ ከኣ ነተን ክልተ ኪዳናት (ብሉይን ሓድሽን) ምስተን ምድራዊትን ሰማያዊትን ኢየሩሳሌም ኣዛሚዱ ብምግላጽ ዓብይ መንፈሳዊ ምስጢር ኣስፊሩ ኣሎ። እቲ ናይ ግብ 1120-26 ንባብ ከኣ እቶም ብምኽንያት ሞት እስቲፋኖስ ዝተበተኑ ደቀ መዛሙርቲ ክሳዕ ኣንጾክያ (ናይ ሶርያ) ኸም ዝተሰደዱ ኣብኡ ድማ ወንጌል ሰቢኾም ቤተ ክርስትያን ከም ዘቘሙ ምስ ተሰምዐ፡ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት በዅሪ ሃዋርያዊት ቤተ ክርስትያን ንቕዱስ በርናባስ ልኢኻ፡ ነቲ ዕዮ ወንጌል ከም ዝደገፈት ዚትርኽ መሃሪ ንባብዩ። እቲ ናይ ዕለት ምስባክውን፡ ልክዕ ከም መዝሙር፡ትሰብሖ ኢየሩሳሌም ለእግዚአብሔርዚብል ንኢየሩሳሌም ዚጠቅስ ኣገዳሲ ትሕዝቶ ዘለዎ ምስባክዩ። ስለ እቲ በዚ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ ንባባት ኰነ ምስባክ፡ ዳርጋ ዅሉ ንኢየሩሳሌም ዘማእከለ ትሕዝቶ ኸም ዘለዎ ዜመልክተናዩ።

እዚ ናይ ዕለት ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ምንጪ ዀይኑ ዘሎ ናይ 1ጴጥ 21-9 ንባብውን፡ ነቲ ናይ ኢሳ 2816 ኢሳ 814,15 መዝ 11822 ብዛዕባ ጐይታና ዝተነግረ ትንቢታት ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ ጽዮን ዚዛረብዩ። ጽዮን ማለት ከኣ ኢየሩሳሌምያ። እቲ ኣብ ጽዮን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተተኽለሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝንዚበሃል ዘሎ ኸኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስዩ። ካልኦት ነብያትውን ብዛዕባ ህያው እምኒ መኣዝን ተነብዮምዮም (ኤር 621 ኢሳ 814 ) ጐይታና ባዕሉ ድማ በዚ ትንቢታት ገይሩ ብዛዕባኡ ኸም ዝተጻሕፈ ብምግላጽ ንኣይሁድ ረቲዑሉ (ማቴ 2142,44) እቲ ናይ ዕለት ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ውጽኢት ትግባረ ናይ ብነብያት ዝተነግረ፡ ብክርስቶስ ከኣ ዝተፈጸመ ትንቢታዊ ቓልዩ። መሪሕ ጥቕስና፡ እቲ በዚ ህያውን ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ ዝኣመነ ሰብ፡ ዚረኽቦ ረብሓን ዚጐናጸፎ መንነትን ዚህልዎ ተልእኾ ህይወትን እንታይ ምዃኑ ዚገልጽዩ። እቲ ብእኡ፡ ማለት በዚ እምኒ መኣዝን ዝዀነ ክርስቶስ ዝኣመነ ሰብ፡ ካብ ናይ ክርስቶስ ቅድስናን ክህነትን ተኻፋሊ ኸም ዚኸውን ከምኡ ድማ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገ ገንዘብን ጥሪትን ናይ ኣምላኽ ከም ዚኸውን ይገልጸልና ኣሎ። እዚ መንፈሳዊ ሓለፋን ክብርን ዜሰክሞ ናይ ህይወት ተልእኾን ሓላፍነትን ከኣ፡ ደግነትን ዕብየትን ናይ ኻብ ዜሰክሕ ጸልማት ናብ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዖን ዘእተዎን ጐይታ ምንጋርን ምስባኽን ምምስካርን ምዃኑ ኣነጺሩ ኣብሪሁልና ኣሎ። እምበኣር በዚ ህያውን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን ዝዀነ ክርስቶስ ዚኣምን ህዝቢ ዚረኽቦ መንፈሳዊ ረብሓ፦

