S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

 "እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ’ተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑስ ዜስተውዕሎ’ዩ፡ ንሱ ፍረ ይፈሪ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ኸኣ ሰላሳ ይእቶ።" ማቴ 13፡23

 

ትሕዝቶ፡

1. ምስማዕ እንታይ ማለት’ዩ፧ ብዘይካ’ቲ በዘን ግዙፋት ኣእዛንና ’ንሰምዖ ኻልእ ዓይነት ኣሰማምዓ’ኸ ኣለና ድዩ፧

2. ፍረ ኽንብል ከለና’ኸ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ እንታይ እንታይ ዓይነት ፍረ’ኸ’ዩ ዘሎ፧ ንፍረ ዚጸልዉ ረቛሒታት’ከ እንታይ ኣለዉ፧

3. እምበኣርከስ እቲ ሚእቲ፡ ስሳ፡ ሰላሳ ፍረ ብምስትውዓል ምስማዕ እንታይ’ዩ፧ 

 

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ 5ይ ሰንበት ናይ ዘመነ ጽጌ’ዩ። ብመሠረት ሥርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ዕለት 29፡ "በዓለ እግዚአብሔር" ዚብዓለሉ ኣካል ናይ’ቲ "ዘመነ ሠናይት" ዝተሰምየ 5ይ ንኡስ ዘመን ናይ ዘመነ ጽጌ ዝዀነ ዕለት’ዩ። (ጥቅ.24 - ጥቅ.29) እዚ ዕለት’ዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኻብ ኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያም ዝተወልደሉ ዕለት ንምዝካር ዝተሰርዐ’ዩ። ብፍሉይ ጥቅ.29 ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ትውዕል ቅዱስ ያሬድ "ትወፅእ በትር" ዘርእስቱ መዝሙር ኣዳልዩ ኣሎ። ትርጕሙ ድማ፦ 

‘‘ ካብ ሱር ዕሴይ በትሪ ትወፅእ፡ ዕንበባ ይዕንብብ። እታ ትወፅእ በትሪ ናይ ቅድስቲ ማርያም ኣምሳል’ያ። ናይ ወልድ ኣምሳል ዝዀነ ዕንበባ ድማ፡ ኻብኣ ወፀ። ኣብ ልዕሌኣ ሓደረ፡ ቃል ሥጋ ዀይኑ ካብኣ ተወልደ።

ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፡ ጽድቅን ሰላምን ተሰዓዓማ፡ ክብሩ ምእንቲ ኼርእይ፡ ንሰማይ ብኸዋኽብቲ፡ ንምድሪ ብዕንበባታት ሰለመ።’’ ማለት’ዩ። 

