መልእኽቲ ናብ ኵሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን፡
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምስ ኵላትና ይኹን እናበልና፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፡ ሠናይ ድሌት ምእመናን ምስ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ ኮይኑ፡ እቲ ዓቢይ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብታ ዓባይ ከተማ ኒው ዮርክ ብኤርትራዊ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ እናተመርሐ ብምዕሩግ ኣገባብ ክካየድ ሰፊሕ ምድላው ይግበር ከም ዘሎ ብሓጎስ ክንሕብር ንፈቱ።
ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ናብ ምእመናን ሕዝበ ክርስቲያን፡
ብሩኽ በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና። ቀጺልና ንጥሪ/January 30-31/ 2010 (ጥሪ ፳፪ - ፳፫ 2002 ዓ.ም. ግእዝ) ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ እነብዕለሉ ዓመታዊ ብዓልና ተኻፈልቲ ናይ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።
ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኖም ተመዚዞም። ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ, ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያ ኮይኖም ዝተመዘዙ፡ ልኡኽ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብ26 መስከረም 2009 (፲፮ መስከረም ፳፻፪ ዓ.ም ግእዝ) ምስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓትርያርክ ናይ እስክንድርያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ድሕሪ ዝተገብረ ርክብ እዩ።
ካብ ኣወሃሃዲ ኮሚቴ ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክስን ኦሬንታል ኦርቶዶክስን ጉባኤ ጳጳሳት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብዝቐረበሉ ዕድመ መሠረት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ብዕለት 26 ጥቅምቲ 2009 ኣብ ኒው-ዮርክ ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ ዝተገብረ 9ይ ዓመታዊ ናይ ሓባር ጸሎት ወኪል ብምልኣኽ ተሳቲፉ።
ዓመት መጸ እዚ ናይ ሓድሽ ዓመት ጊዜ ክንቆጽር እንከሎና፡ ብዛዕባ እዚ ታሪኻዊ ቅዱስ ዕለት እዚ ኣብ ሕልናና ከነስተንትኖ ዘሎና ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ናይ ብሉይ ኪዳን መፈጸምታ ናይ ሓዲሽ ኪዳን መጀመርታ ነቢይን
“ኣብ ቀራና ጎደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገድታትን እቲ ጽቡቕ ጎደናን ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብኣኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም’’ (ኤር 6፡16)።
"ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ ምድሪ ኤርትራ ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን”።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