1. ቅዱስ ህዝቢ ይኸውን፦ ብምስጢረ ጥምቀት ኣብ ሞት ክርስቶስ ሓቢሩ፡ በቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ተሓጺቡ ንጹህ ሕልና ስለ ዝወነነ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉንዩ፡ ስለ ቅዱስ ህይወት ዚህልዎ። ድኹም ሰብ ብምዃኑ ወዝቢ ሓጢኣት ምስ ዚጠብቆ ድማ ብምስጢረ ንስሓን ብቕዱስ ቍርባንን ብደም ክርስቶስ ተሓጺቡ ቅድስናን ንጽህናን ስለ ዚረክብ፡ ቅዱስ ህዝቢ ይኸውን።

2. ንጉሳዊ ክህነት (Royal Priesthood) ይረክብ፦ ኣብ መሰረተ እምነትና ዝዀነ ምስጢረ ክህነት ብዕምቈትን ብስፍሓትን ከም እንመሃሮ፡ እቲ ብክርስቶስ ዝኣመነ ዅሉ ክርስትያን፡ ኣድማሳዊ ክህነት ይረክብዩ። ስለ ኸኣ ስም እግዚኣብሄር ጸዊዑ ኺጽልይን ኬመስግንን ኪውድስን፡ ኣብ ኵሉ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ከኣ ተኻፋሊ ኪኸውንን ዚኽእል። እዚ ኣድማሳዊ ክህነት ግን ተኻፋሊምበር፡ ፈጻሚ ወይ ተግባሪ ናይ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ዚገብር ኣይኰነን። ብዛዕባ ብሰፊሑ ንምርዳእ ነቲፍኖተ ህይወትዘርእስቱ ናይ ቤተ ክርስትያንና ናይ መሰረተ እምነት መጽሓፍ ክንውከስ ጽቡቕዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ቤተ ክርስትያን ኣገልጋልንውን ነዚ መሰረተ እምነት ንዅሉ ምእመን ኬስተምህርዎ ሓላፍነት ኣለዎም።

3. ጥሪትን ገንዘብን ናይ ኣምላኽ ይኸውን፦ ናይ ዕለት ትምህርትና ብዓብዩ እዚ ኣርእስቲ ስለ ዝዀነ፡ ኣስፊሕና ኽንመሃሮ ኢና።

4. ብዛዕባኡ ኺነግር ሓለፋን ሓላፍነትን ይቕበል፦ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ነዚ መልእኽቲ ናብቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናብ ማሕበረ ምእመናንውን ዝጸሓፎ። ስለ እቶም ኣድማሳዊ ክህነት ዝተቐበሉ ዅሎም፡ ብዛዕባ ብክርስቶስ ዝተፈጸመ ግብሪ ምድሓን ኣብ ንሓድሕዶም ኰነ ነቶም ኣብ እምነት ዘየለዉን፡ ኣብ እምነት ሃልዮም ምሉእ ፍልጠት ሓቂ ዘይረኸቡ ኣባላት ቤተ ክርስትያንን ናይ ምስትምሃር ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ዕዮ ኣብ መድረኽ ቤተ ክርስትያን ደው ኢልካ ምስባኽ ዚምልከት ኣይኰነን። ወንጌል ኣበሲሩ ናብ እምነት ንዘብቅዖ ሰብ ከኣ፡ ናብቶም ምስጢራት ናይ ምፍጻም ስልጣንን ማዕርግን ዘለዎም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን የምጽኦ ማለትዩ።