እዚ መዝሙር’ዚ ብመሠረት’ቲ ነብዪ በልዓም ኣብ ዘሁ 24፡17 ዝተነበዮ ትንቢት፡ ከምኡ’ውን ኣቦና ያዕቆብ ኣብ ዘፍ 49፡10 ዝሃቦ ትንቢታዊ ምርቓ ዝተደርሰ’ዩ (መዝ 2፡9 ፣ 71(2)፡8-11 ፣ 97(8)፡3 ፣ 109(10)፡2 ፣ ኢሳ 2፡4 ፣ 26፡18 ፣ 42፡1,4, 45፡22 ፣ 48፡20 ፣ 49፡6 ፣ 51፡5)። እዚ መዝሙር’ዚ ትርጕም ናይ’ዚ መሲሓዊ (ክርስቶሳዊ) ትንቢት ሂቡና ኣሎ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋና ለቢሱ ሰብ ኰይኑ ዝተወልደ፡ ዘገልገለ፡ መሪር ናይ መስቀል መከራ ተቐቢሉ ዝሞተ፡ ዝተንስአን ዝዓረገን፡ ንኣና ናብ’ቲ ዝረሓቕናዮ ኣቦ ኬቕርበናን ኬተዓርቐናን፡ ዕዳ ሓጢኣትና ኸፊሉ ጽድቁ ኼልብሰና፡ ኬድሕነና፡ ውሉድ ኣምላኽ ናይ ምዃን መሰል ረኺብና፡ ንእኡ መዋርስቱ ነቦ ድማ፡ ወረስቱ ዄንና ኣብ የማን ኣምላኽ ንዘለኣለም ብሓጐስን ዕረፍትን ክብርን ምእንቲ ኽንነብር’ዩ። መዘኻኸሪ ንኪዀነና ደኣ ፍሉይ ዕለታት ተሰሪዑሉ’ምበር፡ ነዚ ኽቡር ልደት ናይ መድሓኒና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት’ውን ብዘይምቍራጽ ክንዝክሮን ክንሓስቦን ክንምርሓሉን ዚግብኣና’ዩ። ምኽንያቱ ሳላ’ዚ ልደት’ዚ ኢና ካብ ዘመነ-ጥፍኣት (ዓመተ-ዓለም) ናብ ዘመነ-ምሕረት (ዓመተ-ምሕረት) ተሰጋጊርና ዘለና። ቅዱስ መልኣኽ ነቶም ጓሶት ኪነግሮም ከሎ፡ "እንሆ ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ አበስረኩም ኣለኹ" ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (ሉቃ 2፡10,11)። ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓብዪ ግብሪ ምድሓን ምዃኑ ዝፈለጡ ሠራዊት መላእኽቲ ድማ፡ ብዛዕባ’ዚ ልደት’ዚ "ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት፡ ሰላም ድማ፡ ኣብ ምድሪ ነቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት" እናበሉ ዘመሩ (ሉቃ 2፡13,14)። ስለ’ዚ ኻብ ያዕቆብ፡ ካብ ይሁዳ፡ ካብ ዳዊት ዝወጸት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ በትሪ መንግስቲ፡ ንዝኣመንዋ ብሕያውነት እናጓሰየት፡ ንዝተጻረርዋ ድማ ከም ኣቕሓ መሬት እናሰባበረት ብሥልጣን እትገዝእ’ያ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ከኣ፡ ካብ’ዚ ናይ ማቴ 13፡23-28 ንባብና ዝተወስደ ትምህርቲ’ዩ።

