". . . ከም ንክርስቶስ ጌርኩም ተኣዘዝዎም። ከም ኣገልገልቲ ክርስቶስ ንፍቓድ ኣምላኽ ብልቢ እናፈጸምኩም’ምበር ንሰብ ከተሐጕሱ ኢልኩም ንገጽ-ርአ ኣይትግበርዎ። ንሰብ ዘይኰነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡ። ምኽንያቱ፡ ግዙእ ኰነ ጐይታ፡ ነፍስ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ፡ ካብ ጐይታ ኢየሱስ ዓስቡ ኸም ዚቕበል ፍለጡ።"ኤፌ6፡5-7 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ካልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ጽጌ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ጥቅምቲ 3 ኽሳዕ ጥቅምቲ 9 ኣብ ዘሎ ንኡስ ዘመን ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ "ኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ፦ “እቲ ልዕሊ ሰማይ ዘሎ (ኣምላኽ)፡ ኪነ ጥበቡ መስተንክርን ድንቅን’ዩ። ኪነ ጥበቡ መስተንክርን ድንቅን’ዩ፡ ምሕረቱ ኣብ ልዕሌና ኣርኣየ። ንሰማይ ብብሩሃት ከዋኽብቲ ኸለሎ (ኸበቦ)። ንምድሪ ድማ፡ ብንጹህ ዕንበባታት ኣማዕረጋ። ብኣኣ ኼዕርፉ ንሓዋሩ ሰንበት ሰርዐ። (ሰንበት)ንቕዱሳን መኣዛኦም’ያ። ከም’ቲ ኣብ ውሽጢ ቘላታት ዘሎ ምኡዝ ዝሽታኡ ሽጕርቲ በረኻ’ያ። ቃርፋ ምስ ናርዶስ ከኣ፡ ዓንበበ። ሓረግ ወይኒ፡ ሰራውራ ኣብ ምድሪ፡ ጨናፍራ ኸኣ፡ ኣብ ሰማይ’ዩ። ብሰለስተ ዝተገመደ (ዝተቐወደ) ዘለላ በረኸት ድማ፡ ተፍርየልና። (ሓረግ ወይኒ)፡ ንቕዱሳን ሲሳዮም (ምግቦም)’ያ። ብቓሉ ሰንበት ሰርዐ፡ ንዅሉ ድማ፡ ሰላሙ ጸገወ።” ማለት’ዩ።
ስለ’ዚ እዚ መዝሙርና መሪሑና ኸም ዘሎ፡ እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ ብዛዕባ ናይ እግዚአብሔር ኪነ ጥበብ ’ንምሃረሉን ነቲ መንክር ኣምላኽ ብዛዕባ’ቲ ብፍጥረቱ ዀነ ብወዱ ብክርስቶስ ዝገለጾ ጥበቡ ’ንውድሰሉን ጥበቡ ’ንውድሰሉን "ዘመነ ኪነ ጥበቡ" ዝተሰምየ ንኡስ ዘመን’ዩ። ምኽንያቱ ንሱ ንሰማያት ብብሩሃት ከዋኽብቲ ኸሊሉ፡ ንምድሪ ድማ ብንጹሃት ጽጌያት (ዕንበባታት) ኣማዕሪጉ ዜናብር ኣምላኽ’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ ማቴ 6፡19-34 ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ተነጺሩ ኸም ዘሎ፡ ዕንበባታት ናይ ጥበብ ኣምላኽ መርኣያ’ዮም። ኣብ ታሪኽ ዓለም ካብ ንጉሥ ሰለሞን ዚበልጽ ጥበበኛ ኸም ዘይነበረን ከም ዘይህልውን ብልሳን መለኮት ዝተረጋገጸ ሓቂ’ዩ (1ነገ 3፡12፣2ዜና 1፡12)። እቲ "ኻብ ሰለሞን ዚዓብይ ኣብ’ዚ ኣሎ" ዝበለ ጐይታ ግን፡ ነቲ ነቒጹ ናብ ሓዊ ዚድርበይ ሳዕሪ መሮር፡ ካብ’ቲ ናይ ሰለሞን ብዚበልጽ ጥበቡ መስተንክር ግርማን ጽባቐን ብዘለዎ ዕንበባታት ገይሩ ይኸድኖ (ማቴ 6፡28-30፣12፡42)። ኣብ’ዚ ዚነቅጽ ሳዕርን ዚረግፍ ዕንበባን ክንዲ’ዚ ዚኣክል መስተንክር ጥበብ ካብ ገለጸ፡ ኣብ’ቲ ብምስሉን ኣርኣያኡን ዝፈጠሮ ሰብ ዚገብሮ ጥበብከ ደኣ ማዕረ ኽንደይ መስተንክር ዘይከውን!! እቲ ንሓጢኣተኛታት ኬድሕንን ኬጽድቕን ዘግሃዶ ጥበቡኸ ማዕረ ክንደይ ዓብዪ’ዩ!! ቅዱስ ጳውሎስ ነዛ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ’ዚኣ እቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሽመታትን ስልጣናትን’ኳ ኸም ዘይፈልጥዋ፦
"እቲ ኻብ ዘለዓለም ኣብ’ቲ ንዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ናይ’ዚ ምስጢር’ዚ ኣገልግሎት ከመይ ምዃኑ ንዅሉ ሰብ ከብርሃሉ ተዋህበኒ። እዚ (ዝገበረ) ኸኣ፡ ኸም’ቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ገይሩ ዝፈጸሞ ዘለዓለማዊ ምኽሩ፥ ነቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጥበብ ኣምላኽ፥ ብቤተ ክርስቲያን ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሊቃናትን ስልጣናትን ምእንቲ ኼፍልጦም ኢሉ’ዩ።"
ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ኤፌ 3፡9-11 ካ.ት)። ስለ’ዚ ኸኣ፦ "ወዳጀ መዓሙቕ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን!! ክንደይ ዘይምርመር ኰታ’ዩ ፍርዱ! ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ’ዩ መገዱ!!"
