"ምናልባት ንስኻ፡ "ኣነ ምእንቲ ኽትከል’ዮም እቶም ጨናፍር ዝተሰብሩ" ትብል ትኸውን። ጽቡቕ፡ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፡ ንስኻ ግና ሳላ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣለኻ። ፍራህ ደኣ’ምበር ብልብኻ ኣይትተዓበይ። ኣምላኽ ነቶም ብባህርዮም ጨናፍር ዝነበሩ ኻብ ዘይነሓፎም፡ ንኣኻ’ውን ኣይኪንሕፈካን’ዩ።" ሮሜ 11፡19-21
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘመነ ጽጌ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ጥቅምቲ 10 ኽሳዕ ጥቅምቲ 16 ኣብ ዘሎ ንኡስ ዘመን ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ "ወመኑ መሓሪ ዘከማከ" ዘርእስቱ’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ ብዛዕባ ምሕረት እግዚአብሔር ክንምሃርን ከነስተንትንን ከነመስግንን ዝተሰርዓልና "ዘመነ-ምሕረት’ዩ"። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፡ ከም’ዚ ዚስዕብ’ዩ፦ “ከማኻ መሓሪ መን’ዩ፧ ከማኻ መሓሪ መን’ዩ፧ ምስ ኖህ ኺዳን ኣቘምካ። ምስ ኖህ ኪዳንካ ኣቘምካ። ንደቂ እስራኤል መና ኣውረድካ። ንደቂ እስራኤል መና ኣውረድካ። ንምድሪ ብዕንበባታት ሰለምካ፡ ብዕንበባታት ንምድሪ ሰለምካ፡ ጽባቐ ገዳም’ውን ምስ ቅዱሳንካ ኣሎ። መታልሑ ከም ናይ በጽሒ እራብ’ዩ። እቲ ጥዑም ጐረሮኡ ምስ ናይ ጤለቤዱ ይመሳሰል። ንሰማይን ንምድርን ንስኻ ፈጠርካ። ፀሓይን ወርሕን ኣዳሎኻ። ንሰማያት ብኸዋኽብቲ ኸለልካ፡ ንምድሪ ብዕንበባታት ሰለምካ። ንሰንበት ቀደሳ ኣኽበራ ኣዕበያ፡ ካብ ኵለን መዓልታት ልዕል ኣበላ።
እንሆ ዕንበባ ተራእየ። መርዓቱ ድማ፡ "ወልድ ሓወይ ከም ከርበ ይጥዕም" ትብል። ነብይ ዕንባቆም፡ "ናይ ወልድ ስነ ምግባር ኣድነቕኩ" ይብል። ኦ ንጉስ ሰላም ክርስቶስ ልዕልናኻ ዓብዪ፡ ክብርኻ ድማ፡ መስተንክር’ዩ። ንዕረፍቲ ሰንበት ሰራዕካ።”
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክና’ውን፡ እግዚአብሔር ብምሕረቱን ርሕራሔኡን ገይሩ ንህዝቡ ኸም ዚምግብን ኪዳኑ እናዘከረ ኸም ዜናብርን ዚገልጸልና’ዩ። ናይ ሮሜ 11፡13-28 ንባብና ድማ፡ ኣብ’ቲ መደምደምታ ናይ’ቲ መልእኽቲ ኸይበጽሐ ደኣ ተዀሊፉ’ምበር፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኣይሁድን ኣህዛብን ብኸመይ ዝበለ ጥበብ ንምሕረቱ ኸም ዘግሃደ ኣነጺሩልና ኣሎ (1ነገ 3፡12፣2ዜና 1፡12)። እቲ ናይ ግብ 7፡23-60 ንባብና’ውን፡ ብዛዕባ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ብነብዪ ሙሴ ገይሩ ዘግሃዶ ምሕረቱ ዚትርኽ’ዩ። እቲ ናይ ማቴ 20፡1-16 ናይ ጐይታና ምስላ ድማ፡ ናይ ጐይታ ሕያውነትን ምሕረትን ዜግህድ’ዩ። ሓንቲ ሰዓት ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታቱ ምሉእ መዓልቲ ናይ ዝሰርሐ ሰብ ደሞዝ ኪህብ ዝደረኾ፡ እቲ መግለጺ ኣልቦ ምሕረቱን ሕያውነቱን’ዩ። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ትሕዝቶ፡ ነቲ ብዙሕ ገጻት ናይ ምሕረቱ ግሩም ገይሩ ዜርእይ’ዩ።