ምስማዕ እንታይ ማለት’ዩ፧ ብዘይካ’ቲ በዘን ግዙፋት ኣእዛንና ’ንሰምዖ ኻልእ ዓይነት ኣሰማምዓ’ኸ ኣለና ድዩ፧

ኵለን’ተን ናይ ስምዒት ሕዋሳትና ነናተን ኣገዳስነትን-ተሓታትነትን እኳ እንተ ሃለወን "ምስማዕ" ግና ምስ መጻኢ መንፈሳዊ ህይወት ኣተሓሒዝና እንተ ረኣናያ ጽቡቕ’ዩ። ምስማዕ እንታይ ማለት’ዩ፧ ኣየናይ ኣካልና’ዩ ዚሰምዕ፧ ንዚብል ሕቶ፡ ብሕጽር ዝበለ "እዝኒ" ክንብል ንኽእል ኢና፡ እንተ ዀነ ቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ንኣእዛን ኣብ ክልተ’ያ ትመቕሎ፡ ኣብ ስርዓተ ቅዳሴ 6፡14-15 ፣ 11፡3 እዘን ኣብ ደገ ተተኺለን ዘለዋ ኣእዛን፡ መእተዊ ዘይተጻረየ ዚስማዕ ዘበለ ኸም ዝዀና ቘጺራን ሓሲባን፡ ዝያዳ ኣቓልቦ ምእንቲ ኺግበረሉ፡ "እተን ኣብ ደገ ዚርኣያ ኣእዛን ናይ ደገ ዘይኰነስ ኣእዛን ናይ ውሽጢ ልቢ ደኣ ይከፈታን ይረሓዋን" ከምኡ’ውን "ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሔር ኰይንኩም ተንስኡን መሳዅቲ ኣእዛንኩም ኣርሕዉን-ልብኹም ንቑሕ ይኹንን ሕልናኹም ከም ማዕበል ባሕሪ ላዕልን ታሕትን ኣይበል፡ እንታይ ደኣ ከም እሳት ሓዊ ቘይሙ ኻብ ምድሪ ናብ ሰማይ ዚበጽሕ ይኹን።" ዚብል ዓሚቝ መልእኽቲ ዘለዎ ትሕዝቶ ኣቐሚጣትልና ኣላ። ስለ’ዚ ግደ ምስማዕ እዝኒ ጥራይ ከይበልና ልብን-ሕልናን እንተ ወሰኽና ጽቡቕ’ዩ። ምስትውዓልና’ውን እናዛየደ እንተ ኸደ ኸኣ ብዙሕ ፍረ ጽድቂ ክንፈርይ ከም ’ንኽእል ነስተውዕል። ስለ ዝዀነ’ዩ ኸኣ ድሕሪ ምስማዕ ምስትውዓል፣ ድሕሪ ቕኑዕ ምስትውዓል ከኣ ብዙሕ ፍረ ምፍራይ ዚከኣል። ኣብ’ዚ ኸነስተብህሎ ዘለና ድማ ጠመተ ምስትውዓልና፡ ፍረ ምድሪ ንምፍራይ ወይ ፍረ መንግስተ ሰማይ ፍረ ሰማያት ንምርካብ ኣብ ምድሪ ሚእቲ ኻዕበት ምስ ስደትን መከራን ዘይበርስን ዘይውዳእን ናይ ፍረ ጻዕርኻን ትዕግስትኻን መጐስ ዜውህብ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ምዃኑ’ዩ።