ብምባል ኣስተንከረ (ሮሜ 11፡33)። እምበኣር እዚ "ዘመነ ኪነ ጥበብ" ተሰሪዑልና ዘሎ፡ ንሕና’ውን ብዛዕባ ጥበብ ኣምላኽ ናብ ከም’ዚ ዝበለ ዓሚቝ ርድኢትን ኣድንቖትን በጺሕና ምእንቲ ኸነምልኾን ክንእዘዞን’ዩ’ሞ፡ ብምስትውዓል ክንጥቀመሉ ይግባእ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ካብ’ዚ ናይ ኤፌ6፡1-9 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።
ንምንታይ’ዩ ንሰብ ምእዛዝ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ኣገዳሲ ዚኸውን፧ ንምንታይ’ዩኸ "ብጐይታ" ዚብል ቃል ዚውሰኾ፡ ንሰብ ከም ሰብ ጥራሕ እንተ ተኣዘዝናዮ ኣይኣክልንዶ፧ ንምዃኑኸ ናይ’ቲ "ብጐይታ" ዚብል ቃል ትርጕምን መልእኽትን እንታይ’ዩ" ንሰብ ምእዛዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚዀነሉ ምኽንያት፡ ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ምእዛዝ ኣብ ሰብ ስለ ’ንረኽቦን ’ንፍጽሞን’ዩ። ንሰብ ኣውጺእካ፡ ንኣምላኽ ክትእዘዘሉ ’ትኽእል መገዲ ዳርጋ የለን። ንሰብ ከይተንከፈ፡ ንኣምላኽ ጥራሕ ክንእዘዘሉ ’ንኽእል ተኽእሎ "ፈጺሙ የለን" ’ኳ እንተ ዘይተባህለ፡ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ግን ዘይክሓድ ሓቂ’ዩ። ንኣብነት ነቲ "ጸልዩ" ዚብል ትእዛዝ ንምፍጻም፡ ክንዋስኦ ዜድልየና ሰብ የለን። ኣብ’ታ ናይ ጸሎት ቦታና ንበይንና ዄንና ኽንጽልይ ንኽእል ኢና። ብፍላይ ጸሎት’ሞ ኸኣ፡ ሰብ ፈጺሙ ዘየድልየካ ንኣምላኽ ጥራሕ ዚምልከት ትእዛዝ’ዩ። ነቲ ኻልእ ትእዛዝ ከም’ኒ "ተዓገሰ፡ ኣፍቅር፡ ትሕት በል፡ ለግስ ወዘተ" ዝኣመሰሉ ትእዛዛት ንኽትፍጽሞም ግን፡ ሰባት ናይ ግድን’ዮም ዜድልዩኻ። ሰብ ንዝሃበካ ትእዛዝ ምእዛዝ ከኣ፡ እቲ ዝሓየለ ምስ ሰብ ዝተዛመደ ናይ ኣምላኽ ትእዛዝ’ዩ። ልክዕ ከም’ቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝተባህለ፡ ነቲ ዚርእዮ ብጻዩ ኺእዘዝ ዘይክእል ሰብ ነቲ ዘይርእዮ ኣምላኽ ኪእዘዞ ኣይክእልን’ዩ (1ዮሃ4፡19,20)። ምኽንያቱ ፍቕርን ተኣዝዞን ኣዝየን ዝተዛመዳ፡ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለወን ትእዛዛት’የን። ጐይታና’ውን፡ "ተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሓልዉ" ኢሉና’ሎ (ዮሃ14፡15,21,23,24)።
"ብጐይታ ተኣዘዙ" ማለት፡ "ምእንቲ ጐይታ ኢልኩም፡ ንጐይታ ትእዘዙ ኸም ዘለኹም ጌርኩም ንሰብ ተኣዘዙ" ማለት’ዩ። ዕላማን ረብሓን ናይ’ዚ "ብጐይታ ተኣዘዙ" ዚብል ትእዛዝ ኣዝዩ ዓብይ’ዩ። ቀዳማይ፦ ነቲ ደረጃ ናይ’ቲ ተግባርና ልዕል ዝበለን ዝበለጸን ንምግባር ዝዓለመ’ዩ። ክብሪ ኣምላኽን ክብሪ ሰብን ይትረፍ ኪመጣጠን፡ ኪነጻጸር’ውን ፈጺሙ ዘይግብኦ’ዩ። ስለ’ዚ ንኣምላኽ ኢልና ’ንገብሮ ምእዛዝን እቲ ንሰብ ጥራሕ ኢልና ንገብሮ ምእዛዝን ኣብ ምልኣትን ጽባቐን ናይ’ቲ ምእዛዝ ዓብይ ፍልልይ ኪህልዎ ባህርያዊ’ዩ፡ ናይ ግድን ከኣ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ሓድሕዳዊ ምትእዝዛዝና ምሉእን