ነቲ ናይ ዕለት መሪሕ ጥቕስና ብመጠኑ ድሕሪ ምድህሳስና፡ ቀጺልና ናብ ቐንዲ ናይ ዕለት ኣርእስትና ሓቢርና ኽንሰግር ኢና።

ጥሪት ኣምላኽ ምዃን ማለት፡ እንታይ ማለትዩ፧ ብኸመይ ኢናኸ ጥሪት ኣምላኽንኸውን፧ ብዛዕባ ምውናን ጥሪትን ገንዘብን ንብረትን ብዙሕ ኣፍልጦን ተመክሮን ስለ ዘሎ፡ ሰፊሕን ዝርዝራውን መግለጺ ዜድልየና ኣይኰነን። ንሕና እግዚኣብሄር ዝዋናና ፍጥረት ኢና። ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ፍጥረት ናይ እግዚኣብሄርዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ፈትዩ ዚግዝኦ ኣካል ዚምልከት ጥራሕ ኣይኰነን። ዋላቶምኣምላኽ የለንኢሎም ዚኽሕድዎ፡ ዋላቶም ከም ፍቓድ ርእሶም ብሓጢኣትን ርኽሰትን ዚመላለሱ ዅሎምን ካብ ዋንነት ናይ እግዚኣብሄር ወጻኢ ኪዀኑን ኬምልጡን ኣይክእሉንዮም። እንተ ብጽቡቕ እንተ ብሕማቕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንፍርዲ ደውንብልኮ፡ እግዚኣብሄር ዋናና ስለ ዝዀነዩ። ዋላ ብዕልወት ካብ እግዚኣብሄር ኣርሒቕና ንዀብልል፡ ካብ ስልጣንን ዋንነትን ናይ እግዚኣብሄር ክንወጽእ ግን ኣይንኽእልን ኢና። ይትረፍ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ፡ ዋላ ሰይጣንን ኣጋንንቱንውን ናይ እግዚኣብሄር ጥሪትዮም። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ባዕሉ ዝፈጠሮምምበር፡ ባዕላቶም ናይ ህላወ ዝመጹ ኣይኰኑን። ናይ እግዚኣብሄር ፍጥረት ኴንካስ፡ ዋንነትካ ዘይናይ እግዚኣብሄር ኪኸውን፡ ፈጺምካ ዘይሕሰብን ዘይሕለምንዩ። ናይ እግዚኣብሄር ዋንነት፡ ምስ ናይ ሰብ ዋንነት ዚመጣጠንን ዚወዳደርን ኣይኰነን። ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ዋንነት ገለ ቝሩብ ኬብርሃልና ኢልና፡ ነቲ ናይ ሰብ ዋንነት ከም ኣብነት ጌርና እንተ ጠቐስናዮ፡ ከም ተመጣጣኒ ጌርና ኸይንርድኦ ኽንጥንቀቕ ይግብኣና። ንሕና ሰባት ናይ ገዛእ ህይወትናን ሰብነትናን ዋንነት የብልናን። እግዚኣብሄር ብኢዱ ሰሪሑ ዝፈጠረናን፡ ብመንፈሱ ህይወት ዝሰዅዓልናን ፍጥረት ኢና። ናይ ገዛእ ርእስና ዋንነት ዘይብልናስ፡ ከመይ ኢሉ ናይ ካልእ ንብረትን ዋንነት ኪህልወና ይኽእል፧ ብገዛእ  ኢድና ዝሰራሕናዮ ይኹን ብገንዘብና ዝዓደግናዮ ነገር፡ በቲ እግዚኣብሄር ዝፈጠሮ ነገራት ተጠቒምና ዝመሃዝናዮምበር፡ ካብ ዘየለ ነገር ባዕላትና ዝፈጠርናዮ ዋላ ሓንቲ የብልናን። እግዚኣብሄር ግን ካብ ዘየለን ዘይነበረን ባዕሉ ፈጢሩ ናብ ህላወ ዘመጽአ። ስለ ብዘይካ እግዚኣብሄር በይኑ፡ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣካልዋንነት ኣለዎኺበሃል ኣይከኣልንዩ።ዋናታት እንተ ንኸውንሞ፡ ነቲ ንብረትና ሒዝናዮ ምተወለድና ክንመውት ከለናውን ሒዝናዮ ምገዓዝና ኔርና። ቅዱስ ጳውሎስ፦

ናብ ዓለም ሓንቲ ኣየምጻእናንሞ፡ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን” ብምባል ዋናታት ከም ዘይኰንና ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ጢሞ 67) ካልኦት ቅዱሳን ኣቦታትውን ነዚ ሓቂ ደጋጊሞም ገሊጾምልናዮም (መዝ 4916,17 እዮ 2719 መክ 513-15) ንስኡናት ካብ ትሕዝቶና ዘይምክፋልና ኸቢድ ሓጢኣት ዚዀነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ካብ ብሕድሪ ዝተቐበልናዮ ናይ እግዚኣብሄር ገንዘብናተይብዚብል ዓመጸኛ ኣተሓሳስባ ምሃብ ስለ ዝኣበናዩ።