ፍረ ኽንብል ከለና’ኸ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ እንታይ እንታይ ዓይነት ፍረ’ኸ’ዩ ዘሎ፧ ንፍረ ዚጸልዉ ረቛሒታት’ከ እንታይ ኣለዉ፧ ፍረ ኺብሃል ከሎ ፍረ ኣትክልቲ፡ ፍረ እንስሳ፡ ፍረ ዘርኢ፡ ወዘተ ማለት ቀጻልነት ትውልዲ (ወለዶ) ዜውሕስ’ዩ ዜስምዕ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለምንታይ’ዩ ምስ እምነት ኣተኣሳሲሩ፡ ፍረ ኣድሪ ኸም ኣብነት ዚጠቕሳ ዝነበረ እንተ በልና፡ ፍረ ኣድሪ ኣዝያ ከባብ (ዓረር)፡ ነቓዕ ዘይብላ፡ ፍጽምቲ ኽቢ’ያ። ስለ’ዚ እምነትና፡ ጐደሎ ዘይብላ፡ ስርትትን ህንጽትን ኣብ ጕንዲ ጐይታ ዀይንና፡ ጽቡቕ ፍረ ንምፍራይ ዕዮናን ግብርናን ሓሳብና ብመንፈስ ኣምላኽ ምስ ዚምራሕ ጥራሕ ኢና ሓፈስቲ ግብሪ ጽድቂ ንኸውን። ክቡራት ህዝበ ክርስቲያን፡ ክቡር ዋጋ ክርስቶስ ከም ዝተኸፍለልና ንዘክር፡ ጽቡቕ ፍረን ልምላመን ከኣ ንቤተ ክርስቲያን ኣዝዩ ኸም ዘገድሳ ኽንግንዘብ ይግብኣና፡ ምኽንያቱ ጥዑይ ፍረ ምፍራይ፡ መንፈሳዊ ህይወት ምጥራይን ምዕቃብን ኣብ መወዳእታ ኸኣ "ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ።" ዚብል ቃል ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምስማዕ ስለ ዝዀነ (ማቴ 25፡34)። ከየለለናዮ፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኣምላኽ "ኣለና" ’ናበልና ድሕሪት ክንተርፍን፣ ክርዳድ ኪዝርኣልናን፣ ብዘይ ፍረን እርኑብ ስነ-ምግባርን እ’ንመርሖ ህይወት ክንመርሕ ይከኣል’ዩ’ሞ "ስለ’ዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ።" (1ቈረ 10፡12)። ንመረዳእታ ኪዀነና ሓረስታይ ኣዝርእቲ ግራቱ ክሳብ ዝጠራንፎ ኣዝዩ’ዩ ዝከናኸኖ ኣብ ቆፎኡ ምስ ኣእተዎን እፎይ ምስ በለን ነቐዝ ኣብ’ቲ ውሽጢ እኽሊ ተፈጢሩ ይበልዖ፡ ነቐዝ ዚበልዖ እኽሊ ኸኣ ንቐለብ ኣይከውን ንዘርኢ ኣይከውን። ስለ’ዚ ኸም’ዚ ነቐዝ ኣብ ውሽጢ ቕሙጥ ዚምዕብል፡ ንሕና ኸኣ "ምሳኻን ኣብ ውሽጢ ቤትካን ኣለና" እናበልና ብዘይ ፍረ ሓዲገ-መዲግ ከይንህልው ንውልቃዊ ኣስተንትኖ ኪዀናና "ነቐዝን-ፍልሖን" ዚበሃሉ ፍጥረታት ኣበይ ይፍጠሩን፧ እንታይን ንመንንከ ይበልዑን፧ ዚብል ሕቶታት ኣልዒልና ፍረና ምእንቲ ኺጽብቕ ብዛዕባኦም እናሰላሰልና ምስ ነፍስና ንዛረብ።