"ከማኻ መሓሪ መን ኣሎ፧" እግዚአብሔር ነዚ ብብዝሒ ኣበሳ ዝተዋሕጠ ወዲ ሰብ ብምሕረቱ’ዩ ዚጾሮን ዜናብሮን። ሰብ ኣብ ገጽ ናይ’ዛ ምድሪ ብህይወት ኪነብር ዜኽእሎ ዘሎ፡ ምሕረት እግዚአብሔር ጥራሕ’ዩ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ዀነ ስጋዊ ድልየታትና ዚሓልይን ዚህበናን፡ እቲ መሓሪ ባህርዩ ስለ ዝደረኾ’ምበር፡ ስለ ዚግብኣና ኣይኰነን (ማቴ 6፡28-30፣12፡42)። ምሕረቱ እናዘከረ ንህዝቡ ኸም ዚቕበሎን ከም ዚናብዮን’ውን ኵላቶም ቅዱሳን ተኣሚኖምዎ’ዮም (ኤፌ 3፡9-11 ካ.ት)። ምሕረት ኣምላኽ ብዝለዓለ ደረጃ ዝተጋህደ ድማ፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ምእንቲ ድሕነትና ርእሱ በጃ ብምሃቡ፡ ንምሕረትን ጸጋን ናይ ኣምላኽ ናብ ልዕሌና ኣውሓዞ (ሮሜ 11፡33)። ስለ’ዚ ኸም’ቲ መዝሙርና መሪሑና ዘሎ፡ ነዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ናይ "ዘመነ ምሕረት" ንኡስ ዘመን፡ "መን’ዩ ኸማኻ መሓሪ፧" እናበልና፡ ብኣስተንክሮ ኸነኽብሮን ክንውድሶን፡ ክንዝንግዖ ዀነ ክንጐስዮ ዘይግብኣና መንፈሳዊ ሓላፍነትና’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ካብ’ዚ ናይ ሮሜ 11፡13-28 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።
ቅዱስ ጳውሎስ ንምንታይ’ዩ ነዚ ቓል’ዚ ዝጸሓፈ፧ እቶም ዝተሰብሩን ደው ዝበሉንከ እንታዎት’ዮም፧ ንምንታይከ የነጻጽሮም ኣሎ፧ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ፡ ቀደም ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ዝነበሩ፡ ሕጂ ግን ብክርስቶስ ኣሚኖም ናብ ቤተ ክርስትያን ዝኣተዉ ሮማውያን ኣህዛብ’ዮም። እቶም ብሰሪ ዘይምእማኖም ዝተሰብሩ ኸኣ ኣይሁዳውያን’ዮም። ኣይሁዳውያን ካብ ኣቦኦም ኣብርሃም ጀሚሮም ንእግዚኣብሄር ዚፈልጡን ዜምልኹን ህዝቢ’ዮም። ካብ ኣምልኾ እግዚኣብሄር ናብ ኣምልኾ ጣኦት እናተመልሱ ንእግዚኣብሄር ዘሕዘኑሉ ዝሰፍሐ ታሪኾም ከይረሳዕና ማለት’ዩ። ኣይሁዳውያን፡ ነቶም ጣኦታት ዜምልኹ ኣህዛብ ኣዝዮም ይፍንፍንዎምን ይንዕቅዎምን ነበሩ። ሕሉፍ ሓሊፍዎም ምስ ኣኽላባት የመሳስልዎም፡ ስለ’ዚ ብኢዶም ሰላም ኣይብልዎምን፡ ምስኣቶም ኣብ መኣዲ ኣይቅመጡን፡ ናብ ኣባይቶም ድማ ኣይኣትዉን ነበሩ (ግብ 10፡28 ፣ 11፡2,3 ፣ ገላ 2፡2፡12 ፣ ዮሃ 4፡9)። እቲ ኣዝዩ ዜገርም ከኣ፡ ዋላ ብምርኮን ብስድደትን ኣብ ሃገር ኣህዛብ እናተቐመጡ’ኳ፡ ካብ’ዚ ባህርዮም’ዚ ኣይተኣደቡን። ስለ’ዚ ብኣህዛብ ጽሉኣት ኰኑ። እዚ "ጸረ-ሴማውነት (Anti semetism)" ዚብሃል ኣተሓሳስባ ድማ፡ ካብ’ዚ ዝጠቐስናዮ ድሕረ-ባይታ’ዚ ዝማዕበለ’ዩ። እቲ ንድሕነት ምሉእ ዓለም ዝተገልጸ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ መጸ ድማ፡ በዚ ትዕቢቶም’ዚ ተዓንቂፎም ኣይተቐበልዎን ኣይኣመንዎን’ውን። ካብ ገሊላ፡ ገሊላ ንገሊላኡ ድማ ካብ ናዝሬት ንዝመጸ ነብዪ ኪቕበልዎ ፈጺምካ ዘይሕሰብ ኰነ (ዮሃ7፡41,42,52 ፣ 1፡46 ፣ ሉቃ 4፡23-34 ፣ 11፡15 ፣ ማር 6፡3 ፣ 14፡64 ማቴ 26፡66)። ብሰሪ’ዚ ዘይምእማኖም’ዚ ኸኣ ከም ጨንፈር ካብ’ቲ ጕንዲ ኣውልዕ ተሰሊዖም ተሰብሩ።