ግሩምን ምእንቲ ኪኸውን፡ ነቲ ዚእዝዘና ዘሎ ሰብ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ከም ’ንእዘዞ ጌርና ኽንእዘዝ ተነግረና። እዚ ኸኣ ነቲ ተግባርና ፍጹምነት የልብሶ ኣሎ ማለት’ዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ፦ "ኣታ ፍቁረይ፡ እቲ ነቶም ኣሕዋትን ኣጋይሽን ’ትገብሮ ዘለኻ ዘበለ ተኣሚንካ ትገብሮ ኣለኻ። እዚኣቶም ብናይ ፍቅርኻ ኣብ ቅድሚ ማሕበር መስኪሮም ኣለዉ። ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ንመገዶም እንተ ኣፋኖኻዮም ድማ፡ ሰናይ ትገብር ኣለኻ።" ብምባል ንጋይዮስ ዝጸሓፈሉ ቓል፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ዜረጋግጸልና’ዩ (3ዮሃ 5,6)። ግደ ሓቂ፡ ንኣምላኽ ከም ኣምላኽ መጠን ክትእዘዞን፡ ንሰብ ከም ንኣምላኽ ጌርካ ኽትእዘዞን ኣየናይ ከም ዚዓብይ፡ ንዝዀነ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ርዱእ’ዩ። ብርግጽ ንሰብ ከም ኣምላኽ ጌርካ ምእዛዝ ዝኸበደን ዝዓበየን’ዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ናብ’ዚ ደረጃ’ዚ ኼዕብየና ስለ ዝደለየ’ዩ፡ በዚ ቕዱስ ሃዋርያኡ ገይሩ ነዚ ዜዐውትን ቅዱስን ምስጢር’ዚ ዝገለጸልና።
ካልኣይ ዕላማኡ ድማ፡ ንዓስብና ምዕባይን ምብዛሕን’ዩ። ነዚ ቕዱስ ቃል’ዚ ተኣዚዝና ነቲ ንሰብ ምእዛዝና ንጐይታ ኸም ’ንእዘዝ ጌርና ስለ ዝገበርናዮ፡ ኣብ ሓደ ጊዜ ንኽልተ ኣካላት፡ ማለት ነቲ ሰብን ንኣምላኽን ከም ዝተኣዘዝና’ዩ ዚቝጸረልና። ስለ’ዚ ዓስብና ምድራውን ሰብኣውን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ሰማያውን መለኮታውን’ዩ ዚኸውን።
እዚ ሃዋርያዊ ጽሑፍ’ዚ ኣብ መንጎ ግዙኣትን ጐይቶትን (ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን) ንዘሎ ናይ ምእዛዝ ኵነታት ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ’ዩ። ነቲ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ክርስቶስ ዝዀኑ ጐይቶትን ግዙኣትን ኪህልው ዚግብኦ መንፈሳዊ ዝምድና ዚምልከት መምርሒ ድማ’ዩ። እዚ መምርሒ’ዚ ኺጽሓፈሎም ዘድለየ ድማ፡ ኣብ መንጎኦም ዘይምስገን ዝምድና ኸም ዝነበረ ዜመልክተና’ዩ። እዚ ጥዕና ዝጐደሎ ዝምድና ኺፍወስ ዚኽእል፡ ኣብ መንጎኦም ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዚኣትው ጥራሕ’ዩ። እቶም ጐይቶት ብጐይታ እንተ ኣዚዞምን እንተ ገዚኦምን፡ እቶም ግዙኣት ከኣ ብጐይታ እንተ ተኣዚዞምን እንተ ተገዚኦምን፡ ሽዑ እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ምብድዳል ስለ ዜቋርጽ፡ ዝምድናኦም ድማ ምሉእ ብምሉእ ይፍወስ ማለት’ዩ።