ቅዱስ ዳዊት፡ ብዛዕባ ኺሰርሖ ዝሓሰበ ቤት መቕደስ ናብ እግዚኣብሄር ብጸሎት ምስ ቀረበ፡ ንዋንነት እግዚኣብሄር ብዜስተንክር ጥበብ ገሊጽዎን ተኣሚንዎን ኣሎ (1ዜና 2910-16 ይነበብ) ከም ኣብነት ኪዀነና ነዘን ዚስዕባ ጥቕሲ 14,16 ንመልከት።

ከም ብፍታው ከነቕርበልካ ዝኸኣልናስ ኵሉስ ካባኻ ደኣዩ፡ ካብ ኢድካውን ኢና ሂብናካ ዘለናሞ፡ ኣነ መንየ፧ እዞም ህዝበይከ እንታይዮም፧ ...... ኵሉ ንቕዱስ ስምካ ቤት ክንሰርሓሉ ኢልና ኣዳሊናዮ ዘለና ድልቢ፡ ካብ ኢድካ ዝመጸዩ፡ ኵሉ ኸኣ ናትካዩ።

ስለ ኸቢድ ጻዕሪ ጽዒርና ደም እናረሃጽና ሰሪሕና ዝሃነጽናዮን ዝዓደግናዮን ንብረት ናትና ኣይኰነን። ብኻልእ ኣዘራርባ ንእግዚኣብሄር ገለ እንተ ሃብና፡ ገዛእ ገንዘቡን ንብረቱን ካብ ሓደ ኢዱ ተቐቢልናስ ነቲ ሓደ ኢዱ ኸም ምሃብ ዚቝጸርዩ።

ብፍላይዞም ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን ዘለና ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ናይ ምዃንና መሰረት እንታይዩ፧ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና ዘለዎ ዋንነት፡ ድርብ ዋንነትዩ። እቲ ቐዳማይ መሰረት ናይ ዋንነቱ ኸኣ፡ ኣቐዲምና ኸም ዝጠቐስናዮ፡ ከም ኵሉ ግኡዝን ህያውን ፍጥረት፡ ብኢዱ ብኸኣልነቱ ዝፈጠረና ፍጥረቱ ምዃንናዩ። እቲ ኻልኣይ መሰረት ናይ ዋንነቱ ኸኣ፡ ብደም ቅዱስ ወዱ ዝዓደገና ጥሪቱ ምዃንናዩ። እዚ ኻልኣይ ዋንነት፡ ካብ ቐዳማይ ኣዝዩ ዝሓየለን ዝጸንዐንዩ። ምኽንያቱ እቲ ቐዳማይ ዋንነት፡ ብዅሉ ኸኣልነቱ ብቐሊሉ ዝፈጸሞ ምፍጣር ጥራሕዩ። እዚ ኻልኣይ ዋንነቱ ግን ኣዝዩ መሪርን ከቢድን ዋጋ ዘኽፈሎዩ፡ ብምኽንያት ሓጢኣት ካብኡ ተፈሊና ምስ ኰብለልናን ምስ ሸፈትናን፡ ዳግማይ ንኼቕርበና ነቲ ሓደ ወዱ ስጋና ለቢሱ ሰብ ኪኸውንሞ፡ ኣብ ማእከል ሓጥኣን ኪሓድር ገበሮ። እቲ ሰብ ምዃኑ ጥራሕ ኣዝዩ ኸቢድ ዋጋ ኽነሱ ብእኡ ኸየብቅዐ ግን፡ ሓጢኣት ኵሉ ፍጥረት ሰብ ኣብ ርእሱ ጸዊሩ፡ ኣብ መስቀል ደሙ ብምፍሳስን ህይወቱ በጃና ብምሕላፍን፡ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ዓደገና (1ቈረ 619,20 723 ገላ 313,14 ኤፌ 525-27 1ጴጥ 118,19 ራእ 59,10 ኵሉ ይነበብ)

ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹምሞ፡ ስጋኹም ...... ናይ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

ካብ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይስ ወርቂ፡ ከም ዘይደሓንኩም (ከም ዘይተዓደግኩም) ትፈልጡ ኢኹም።” 1ጴጥ 118,19

“...... ተሓሪድካስ ብደምካ ...... ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዓዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገበርካዮም፡ .....” ራእ 59,10