ኣህዛብ ግና ንባዕሉ ንኢየሱስ ረኺቦም ዘይኰነስ፡ ኣይሁዳውያን ብዝዀኑ ሃዋርያት ተሰቢኹሎም፡ ተሓጕሶም ተቐበልዎ። ኣይሁዳውያን ካብ መበቈሎም፡ ካብ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣትሒዞም፡ ባህርያውያን ጨናፍር ናይ’ታ ኦም ኣውልዕ ዝነበሩ’ዮም። ኣህዛብ ግና ናይ ካልእ ግናይ ኦም ጨናፍር’ምበር፡ ናይ’ዛ ኦም ኣውልዕ ጨናፍር ኣይነበሩን። ንክርስቶስ ብእምነት ሳላ ዝተቐበልዎ ግን፡ ብዘይባህርያዊ መገዲ ኣብ’ታ ኦም ኣውልዕ ተኸሎም (Grafting)። ናይ ሰብ ነገር ግን ዜሕዝን’ዩ። ከም’ታ ኣይሁዳውያን ዚዕበዩሎም ዝነበሩ ገይሮም፡ ንሳቶም’ውን ብግዲኦም ንኣይሁዳውያን ኪዕበዩሎም ጀመሩ።
እዚ ናይ ትዕቢት ማይ ብሑቝ’ዚ ንኣይሁዳውያን ለኪምዎም’ምበር ኣይጠቐሞምን። እዞም ኣህዛብ ካብ’ቶም ኣይሁዳውያን ተማሂሮም ክንዲ ዚልብሙ፡ ኣሰር ኣይሁዳውያን መሪጾም ከም ዘለዉ ምስ ረኣየ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣዒንቲ ዚኸፍትን ካብ ጥፍኣት ዚብጀውን መልእኽቲ ኺጽሕፈሎም ኣንቀደ።
ንምንታይ’ዩ ብክርስቶስ ምእማን ክሳዕ ክንዲ’ዚ ኣገዳሲ ዀይኑ፧ ኣይሁዳውያን ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዚኣምኑን ዜምልኹን ምዃኖም ኣይምኣኸለንዶ፧ ሳላ’ዚ እምነት’ዚዶ ኣይኰኑን ጨንፈር ናይ’ታ ኦም ኰይኖም ዝጸንሑ፧ እምነት ኣይሁድ፡ ትእምርቲ ወይ ጽላሎት ናይ እምነት ክርስትና ዀይኑ፡ ክሳዕ’ታ ጐይታና ዚግለጸላ ዘመን ኬገልግል ዝተሰርዐ እምነት’ምበር፡ ነባርን ምሉእን እምነት ኣይነበረን። ነብዪ ሙሴ ድማ ናይ ክርስቶስ ጽላሎት ነበረ። እቲ ሽዑ ዜምልኹሉ ዝነበሩ ብእንስሳታት ዚግበር ስርዓተ መስዋእቲ ድማ፡ ናይ መስዋእቲ ክርስቶስ ጽላሎት’ምበር፡ ሕድገት ሓጢኣት ዜውሕስን ዜድሕንን መስዋእቲ ኣይነበረን። እቲ ሽዑ ዝተዋህበ ሕጊ ኦሪት ድማ፡ ጽላሎት ናይ ሕጊ ወንጌል ነበረ። እዚ ዅሉ ተደማሚሩ፡ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዜመልክት ንጹር ትእምርቲ (ወይ ምልክት) ነበረ። ነብዪ ሙሴ፡ ንሱ መድሓኒኦም ከም ዘይኰነ፡ እቲ ዜድሕኖም ነብይ ገና ኣብ መጻኢ ኺግለጽ ምዃኑ፦ "እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም’ዚ ኸማይ ዝበለ ነብዪ ኻብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም’ዩ’ሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዅሉ ስምዑ። ኪኸውን ከኣ’ዩ ነቲ ነብዪ’ቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ፡ ካብ ህዝባ ኽትምንቈስ’ያ።"ብምባል ተነበየ (ግብ 3፡22,23፣ዘዳ 18፡15,18-19)። ነዝን ካልእ ትንቢታትን መሰረት ብምግባር ከኣ፡ ኣይሁዳውያን ንምምጻእ ናይ’ቲ መሲሕ (ክርስቶስ) ነሽሓት ዓመታት ተጸበይዎ (ማር 15፡43 ፣ ሉቃ 2፡26,28 ፣ 3፡15 ፣ 7፡16 ፣ 10፡24 ፣ 24፡21 ፣ ዮሃ1፡31 4፡25 ፣ ግብ 26፡6,7)። ጐይታና ምስ ተገልጸ ድማ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ እናተጠምቀን ኣብ ደብረ ታቦርን ከሎ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ "ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ’ዩ፡ ንእኡ ሰምዕዎ" ኢሉ ብወግዒ ተዛረበ (ማቴ 3፡16,17 ፣ 17፡5)። ኣይሁድ ግና "ኣይንሰምዕ፡ ኣይንቕበል፡ ኣይንኣምን" ኢሎም ስለ ዘቕበጹ፡ ብፍርዲ ኣምላኽ ካብ’ቲ ጒንዲ ተቘርጹ፡ ተሰብሩ፡ ተጨፍለቑ ድማ። እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተዋህቦም ሕጊ ፍጹም ኪገብርን ኬጽድቕን ዚኽእል ሕጊ ኣይነበረን፡ ስለ’ዚ ኸኣ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ብኸም’ዚ ኣብርሃልና፦