እዚ መምርሒ’ዚ ኣብ ናይ ኣስራሕን ሰራሕተኛን (ጐይታን ባርያን) ዝምድና ጥራሕ ድዩ ዚሰርሕ ወይስ ኣብ ካልእ ዝምድናታት’ውን ይሰርሕ’ዩ፧ ከም ክርስትያን መጠን፡ ንጐይታና ዘይምልከት ዝዀነ ይኹን ዝምድና ኪህልወና ኣይክእልን’ዩ። ይትረፍ ነቲ ነዊሕ ዚጸንሕን ነባርን ዝምድናታት፡ ዋላ’ቲ ንሓጺር ጊዜ ዚጸንሕ ናይ ዓዳጋይን ሸያጣይን ዝምድና’ኳ፡ ብጐይታ ዝተማእከለ ኪኸውን’ዩ ዚግባእ። እቲ ብጐይታ ዀይኑ ኣገልግሎት ንግዱ ዘይፍጽም ነጋዳይ፡ ብኽቱር ስሰዐ፡ ደም ሰብ እናመጸየ፡ ፍቓድ ንግዲ ዘለዎ ሕጋዊ ሽፍታ ዀይኑ’ዩ ዚነብር። እቲ ንጐይታኡ እናሓሰበ፡ ትእዛዛቱ እናዘከረ፡ ንዓማዊሉ ድማ ብዓይኒ ጐይታ እናረኣየ ዚነግድ ነጋዳይ ግን፡ "ይኣኽለኒ" ብዚብል መንፈስ ስለ ዚምራሕን ኣብ ልቡ ፍርሃት ኣምላኽ ስለ ዘለዎን፡ ነቲ ዓሚሉ ኣይምዝምዞን ኣይዕምጾን’ዩ። ብኣኽብሮት የአንግዶ፡ ኬርብሖ ይደልይ። እምበኣር እዚ መንፈሳዊ መምርሒ’ዚ ንዅሉ ዝምድናታትናን ተግባራትና ዚፍውስ ኣዝዩ ኣገዳሲ፡ ናይ ግድን ክንስዕቦ ዚግባእ’ዩ።
ኣብ መንጎ ኽልተ ሰብ ኪዳን ዘሎ ዝምድና’ውን፡ ብጐይታ ኺምእዘን ከም ዚግብኦ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ነጊሩና’ዩ። እቲ "ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም" ዚብል ቃል፡ እቲ ምስ ሰብ ኪዳንና ዘሎና ናይ መውስቦ ዝምድና’ውን ብክርስቶስ ዝተማእከለን ዚምእዘንን ኪኸውን’ዩ ዚግባእ። ብዘይካ’ታ ቓል ኪዳን ክንኣስር ከለና ስም ቅድስት ስላሴ ጸዊዕና ንኣትዋ ቓል እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ’ቲ ዕለታውን ግብራውን ናይ ሓዳር ናብራና ዘይንዝክሮን ብእኡ ዘይንምራሕን እንተ ዄንና ዝዀነ ትርጕም ዘይብሉ፡ ስጋዊ ሓዳር’ዩ ዚኸውን። ኪዳናዊ ዝምድና መንፈሳዊ’ምበር፡ ተራ ስጋዊ ዝምድና ኣይኰነን። ብኣምላኽ ዚቐውምን ብኣምላኽ ኪምራሕ ዚግብኦን ዝምድና’ዩ። ኵሉ’ቲ ኣብ ውሽጢ ኺዳንና ንገብሮ ንጥፈታት፡ ካብ ምቕራብ እኽለ ማይ ክሳዕ ጾታዊ ርክብ፡ ብጐይታ ኺፍጸም ዚግብኦ’ዩ። መንፈሳውነት ናይ ኪዳንና ብኸምኡ’ዩ ኺትግበርን ኪሕለውን ዚኽእል። ከምኡ እንተ ዘይገበርና መውስቦና፡ ካብ’ዚ ናይ ጤለ-በጊዕን ኣድገ-በቕልን መውስቦ ዚፍለየሉ ዝዀነ ይኹን ረቛሒ የብሉን ማለት’ዩ። ኣብ ሓዳር ነቲ መዓልታዊ ንጥፈታትና ብጐይታ ኽንገብሮ ኸለና፡ ነቲ መጻምድትና ጥራሕ ዘይኰነ ንጐይታ’ውን ነገልግሎ ስለ ዘለና፡ እቲ ንጥፈታትና ግብሪ ጽድቂ’ዩ ዚዀነልና። እታ ኸምኡ ናይ ምግባር ውዕልን ሓላፍነትን ስለ ዘለዋ ጥራሕ ንሰብኣያ ምግቢ ትቕርበሉን ክዳውንቲ ’ትሓጽበሉን ሰብ፡ ካብ’ታ ንጐይታኣ ተገልግል ከም ዘላ ዀይና ብጐይታ ተደሪኻ ተመሳሳሊ ተግባር ’ትገብረሉ ሰበይቲ ብዙሕ ፍልልይ ኣለዋ። እታ ቐዳመይቲ ማሕበራዊት ጥራሕ’ያ። እታ ኻልኣይቲ ግና፡ ኪኖ ማሕበራዊት፡ መንፈሳዊት’ውን’ያ። ብመሰረት መሪሕ ጥቕስና፡ እታ ማሕበራዊት ሰበይቲ ዓስባ እቲ ሰብኣያ ዚህባ ናእዳን ፍቕርን ጥራሕ’ዩ። እታ መንፈሳዊት ሰበይቲ ግን፡ ካብ’ቲ ዝተሓጐሰላ ሰብኣያ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ካብ’ቲ ኣብ ሓዳራ ዘኽበረቶ ጐይታ’ውን ዝበለጸን ዘለኣለማውን ዓስቢ ’ትቕበል ብልሂ ሰበይቲ’ያ።