ብደሙ ዓዲጉናንብል ኣለና፡ ግን ካብ መን ወይ ካበይ ዓዲጉና፧ ብዛዕባ ሕቶ ኣብ ብዙሓት ሰባት፡ ኣዝዩ ዝንቡዕን ስሑትን ኣተሓሳስባ ወይ ርድኢት ሰፊኑሉ ኣብ ዘሎ ኽፉእ ዘመን ኢና ዘለና። ብዙሓት መምህራን ሓሶት፡ ክርስቶስ ብደሙ ኻብ ሰይጣን ከም ዝዓደገና፡ እቲ ደሙ ኸኣ ንሰይጣን ከም ዝተኸፍለ ዋጋ ገይሮም ኪምህሩ ይስምዑዮም። እዚ ምህሮ ኻብ ሓቂ ዝረሓቐ ስሑትን ኣጋንንታውን ምህሮዩ። ዋንነት ሰብ ካብ እግዚኣብሄር መንዚዑ ንሰይጣን ዚዕድልን ንመሰረት ክርስትና ዜፍርስን ትምህርቲዩ። ደም ክርስቶስ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ዝተኸፍለ ደምዩ። ብምኽንያት ሓጢኣትና ዘለኣለማዊ ምት ዚግብኣና ሰባት ነበርና። ዋጋ ሓጢኣትና ብምልኣት ከይተኸፍለ እግዚኣብሄር ይቕረ ኣይብልን፡ ኣይዕረቕን ከኣዩ። ስለ ንሕና ምሕረት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ነቲ ፍርዲ ሓጢኣት፡ ነቲ ዓስቢ ሓጢኣት ኣብ ሓደ ወዱ ኺፍጽሞሞ፡ ንሕና ኻብ ፍርዲ ሓጢኣት ሓራ ኽንከውን፡ ነቲ ሓደ ወዱ ንናይ መስቀል ሞት ኣሕሊፉ ሃቦ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ደሙ ኣፍሲሱ፡ ደሙ ሒዙ ብዕርገት ናብ ኣቦ ምስ ደየበ፡ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘለኣለማዊ ዕርቂ ዀነ። ስለ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ዓዲጉናን ሓራ ኣውጺኡናንምበር፡ ካብ ዋንነት ሰይጣን ኣይኰነን (ሮሜ 56,8,10 2ቈረ 517-19 ገላ 310,13,14 ኤፌ 17 21-7,12-18 525-27 ቈሎ 120-23 እብ 726-28 96-9,11-15,23-26 1019-22 1ዮሃ 17-10) እዚ ብደሙ ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋዚ፡ ካብ ፍጥረት ኣትሒዙ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ናይ ዝነበረ ዅሉ ሰብ ሓጢኣት ዚኸፍልን ዜተዓርቕንዩ። ክሳዕ ክንዲ ዓብይ ዋጋ ኻብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ኪድገም ዘየድልዮ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝተፈጸመ ናይ ዘለኣለም መስዋእቲ (እብ 726,27 925,26 1011-14,18)

ክንድ ዚኣክል ክቡር ዋጋ ተኸፊሉልና ጥሪት ኣምላኽ ምዃንና ዜሰክመና ሓላፍነት እንታይዩ፧ ኣብ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ 1ቈረ 619,20 ጥቕሲ ድሮ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ በቲ ብደም ክርስቶስ ተዓዲጉ መቕደስ ኣምላኽ ዝዀነ ስጋና ጌርና ንኣምላኽ ናይ ምኽባር ሓላፍነት ኣሎና። በዚ ብኽቡር ደም ዝተዓደገ ስጋናን መንነትናን ነቲ እግዚኣብሄር ዘደልዮ ፍረ ጽድቂ ኽንፈርይን ብቕድስና ኽንነብርን፡ ናይ ምንባርና ተልእኾናዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ተልእኾና ብኸመይ ከም ንትግብሮ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

እምበኣር ንፍትወት ስጋ ምእንቲ ኸይትግዝኡ፡ ኣብ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ሞይቶም ከም ዝተንስኡ (ሰባት) ገዛእ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩምበር፡ ኣካላትኩም መሳርሒ ኽፍኣት ኪኸውን ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ፡ ኣካላትኩምሲ መሳርሒ ጽድቂ ኪኸውን ንኣምላኽ ደኣ ወፍይዎ።ሮሜ 612,13 .