"ሕጊ (ኦሪት)፡ ናይ’ቲ ዚመጽእ ዘሎ ሰናይ ነገር ጽላሎት’ምበር፡ እቲ ነገር ብርእሱ (ብቐንዱ) ኣይኰነን። . . . ክርስቶስ ግና ናይ’ቲ ድሮ መጺኡ ዘሎ ሰናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኰይኑ መጸ። . . . (ምኽንያቱ) ሕጊ-ሙሴ ንሓደ’ኳ ናብ ፍጻመ (ኣየብጽሖን)። ሕጂ ግና ናብ እግዚኣብሄር ’ንቐርበሉ ዝበለጸ ተስፋ (ዝዀነ ክርስቶስ) መጺኡልና ኣሎ።" እብ10፡19፡11 ፣ 7፡19
"ስለ’ዚ ብብልዕን መስተን፡ ብምብዓል በዓላትን ሰርቂ ወርሕን ሰናብትን (ብሓፈሻ ብሕጊ-ኦሪት) ዝመጸ፡ ሓደ’ኳ ኣይፍረድኩም፡ እዚ ኵሉ (ትእዛዛት ብሉይ ኪዳን) ናይ’ቲ ኺመጽእ ዘለዎ (ክርስቶስ) ጽላሎት’ዩ። እቲ ናይ ብሓቂ ህላወ ዘለዎ ግና ክርስቶስ’ዩ።"
ቈሎ2፡16,17 ካ.ት
እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ናይ መስዋእቲ ስርዓት’ውን፡ ካብ ጽላሎታዊ ኣገልግሎት ዚሓልፍ ዝዀነ ብልጫ ኣይነበሮን።
"ሕጊ (ኦሪት) ናይ’ቲ ዚመጽእ ዘሎ ሰናይ ነገር ጽላሎት’ምበር እቲ ነገር (ብቐንዱ) ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ እቲ (ዓመተ መጸ) ዅሉ ሳዕ ዚቐርብ መስዋእትታት፡ ነቶም ዜቕርብዎ (ሰባት) ከቶ ፍጹማት ኪገብሮም ኣይክእልን’ዩ፡ እቶም መስዋእቲ ዜቕርቡ (ሰባት፡ ካብ ሓጢኣቶም) ነጺሆም እንተ ዚዀኑ፡ በቲ ዚገብርዎ ሓጢኣት ሕልናኦም ኣይምወቐሶምን ነይሩ፡ መስዋእቲ ኻብ ምቕራብ’ውን መዕረፉ ነይሮም። እንተ ዀነ እቲ (ዓመት መጸ) ዚቐርብ መስዋእቲ፡ እቲ ሓጢኣት (ገና) ኸም ዘሎ (ሕድገት ከም ዘይረኸበ) ዜዘክር’ዩ፡ (ምኽንያቱ) ደም ኣብዑርን ድቤላታትን ሓጢኣት ኬርሕቕ ኣይክእልን’ዩ።"
እብ10፡1-4 ካ.ት
ስለ’ዚ ኻብ’ዚ ቕዱስ ጳውሎስ ዝገለጾ ምስጢራት ተበጊስና፡ ኣይሁዳውያን እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተነግሮም መሲሕ ክሳዕ ዚግለጽ፡ ነቲ ሽዑ ዚስዕብዎ ዝነበሩ እምነት ከም ውዱእን ፍጹምን እምነት ምቝጻሮም፡ ከቢድ ስሕተት ምንባሩ ኢና ’ንርዳእ። ምኽንያቱ ጽላሎት ደኣ የምልኹ ነይሮም’ምበር፡ እቲ ሓቀኛ ኣምልኾስ በቲ መሲሕ’ዩ ዚግለጽ። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እታ እተድሕን ሓቀኛ እምነት ብኢየሱስን ምስ ኢየሱስን ከም ዝተጋህደት፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገለጸልና።