ኣብ’ዚ ንባብና’ዚ ኣብ ፍቕዲ 1-4 ተገሊጹ ኸም ዘሎ ኣብ መንጎ ወላድን ውሉድን’ውን እቲ ዝምድና ብጐይታ ኺምእከልን ኪምእዝንን ከም ዚግባእ ተገሊጹልና ኣሎ። እቶም ውሉድ ንወለዶም ብጐይታ ኺእዘዝዎም፡ እቶም ወለዲ ኸኣ ንደቆም ብጐይታ ኬዕብይዎም ተኣዚዞም ኣለዉ። ነቲ "ብጐይታ" ዚብል ቃል እንተ ጐሲናዮ ግን፡ ሓዳርና ተራ ናይ መፍረ ቘልዑ ትካል ኰይኑ’ዩ ዚተርፍ። ብስም ኣምላኽ ዝቘመ ኪዳን ክነሱ፡ ንኽብሪ ናይ’ቲ ዘቘሞ ጐይታ ዘይሰርሕ ሓዳር ብምዃኑ፡ ተራ ጥራሕ ዘይኰነስ ሓጥእ ሓዳር’ዩ ዚኸውን። ነቲ፦ "እምበኣርሲ፡ እንተ በላዕኩም፡ እንተ ሰተኹም ወይ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።" ዚብል ሃዋርያዊ ምኽርን ትእዛዝን ወርትግ ክንዝክሮ ይግብኣና (1ቈረ10፡31)። ነቲ ናይ ኣምላኽ’ምበር ናይ ገዛእ ርእስና ኸም ዘይኰንና፡ ስለ’ዚ ኸኣ ዝዀነ ይኹን ነገር ንኣምላኽ ኢልና ጥራሕ’ምበር ንርእስና ወይ ንኻልእ ሰብ ኢልና ኽንገብር ከም ዘይግብኣና ዚእዝዘና ቓል-ኣምላኽ’ውን ወርትግ ክንምርሓሉ ኸም ዚግብኣና ንዘክር (1ቈረ6፡19,20 ፣ 7፡23 ፣ ሮሜ14፡7,8 ፣ 2ቈረ5፡15)።
ብዘይካ’ቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዝምድና፡ እዚ መምርሒ’ዚ ኣብ ባህርይና፡ ኣብ ዕለታዊ ተግባርና ዀነ ዝምድናታትና ዚህልዎ ግሁድ ረብሓ እንታይ’ዩ፧
1ይ. ንሕና ኣዚና ድኹማት ፍጥረት ምዃንና መቸም፡ ንዝዀነ ሰብ ስዉር ኣይኰነን። ሓጥእ ባህርይ ስለ ዝሰረጸና፡ ከም’ቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ኣብ ስጋና ሰናይ ነገር የልቦን (ሮሜ7፡14,15,18,19 ፣ ኤር10፡23)። ኵሉ ባህርይናን ተግባርናን ዝምድናታትናን’ውን፡ በዚ ድኻምና’ዚ ዝተጸልወ’ዩ። ንርእስና ወይ ንኸማና ድኹም ዝዀነ ሰብ ኢልና ሰናይ ክንገብር ዓቕሚ የብልናን። ኰይኑ ተሪፉ፡ ንጐይታ፡ ነቲ ኣበር ዘይንረኽበሉ ሰናይ ጐይታ ኢልና ጥራሕ ኢና፡ ሰናይ ናይ ምግባር ዓቕሚ ኽንረክብ ’ንኽእል። ሓደ ሰብ ኪብድለና ኸሎ፡ ብገዛእ ርእስና ተደሪኽና ይቕረ ኽንብለሉ እንተ ደለና፡ ፈጺምና ዓቕሚ ንስእን። እቲ ኣብኡ ዝረኣናዮ ድኻምን በደልን፡ ይቕረ ኸይንብል ይዓግተና። ስለ’ዚ ናይ’ዚ ጸገምና’ዚ እንኮ ፍታሕ፡ ንእኡ ወይ ንርእስና ኢልና ዘይኰነ፡ ንጐይታ ኢልና ብጐይታ ይቕረ ኽንብል’ዩ። ንምእዛዝ፡ ንምሕጋዝ፡ ንምዕጋስ ወዘተ’ውን፡ ብዘይካ’ዚ ጥበብ’ዚ ኻልእ ኣማራጺ ፍታሕ ኪህልወና ኣይክእልን’ዩ። ንጐይታ ኢልና’ውን ክንገብር ዘይንፈቅድ እንተ ዄንና ግን፡ ጥራስ ናብ ክሕደት ኣቲና፡ ካብ እምነት ተፈሊና ኣለና ማለት’ዩ።
2ይ. ነዚ ረብሓ’ዚ ኣብ’ቲ ናይ ቀዳማይ ሕቶና መልሲ’ውን ጠቒስናዮ ኣለና። ዝዀነ ይኹን ተግባር፡ ናይ ደረጃ ፍልልይ ኣለዎ። ንቘልዓ ኢልካ ’ትገብሮ፡ ንመንእሰይ ኢልካ ትገብሮን ንሽማግለ ሰብ ኢልካ ’ትገብሮን ርኡይ ፍልልያት ከም ዘለዎ ኣይንስሕቶን ኢና። ንተራ ሰብን ንብዓል ስልጣንን፡ ንሰብን ንኣምላኽን እንገብሮ’ውን፡ ብርግጽ ፍልልያት ኣለዎ። እዚ ’ንምሃሮ ዘለና ሃዋርያዊ ቓል ግን፡ ነቲ ንሰብ ’ንገብሮ ግብርስ በቲ ንጐይታ ’ንገብሮ ደረጃ ኽንገብሮ ይምዕደናን ይእዝዘናን ኣሎ። "ከም ንክርስቶስ ጌርኩም ተገዝእዎም፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ተኣዘዛኦም" ዚብል ቃል፡ በቲ ንክርስቶስ እትገብሩሉ ደረጃ ጌርኩም ንሰብ ግበሩሉ" ይብለና ኣሎ። እቲ ንጐይታ ኢልካ ዚግበር፡ ፈጺሙ ንሰብ ዚምጥን ኣይኰነን። ስለ’ዚ እቲ እዚ ኽብሪ’ዚ ዝተዋህቦ ሰብ፡ በቲ ዘይምጥኖ ተግባርካ ኣዝዩ ኸም ዚዓግብን ነቲ ምሳኻ ዘለዎ ዝምድና ኼሐይሎ ኸም ዚድረኽን ውሁብ ሓቂ’ዩ። ዋላ ኸምኡ ኺገብር ዜኽእሎ ምስትውዓል ዘይብሉ ድኹም ሰብ እንተ ዀነ’ኳ፡ ቀደሙ’ውን ንጐይታ ኢልካ’ምበር፡ ንእኡ ኢልካ ስለ ዘይገበርካዮ፡ ነቲ ሰናይ ተግባርካ እተቋርጸሉ ምኽንያት ኣይህልወካን’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ንጐይታ ኢልካ ምግባር፡ ነቲ ተግባርካ ፍጹምነት ከም ዚህልዎ ኻብ ምግባር ሓሊፉ፡ ዘየቋርጽ ቀጻልነት ዜጐናጽፎ’ውን’ዩ። እቲ ’ትደልዮን ዝተጸበኻዮን መልሰ-ግብሪ ስለ ዘይረኸብካ ጥራሕ ነቲ ተግባርካ ዘይትቕጽሎ እንተ ዄንካ ግና፡ ካብ መጀመርታኡ’ውን፡ ነቲ ተግባር ንጐይታ ኢልካ ኸም ዘይገበርካዮ ዜቃልዓካ ዜሕፍር ድኻም’ዩ።
3ይ. ናይ ሓደ ተግባር ጽባቐ ብንጹር ዚፍለጥ፡ በቲ ዜፍርዮ ውጽኢት ወይ በቲ ዜምጽኦ ዓስቢ’ዩ። ንሰብ ጥራሕ ኢልካ ዚግበር ተግባር፡ ዓስቡ ኻብ ሰብ ጥራሕ’ምበር፡ ካብ ካልእ ኣካል ክትጽበየሉ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሰብ ንሰቡ ድማ፡ እቲ ምእንትኡ ኢልካ ዝገበርካሉ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ከም’ቲ ልዕል ኢልና ዝበልናዮ፡ እቲ ሰብ ነቲ ሰናይ ተግባርካ ኸየስተውዓሎ ምስ ዚተርፍ፡ ዋላ ሓንቲ ጻማ ኸይትረኽበሉ ትኽእል ኢኻ። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ሕማቕ ኪፈድየካ’ውን ተኽእሎ ኣሎ። ከም’ዚ ምስ ዜጋጥመካ ነቲ ተግባርካ ይትረፍ ክትቅጽሎ፡ በቲ ድሮ ዝገበርካዮ ተግባር’ውን ናብ መሪር ጣዕሳ ኽትኣትው ይክኣል’ዩ። ንሰብ ኢልካን ብሰብ ተኣማሚንካን ሰናይ ናይ ምግባር ሳዕቤን’ምበኣር ነዚ’ዩ ዚመስል። እቲ ንጐይታ ጥራሕ ኢሉ ዚገብር ግን፡ በዚ ዅሉ ኣሉታዊ ሳዕቤናት’ዚ ኣይልከፍን’ዩ። ቀደሙ’ውን ዓስቡ ኻብ ጐይታ ኪዀነሉ ኢሉ ስለ ዝገበሮ፡ ተግባሩ ብናይ ሰብ መልሰ-ግብሪ ዚጽለው ድኹም ኣይኰነን። እቲ ንኣምላኽ ኢልካ ዚግበር ተግባር ግን፡ ዓስቡ ድርብ’ዩ። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ሚእቲ ኻዕበት ኣብ ርእሲ ምርካቡ፡ ኣብ’ታ ’ትመጽእ ዓለም’ውን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪፍደይ’ዩ (ማቴ19፡29)። ዓስቢ ሰብ፡ ነቲ ተግባርና’ኳ ዘይምጥን’ዩ። ዓስቢ ኣምላኽ ኪኸውን ከሎ ግን፡ እቲ ተግባርና’ዩ ነቲ ዓስቢ ዘይምጥኖ። ካብ’ዚ ዚዓብይ፡ ሕያውነት ናይ ኣምላኽ ኪገልጽ ዚኽእል እንታይ ካልእ ተግባር ኣሎ፧
ክንዲ’ዚ ዚኣክል ረብሓ እንተ’ልይዎ ደኣ፡ ንሕና ሰባት እንታይ ኴንና ኢና ነዚ ጥበብ’ዚ ዘይንስዕቦ፧ እቲ ቐዳማይ ጠንቂ፡ ዋላ ሰናይ ተግባር ይኹን፡ ብጐይታ ዘይገበርናዮ ዅሉ ተግባር፡ ትርጕም ኣልቦ ጥራሕ ዘይኰነ በደል ምዃኑ’ውን ዘይምፍላጥና’ዩ። ምኽንያቱ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ "ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎ (ዅሉን)፡ ኣብ ክርስቶስ ኪጥቕለል" ከምኡ’ውን "ኢየሱስ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ኪኸውን" ይግባእ’ዩ (ኤፌ1፡8-10 ፣ ቈሎ1፡18)። ሰማይን ምድርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን፡ ንኣና ንሰባት ሓዊስካ፡ ብእኡ’ዩ ተፈጢሩ ከምኡ ድማ ንእኡ ኪኸውን’ዩ ዝተፈጥረ (ቈሎ1፡16 ፣ 1ቈረ8፡6)። ንሕና’ቶም ብእኡን ንእኡን ዝተፈጠርና ሰባት ጥራሕ ዘይኰነ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ባዕሉ’ውን ንዅሉ ተግባሩ ብክርስቶስ ገይሩ’ዩ ዚገብሮ (2ቈረ 1፡14 ፣ 5፡19 ፣ ኤፌ1፡3-6 ፣ 2፡6,7,10 ፣ 3፡11 ፣ ፊል 4፡7,19 ፣ 1ተሰ 5፡18 ፣ ቲቶ 3፡6,7 ፣ ቈሎ 1፡20)። እዚ ኸኣ ካብ ጥንቲ ኻብ ዘለኣለም ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም ንዚገብሮ ዅሉ ግብርታቱ ዜጠቓልል’ዩ። ንሕና’ውን ብስሙን ንእኡን ኢልና ኽንገብሮ፡ ንዅሉ ተግባርና ብእኡ ኽንገብሮ ተኣዚዝና ኢና (ሮሜ1፡8 ፣ 6፡11 ፣ 7፡25 ፣ 8፡1 ፣ 9፡1,2 ፣ 1ቈረ4፡14,15 ፣ 2ቈረ5፡17 ፣ 12፡19 ፣ ኤፌ1፡11,12 ፣ 3፡1,2 ፣ 4፡1 ፣ 6፡20 ፣ ፊል1፡1,25,26 ፣ 2፡19,20,29-30 ፣ 3፡1,3,14 ፣ 4፡1,2,4,10 ፣ 1ተሰ1፡2,3 ፣ 4፡16 ፣ 2ተሰ2፡13፣ 3፡12 ፣ 2ጢሞ3፡12,14,15 ፣ ቈሎ1፡2,28 ፣ 3፡17 ፣ 4፡17)። ትእዛዝ ጥራሕ ግን ኣይኰነን፡ ተግባርና ዀነ ንሕና ባዕላትና ብዘይ ክርስቶስ ናብ ኣቦ ኽንበጽሕ ኣይንኽእልን ኢና (ዮሃ14፡6 ፣ እብ7፡25 ፣ 6፡19,20 ፣ 10፡19,20)። ጐይታና ባዕሉ’ውን "ብዘይካይ ሓንቲ’ኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም" ኢሉና’ዩ (ዮሃ15፡5)። ብእኡ ኢና ’ንነብር፡ ብእኡ ኸኣ ንወሳወስን ንገብርን (ግብ17፡ ፣ 1ቈረ8፡6)። ዋላ ሓኪልና እንተ ኣበናዮን እንተ ኸሓድናዮን’ውን ናብ’ታ ናይ መወዳእታ መዓልቦና ናብ ገሃነም ዚድርብየና፡ ንሱ’ዩ፡ ኻልእ የለን። ምንባርና ዀነ ምድሓንና፡ ኰታ ዅሉ ነገርና ብእኡ እንድሕር ኰይኑ፡ ዝዀነ ነገር ክንገብር ከለና ብእኡ ዘይንገብረሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ንሕናን ተግባርናን ኣብኡ ኽንጥቕለል፡ ኣብ ኵሉ ንጥፈታትና ዀነ ዝምድናታትና ንሱ ቐዳማይ ኪስራዕ፡ ምርጫ ዘይኰነስ ግዴታ’ዩ። እቲ ንእኡ ቐዳማይ ምግባር፡ ኵሉ ነገርና ብእኡ ምግባር፡ ዓብይን ዘለኣለማውን ረብሓ ዚህበና ኽነሱ፡ ብሰሪ ድንቍርናና ግን፡ ይትረፍ ቀዳማይ ክንገብሮ፡ እታ ናይ መወዳእታ ምዃን’ውን እንተ ረኺብዋ’ዩ። "መንፈሳውነት" ዚብሃል ፈጺሙ ዘይርድኣናን ዘይንበጽሖን ዘለና፡ እዛ ምስጢር’ዚኣ ስለ ዝተሰወረትና’ምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘይንፈልጥ ስለ ዘይንጽልይ፡ ስለ ዘይንዝምር ወይ ስለ ዘይነገልግል ኣይኰነን።
እቲ ኻልኣይ ቀንዲ ሽግርና ድማ፡ ብዛዕባ’ዚ ሓቂ’ዚ ፊደላዊ ፍልጠት እንተ ሃለወና’ኳ፡ ልብና ኸም ከውሒ ከም ኣስራዚ ስለ ዝተረረ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኽንእዘዝን ክንግዛእን ዘይምድላይና’ዩ። ንርእስና ልዕልን ቅድምን ክርስቶስ ንሰርዓ። ንፍቓድ ርእስና ጥራሕ’ምበር፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ከነገልግል ዘይንደልይ ሰባት