ኣብ ግራት (ጕንዲ) ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይንና መኣዛ ክርስቶስ እናኣስተማቐርና ምንባር ጥዑም’ዩ። ንምንታይ ድዩ ጣዕሚ ፍረ ኦም ዚፈላለይ፧ ካብ’ቲ ተተኺልዎ ዘሎ ምሩጽ ሓመድ’ዶ ኣይኰነን፧ ከምኡ ኸኣ ንሕና፡ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ደኣ ተሰሪትና፡ ኣብኡ ጠቢቕና ብዙሕ ፍረ እናፈረናን እናኣፍረናን ’ንነብር፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ህይወትና ፍረ ጽድቂ ስለ ዚርእየልና ኣባናን ብኣናን ይኸብርን ንሕና ድማ ደቀ መዛሙርቱ ንቝጸርን (ምሳ 11፡30 ፣ ዮሃ 5፡8)። ፍረ ተኽሊ ኽትፈርይ እንተ ዀይና ብሓመድ ምቕባርን ጭቓ ምጽይያቕን ብማይ ምብስባስን ክሳብ ምሟት ዮሃ12፡24 ተጻዊራ’ያ ክትፈርይ ትኽእል (ዮሃ 12፡24)። ፍረ ክርስቲያናዊ ህይወት ክንፈርይ ደኣ’ሞ ክሳብ ክንደይ ምጽማምን ጻዕርን ዘየድልየና፧ ጕዕዞ ክርስትና ኣብ’ዛ ምድሪ’ኳ ብዙሕ ሓርጐጽጐጽን መስገደለን እንተ ሃለዎ ውጽኢት ፍረ ጻዕርና ኣብ ሕቑፊ ኣቦና ኸም ዘንብረናን ድምጺ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዘስምዓናን "ምቁር መሰጋገሪ መንፈሳዊ ህይወት" ኢልና እንተሰመናዮ ይንእሶ’ምበር ኣይዓብዮን። ምእንቲ ኽንፈርይ ዕምቈት ምስማዕናን ምስትውዓልናን ንመርምር። ከም’ቲ ሓረስታይ ጽቡቕን ጥዑይን ፍረ እኽሊ ኺረክብ፡ ልስሉስ ሓመድን ባህርያዊ ድዅዕን ወቕቱ ዝሓለወ ዝናብን ዜድልዮ ከምኡ ኸኣ ንሕና "ቅሩብ እግዚአብሔር ለየዋሃነ ልብ" ስለ ዝዀነ ንጹህ ሕልናን ስቡር ልብን ወኒንና፡ ጸሎትና ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽና እናዓበየ ብዝኸደ፡ ንምግላጽ ወዲ ኣምላኽ ከርእየና ኸም ዚኽእልን ፍረ ጽድቅን ዓወትን ከም ዚኸውንን ዘየጠራጥር’ዩ። ስለ’ዚ ኽቡራት ሰዓብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ውሽጥና ንመርምርን ንተዓዘብን።እዚ ኣስተንትኖ’ዚ ትርጉሙ ነፍስና ምስ ኣምላኽና ኸመይ ከም ዘላ፡ ’ንፍትሸሉ፡ እሂን-ምሂን ’ንብለሉ፡ ሕልናዊ ምርመራ ስለ ዝዀነ፡ በዚ ኣጋጣሚ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ውልቃዊ ናይ ኣስተንትኖ ጊዜ ኺህልወና ትመክር። ፍረ ጽድቂ ንምፍራይ፡ ስጋውን ነፍሳውን ቅድስና፡ ንጹህ ሕልናን ልብን ትዕግስቲ፡ ሰናይ ግብሪ፡ ፍረ ብርሃን ወዘተ ... የድልየና። 