"እቲ ሕጊኸ ደኣ ንም፧ ንሱ ብሰሪ ኣበሳ ተወስኸ፡ እቲ ተስፋ ዝተዋህቦ ዘርኢ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ብኢድ እቲ ማእከላይ ብመላእኽቲ ተሓገገ። . . . እቲ ተስፋ ግና ነቶም ዚኣምኑ ብእምነት ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኺውሃብ፡ እቲ ጽሑፍ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዓጸዎ። እምነት ከይመጸት፡ ንሕና ነታ ኽትገሃድ ዘለዋ እምነት እናተጸበና፡ ተዓጺና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ተሓሊውና ነበርና። ስለ’ዚ ኸኣ ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ፡ ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ። እምነት ምስ መጸት ግና፡ ደጊም ትሕቲ ቐጻዒ ኣይኰንናን። ብክርስቶስ ዝተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ’ሞ፡ ብእምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም።"ገላ 3፡19,22-27 ካ.ት
ኣይሁድ ብሰሪ ዘይምእማኖም ዝተሰብሩሉን ዝተደርበዩሉን ምኽንያት እምበኣር፡ ነዛ ኻብ ናይ ጽላሎት ናብራ ኣናጊፋ፡ ናብ ሓቀኛ ድሕነትን ኣምልኾን እተእትዎም እምነት ንዒቖም ስለ ዝኣበይዋ’ዩ። እቶም ካብ ኣምላኽ ድርቡያት ዝነበሩ ኣህዛብ ግን፡ ነዛ እምነት’ዚኣ ብኽብሪ ስለ ዝተቐበልዋ፡ ካብ’ቲ ዝተደርበይዎ ተላዒሎም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ዚብለሉ ዕድልን ትብዓትን ረኸቡ።
ምእማንን ዘይምእማንን ብኸመይ’ዩ ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ዓብይ ፍልልይ ዜምጽእ፧ ንሕናኸ ንምንታይ ኢና ነቲ ፍልልይ ኣቕሊልና ንርእዮ፧ ብክርስቶስ ምእማንን ዘይምእማንን ዘለዎ ፍልልይ ካብ’ቲ ጐይታና ባዕሉ ዝተዛረቦ ቓል ንላዕሊ ገይሩ ኺገልጾ ዚኽእል ካልእ ቃል ኪህልው ኣይክእልን’ዩ።
"ብእኡ (ብወልድ) ንዚኣምን ኣይፍረዶን፡ ነቲ ዘይኣምን ግና ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ። . . . ብወልድ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ እቲ ብወልድ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር’ምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን’ዩ። . . . ብኣይ ዚኣምን በቲ ዝለኣኸኒ’ዩ’ምበር፡ ብኣይ ኣይኰነን ዚኣምን።" ዮሃ 3፡18,36 ፣ 12፡44
እቲ ዝኣመነ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረክብ፡ ብኣንጻሩ ኸኣ እቲ ዘይኣመነ ናይ ዘለኣለም ቍጥዓን ጥፍኣትን ዚረክብ እንተ ዀይኑ፡ ካብ’ዚ ዚዓብይ እንታይ ካልእ ፍልልይ ኪህልው ይኽእል፧ ኣሽንኳይ "ዘለኣለም" ዚኣክል ዘመን፡ እዘን ብሰብዓ ሰማንያ ዓመታት ዝተገመታ ዕድመ ሰብ’ኳ ቐለልቲ ኣይኰናን። "ዘለኣለም" ምሉእ ብህይወት፡ ህይወት ንህይወቱ ኸኣ ከም’ዚ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ’ንነብሮ ዓይነት ህይወት ዘይኰነስ፡ ምስ ጐይታናን ሰራዊት መላእኽቱን ብዓብይ ሓጐስን ክብርን ምንባር፡ ኣዝዩ ዓብይ፡ በእምሮ ኺብጻሕ ብቓላት ድማ ኪግለጽ ዘይክእል፡ ንመዋቲ ሰብ ድማ ፈጺሙ ዘይምጥኖ ኽብሪ’ዩ። እንተ ዀነ፡ እዚ ህያብ’ዚ ነቶም ብምሉእ ልቦም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ጥራሕ ዚውሃብ’ዩ።