ብፍጥረቱ ዀነ ብደም ክርስቶስ ተዓዲጉ ጥሪት ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምን ክርስትያን፡ ገዛእ ሰብነቱን ህይወቱን ኵሉ ትሕቶኡን ዓቕሙን ፍቓዱን ነቲ ዋናኡ ንእግዚኣብሄር ብምልኣት ኪውፍዮ ናይ ግድንዩ። ሰብ ብጥሪቱ ኸም ዚግልገል፡ እግዚኣብሄርውን በቲ ብኸኣልነቱ ዝፈጠሮ ዅሉ ፍጥረትን በቲ ብደም ቅዱስ ወዱ ዝዓደጎ ዅሉ ሰብን ኪግልገል ግቡእዩ። ኵለንትናኻ ንእግዚኣብሄር ምውፋይ ማለት ድማ፡ ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ ምንባር፡ ከምኡውን ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ ሙማት ከይተረፈ ዜጠቓልል ማለትዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ደጋጊሙ ብኣጽንዖት ገሊጹልና ኣሎ።

ካባናስ ሓደ ንርእሱ ኢሉ ዚነብር የልቦንሞ፡ ንርእሱ ኢሉ ዚመውት ከኣ ሓደ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና ንጐይታ ኢናንነበር፡ ወይውን እንተ ሞትና ንጐይታ ኢና ንመውትሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። ስለ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን።ሮሜ 147-9

ድሕሪ ሕጂ እቶም (ብህይወት) ዘለዉ፡ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስአንምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።” 2ቈረ 515

ካብ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ነጺሩልና ኸም ዘሎምበኣር፡ ንሕና ናቱ ጥሪት ኴንና ምእንትኡ ምእንቲ ኽንነብርን ክንመውትን ኢሉ እዚ ዅሉ መሪር ናይ ውርደት ሞት ዝሞተን ዝተንስአን። ስለ ምእንትኡ ምንባር ገዲፍና ምእንቲ ርእስና ጥራሕ ክንነብር ከለና፡ በዚ ዓለወኛን ዓመጸኛን ተግባርና እነመሓላልፎ መልእኽቲ ጥልመታውን ክሕደታውን ዚኸውን።

1. ነቲ ኣምላኽ ንኣና ብምፍጣሩን ምእንታና ህይወት ቅዱስ ወዱ ብምኽፋሉ ዘረጋገጾ ዋንነት፡ናትካን ጥሪትካን ኣይኰንኩንብምባል ግብራዊ ኽሕደት ንፍጽም ኣለና። እዚ ኽሕደት በቶም ሃይማኖት ዘይብሎም ኣረማውያን በቶም ክርስትያን ምዃኖም እናኣመኑ ካብ ኣምላኽን ካብ ቤተ ክርስትያንን ርሒቖም ዚነብሩ ዅሎምን ብወግዓዊ መገዲ ዚፍጸም ክሕደትዩ።

2. እቲ ክርስትያን ምዃኑ ብወግዓዊ መገዲ ተኣሚኑ ካብ ቤተ ክርስትያን ከይተፈልየ ዚነብር፡ ግን ከኣ ምእንቲ ኣምላኽ ኢሉ ዘይነብር፡ ኣካላቱ ንኣምላኽ ወፍዩ መሳርሒ ጽድቂ ዘይገበሮ ሰብ ከኣ፡ ግብራዊ ጥልመት ዚፍጽም። ከም እንተ ገበርና፡ ልክዕ ከም ነብዪ ህዝቅኤል፦