 

እምበኣርከስ እቲ ሚእቲ፡ ስሳ፡ ሰላሳ ፍረ ብምስትውዓል ምስማዕ እንታይ’ዩ፧ ከምቲ ቕድም ኢሉ እንታይነት ፍረ ብሕጽር ዝበለ መብርሂ ተዋሂብዎ ዘሎ፡ ዘርኢ ናብ ጥጡሕ መሬት ምስ ተደርበየ ዘድልይ ክንክን ምስ ተገብረሉ ዚበቍልን ብዙሕ ፍረ ዚፈርይን ከምኡ ኸኣ ብዙሕ ፍረ ጽድቂ ኽንፈርይ እንተ ዀይንና እቲ ’ንሰምዖ ደጋዊ ቓልን ውሽጣዊ ምኽርን ኣብ መስርሒ ምስትውዓልን ምግንዛብን ኪጽጸይን ኪጠሓንን ምስ ዚኣትው፡ በዚ መስርሕ ምስ ዚሓልፍ፡ ፍረ ምስማዕና ኣዝዩ ኽብ ይብልን ውጽኢቱ ኸኣ ፍረ ነፍሳት ፍረ መንፈስ ቅዱስ ንፈርይ። 

እቲ ነፍሳት እንፈርዮ ፍረ፡ ንዘይኣመንቲ ዀኑ "ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም. . ." ብዚብል ትእዛዝ ቃል እግዚኣብሔር ተኣዚዝና፡ ሰባት ክንረብሕ ከለና ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ድማ "ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል’ዩ።" ተባሂሉሉ ዘሎ ኣብ ባህርይና እንፈርዮ ፍረ’ዩ (1ጢሞ 4፡12 ፣ ገላ 5፡22)። ንሎሚ ኣብ ገለ ኻብ’ቶም ኣብ ውልቃዊ ባህርያትና ኽንፈርዮም ዘለና፡ ንፍረ መንፈስ ቅዱስ ዚወልዱን ዜኻዕብቱን ተስፋን እምነትን ሕልናዊ ምስማዕን ኣብ ዚብሉ ሰለስተ ጕዳያት ኣተኲርና ኽንመዓዓድን ካብ ቅዱስ ጽሑፍ ክንዘኻኸርን፡ ብእኡ ድማ ንሓድሕድና ኽንነቓቓሕን መልእኽትና ድማ ክንድምድምን ኢና።  

 