ንኸውን። ከም’ቲ ቅዱሳን ነብያት ዝበልዎ፡ ብኣፍና ንቐርቦን ፍቕሪ ነርእዮን፡ ልብና ግና ደድሕሪ ረብሓ ስጋና ጥራሕ ይዅብልል (ኢሳ29፡13,14 ፣ ህዝ33፡30-33 ፣ መዝ78፡36,37)። ጐይታስ ግብዝነትና ኼለልይ ልብና ኺምርምር፡ ድርኺትና ኺመዝን ከም ዘይክእል ብምሕሳብ ነታ ናይ ኣምላኽነት ክብሪ’ኳ ንነፍጎ። ልሳንና’ኳ ኸምኡ እንተ ዘይበለ፡ ብግብርና ግን ከም ሓደ ዘይርእይ ዘይሰምዕ ግኡዝ ጣኦት ጌርና ንርእዮን ንዋስኦን። እቶም ኣርኣያና ዝዀኑ ቅዱሳን ሃዋርያት ግን ከምኡ ኣየርኣዩናን። "ብክርስቶስ እጐይይ ኣለኹ፡ ብክርስቶስ እብለኩም ኣለኹ፡ ንኣምላኸይ ብክርስቶስ አመስግኖ ኣለኹ፡ ብክርስቶስ ሓቂ እብል ኣለኹ" እናበሉ ደኣ ይምህሩን ይጽሕፉን ነበሩ (ፊል2፡19,20 ፣ 3፡14 ፣ ሮሜ1፡8 ፣ 9፡1,2 ፣ ኤፌ4፡17)። ንሕናኸ ናይ ብሓቂ ክርስቶሳውያን ክርስትያን እንተ ዄንና፡ እንታይ ካልእ መገድን ምርጫን ኣሎና፧ እቲ ምስ መጻምድትና፡ ደቅና፡ ወለድና፡ ኣሕዋትና፡ ዓጽመ-ስጋና፡ ኣዕሩኽናን መሓዙትናን፡ መሳርሕትና፡ መማህርትና፡ ሰራሕተኛና፡ ኣስራሒና፡ ኰታ ኣብ’ዛ ምድሪ ንዘሎ ዅሉ ሰብ እንገብሮ ዅሉ ተግባር፡ ብክርስቶስ ከም ዝገበርናዮ ርግጸኛታት ክንከውን ይግብኣና። ከምኡ ምግባር፡ እምነትና ሃይማኖትና ዚጠልቦ መሰረታውን ዝለዓለን ረቛሒ’ዩ። ንሓጢኣት ክንስዕሮን ከነርሕቖን ዜኽእለና፡ ሓያል መንፈሳዊ ጥበብ’ዩ። ምኽንያቱ ብክርስቶስ ትገብር ሰብ እንተ ዄንካ፡ ብክርስቶስ ሓጢኣት ክትገብር ኣይክኣልን’ዩ። ንክርስቶስ ካብ’ቲ ምዕሪት (Equation) እንተ’ውጺእካዮ፡ ንክርስቶስ ዘየማእከለ ህይወት እንተ መሪጽካ ግን፡ ብዘይካ ሓጢኣት ዝዀነ ኻልእ ታሪኽ ኪህልወካ ከቶ ዘይሕሰብ’ዩ።
እምበኣር ህይወትናን ግብርናን ነሕውይ፡ ንዅሉ መንፈሳውን ማሕበራውን ተግባርና ብክርስቶስ ጥራሕ ንግበሮ። ነቲ ቐዳማይሲ ኵሉ ጊዜ ነቐድሞ። ንዅለንተናና ኣብ’ቲ ማእከላይ ክርስቶስ ንጠቕልሎ። እቲ ምስ ኣምላኽ ኰነ ምስ ሰብ ዘሎና ዅሉ ዝምድናን ተግባርን፡ ብክርስቶስ ዝተማእከለ ይኹን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
19 ጥቅምቲ 2025 | ጥቅምቲ 9, 2018 ግዕዝ (6ይ ሰንበት: ቊ.6) |
||
|
ምስባክ መዝ: ፻፪(፻፫)፡፲፬-፲፭ "ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ። ሰብእሰ ከመ ሣዕር መዋዕሊሁ። ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ።" "ፍጥረትና ይፈልጥ’ዩ’ሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር’ዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ’ዩ፡ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| ኤፌ 6፡1-9 |
ዲያቆን |
|
| 1ጴጥ 1፡17-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 17፡23-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ማቴ 6፡19-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም | መዝሙር፦ ኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