ብኣፎም ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ፡ ልቦም ግን ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም ዚኸይድ፡” ዝበሎን፡ ልክዕ ከም ነብዪ ኢሳይያስውን፦ እዚ ህዝቢዚ፡ ብኣፉ የምልኸኒ፡ ብኸናፍሩ የኽብረኒ። ልቡ ግና ካባይ ርሑቕዩ። ንኣይ ከኣ በቲ ዝተማህርዎ ባህሊ ሰብ (የምልኹኒ ኣለዉ)” ዝበሎን ዓይነት ህይወት ይኸውን ኣሎ ማለት (ህዝ 3331 ኢሳ 2913 582) እዚ ኣካይዳ ርእሱ ዝኸኣለ መንፈሳዊ ምንዝርና ስለ ዝዀነ ከይለግበናን ከየበላሸወናን ኣዚና ኽንፈርሆን ክንጥንቀቐሉን ይግብኣና። ጥሪት ኣምላኽ ምዃን ኣዝዩ ዓብይ ክብሪዩ። እቶም ናይ ብሓቂ ጥሪቱ ዝዀኑን ጥሪትነቶም ዜፍቅሩን ዜኽብሩን ጥራሕዮም ናብ ኣምላኽ ዘለዎ ኽብሪ ዚኣትዉ። ንእኡ ዚጐድሎ ሃልይዎስ መመላእታ ምእንቲ ኽንኰኖ ኢሉ ኣይኰነን ዝፈጠረናን ዝወነነናን። ኵሉ ነገር ንድሕነትናን ንኽብርናን ኢሉ ዝገበሮ። ከም ኤልፋዝ ቴማናውን ኤሊሁ ቡዛውን ነቦና እዮብ ዝበልዎብኣበሳና እንጕዳእ፡ ብጽድቅና እንረብሕ ንሕና ባዕላትናምበር፡ ኣምላኽ ኣይኰነን (እዮ 222,3 355-8) ስለ ነቲ ኣምላኽ መኺሩልና ዘሎ ሰናይ ምኽሪ፡ ብልሳንና ንተኣመኖን ብግብርና ነኽብሮንምበር፡ ኣይንንዓቖ (ሉቃ 729,30 መዝ 10711,12) ምኽንያቱ ሳዕቤን ንዕቀት፡ ወርደትን ጥፍኣትን ጥራሕዩ።

እምበኣር ብዘይ ቃልዓለምን ብዘይንሕስያን ርእስና ንመርምር። ብዛዕባ ዋንነትና እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ከም ዘሎና ኣረጋጊጽና ንፍለጥ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ከም ዝዀንካ እናሓሰብካ፡ ንርእስኻ ኢልካ ጥራሕ ምንባር፡ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረንክርስትያንኢሉ ዚኣምንን ሰብ ኪገብሮ ዘይግባእ ዕሽነታውን ጥፍኣታውን ምርጫዩ። ንክርስትያን ናይ ኣምላኽምበር፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ምዃን ፈጺሙ ዘይምጥኖ ሕሱር ህይወትዩ። ምኽንያቱ ድሕሪ ወርደተኛ ምርጫዚ፡ እቲ መታለሊ ድያብሎስ ኣሎ። እቲ ናይ ኣምላኽ ጥሪት ዘይኰነ ዅሉ ሰብ፡ ናይ ድያብሎስ ጥሪትዩ።ናተይ ኵንእናበለ ኼስሕተና ኸም ዘይክእል ስለ ዚፈልጥ፡ናይ ርእስኻ ኹንብዚብል ሜላ ጥበራ ዜስሕተና። ነቶም ቀዳሞት ወለድና ብኸምኡ ዘስሓቶም። ካብ ናታቶም ጌጋ ተማሂርና ንለብም!! ርእስና ካብ ጥልመትን ክሕደትና ንሓልው፡ ጥሪት ኣምላኽ ምዃንን ምእንቲ ኣምላኽ ምንባርን ዝለዓለ ኽብርና ንግበር!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

11 ለካቲት 2024 | የካቲት 3, 2016 ግዕዝ (መበል 22 ሰንበት: ቊ.፳፪/22)

ምስባክ

 መዝ. ፻፵፯፡፩,

ትሴብሖ ኢየሩሳሌም ለእግዚአብሔር። ወሰብሕዮ ለአምላክኪ ጽዮን። እስመ አጽንዐ መናሥግተ ኆኃትኪ።

ሃሌሉያ! ንኣምላኽና ብመዝሙር ምውዳስ ሰናይዩ፡ ጥዑምሞ፡ ምስጋና ይግባእ። እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ይሃንጽ፡ ንስዱዳት እስራኤል ይእክብ ኣሎ።

ንባባት

ኣንባቢ

ገላ 421-ፍጻመ

ዲያቆን

ጴጥ 21-9

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 1120-26

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 241-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ኢየሩሳሌም ትቤ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div