1. ተስፋ፦ ኣብ ውሽጢ ነፍስና ካብ ዝበቝሉ ውጽኢት ፍረ ብምስትውዓል ምስማዕና፡ ብውሁድ ኣስተንትኖኣዊ "ተስፋ" እንተ ርኢና ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ እናበለናስ ዘይመውት ሞተ ከመ ያህይዎሙ ለሙታን "ህይወት ዘለዎ ኵሉ ኺመውት" ይግብኦ ንዚብል ዘይተርፍ ሓሳብ ዜፍርስ "ኪመውት ዘይግብኦ፡ ንዝሞቱ ምእንቲ ብህይወት ኬንብሮም፡ ሞተ" ይብል። ሞይትና ኸይንተርፍ ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንድኻምና ርእዩ፡ ድሕሪ ሓጻር ሕልገተ መዋእለ ስጋና፡ ድሕሪ ሞተ ስጋ "ትንሳኤ ህይወት" ዝሰበኸልና "ክርስቲያን ተስፋ ኣይቈርጽን" ዚብል ተራ ዘረባ ዚመስል ምስላ ኣበው እንታይ ዓይነት ተስፋ ኣብ ነፍሱ ስለ ዝተወሃሃደ ድዩ (ኢሳ 53፡4-12)፧ "እቲ ብኣይ ዚኣምን እንተ ሞተ’ኳ ብህይወት ኪነብር’ዩ" (ዮሃ 6) ዚብል እሙን ቃል ኣብ ህይወቱ ስለ ዝሰረጸን፣ ከም’ቲ ተኽሊ ክትበቍልን ክትዓብይን ናይ መሬት ነገራት ዜድልያ ብስጋዊ ህይወቱ እናነበረ ኸሎ "ተስፋ ክርስትና" ስለ ዜቐድም፡ ንዜጓንፎ ምድራዊ ሓርጐጽጐጽ ከም "መብቈሊ ዘለኣለማዊ ህይወት" ምዃኑ ኣሚኑ ዚነብርን፣ እቲ ሓላፊ ምድራዊ ናብራ ከም "ውዱቕ" ቈጺሩ፡ ድሕሪ ሞት ኣብ’ታ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐትን ብብርሃን ዝተጐናጸፈትን "ሰማያዊት ቤት" ሓንሳእ ምስ ወረስካዮ ንዘለኣለም ትነብረሉን ጸልማት ዘይፈራረቖ ቦታ፡ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ’ንድይበሉን ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ ’ንልወጠሉን ክሳብ ክንድ’ዚ’ዩ ተመስጦኣዊ ምስማዕ ዜብጽሕ’ሞ ፍረ ጽድቅና ኺዓብይን ኪበዝሕን "ብምስትውዓል ምስማዕና" ኪዓብይ ቤተ ክርስቲያን ሓደራ ትብል (ኢሳ 53፡4-12 ፣ ዳን 12፡3 ፣ ማቴ 13፡43 ፣ ምሳ 4፡18 ፣ 2ቈረ 3፡18 ፣ 3፡18)።

 

2. እምነት፦ ካብ’ቲ ተስፋ ዚግበሮ ዘይርኣይ ነገር ዝተወልደት’ያ እንተ በልና፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኰነን። ከይረኣኻ ምእማን ይከኣል’ዩ፡ ግናኸ ከይተነግረካን ከይሰማዕካን ክትኣምን ከጸግም’ዩ (ዮሃ 20፡29)። ስለ ዝዀነ’ዩ ኸኣ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ "ከመዮ፡ ኣእጋር’ቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ’ዩ፡ ዚብል ጽሑፍ፡ እንተ ዘይተላእኩስ፡ ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ’ዮም፧" ዝበለና (ሮሜ 10፡15)። ቀጺሉ ኸኣ "እምበኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ’ያ፡ [እቲ ዝስማዕን ዝስበኽን] ምስማዕ’ውን [በቲ ጽሩይ] ብቓል ክርስቶስ’ዩ" ብምባል ወሲኹ ዝጸሓፈ (ሮሜ 10፡17)። ኣብ’ቲ ዚርኣይ ዘይኰነስ ነቲ ዘይርኣይ ዜርእይ መግለጺ ዘይርከቦ ልዕሊ ማይክሮስኮፓዊ መነጽር ዝዀነ "እምነት’ዩ" ኺበሃል ይከኣል። እጹብን ዜደንጽውን መግለጺ’ዩ! ሓደ ኻብ’ቶም ኣብ መልእኽቲ ናብ እብራውያን 11 ተጻሒፎምልና ዘለዉ ናይ እምነት ኣቦታት ዝዀነ ነብይ እግዚኣብሔር ሙሴ ኣብነት ወሲድና ምስ እንርእይ ከኣ ካብ ውሉድነት ፈርኦናውያንን ሃብቲ ግብጽን ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ካብ ዚብሎን ምስ ህዝቢ ኣምላኽ መከራ ኺጸግብ ሓረየ። ናብ’ቲ ዘይርኣይ ስለ ዝረኣየ ኸኣ ተዓጊሱ ኣብ እምነቱ ጸንዐ (እብ 11፡24-27)። በዚ ኸኣ እምነትና ኺዓብይን ኪድልድልን እንተ ዀይኑ፡ ብምስትውዓል ነቲ ኻብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ ቃል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ምስማዕና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንርዳእ። እምበኣር ፍረ ጽድቅና ውጽኢታዊ ዀይኑ "ብሩኻት ናይ ኣቦይ፡ ንዑ ውረሱ" ዚብል ቃል ንምስማዕ ብቝዓት ክንከውን እምነትና ነደልድል፡ "እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይ’ቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ’ያ።" እብ11፡1

