ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን, ጀርመን, 8ይ - ክፋል
ብድሕሪ’ዚ ንእምነት ክርስትና ብሙሉእ ልበይ ስለ-ዝተቐበልኩዎ፥ ነቶም ካህንሥርዓተ-ጥምቀት ክፍጽሙለይ፥ ደጋጊመ ክሓቶም ግድነት ኮነኒ። ካብ ብዝሒ ምህንጣየይ ዝተላዕለ’ውን፥ ንኽጽበ ዘኽእል ትዕግስቲ ኣይነበረንን። ስለምንታይ ምዃኑ እንድዒ ግና፥ ብቐጻሊ “-ተዓገሲ-” ይብሉኒ ነበሩ። እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ ከሎ ግና፥ ሓደ ግዜ እቶም ካህን ኣብ በረኻ-ሲና ዝርከብ፥ ናይ ቅድስቲ ካተሪና ገዳም ክበጽሕ ዓደሙኒ። እዚ ዕድመ’ዚ ድማ ብሓጎስ ተቐበልኩዎ።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን, ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ
ነገራት ካብ ሥሩዕ መንገዲ ወጺኦም ክበላሸዉ ከለዉ፥ ኅብረተ-ሰብና ዝጥቀመሉ ሓደ ኣበሃህላ ኣሎ። ንሱ ድማ ነቲ ንሕጊ ኣኽብሮት ዘይብሉ ወገን፥ ሥርዓት ንምትሓዝ ክድለ ከሎ “-ዝባን-ሕጊ-” ዝብል ኣበሃህላ ክጥቀም፥ ኅብረተ-ሰብና ክሠርሓሉ ዝጸንሐ ባህልና’ዩ። ስለዚ’ውን እቲ “-ዝባን-ሕጊ-” ዝብል ቃል፥ ከም ታቦት ዝፍራህን ዝኸብርን ቃል ስለ-ዝነበረ፥ ብምንም ተኣምር ረጊጽካዮን ጥሒስካዮን ክኽየድ ይከኣል ከም-ዘይነበረ፥ እቲ ነባር ባህልና ሕያው ምስክር’ዩ።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን, ጀርመን, 7ይ - ክፋል
ጉዕዞ ሕይወተይ ብኸምዚ ይቕጽል ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፥ ዝተማልአ ጥዕና ግና ኣይነበረንን። ማለት ከቢድ ናይ ጸቕጢ-ደም ሕማም ስለ-ዝነበረኒ፥ ቅሳነት ነይሩኒ ክብል ዝኽእል ሰብ ኣይነበርኩን። እቲ ዓቐነይ 200/100 ዝበጽሕ’ዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ሓደ ግዜ ኣብ ዓራተይ ኮይነ “-ኣታ ጎይታይ በጃኻ ካብዚ ሕማም’ዚ ገላግለኒ ኢለ-” ጸለኹ። ብእኡ ቀጺለ ምስ-ደቀስኩ ድማ፥ ነዚ ዝስዕብ ሕልሚ ኣብ ድቃሰይ ኮይነ ክሓልም ከኣልኩ። ማለት ሐደ ዝኾነ ነገር፥ ገጸይ ትንክፍ ዘብለኒ ዘሎ ኮይኑ ተሰማዓኒ። ከም ሓውሲ ስምባድ ብር ኢለ ብምትንሣእ ድማ፥ ቀልጢፈ መብራህቲ ኣብራህኩ። እንተኾነ ኣብቲ ክፍሊ ዝኾነ ነገር ዝረኣኹዎ ኣይነበረንን። ቀጺለ ድማ ኣብ ድቃሰይ ኣቶኹ። ልበይ ኣውዲቐ ድማ በጥ ኢለ ደቀስኩ።
ኣብ ቅንያት በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ንርከብ ምህላውና ክንዝክሮ ግዲ ይብለና። ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መዓልቲ ሰማእትነቱ ክንዝክር እንከለና፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ንዝግበር ዓመጽ ብትብዓት ናብ ንጉስ ቀሪቡ ክኹንኖ እንከሎ፥ እታ ክብርቲ ህይወቱ ድማ ብሰማእትነት ከም ዝሓለፈት ንዝክረሉ መዓልቲ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል "ጐደና እግዚኣብሔር ጽረጉ መገዱ ድማ ኣቅንዑ። "ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ከረንን ኵርባን ዘበለ ድማ ትሕት ይበል፡ ቄናን ከኣ ይቕናዕ፡ ድንጉርውን ሰጥ ዝበለ መገዲ ይኹን" (ሉቃ 3፡ 4-5)። እምበኣር ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ኮይና፥ ዓመጽ ዘበለ የብቅዕ፡ ቄናን ኣካይዳ ይወገድ ብምባል ነቲ ዓማጺ ስርዓት ናይ ሃገርና ብትብዓት ከም ዮሓንስ ደው ምባል ክንላማመድ መንፈሳዊ ትብዓት ይሃበና ይብል። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከምዚ ይብል "ቅኑዕ ክትገብሩ፡ ሓቂ ኽትፈርዱ፡ እእዝዘኩም ኣለኹ። ነቲ ዝተዓመጸ ኻብቲ ዓማጺኡ ኣናግፍዎ (ኤር 22፡ 3)።
ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ (ቀዳም 22 ሓምለ 2017) ዝተዋህበ ስብከት።
መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ከም ዘሎ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባና ዚሓስቦ ሓሳባት፡ ኲሉ ጊዜ ስናይን ንደሓናን ዚኸውን ምዃኑ እዩ። ኣብዛ ኣብ ምድሪ እዚኣ ኣብ እነሕልፎ ሓጺር ዕድመና፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ኣንጻራውን ኲነታት ኢና እንሓልፍ። ኣብቲ ዚሰማምዓና ዂነታት ክንህልዉ ከሎና ብዛዕባ ሓሳብ ኣምላኽ ዚህልወና ስምዒታትን ርድኢትን በኣንጻሩ ኣብቲ ዘይንፈትዎ ዂነታት ክንህሉ ከሎና ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ዚህልወና ስምዒትን ርድኢትን፡ ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ ዝተረሓሓቐ እዩ።
ብቀሺ ወልደትንሳኤ ብርሃነ ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ (ቀዳም 22 ሓምለ 2017) ዝተዋህበ ስብከት።
ኣብ ዝሓለፈ ኣርእስትና “ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ” ዚብል ኣርእስቲ ርኢና። ብልብኻ መገድኻ ምሕሳብ ድማ ናይ ንስሓ ቀዳማይ ስጕምቲ እዩ። መገድኻ መርሚርካ ኣበሳኻ ድሕሪ ምፍላጥካ፡ ብድሕሪኡ ኽትገብሮም ዝእግባእ ተኸታተልቲ ስጕምትታት ኣለው።
ብቀሺ ኣስመሮም ሞሳዝጊ ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ (ቀዳም 22 ሓምለ 2017) ዝተዋህበ ስብከት
“ካብቲ ቐዳማይሲ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኺበልጽ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” ሃጌ 2:9
ብቀሺ ብርሃነ ጠዓመ - ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ዝተዋህበ ስብከት (ዓርቢ 21 ሓምለ 2017)
“ንስኻትኩም ግና፡ እቲ ቤተ ኣምላኽ እትስርሓሉ ጊዜ ገና እዩ፧ በልኩም።” እዚ ቓል እዚ፡ ኣንጻር እግዚኣብሄር ካብ ዝተዘርቡ ቃላት ሓደ እዩ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ንዕዮ ኣምላኽ ዜሰናኽሉ፡ ነቲ በሃሊኦም ድማ ባዕላዊ ዕንወት ዜስዕቡ ቓላት፡ እግዚኣብሄር ኪጸሮም ዚኸብድዎ መረርትን ክፋኣትን ቃላት እዮም።
ካብቲ ብራእይ ከይደዮ ዝሓደርኩ ተመስጦ ተመሊሰ፥ ነፍሰይ ክፈልጥ ምስ-ጀመርኩ፥ ኣእምሮይ ዝስሕት ዘሎኹ ኮይን’ዩ ተሰሚዑኒ። ኣበይ ከም-ዘለኹ-? ክፈልጥ እኽእል ኣይነበርኩን። እቲ ምሳይ ዝሓደረ ክዳውንቲኸ ኣበይ ደኣ ከይዱ-? ብምባል ኣብ ሃሰውሰው ኣቶኹ። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ንሓሳባተይ ኣዋቕዖ። ናብቲ ዝሓደርኩዎ ቦታ ክምለስ፥ ሃረር ካብ ምባለይ ዝተላዕለ ከኣ፥ “-ኣታ ጎይታይ-! በጃኻ ካብዚ ዓለም’ዚ ርሒቐ ከም-ዝነብር ግበረኒ። ከመይሲ ስለ-ዘፍቅረካ ካባኻ ርሒቐ ክነብር ኣይክእልን’የ። ብዘይ ፍቕርኻ ከኣ ኣነ ሕይወት የብለይኒ። እቲ ካብ ኣዕይንትኻ ዝወጽእ ዝነበረ ብርሃን፥ ምንም እንተኾነ ክርስዖ ዝኽእል ኣይኮንኩን -”
መወከሲ ዝኸውን መዝግበ-ቃላት ደኣ፥ ኣብዚ ኣብ ቀረባ የብለይን እምበር፥ እቲ “-ዕርቂ-” ዝብል ቃል፥ ምስምማዕ, ምልዛብ, ምትዕራቕ, ምርድዳእ, ምቅርራብ ካብ ምባል ዝሓልፍ፥ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን። ብዝኾነ ብዘይ ሕድገት ዝብጻሕ ዕርቂ ግና የልቦን። ስለዚ’ዮም ዓደቦና’ውን “-ዝወለደ እንተለሓሰ፥ ዝበደለ እንተኸሓሰ፥ ኣባጅጎስ ክንደይኮን ምተሓጎሰ-” ዝብሉ። ብዘይ ንስሓን ጣዕሳን ግና፥ ዕርቂ ክመጽእ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