እዚ እምነት’ዚ ግና፡ ግብራዊ ድማ’ምበር፡ ልባዊ ጥራሕ ኣይኰነን። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና፡ ንኣምላኽ ኰነ ንሰብ፡ ግሁድን ኣሉ ዘይብሃልን ፍረ ዘለዎ’ዩ። ናይ’ቲ እምነት ዘይብሉ ሰብ ህይወት’ውን እንተ ዀነ፡ ልክዕ ከም’ቲ ናይ ኣማኒ፡ እምነት ዘይብሉ ምዃኑ ግብራውን ግሁድን’ዩ። ሕውስዋስ ኴንካ ኽትነብር ኣይክኣልን’ዩ። ብልሳንካ ኣማኒ፡ ብናብራኻ ግን ዘይኣማኒ ኽትከውን ኣይክኣልን’ዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሚዛንካ ዚልካዕ ብናብራኻ’ምበር፡ ብልሳንካ ጥራሕ ስለ ዘይኰነ፡ ምስ’ቶም ዘይኣመንቲ ኢኻ ትምደብ። ስለ’ዚ እምነት፡ ኣብ ቅድመ-ሞት ኰነ ኣብ ድሕረ-ሞት ዓብይ ፍልልይ ዜምጽእ’ዩ። እቲ ዚኣምን፡ ነቲ እምነቱ ዚጠልቦ ዅሉ የማልእ’ዩ። እምነት፡ ብጽንዓት ደው ክንብለሉ ዚግባእ ረቛሒታት ኣቐሚጡልና’ዩ። ኣብ ሓሳባትና፡ ስምዒታትና፡ ዘረባና ዀነ ተግባራትና ንኽብሪ እምነትና ዚምጥን ዘይንቕነቕ ለውጥታት ክንገብር ይግብኣና። ኣብ ህይወትና ርኡይ ለውጥን ፍልልይን ከነምጽእ ዜኽእለና፡ እምነትና’ዩ። ካብ’ታ ዝኣመንናላ ዕለት ጀሚሩ፡ ህይወትና ነቲ ዝኣመንናዮ ጐይታ ዚመስልን ዚውክልን ኪኸውን’ዩ ዚግባእ። "እምነት ኣሎኒ" እናበልና፡ ህይወትና ግን ካብ ናይ’ቶም እምነት ዘይብሎም ሰባት ዚፍለየሉ ዝዀነ ለውጢ ዘይብሉ እንተ ዀይኑ፡ ሽዑ እምነትና ኣብ ትሕቲ ምልክት ሕቶ ይኣትው። ለውጥን ፍልልይን ዘየምጽእ እምነት፡ እምነት ኣይኰነን። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ነዚ ሓቂ’ዚ ብስእላዊ መገዲ ኣብሪሁልና’ዩ (ያእ 2፡14-26)። ግብሪ፡ ናይ እምነት ፍረ’ዩ። ጐይታና ኸም ዝገለጾ ኸኣ፡ ሰብ ብፍሪኡ’ዩ ዚልለይ (ማቴ 7፡6-20 ፣ 12፡33-35 ፣ 3፡8 ፣ ሉቃ 13፡7 ዮሃ 15፡8 ፣ ፊል 4፡17)።
ኣብ መንጎ ምእማንን ዘይምእማንን ዘሎ ዓብዪ ፍልልይ ኣቕሊልና ኽንርእዮ ዚገብረና ዘሎ፡ እምነት ፍረ ዘለዎ፡ ብግብሪ ኺግለጽ ዚግብኦ መንፈሳዊ ባህርይ ምኻኑ ዘይምፍላጥና’ዩ። ንእምነትና ዘይምጥንን ዜዋርድን ባህርይን ግብርን እና’ንጸባረቕና’ኳ፡ ኣብ ሕልናና ሕርኽርኽ ዜብለና ስክፍታ ኣይስምዓናን’ዩ። እምነትና፡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትናንና መንፈሳዊ መደባት ካብ ምስታፍ ንላዕሊ ዚጠልበና ዘለዎ ዀይኑ ኣይርድኣናን ኣሎ። ንሰምዕ፡ ንጽልይ፡ ንጸውም፡ ንምጽውት’ሞ፡ ብድሕሪኡ እምነትና ዚጠልበና ዅሉ ዘማላእና ዀይኑ ይስምዓና። ካብ ቤተ ክርስትያን ወጺእና ኣብ ገዛና፡ ስራሕና፡ መገድና ምስ’ቶም ምሳና ዚዋስኡ ሰባት ኣብ ’ንገብሮ ዝርርብ ዀነ ተግባራት ግን፡ እቲ እምነትና ትዝ ኣይብለናን። በቲ ዅሉ ሕብረተ-ሰብ ከም ንቡር ዚርእዮን ዜዘውትሮን ኣገባብ ንዋሳእ። እቲ ሓቀኛን ምሉእን እምነት እንተ ዚህልወና፡ ነቲ እምነትና ብትብዓት ደው እንተ ንብለሉ ግን፡ ዝተፈልየ መትከልን ባህርይን መርኣና። ሽዑ ድማ እቶም ኣብ እምነት ዘየለዉ ሰባት፡ ነቲ እምነት ዜምጽኦ ፍልልይን ለውጥን ኪግንዘብዎን ኪምሰጡሉን ምኸኣሉ።
ሳላ እምነት ደው ክንብለሉ ኽንቈመሉ ዚግብኣና ጕዳያት እንታይ’ዩ፧ ጥዕና ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ እምነት ምስ ዚህልወና፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብዛዕባ ዚገጥመና ዅሉ፡ ንጹርን ጽኑዕን መንፈሳዊ መትከል’ዩ ዚህልወና። እዚ መትከልና’ዚ ድማ ብሓፈሻዊ ግንዛበን ብትሑት ፍልጠትን ዘይኰነ፡ ብምሉእ ፍልጠትን ንጹር ርድኢትን’ዩ ዚኸውን። ዝርዝራቱ ብዙሕ’ኳ እንተ ዀነ፡ ጥቕልል ኣቢልና ንምግላጽ ዚኣክል ግን፡ ኣብ ሰለስተ ነጥብታት ከነጠቓልሎ ኢና።