 

3. ሕልናዊ ምስማዕ፦ ብደገ ዚንገረናን ’ንመሃሮን ኣገዳስነቱን ልዕል ኢሉ ተጠቓሊሉ’ሎ፡ ምልስ ኢልና ብውሽጢ ብቓል እግዚኣብሔር ብዝተሃንጸ ሕልናና ንዚንገረና ኽንሰምዕ ኣዝዩ ጠቓሚ’ዩ። መርሓ ቓል እግዚኣብሔር ዘይብሉ ሕልና፡ ድኹምን ከም ብመዓለም እተዓለመን ምዉትን ኪኸውን ይኽእል’ዩ’ሞ በቲ ንሰማይን ምድርን ኣሕሊፉ ንዘለኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር ቃል እግዚኣብሔር እተገርሐ ሕልናና ንዚዛረቦ መኻርን ገላጽን ቃላት ዘይንሰምዕ ከይንህልው ክንጥንቀቕ ኣለና። ብቓል እግዚኣብሔር ዝተማእዘነ ሕልና ማለት መዝገብ ሓቂ ፈራዲት፡ ሓቂ እወታዊት፡ መትኒ ንስጋና፡ ካብ መስመራ ከይትወጽእ ዓገብ በሃሊት’ያ። እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጥና ኻብ ዝደኰኖ ረቂቕ ነገር፡ ካብ ዝዀነ ሓደ ሕልናዊ መትኒ’ያ። ብውሽጣዊ ድርኺት ጠሓኒትን ኣድቂቓ መማይትን ሕማቅን ጽቡቕን ፈልያ ትምዕደና ሓላዪት፡ መጻኢ ፍረ ጽድቅና። ምስ ’ንሰምዓን ’ንእዘዛን ኣብ ፍልጠት ኣምላኽን ኣብ’ቲ ኣምላኽ ዝደለዮ መገዲ ሓቅን ከም ዝበጻሕና ዜረጋግጽ’ዩ። እቲ ብደገ ዚንገረና ቓል ዜድልየና ንወስዶ፡ ዘየድልየና ንገድፎ ኪኸውን ከሎ፣ እቲ ብረቂቕ ሕልናና ዚንገረና ግና ክንኰኖ ዚግብኣና ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ሕልና መንፈሳዊት ውህብቶና ስለ ዝዀነት፡ ነታ መኻሪትን መጕልሒት ህይወትናን ክንሰምዓን ክንእዘዛን ይግብኣና። ምኽንያቱ ዓስቢ ምስማዕን ምእዛዝን ውጽኢቱ ካዕበት ፍረ ጽድቂ ከም ዘዋህልለልና ንስሕቶ ኣይኰነን። ዝበዝሕ እዋን ንሕልናና ኸይንሰምዖን ከይንእዘዞን ዚዓግቱና ገለ ኻብቶም ቀንዲ ዝዀኑ ምኽንያት፡ ኣረጊት ሰብና ዘይምሟቱ፡ ኣንነት፡ ትዕቢት፡ ኵርዓት ከምኡ’ውን ግዳማዊ ጽባቐና ስለ ’ነቐድምን ወዘተ... ካልኦትን’ዮም። ሳዕቤኑ ኸኣ ነታ ብሓቂ ተደሪኻ ትመኽረና ሕልናና፡ ብሕማቕ ዓጋቲ መንፈስና "ኣይምልከተክን’ዩ" ኢና ’ንብላ። ስለ’ዚ ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፡ ሕልናና ንኣምላኽ ምእዛዝ ክትሰምዕ ከላ ባህ ዝብላ፣ ኣብ ግጉይ መገዲ ኽንመላለስን ክንዛረብን ከነተግብርን ከለና ኸኣ "ዓገብ" በሃሊትን ተቐንዛዊትን ህዋስ’ያ። ስለ’ዚ ሕልናና ተዛሪባትና ዝተኣረምናሉን ዝተመለስናሉን ዝተመሃርናሉን ብኣንጻሩ ኸኣ ጸማም እዝኒ ዝሃብናሉ ጊዜያት ዘኪርና ብዕምቈት ከነስተንትን ንምከር ኣለና’ሞ ናብ’ቲ ዝበሃለና ዘሎ ነስተብህል። ደጋዊ ይኹን ውሽጣዊ ሕልናና ሰሪ ዘይምስማዕና፡ መመራመርን መገናዘብን ኪዀነና ኣንበሳ ዝመሰሎ ምሳሌ ንርኣይ፡ "ኣብ ቅድመይ ሞት ጥራይ ዘይኰነስ እርጋን’ኳ ኣላ ብዓባያ" በለ ኻብ ንሞትስ ንእርጋን ኣዕብዩ፡ ነቲ ብርቱዕ ትምክሕቱ ስለ ዝረኣየ’ዩ። እንስሳታት ከኣ ህይወቶኦም ኣብ ዓለም ስለ ዚውድኡን፡ ’ትፍረድ ነፍሲ ስለ ዘይብሎምን፡ ኣንበሳ ኸምኡ እንተ በለ ኣየኽፋኣሉን’ዩ። ናባና ናብ ደቂ ሰባት ንመለስ "ብውሑድ መዋእለ ስጋና ኣብ መሬት" ካዕበት ኣብ ሰማይ ንነብሮ ዘመናት ስለ ዘለና፡ ብዙሕ ፍረ ምእንቲ ኽንፈርይ፡ በጽሕነትን ንእስነትን ከንቱ ቘጺርና፡ ክፉእ መዓልትታት ከይመጸናን ኣብ መንበር ፍርዲ ቕድሚ ምቕራብና፡ ኣብ ጊዜ ንእስነትናን ብዅሉ ዘመነ ስጋናን ንፈጣሪና ንዘክሮ ዚብል መሃሪ ቓል’ቲ ሰባኺ ንዘክር (መክ 12፡1-14)። 

 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

8 ሕዳር 2026 | 29 ጥቅምቲ, 2019 ግዕዝ (መበል 9 ሰንበት)

 ምስባክ

መዝ: 44(45)፡6-7 "በትረ ጽድቅ ወበትረ መንግሥትከ። አፍቀርከ ጽድቀ ወዓመፃ ጸላእከ።  በእንተዝ ቀብዓከ እግዚአብሔር አምላክከ።"

"ዎ ኣምላኽ፡ ዝፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም’ዩ። ዘንጊ መንግስትኻውን ዘንጊ ቕንዕና’ያ። ጽድቂ ትፈቱ፡ ረሲእነት ትጸልእ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ።"

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 15፡1-12

ዲያቆን

1ዮሃ 3፡7-16

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 13፡16-23

ንፍቅ ካህን

ማቴ 13፡23-38

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘማርያም | መዝሙር፦ ትወፅእ በትር

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div