1. ጕዳይ ጽድቅን ሓጢኣትን፦ ምሉእን ጥዑይን እምነት ዘለዎ ክርስትያን፡ ብዛዕባ ጽድቅን ሓጢኣትን ምሉእ ፍልጠትን ንጹር መትከልን’ዩ ዘለዎ። ናብ ግብራውነት ዚመርሖ ድማ ንሱ’ዩ። እዚ ናይ ግብራውነት ጕዳይ ኣብ’ዚ ኣቐዲምና ኽንርእዮ ዝጸናሕና ሕቶ’ውን ብሓፈሻዊ መገዲ ዳህሲስናዮ ኣለና። ነዚ ሓሳብ’ዚ ጥቕልል ኣቢሉ ዚገልጸልና፡ እቲ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ መዝ45፡6,7 (እብ1፡8,9) ዝተነግረ ትንቢታዊ ቓል’ዩ። "ጽድቂ ፈተኻ፡ ዓመጻ ጸላእካ" ዚብል ቃል ናይ ሓደ ጥዑይ እምነት ዘለዎ ክርስትያን መርገጺ’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ከም ፍጹም ሰብ መጠን፡ ነዚ ባህርይ’ዚ ኼርእየናን ኬውርሰናን’ዩ ዝተገልጸ። ክርስትያን ድማ "ንምስሊ (ኢየሱስ) ኪመስል፡ ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ ኺልወጥ" ዝተመደበን ዝመረጸን ስለ ዝዀነ፡ ብዘይካ’ዛ መትከል’ዚኣ ኻልእ ምርጫ ኺህልዎ ኣይክእልን’ዩ (ሮሜ 8፡29፣ 2ቈረ 3፡18)። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ጽድቂ ምፍቃርን ሓጢኣት ምጽላእን ማለት፡ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ምንባር ማለት’ዩ (ምሳ 8፡29፣ 2ቈረ 3፡18)። ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብህይወት ክሳዕ ዘለና፡ ሓጢኣት ኵሉ ጊዜ ኺቃጸወናን ኪተሃላለኸናን’ዩ ዚነብር። ንሕና ግን ክንስዕሮን ክንገዝኦን ከም ዚግብኣና ብንጹር ተነጊሩና’ዩ (ምሳ 8፡13፣16፡17 ፣ እዮ 28፡28፣27፡3-6፣መዝ101፡3,4)። ብእምነት ደው ዝበለ ሰብ፡ ንሓጢኣት ዚጸልኦን ዚገዝኦን፡ ንጽድቂ ድማ ዜፍቅሮን ዚግዝኦን ምስ ዚኸውን’ዩ፡ ናይ ብሓቂ ብክርስቶስ ዝኣመነ ሰብ ምዃኑ ዚረጋገጽ (ዘፍ 4፡7፣1ዮሃ 3፡4-9)።
2. ጕዳይ ስሑት ትምህርትን እምነትን፦ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ኽንሓጥእ ካብ ዚገብሩና ሰይጣናዊ መፈንጠራታት ሓደ፡ ስሑት ትምህርትን እምነትን’ዩ። ጐይታና ዀነ ቕዱሳን ሃዋርያቱ፡ "ሓደ’ኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ" ብምባል ብልዑል ኣጽንዖት ኣጠንቂቖምና’ዮም (ኣሞ 5፡15፣መዝ 97፡10፣ሚክ 3፡2)። ዝመጸ ዓይነት ስሕተት ናብ ዝደለዮ መኣዝን ዜላኽዓካ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ እምነት ከም ዘየለኻ ንጹር’ዩ (ማቴ 24፡4,23,27፣ 1ቈረ 6፡9፣15፡33 ፣ ገላ 6፡7 ፣ ኤፌ 5፡6 ፣ 2ተሰ 2፡3 ፣ ያእ 1፡16 ፣ 1ዮሃ 3፡7)። እቲ ኣብ እምነት ዘሎ ብትብዓትን ብቕንኣትን ብጽንዓትን ደው ኢሉ’ዩ ዚዋግኦን ዚምክቶን። ዋላ ነቲ ስሑት ትምህርቲ ኣይትቀበሎ፡ ከም ሕሱም ተዅላ ንብዙሓት ሰባት ግዳያቱ ኺገብሮም እናረኣኻ ልኡም መርገጺ ወሲድካ ስቕ ኢልካ ምርኣይ፡ ንስሓ ዜድልዮ ካብ ክርስቶስ ዚፈልየካ ኸቢድ ሓጢኣት’ዩ (ኤፌ 4፡14,15)። ብፍላይ’ዚ ዘለናዮ ናይ መወዳእታ ዘመን ዚልለየሉ ፍሉይ ምልክቱ፡ ብስሑት ትምህርቲ ዘዕለቕለቐ ክፉእ ዘመን ምዃኑ’ዩ። ኣብ’ዛ ዘመን’ዚኣ ብእምነት ደው ኢሉ ኣንጻር ስሑት ትምህርትን እምነትን ዘይዋጋእን ዘይስዕርን ክርስትያን፡ ካብ ክርስቶስ ዝረሓቐ፡ እምነት ዘይብሉ ዕሩቕን ውዱቕን ክርስትያን’ዩ።
3. ጕዳይ መከራ፦ ኣቦና እዮብ ከም ዝበሎ "ሰብ ንመከራ’ዩ ዚውለድ" (ራእ 2፡14-16,20-23)። ዓይነቱን ክብደቱን ደኣ ይፈላለይ ይኸውን’ምበር፡ ካብ መከራ ሓራ ዚኸውን ሰብ የለን። ኵሉ’ቲ ብሰይጣን ዚዋደድ መከራ፡ ናይ መወዳእታ ዕላማኡ ሓጢኣትና ኸም ዚበዝሕ ምግባር’ዩ። ብፍላይ’ቲ እምነታዊ መከራ ድማ፡ ንድሕሪት ኪመልሰና፡ ናብ ክሕደት ኬውድቐና’ዩ ዚወርደና። እዚ መከራ’ዚ ኽሳዕ ሞት ኪምጠጥ ዚኽእል’ዩ። ነዚ መከራ’ዚ ኽንዕወተሉ ዜኽእለና ድማ፡ በቲ ነቕ ዘይብል ሓያል እምነትና ደው ኢልና ምስ ’ንምክቶን ምስ ንስዕሮን’ዩ። ብምኽንያት እምነትካ ንዚወርደካ እምነታዊ መከራ "ስዒረዮ" ዚብሃል፡ ብዛዕባ እምነትካ ብዘይ ዝዀነ ጥርጥርን ነግፈረግን ጸኒዕካ ደው ምስ ’ትብልን፡ ብዛዕባ መከራኻ ምሉእ ሓጐስን ብርቱዕ ምጽንናዕን ዚስምዓካን ካብኡ ዚበዝሕን ዚኸብድን መከራ ንምቕባል’ኳ ድሉውን ፍቓደኛን ምስ ’ትኸውንን’ዩ (20 እዮ 5፡7)።
እዚ ዝተጠቕሰ ብእምነትካ ጸኒዕካ ደው ክትብል ዚጠልብ ኵሉ ዅነታት፡ ብስማውን ልማዳውን እምነት ጥራይ ኪስገር ኣይክእልን’ዩ። ዓለም ካብ ቀደማ ኣትሒዛ ክፍእትን ፈታኒትን እንተ ነበረት’ኳ፡ ኣይከም’ዚ ዘለናዮ ዘመን። እዚ ዘለናዮ ዘመን ሰይጣን ብዓይኒ ስጋ ተጋሂዱ ዚርኣየሉ ኪኸውን ዝተረፎ የብሉን። ሓጢኣትን ስሕተትን ከመይ ገኒኑን ኪጽወር ዘይክእልን ኰይኑ ኸም ዘሎ ድሮ ንዕዘቦ ኣለና። እቲ ዜሰክሕ መከራ ድማ፡ እንሆ ኣብ ኣፍ ደጌና ይዅሕኵሕ ኣሎ። ኣብ’ዛ ውድእቲ ሰዓት’ዚኣ ካብ እምነት ተዓንቂፍና ኸይንወድቕ ርእስና ኽንሕልው ይግብኣና። ብጸጋ ኣምላኽ ተደጊፍና፡ ቃል ኣምላኽ ተመጊብና፡ ነቲ ረዳኢና ኣምላኽ ብመንፈሱ ኺረድኣና ብዘየባትኽ ጸሎት ተማሕጺንና፡ "ሳላ ዝኣመንካ ደው ኢልካ" ኽሳዕ ዚብሃለልና፡ ርእስና በታ ኻብ ኵሉ ዝተቐደሰት እምነት ክንሃንጽን ከነጽንዕን ይግብኣና (ማቴ5፡11,12,39-42 ፣ 1ጴጥ 4፡12-16 ይሁ3,20)። "ብሰሪ ዘይምእማኖም ተሰብሩ" ዝተባህለሉ ናይ ኣይሁዳውያን ታሪኽ ኣብ ልዕሌና ኸይድገም ንጠንቀቕ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
26 ጥቅምቲ 2025 | ጥቅምቲ 16, 2018 ግዕዝ (7ይ ሰንበት: ቊ.7) |
||
|
ምስባክ መዝ: ፻፲(፻፲፩)፡፬-፭ "መሐሪ ወመስተሣህል እግዚአብሔር። ወመሀቦሙ ሲሳዮሙ ለእለ ይፈርህዎ። ወተዘከረ ኪዳኖ ዘለዓለም።" "ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፡ እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን’ዩ። ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም ይዝክር።"" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| ሮሜ 11፡13-28 |
ዲያቆን |
|
| ያእ 1፡9-21 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 7፡23-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ማቴ 20፡1-16 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም | መዝሙር፦ ወመኑ መሐሪ ዘከማከ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